ህይወት ኣብ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ”

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2007 ን45 መዓልታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ’ሞ ብምንታይ ተኣሲሮም ብምንታይ ከም ዝተፈትሑ ዘይተነግሮም ከም ብዓል፦

  1. ኣሕመድ ባህጃ (ሕጂ ኣብ ኤሪ ቲቪ ጨንፈር ዓረብ ዝሰርሕ ዘሎ)
  2. ሰናይት ተስፋይ (ኣባል  ኤሪ ቲቪ ጨንፈር ሞዛይክ ዝነበረት)
  3. ጳውሎስ ኪዳነ (ኣባል ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝነበረ፡ ናብ ሱዳን እናተሰደ ከሎ ኣብ መገዲ ዝሞተ)
  4. ዳኒኤል ሙሴ (ኣባል  ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝነበረ፡ ብፈተነ ስግረ ዶብ ናይ 3 ዓመት ማእሰርቱ ፈጺሙ ናብ ንቡር ስርሑ ምስ ተመልሰ ኣንጻሩ ብዝተገብረ ሞራል ዘዉድቕ ናይ ቃላት መጥቃዕቲ ተበሳጭዩ ብማሕነቕቲ ነብሰ ቕትለት ዝፈጸመ)
  5. ተመስገን ኣባይ (ሕጂ  ኣብ ክፍሊ ቴሌቪዥን ጨንፈር ምድላዉ ዶኲመንታሪ ፊልም ዝሰርሕ ዘሎ)
  6. ኣሕመድ ዑመር ሼኽ (ኣብ መንጎ ኣልኣሚን መሓመድስዒድን ዓሊን ብዝተፈጥረ ናይ ሓይለይ ሓይልኻ ሕልኽ ዘመድ ኣልኣሚን ስለዝኾነ ጥራይ ግዳይ ኮይኑ ዝተኣስረ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን’ዉን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ብትእዛዝ ዓሊ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ ህድማ ዓሊ ዝተፈትሐ)
  7. የማነ ሃይለ (ሕጂ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝሰርሕ ዘሎ)
  8. ፈትሕያ ኻልድ (ኣባል ክፍሊ ቴሌቪዥን ጨንፈር ዓረብ ዝነበረት)
  9. ኣሚር ኣሕመድ (ኣባል  ክፍሊ ቴሌቪዥን ጨንፈር ዓረብ ዝነበረ)

10. ጌታቸዉ ኣስፋሃ (ኣባል ኒዉስሩም ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ) እዮም ነይሮም።

ብዘይካ እዚኣቶም ምስ ኣባላት ሬድዮ ባና ዝተኣስሩ’ሞ ኣብ ዘይተፈልጠ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝዳጎኑ ራብዓይ ዓመቶም ሒዞም ዘለዉ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት፦

  1. ኢሳቕ ኣብርሃም (ኣባል ክፍሊ ሬድዮ ጨንፈር ትግርኛ)
  2. ግርማይ ኣብርሃም (ኣባል ክፍሊ ሬድዮ ጨንፈር ትግርኛ)
  3. ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል (ኣባል ክፍሊ ፕረስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ)
  4. ሃብተማርያም ነጋሲ (ሓላፊ ደስክ እንግሊዝኛ ኣብ ኤሪ ቲቪ) ኣለው።

ብህይወትን ኣተሓሕዛን ሚኒስትሪ ዜና ተማሪሮም ካብ ሃገር ክወጹ ፈቲኖም ወይ ሓሲቦም ዝተታሕዙ’ሞ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ዝወጹን ዘይወጹን ጋዜጠኛታት’ዉን ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም፦

  1. እዮብ ከሰተ (ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ) ኣባል ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ
  2. መዋእል ገብረእግዚኣብሄር (ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ናብ ሱዳን ክስደድ ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ) ኣባል ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ
  3. በረኸት ኣብርሃም (ማእሰርቱ ፈጺሙ ዝወጸ) ኣባል ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ
  4. ተስፋልደት መብራህቱ (ማእሰርቱ ፈጺሙ ዝወጸ) ኣባል ድምጺ ሓፋሽ/ኤሪ ቲቪ ጨንፈር ትግርኛ ይርከቡዎም።

