ቀናዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ
ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣስመራቀናዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራኣብ ተራ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር፡ስርዓተ-ትምህርቲ ኣብ ገስጋስ ስልጣነ እምነ-ኩርናዕ እዩ።
ብቁኑዕ ስርዓተ-ትምህርቲ እተኾስኮሰት ሃገር፡ሕንባበ ስልጣነኣ ቅልጡፍ፡ሓይሊ ገስጋሳ ድማ ገታኢ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።ዘይቁኑዕ ስርዓተ-ትምህርቲ ዘለዋ ሃገር፡ካበይ ተበጊሳ ናበይ ትኸይድ ዘይትፈልጥ፡ካብዚ ሓሊፉ ክንዮ ኣንፊ ጉዕዞኣ ምጥፍኡ፡ኣብ ሓድሕድ ህዝቢ እታ ሃገር ጎዳኢ ዝኾነ ነገራት ስለዝጸፊ፡ናብ ዓሌታዊ ጎነጽ ከብጽሕ ዝኽእል ሽግራት እዉን የኸትል እዩ።ዉሕሉል ስርዓተ-ትምህርቲ፡ብዉሕሉል መምህር ይምራሕ፡ዉሕሉላት ተማሃሮ የፍሪ፡ዘይጥዑይ ስርዓተ ትምህርቲ፡ብላሻት ተማሃሮ እዩ ዘፍሪ።ናይ ቀደም መምሃራን፡ከስተምህሩ እንከለዉ፡ብፍላይ ካብ ቀዳሞት መምሃራን ታሪኽ ዝምህሩ ዝነበሩ፡ብስምዒት፡መሶሊኒ እዚ ረሳሕ ከምዚ ከምዚ ፈጺሙ፡ሂትለር ኣረመኔ ነዛ ዓለም ዝሓደገላ የብሉን፡ኢሎም ክምህሩ እንከለዉ፡
ክሳብ ክንደይ መስካሕካሕቲ መረሕቲ ከምዝነበሩ፡ሂትለርን፡ሞሶሊንን ኣብ ኣእምሮ ተማሃራይ ናይ ምቕራጽ ልዑል ተራ ዝነበሮም እዮም ብምባል ኣብ ሓንቲ ዓለም እትብል ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብኣማኒኤል ሳህለ እተጻሕፈ ጽሑፍ ትዝ ይብለኒ።መምህር ናይ ወላዲ ቦታ እዩ ዝሕዝ፡ዋላ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ መንገዲ ናይ ቀደም መምሃራን እንተርኤሙኻ ንዉርደትካ እዩ።ዘይተጽንዕ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ ብምባል እዮም ዝገንሑኻ።ሓደ ግዜ መኮንን ሰረቐ ቢቲቢቶ ነብሱ ይምሓሮ ካብ ዘዕለለኒ፡ሰንበት ኣዲኡ ናብ መርዓ ሞሰብ ሙሉእ እንጀራ ኣዳልየን፡ንሞኮነን ክስከመለን ኣብ ርእሱ ኣሰኪመን ናብቲ መርዓ ነቐላ።
መኮነን እቲ ሞሶብ የዒንቱ ሸፊንዎ ስለዝነበረ፡ሕኛ ጌረን ስለዝነበራ ኣዲኡ እግረን እናተኸተለ ነዊሕ ተጓዓዘ እሞ፡ጥቓ ጥቓ ክልተ መርዓ ነበራ፡ካልእ ሕኛ ዝገበረት ሰበይቲ ብመንጎኦም ምስ ሓለፈት እዚኣ ኣደያ እያ ኢሉ ተደናጊሩ፡እግሪ እግሪ ካልእ ሰበይቲ ስዒቡ ኣብ ዘይፈልጦ ዳስ ኣተወ።ቀደም ሞሶብ ተሰኪምካ ናብ ዳስ እንተኣቲኻ፡ነቲ ሞሰብ ኣዉሪደን ወይ ተቐቢለን ሰብ ዉራይ፡ኣብ ገዚፍ ሸሓኒ ጌረን ሱኪ ይቕርባልካ ነበራ።