ተጋዳሊት "ዶር ላይነሽ ገብረህይወት

እታ ኣብነታዊት ዋዕሮ ተጋዳሊት "ዶር ላይነሽ ገብረህይወት" መን'ያ፧


ዶክተር ላይነሽ ገብረህይወት ኣብ "ህዝባዊ ግንባር" እታ ቀዳመይቲ ሓኪም ስኒ : ገጽን መንጋጋን ከም ተወሳኺ መምህርን ኣማሓዳሪትን ዝኾነት ዋዕሮ።
ኣብ ውግእ ብከቢድ ተሃሪሞም ንዝመጹ ውጉኣት ተጋደልቲ ብፍላይ ምስ መንጋጋ ስኒ ገጽ ብዝተሓሓዝ ኣብ ምሕካምን ንካልኦት ኣብቲ ሞያ ኣብ ምስልጣንን ካብተን ብኣብነት ዝጥቀሳ ክኢላ ሓኪም ሓንቲ እያ።

ዶክተር ላይነሽ ገብረህይወት ስድራቤታ ብንእስነታ ስለዝሞቱ ምስ ሓዋ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ እያ ዓብያ፡ ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ቤላሩስ "Belarus" ብምኻድ ሓኪም ስኒ ብምዃን ብዲግሪ ተመሪቓ


ድሕሪ መመረቕታ ኣብ ሂወታ ዓቢ ዝኾነ ውሳነ ወሰነት ። ናብቲ መሪር ዝኾነ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ ሰውራ ኤርትራ ኬድካ እጃምካ ምብርካት ዝብል ተባዕ ውሳነ ወሰነት።
ካብ "ቤላሩስ" ናብ "ቡልጋርያ" ተጓዒዛ፡ ኣብ "ቡልጋርያ" ንሓጺር ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ "ሮማ" (ዓዲ-ጥልያን)፡ ካብኡ ናብ "ካርቱም" (ሱዳን) ኣምሪሓ፡ ካብ "ካርቱም" ብቐጥታ ናብ ሜዳ ኤርትራ ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፋ።

ዶክተር ላይነሽ ኣብ 1977 ክትስለፍ እንከላ እቲ ቐዳምነት ዝገበረቶ ነገር ነቲ ዘይነበረ ኣገልግሎት ሕክምና ስንን ገጽን ምምስራትን፡ በቲ ዘሎ ድሩት ዓቕሚ ሕክምና ኣገልግሎት ምሃብ እዩ ።
በቲ ዝነበረ ውግእ ተሃሪሞም ዝመጹ ተጋደልቲ ብዘለዋ ክእለት ናብ ንቡር ዘይኮነ ጥቃ ንቡር ንምምጻእ ምጽዓርን መጻኢ ሂወት እቶም ውጉኣት ኣብ ምምሕያሽን እያ ተጸሚዳ ።
ጎኒ እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎታ ሓደስቲ ሓካይም ኣብ ምፍራይ ደኺመ ከይበለት ብዙሕ ፍልጠትን ክእለትን ናብ ካልኦት ኣመሓላሊፋን ተመሓላልፍ ኣላን።
ብፍላይ ኣብ መንከሶም መንጋግኦም ተሃሪሞም ዝመጹ በቲ እትገብረሎም ሕክምና ዝያዳ ትፍለጥ።
ንውልቅኻ ንፉዕ ዋላ እንተኾንካ ግን ምስ ካልኦት መሳርሕትኻ ብምትሕግጋዝ እትሰርሖ ስራሕ ዝያዳ ውጽኢታዊ ከም ዝኸውን እያ ትጉስጉስ ።
ኣብዘን ልዕሊ 43 ዓመታት ዝገበረቶ ልምዲ ስርሓ ተወሃሂድካ ምስራሕ ነቲ ትሰርሖ ስራሕ ዓቢ ውጽኢታዊ ከም ዘለዎ እያ ትዛረብ ።
ቀንዲ_መለለይ
ዶር_ላይነሽ
1. ሰዓታት ስራሕ ምኽባር ቅድሚ ሰዓትካ መጺእካ ተዳሊኻ ምጽናሕ ( ንሳ ብውልቃ ዝያዳ ሰዓታት ብምስራሕ ትፍለጥ )
2. ነቲ ሞያኻ ከተኽብርን ከተፍቅርን ኣለካ።
3. ነቲ ስራሕካ ብዕቱብ ክትሕዞ ኣለካ፡ ሸለልትነት ከተርኢ የብልካን ዝብል እምነት ኣለዋ ።
ድሕሪ ናጽነት ዋላ'ውን ክሳብ ሕጂ ሓደስቲ ተመሃሮ ኣብ ምስልጣንን ምምዕባልን ከም ኡ'ውን ኣብ ምምሕዳርን ተገልግል ዘላ ኤርትራዊት ዋዕሮ እያ።
"ዶር ላይነሽ ገብረሂወት" ካብ ሓንቲ ናብ ውሑዳት፡ ካብ ውሑዳት ናብ ብዙሓት፡ ዝፈረየት ብልጽቲ ኣብነታዊት ኣደ!
ኤርትራውነት ዘይብተኽ ሰንሰለት!
ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ
ዶክተር ላይነሽ!!!
ወድሓንኩም
#ፓሎ_ዘ_ፓራዲዞ
ምንጪ Ababu Setey
 

·