ክልተ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብትካላ ጸጥታ ህግደፍ ከም ዝተጨውያ ተገሊጹ።

Saturday, 15 August 2009 13:54

እቲ ብስመ ሃገራዊ ድሕነት ንድሕነት ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክብል ሃገር ዘባድም ዘሎ ትካል ጸጥታ ህግደፍ፡ ኣብረሀት ሃብተ ንዝተባህለ ኣሮሞ ዝዓዳን፡ ልችያ ዝተባህለ ዓደ ባጊዕ ዝዓዳን

 

ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ጨውዮም ከም ዝወሰዱን ምኽንያት ምጭወይአን ይኹን ብሂወት ኣለዋዶ የለዋን ሓበሬታ ከም ዘይብለንን ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም። 

እተን ወ/ኣብረሀት ሃብተ ዝተባህላ ኣደ ካብ ሰንዓፈ ብዝመጹ ዕሱባት ብለይቲ ካብ ገዛአን ከም ዝተወስዳ፡ ልችያ ድማ ካብ ዓዳ ንዕዳጋ ኢላ ናብ ከተማ ሰንዓፌ ምስ ከደት፡ ብቐትሪ ካብ ዕዳጋ ከም ዝወሰድዋን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣረጋጊጾም ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም። 

 ስድራ-ቤት ናይ’ዘን  ዝተጨውያ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ዝኾነ ኣብኡ ከብጽሕ ዝኽእል ተግባራት ከም ዘይፈልጡለን ስለምንታይ ከምኡ ተገይሩን፡ ኣበይ’ከ ኣለዋን ደሃይ ስለዘይብሎም ኣብ ዓሚቕ ሻቕሎት ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። 

ሰንዓፌን ከባቢኣን ካብተን ጽዑቕን ቀጻልን ጸጥታዊ ምክትታላት ዝግበረለን፡ ነበርቲ ካብን ናብ ብነጻነት ዘይንቀሳቐሱለን፡ ብዙሓት ኣበሳ ዘይብሎም ዜጋታት ብተመልከተለይ ብጥይት ዝምልዓሱለን፡ ዝእሰሩለንን ስቅያታዊ መግረፍቲ ዝፍጸመለን ከባቢ ኤርትራ ሓደ ምዃኑ ተደጋጊሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

 

ድ.ሰ.ደ.ኤ. ዕለት 14.08.2009