ሞኮነን ሱኪ በሊዑ ምስ ወደአ፡ብድሕሪ ከም ኩሉ ናይ ሽዑ ወደ-ኣስመራ ዝገብሮ ናብ ዳስ ኣትዩ ኣዲኡ ከናዲ ጀመረ፡ከመይ ሲ ኣብ ትሕቲ ኣዴኻ ኮፍ ኢልካ ኢኻ ብመኽደን ጻሕሊ ኣስመራ ካብቲ ወሪዱ ዘሎ ማኣዲ ዝዋሃበካ።ነዛ ኣብ መኽደን ጻሕሊ ኣስመራ እትዋሃብ ደልዩ ነዲኡ ኣብ ኩሉ ማኣዲ ሃሰው እንተበለን፡መኮነን ቅብጽ ኢሉ ሰኣነን እሞ፡ንእሽቶ ስለዝነበረ ኣብ ማእከል ዳስ ኣዉያት ደርጎሖ።መምህሩ ኣብኡ ተዓዲሞም መጺኦም ስለዝነበሩ፡ካብቲ ዝነበርዎ መኣዲ ብድድ ኢሎም ካብቲ ዳስ ሰላሕ ኢሉ ከምዝወጽእ ገበሩ።
ንሰኑዩ እዚ ኹሉ ተማሃራይ ነናብ ክፍሉ ክኣትው ሰልፊ ጌሩ እንከሎ፡እቶም መምህር ንሞኮነን ብእዝኑ ብምዉጣጥ ኣብ ቅድሚ እዚ ኹሉ ኣማኢት ተማሃሮ፡ማይክ ብምሓዝ፡ቀዳመ-ሰንበት ንፉዕ ተማሃራይ እንታይ ይገብር ኢሎም ሓተትዎም፡ኩሉ ተማሃራይ የጽንዕ፡ዕዮ ገዛ ይሰርሕ ኢሎም መለሱ።ኣስዒቦም እቶም መምህር ንሞኮንን ብእዝኑ እናቆርጠጡ፡እዚ በጊዕ ግን ሞሶብ ተሰኪሙ መርዓ መርዓ ክኸይድ እዩ ቀዳመ-ሰንበት ግዚኡ ዘባኽን።ተጋግዩ ኣብ ዘይፈልጦ ዳስ ኣትዩ፡ነታ ዳስ ብኣዉያት ክልተ ጌርዋ፡ከምዚ ከይትኾኑ፡ንፉዕ ተማሃራይ ቀዳመ-ሰንበት ተደፊኡ ዘጽንዕ ብምባል ኣበርቲዖም ተዛረቡ፡ሞኮነን ኣብ ዝኣትዋ ጨነቖ፡ኩሎም ተማሃሮ ድማ መምህሮም ዝበልዎም ብልቢ ተሰቆሮም።ናይ ቀደም መምህር ዋላ ኣብ ደገ እንተርኢኻዮም፡ከይርእዩኻ ትሃድም።ከምይሲ ንሰኑዩ ዉርደትካ ኢኻ ትረክብ።ክቡር መምህር፡ክቡር ሰብ ንኽትከዉን እዩ ዝሕግዘካ።
መምሃራን ቀደም ንበይኖም እዮም ኔሮም ብምባል እዩ እቶም ናይ ቀደም ተማሃሮ የዘንትዉ።ሰነፍ መምህር እንተኾይኑ ድማ ምስ ተማሃርኡ ስኑፍ ዝኾነ ተግባራት ክፍጽም እዩ ዝረአ።መምህር ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ክቡር እዩ።ኣብ ዝኣተዎ ዓዲ ይኹን ቤት-ትምህርቲ ኣዝዩ ልዑል ክብረት እዩ ዝዋሃቦ።ከመይ ሲ መምህር ቀላሲ ምዕባለ ስለዝኾነ።ሓደ ካብዞም ናይ ቀደም ክቡራት መምሃራን ዝኾኑ፡ቀናዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ እዩም።
ቀናዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ፡ካብ ኣቦኦም ቀናዝማች ካሕሳይ ብርሃነን፡ካብ ኣዲኦም ወይዘሮ እንድርያሱ ሃብተን፡ኣብ ዓዶም ዓዲ ሹም ዓንዲ ኣብ ሰራየ ዞባ ደቡብ ብ19 መስከረም 1919 ተወለዱ።ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ 1928 ኣብ ዓዲ ቀይሕ ትምህርቲ ጀመሩ።ወላዲኦም ቀነዝማች ካሕሳይ ብርሃነ፡ዓስከር ጥልያን ስለዝነበሩ፡መነባብረኦም ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናተንቀሳቀሱ እዮም ዘሰላስሉ ዝነበሩ።ኣብ 1929 ናብ ኣስመራ ምስ ተቐየሩ ኣብ ኣስመራ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን፡ንመጀመርያ እዋን ብቋንቋ ትግርኛ ተማህሩ።