ብዘይካ እዚኣቶም ሃይሰም መብራህቱ (ሓላፊ ጨንፈር ኣገልግሎት ዜና ዞባ ደቡብ ዝነበረ) ንዓሊ ዝኸስስ ደብዳበ ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ኣእትዩ ተባሂሉ ብዉልቃዊ ትእዛዝ ዓሊ ዓብዱ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምእሳሩ ማእሰርቱ ፈጺሙ ምስ ወጸ ካብ ሓላፍነቱ ተረፊቱ ኣብ ጨንፈር ሚ/ዜና ዞባ ዓንሰባ ተራ ኣባል ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ።

ብሰንኪ ራዕዲን ሽበራን ዝመልኦ ህይወት ሚኒስትሪ ዜና፡ በብዓመቱ ሃገሮምን ስድራ ቤቶምን ገዲፎም ክስደዱ ዝተገደዱ ጋዜጠኛታት ዉሑዳት ኣይኮኑን። ናይ’ዚ ቀረባ ዓመታት ኣብነት ጥራይ እንተወሲድና ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2009 ክሳብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2012 ጥራይ (ኣብ ዉሽጢ ክልተ ዓመታት) 33 ጋዜጠኛታት ተሰዲዶም እዮም። ኣስማቶም ንምጥቃስ፡-

  1. ኢንጅነር ሚኪኤል  (ስም ኣቦኡ ዝረሳዕክዎ )  (ሓላፊ ጨንፈር ኣገልግሎት ዜና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ)
  2. ኢንጂነር ሚኪኤል (ስም ኣቦኡ ዝረሳዕክዎ )  (ቅድሚ ዳንኤል ክፍሎም ሓላፊ ጨንፈር ምህንድስና ኣብ ክፍሊ ቴለቪዥን ዝነበረ’ሞ ምስ ዓሊ ዓብዱ ብስራሕ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ገሸ ኣብኡ ዝተረፈ)
  3. ኪዳነማርያም ደስበለ (ኣብ ክፍሊ ቴሌቪዥን ሓላፊ ቻነል 2) (ኣብዚ ቀረባ እዋን ብስራሕ ናብ ኣሜሪካ ምስ ተላእከ ኣብኡ ዝተረፈ)
  4. ብዓልፋን ተስፋይ (ዋና ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዳት ኮም ዝነበረ)
  5. በየነ ገብረዮሃንስ  (ኒዉስሩም)
  6. ሚኪኤል ባህታ  (ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ)
  7. ሰናይ ገብረመድህን (ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ)
  8. ዓወት ኣረጋይ  (ኒዉስሩም)
  9. ኣማን /ኣምቸ/  (ኒዉስሩም)
  10. ዑስማን ኣደም (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ትራፊኪንግ)
  11. ሃንዱ ለሃዳ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ዓፈር)
  12. ሳሙኤል ጊልኡ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ብሊን)
  13. ነቢል ዑስማን (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ዓረብ)
  14. ጀማል ዓብደልቃድር (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ሳሆ)
  15. መሓመድ ሱሌማን ሆባ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ሕዳርብ)
  16. መሓመድ ኣድም (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ትግረ)
  17. መሓመድ ሓሰበላ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ትግረ)
  18. ስዒድ ኢብራሂም (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ሳሆ)
  19. ኣቤል ምሕረትኣብ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ትግርኛ)
  20. እድሪስ ብእምነት (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ዓረብ)
  21. ኣደም ጉሌ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ኩናማ)
  22. ዓብዱ መሓመድ ዓንዱ (ሓላፊ ጨንፈር ኣገልግሎት ዜና ዞባ ጋሽ ባርካ ዝነበረ)
  23. መሓመድ ዑስማን (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ትግረ)
  24. ስዒድ ኑሪ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ሳሆ)
  25. ማሕሙድ ኣባ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ናራ)
  26. ጆን ሕሳቡ (ክፍሊ ቴሌቪዥን)
  27. መንገሻ ሃብተ (ድምጺ ሓፋሽ/ኤሪ ቲቪ ጨንፈር ትግርኛ)
  28. ኢሳያስ ዘርኣይ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ትግርኛ)
  29. ኣማኑኤል ማህደረ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ትግርኛ/ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር)
  30. ኢሳያስ ፍስሃየ (ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ)
  31. ዑመር ኣሕመድ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ዓረብ/ኤሪ ቲቪ ጨንፈር ዓረብ)
  32. መሓመድ ዑስማን ሃይደር (ጋዜጣ ኤረትርያ ኣልሓዲሳ)
  33. ቴድሮስ (ስም ኣቦኡ ዝረሳዕክዎ)  (ጋዜጣ ኤርትራ ፕሮፋይል)

ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2007 ክሳብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2009 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተሰደዱ ድማ

  1. የማነ ካሳ (ክፍሊ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ትግርኛ)
  2. ግርማይ ደበሳይ (ክፍሊ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ትግርኛ)
  3. ኣማኑኤል ግርማይ (ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ትግርኛ/ሬድዮ ዛራ)
  4. ኣሕመድ ሸሪፍ (ክፍሊ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ዓረብ)
  5. ተመስገን ደበሳይ (ክፍሊ ቴሌቪዥን ፕሮግራም እንግሊዝኛ)
  6. ኣልኣሚን እድሪስ (ክፍሊ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ዓረብ)

ድሕሪ ህድማ ዓሊ ዓብዱ ካብ ሃገር ዝወጹ ወይ ብዝወጽዎ ዝተረፉ (መህደሚኦም ምኽንያት ግን ምስ ህድማ ዓሊ ዘይተኣሳሰር ኣባላት) ድማ፦

  1. ኤፍረም ተወልደ (ሬድዮ ዛራ)
  2. ገብረ መጎስ (ጨንፈር ደረቕ ስእሊ)
  3. ኣደም ዒተል (ብስራሕ ናብ ኣውስትራልያ ምስ ተላእከ ኣብኡ ዝተረፈ ኣባል ክፍሊ ቴሌቪዥን ሓላፊ ጨንፈር  ትግረ)
  4. ኣሚና ገብረመድህን (ብስራሕ ናብ ኣዉስትራልያ ምስ ተላእከት ኣብኡ ዝተረፈት ኣባል ክፍሊ ሬድዮ ጨንፈር ብሊን)
  5. ኢሳያስ ሰረቐ (ኣምቸ) (ብስራሕ ናብ ስዑድያ ምስ ተላእከ ኣብኡ ዝተረፈ ኣባል ክፍሊ ቴሌቪዥን)

ስለዚ ብጠቕላላ ኣብ ዉሽጢ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ጥራይ 44 ጋዜጠኛታት ካብ ሃገር ተሰዲዶም ኣለዉ። እዚ ቁጽሪ’ዚ ነቶም ካብ 2007 ክሳብ 2012 ኣብ ዘሎ ዓመታት ጥራይ ዝተሰዱ ዘጠቓልል እዩ። ቅድሚኡ ኣብ ዘመነ ዓሊ ዓብዱ ንሚኒስትሪ ዜና ራሕሪሖም ዝተሰዱ ኣባላት ከም ዘለዉ ርዱእ እዩ። ገለ ካብኦም’ዉን ኣብ ስደት ኮይኖም ብብርዖም ዝቃለሱ ዘለዉ እዮም።

እዞም ኩሎም ኣስማቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣባላት ኣብ ህይወቶም ዝሓሸ መጻኢ ንኸይሓልሙ ዝተኾነኑ መንእሰያት እዮም። ዓሊ ዓብዱ ዕድመን ዕድላትን ናይዞም መንእሰያት እናተቐለበ እዩ ዝነብር ነይሩ። እዞም መንእሰያት ሓንጎሎም ተጠቒሞም ብዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ እዩ ዝምስገንን “እሰርሕ ኣለኹ!” ኢሉ ዝጀሃርን ዝነበረ። ብዛዕባ መጻኢኦም ግን ሓንቲ መዓልቲ’ኳ ሓሲቡ ዘይፈልጥ ኣረሜን እዩ። ሓደ ምስጢር ዘይኮነ ምስጢር ክነግረኩም። ሰለስቲኦም ደቂ ዓሊ ኣብ ኣስመራ ተጠኒሶም ኣብ ኣሜሪካ እዮም ተወሊዶም። ደቅኻ ኣብ ኣሜሪካ ከም ዝዉለዱ ምግባር ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ዝገርም ግን ብዛዕባ መጻኢ ደቁ ክንዲ’ዚ ዝጭነቕ ኣቦ ብዛዕባ መጻኢ ኣባላቱ ቅንጣብ ሓሳብ’ዉን ሓሲቡ ኣይፈልጥን።

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል…

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yaho.com)

source ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ”

January 14, 2013January 14, 2013