ብዕለት 09/07/2010 ድኳን ዓብደላ ንምዝራፍ መፍትሕ ክሰብሩ ኣብ ዝፍትኑሉ ዝነበሩ እዋን ጎረባብቲ ሰሚዖም ምስ መጽኡዎም ከም ዝሃደሙን፡ ብዕለት 12/07/2010 ድማ ንምክትሉ ጀላን ኣንጀሎ ብዘይ ምንም ምኽንያት ሒዞም ንካርካሻ ከም ዝወሰዱዎን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ከም ዘይተፈልጠ እቲ ዜና ሓቢሩ፡፡

Full story

ስርዓት ህግደፍ ንሓርስቶት ኣባላት ኩናማ ከረምታዊ ማሕረስ ንከይሓርሱ የከላብቶም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡
Saturday, 31 July 2010 20:32
ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣለዲሺላ ንከይሓርሱ ከም ዝኸልከሎም ተፈሊጡ፡፡

 ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣለዲሺላ ከረምታዊ ሕርሻ ንክሓረሱ ንዝኸዱ ኣባላት ብሄር ኩናማ ኣብዚ ቦታ እንታይ ክትገብሩ መጽእኩም ፍቓድ ወረቐት ኣለኩም ዲኹም እሉ ኣብ ገዛ ናይ ሕርሻ ቦትኦም ሃዲዱ ነቲ ዝሰርሑዎ ገዛውቲ እውን ኣፍሪሱ ካብቲ ቦታ ከም ዘባረሮም እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡

በዚ እከይ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ዝተበሳጨው ተቀማጦ ካርካሻ ኣብዚ ናይ ሕርሻ ቦታና ንከይንሓርስ ስለምንታይ ትኽልክሉና ሓሪስና ክንበልዕ ገደፉና ኢሎም እንተጠርዑ እውን ዝሃቡዎም መልሲ ሰበይቲ በይና ሰብኣይ እውን በይኑ ጥሪቱን ደቁ ገዲፉ ዝኸይድ እንተድኣ ኮይኑ ሕራይ ጥሪትኩም ሒዝኩም ኣብኡ እንተድኣ ተራእኹም ወይለኹም እሎም ከም ዘፈራርሑዎም እቲ ዝመጸና ዜና ይሕብር፡፡ እቲ ዜና ወሲኹ ከም ዝገለጾ እዚ ቦታ ሕርሻ ኣብ ግዜ ኣኽራማት ካብ ነውሕ ዓመታት ደቆምን ጥሪቶምን ሒዞም ግዝያዊ ገዛውቲ ሰሪሖም ዝሓርሱሉ ናይ ሕርሻ ቦታ ከም ዝኾነ ሓቢሩ፡፡

ብካልእ ዜና ስርዓት ህግደፍ ንስርቂ ብዘዳለዎም ሸፋቱ ኣቢሉ ጥሪትን ገንዘብ ህዝቢ ብሓይሊ ናይ ምምንዛዕ ተግባራቱ ብዝኸፍኤ መልክዑ ይቅጽለሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡ በዚ መሰረት ብዕለት 08/07/2010 ሰለስተ ኣባላት ዝሓቆፈት ሸፋቱ ንቁሸት ቱጉሊቲ ብምኻድ ኣመሓዳሪ ናይታ ዓዲ ንዝኾኑ ዓብደላ ሹላ ሰዓት 10፡00 ካብ መደቀስኡ ኣተንሲኦም ንሰበይቱ ኣብ ገዛ ብመፍትሕ ቆሊፎም እንተድኣ ይእውኺ ወይለኺ ኢሎም ድኳን ዓብደላ ሰይሮም ብጥሬ ገንዘብ 35,000.00 ሺሕን ብዙሕ ንብረት ወሲዶም ንዕኡ ብገመድ ኣሲሮም ንነውሕ ግዜ ድሕሪ ምቅጥቃጥ ቀቲልናዮ ብዝብል ገዲፎሞ ከም ዝኸዱን ንጽባሕቲ ህዝቢ ከም ዝረኸቦ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ብድሕሪ እዚ ኣሬሜናዊ ክስተት ህዝቢ ንዓብደላ ንሆስፒታል ባረንቱ ሒዙዎ ከም ዝኸዱ ተፈሊጡ፡፡ ዓብደላ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ብዝተፈጸመ ከቢድ ማህረምቲ ኣብ ሆስፒታል ይሳቐ ከም ዘሎ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

እዞም ጉጅለ ክትረት ንካልኣይ ግዜ ብዕለት 09/07/2010 ድኳን ዓብደላ ንምዝራፍ መፍትሕ ክሰብሩ ኣብ ዝፍትኑሉ ዝነበሩ እዋን ጎረባብቲ ሰሚዖም ምስ መጽኡዎም ከም ዝሃደሙን፡ ብዕለት 12/07/2010 ድማ ንምክትሉ ጀላን ኣንጀሎ ብዘይ ምንም ምኽንያት ሒዞም ንካርካሻ ከም ዝወሰዱዎን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ከም ዘይተፈልጠ እቲ ዜና ሓቢሩ፡፡

 

Other Media