ኣብ ዓመቱ እዉን ኣቦይ ቀነዝማች ካሕሳይ ናብ ከረን ስለዝተቐየሩ፡ቀነዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ኣብ ከረን ሳልሳይ ክፍሊ ኣብ ናይ ሞያ ቤትምህርቲ Art Emistery salva Gorage ተማሃሩ።ነገር ወታሃደር ካብን ናብን ናብራ ስለዝነበሮም፡ኣብ ከረን እዉን ብዙሕ ከይጸንሑ ንማሳዋ ተቐየሩ እሞ፡ቀነዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ናብ ባጽዕ ምስ ወላዲኦም ብምዉራድ ራብዓይ ክፍሊ ተማሂሮም ትምህርቶም ወዲኦም።ኣቦይ ቀነዝማች ካሕሳይ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናተዘዋወሩ ትምህርቶም ምጭራሶም ከም ዓቢ ደስ ዘብል ዕድል እዮም ዝቆጽርዎ ኔሮም።
ኣብ ግዜ ጥልያን ትምህርቲ ስለዝቐሰሙ፡ብቐንዱ ዕላማ ትምህርቲ ግዜ ጥልያን እንታይ እዩ ኔሩ ንዝብል፡ቀናዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ክገልጹ እንከለዉ፡“እቲ ትምህርቲ ንልዕልና ኢጣልያዉያን ዝገልጽ ስለዝነበረ፡ዕላማ ናይቲ ትምህርቲ ከመይ ኣቢልካ ኣገልጋሊን፡ተማእዛዚ ኮይንካ ከም ባርያ ንጻዕዱ ምግልጋል እዩ እቲ ቀንዲ ኣተና ናይቲ ቤት-ትምህርቲ።ኣብ ቤት-ትምህርቲ እናተማሃርካ፡ኣብኡ ጠበናጁ ኔሩ ንግሆ ንግሆ ጠበናጁ ትማሃር፡ከም ስርዓት ቡሉቕባሽ ተፈልዩልና፡ንመንግስቲ ኢጣልያ ንምግልጋል ንማሃር ኔርና።ጥልያን ናብ ኤርትራ ካብ ዝረገጸሉ እዋን ስርዓተ-ትምህርቲ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ምስተወሰነ፡እቲ ቀንዲ ናይቲ ግዜ እቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ምስተመስረተ፡ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብያተ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ተኸፍተ እሞ፡ናቱ ሓላፊ ድማ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ኮይኑ ተመዘዘ።ትምህርቲ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ጥራይ ክዋሃብ፡ክንይኡ እንተቀጺሉ ግን ርእሶም ክበልሕ ስለዝኽእል፡ተገምጢሎም ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ ከይላዓሉ ዝብል ስግኣት ስለዝነበሮምእዮም ትምህርቲ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ከምዝድረት ዝገበርዎ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ጸዓዱን፡ጸለምትን ብሓባር ኣብ ሓደ ክፍሊ ንኽማሃሩ እኳ እንተተፈተነ፡ብዙሕ ከይቀጸለ ግና ኣማሓዳሪ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ነዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ጸዓዱ ሓዋዊስና ክንምህሮም ግቡእ ኣይኮነን፡ከመይሲ ጻዕዳ ብሉጽ ዘርኢ እዩ፡ብተወሳኺ ርእሶም ከይበልሑ መታን ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ቋንቋ ጥልያን ጥራይ ንምሃሮም ኢሉ፡ቋንቋ ጥልያን ጥራሕ ከምዝማሃር ዝኾነ ኤርትራዊ ገበሩ።“ብምባል እዮም ዘዘንትዉ።ብፍላይ ሓደ ኢጣልያዊ ኣብ 1939 ኣብ ኤርትራ ናይ ትምህርቲ ሓላፊ ዝነበረ፡ኣብ ሓንቲ ናይ ኢጣልያ መጽሔት እዚ ዝስዕብ ምጽሓፉ ንቀነዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ምሒር ኣቆጠዖም።እቲ ኣንድርያ ፌስታ እተባህለ ኢጣልያዊ ከምዚ ክብል እዩ ጽሒፉ፡“ንጸለምቲ ማዕረ ኤዉሮጳዉያን ቆጺርካ ናብ ዝላዓለ ደረጃ ምብጽሖም፡ወይ የጸልሎም ወይ ትዕቢተኛታት እዩ ዝገብሮም“ ብምባል እዩ ዘሕዝን ጽሑፍ ጽሒፉ።
እዚ ድማ ተራ ሰብ እኳ ከይከዉን ሓላፊ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ፡ስለዚ እዚ ዘማሓድሮ ትምህርቲ ርኹስ ስርዓተ-ትምህርቲ ምዃኑ ንማንም ጉሉጽ እዩ።ስለዚ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣብ ግዜ ጣልያን፡ከመይ ጌሮም ተለኣኣኺን፡ኣገልጋሊን ናቶም ትኸዉን ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ እዩ ኔሩ ብምባል ኣቦይ ቀናዝማች ኣስፋሃ ይገልጹ። ቀናዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ኣብ 1933 ናይ ራብዓይ ክፍሊ ትምህርቶም ዛዚሞም፡ኣብ 1934 ጌና ወዲ ዓሰርተ-ኣርባዕተ ዓመት እንከለዉ፡ኣብ ምጽዋዕ ዋርድያ ፊናንሳ ኮይኖም ተኸተቡ።ኣብ ማሳዋ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋል ናብ መንደፈራ ናብ ስድረኦም ከዱ።
ቀናዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ መምህር ምስ ኮኑ፡እንታይ መምሃሪ መጻሕፍቲ ኔርኩም ዶ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረቦም፡ፈጺሙ መምሃሪ መጻሕፍቲ ኣይነበረናን፡ከምቲ ብዘይመምሃሪ መጻሕፍቲ ዝተማሃርናዪ፡ንሕና እዉን ብዘይመጻሕፍቲ ኢና ንምህር ኔርና።ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ ኔሩ ብምባል እዮም ንግዜ ምምህርና ዝጀመርሉ ዝገልጽዎ።ብዛዕባ ከም ደቂ ኣባት መጠን ኣብ ምምህርና ጽልዎኦም ከመይ ነበረ፡ቀነዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ከዋግዑ እንከለዉ፡ብመሰረቱ ንሕና ብዘይካ ቀዳማይ ክፍሊ ልዕሊኡ ክንምህር ይፍቀደልና ኣይነበረን፡ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ንላዕሊ፡ኢጣልያዉያን ወይ ደናግል እየን ዝምህራ ዝነበራ፡እቲ ት ምህርቲ ድማ ብጻልጣኡ ንልዕልና ጻዓዱ ክብ ዘብል እዩ ዝነበረ ብምባል ይምልሱ።ምምጻእ መግዛእቲ እንግሊዝ ንስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ሓድሽ በሪ ዝኸፈተ እዩ ኔሩ።
ኣብ 1943 ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ብእንግሊዝ ሓድሽ ስርዓተ-ትምህርቲ ተጀመረ።መንግስቲ እንግሊዝ ቋንቋ ትግርኛን፡እንግሊዝን ዝመልኽ ምሁር ይደልዩ ነበሩ እሞ፡ነቶም ንኽልተ ዓመታት ኣብ ፔሩድ ዩኒቨርስቲ ናይ ኣሜሪካ ተማሂሮም ዝመጹ፡መምህር ኢሳቕ ተወልደመድህን፡ኣብ ትሕቲ እንግሊዝ ኢንስፔክተር ገበርዎም፡እዚ ድማ ንመምህር ኢሳቕ ተወልደመድህን እቶም ናይ መጀመርያ ኤርትራዊ ኢንስፔክተር ይገብሮም።ነቶም ኤርትራዉያን መምሃራን ኣኪቦም ዝማሃርዎም ድማ መምህር ኢሳቕ ተወልደመድህን ነበሩ።ብስርዓት ብጋዜጣ ኣስማት ዝርዝር ነቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ዝማሃሩ ወጺኡ፡ቀነዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ዝርከብዎም፡ሓያሎ መምህራን ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኣኽርያ ስኳላ ስካሌራ፡ኣብ 18-01-1943 ተእከቡ እሞ ብመምህር ኢሳቕ ተወልደመድህን፡ንምምህርና ዘብቅዕ ግቡእ ስልጠና ቀሰሙ።
እቶም እተጸዉዑ መምሃራን ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ስለዝነበረ፡እቲ ዋዕላ ብዛዕባ ስርዓተ-ትምህርቲ ካብ ጥልያን ናብ እንግሊዘኛ ተቀይሩ ኣሎ እዮም ክብሉና ዝብል ትጽቢት እዩ ዝነበሮም፡ግናኸ ስርዓተ-ትምህርቲ ብትግርኛ ክኸዉን እዩ ምስተባሃሉ ብጣዕሚ ገረሞም።ምኽንያቱ ብትግርኛ እተዳለወ መምሃሪ መጻሕፍቲ ስለዘይነበረ እንታይ እዩ ዝኽወኖ ብምባል ተሸገሩ።ሽዑ መምህር ኢሳቕ ኣቶ ወልዳኣብ ወልደማርያም ገለ ቃላት ጌሮም ኣለዉ፡ሚት ኪድ፡ሪትለስ፡ጋም፣ ዙር፡ማን ዙር ዝብሉ ስለዘለዉ ንምዉስዋስ ኣካላት መምሃሪ፡ክንጥቀመሎም ኢና በሉ።ብዘይካ ናይ ኣቶ ወልዳኣብ ወልደማርያም መጽሓፍ ፊደል እትብል ካልእ ንመምሃሪ ዝኸዉን ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ ኣይነበሩን።ኣብቲ ንኽልተ ቕነ እተገብረ ክትዕ ትምህርቲ ብትግርኛ፡ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደ መደምደምታ ብምብጻሕ መምሃሪ ዝኸዉን ነገራት ብምዉህላል ነናብ ቤት-ትምህርቲ ዝተመደብዎ ከዱ።
ብድሕሪ እዚ ጸገም ዝመጸ ይብሉ ቀነዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ፡ብትግርኛ ክማሃሩ እዮም ምስተባህሉ፡ብዙሕ ሰብ ኣይተሓጎሰን፡ትግርኛ ኣይቅደሶ፡ኣይዉደሶ ከመይ ጌሩ መምሃሪ ቋንቋ ኮይኑ ከገልግል ብዝብል ርድኢት፡ብዙሕ ወላዲ ደቁ ናብ ቤት ትምህርቲ ምሳድድ ኣበየ፡ዝተወሰኑ ተማሃሮ ጥራይ ሒዘን ቤት-ትምህርታት ስርሐን ጀመራ።ቀጺሎም ቀነዝማች ኣስፋሃ፡ኣብቲ ኣነ ዝተመደብክሉ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ዃላ፡ንዝተወሰነ እዋን ብእንግሊዝ ድሕሪ ምምሃር፡ብትግርኛ ምስተቐየረ ስርዓተ-ትምህርቲ ናይ ኤርትራ፡ምዝገባ ምስጀመርና ኣብ ዓዲ ዃላ ህዝቢ ደቁ ከምዝግብ እኳ ጸደፍደፍ እንተበለ፡ካብቶም ናይ ወለዲ ኮሚተ ምሳና ዝተሓባበሩ ዝነበሩ፡ነቲ ህዝቢ ንምንታይ ጸደፍደፍ ትብሉ፡እቲ ትምህርቲ እኮ ብትግርኛ እዩ ምስበልዎም ተጋሒጦም ነቲ መስርዕ ራሕሪሖም ነናብ ቤቶም ከምዝኸዱ እዮም ዝጠቕሱ።ብድሕሪ እዚ ይብሉ ቀነዝማች ዝተወሰኑ ተማሃሮ ሒዝና ትምህርቲ ቀጸልና፡እቶም ናይ ወለዲ ኮሚተ ናብ ቤት-ትምህርቲ ንሓንቲ ማዓልቲ እኳ እንተኾነት ቅልቅል ምባል ኣበዩ።
እቲ ዘጋጠመኒ ጸገማት ነቲ እንግሊዛዊ ሓላፍየይ ዝነበረ ኩሉ ምስነገርክዎ፡ብጣዕሚ ሓዚኑ ነቶም ወለዲ ኮሚቴ ክሰደልካ እየ ናብቲ ቤት-ትምህርቲ፡ምስ ሰደዶም ጽቡቕ ጌረ ተቐቢለዮም፡እቶም ተማሃሮ ዓደየ፡ዓደየ ብእትብል መዝሙር ምስተቀበልዎም፡እቶም ኣቦ-ወንበር ወለዲ ኮሚተ ብሓቂ አይ አይ ቢሎም ኣልቀሱ፡ኣነ ዳኣ ከምዚ ዘይመሰለኒ፡ድሕሪ ሕጂ ቃል ትኹነኒ፡ኩሉ ተማሃራይ ናብዚ መጺኡ ንኽማሃር ኣብ ጎንኻ ኮይነ ክተሓጋገዘካ እየ ብምባል ቃል ኣትየሙለይ ከይዶም ብምባል እዮም ነቲ ዘጋጥሞም ነበረ ጸገማት ዝትርኹ።ናይ ቀደም መምሃራን ነቲ ዝነበሮ ሕጽረት ናይ መምሃሪ፡ሓድሕዶም ብምድግጋፍ ካብ መጻሕፍቲ ናይ ጥልያን እናተርጎሙ ሃጓፋቶም ይመልኡ ምንባሮም።ብሓቂ ናይ ቀደም መህራና ኣዝዮም ሓለይትን፡ጻዕረኛታትን፡ብዙሕ ድኻም ዘፍስሱ ከምዝነበሩ እዮም፡ቀነዝማች ኣስፋሃ ዝገልጹ።መምህር ኣብ ሓንቲ ሃገር ርእሲ ኩሉ እዩ።
መንፍዓት መምህር ድማ ንሓንቲ ሃገር ካብ ንቕድሚት ዘሰጉምዋ ሓይሊ ሓደ እዩ።ብምባል እዩ ዕላሎም ዘጠቓልሉ።ቀነዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ባዓል ሓዳርን፡ዉሉዳትን ኣለዉዎም፡፡ቀናዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ተዘካሪ ቦታ ዘለዎም ሃብሮም ኣማሓዳሪ ነበሩ፡፡ክሳብ ግዜ ፈድረሽን ድማ ክሳብ ሓላፊ ክፍሊ ትምርቲ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣቦ እዮም፡፡ክቡር ግዚኦም ኣብ ክቡር ማዓላ ድሕሪ ምዉዓል ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።
source | | |