ሎሚ ንጉሆ ገዚፍ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ሰገንይቲ ብጅምላ ኣብ ቤትማእሰርቲ ተዳጕኑ ከምዘሎ ቅድሚ ሒደት ደቃይቕ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ኣረዲኡ።
Wednesday, 27 April 2011 09:05
ኣብ ኤርትራ ኣድማ ከይጅመር ኣብ ሻቕሎት ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ፡ ሎሚ ንጉሆ ገዚፍ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ሰገነይቲ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዳጎነ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ምምሕዳር ከተማ ሰገንይቲ ንቐንዲ ቀሺ ናይቲ ዓዲ ንሳዋ ኪኸይድ ናይ ሓንቲ መዓልቲ መጠንቐቕታ ድሕሪ ምሃቦም፡ ብቤተክርስትያን ዝጸንሐ ብዙሕ ህዝቢ ናይታ ከተማ ተመኻኽIሩ ዓበይቲ ዓዲ ሓዊሱ፡ መስቀል ኣምሪሑ ነቲ ምምሕዳር ክልምን ድሕሪ ምኻዱ፡ ሰበስልጣን ህግደፍ ሰለማዊ ሰልፊ ትገብሩ ኣለውኹም ብዝብል ምኽንያት ንኹሉ ህዝቢ ብዘይመግቢ ኣብ ሓደ ቦታ ዓጕሮም ዳጕኖሞሞ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም። ነዚ ከበባ ንምፍጻም፡ ህዝቢ ርእዩዎ ዘይፍልጥ ኣሃዱ ሰራዊት ከምዝተላእከ ‘ውን ተፈሊጡ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዪ ከባቢታት ኤርትራ እንተላይ ኣብ ኣስመራ ወረቐት ምድርባይን ኣብ መናድቕ ናይ ተቓውሞ ጭርሖታት ምጽሓፍን ዝኣመሰለ ምልክታት ተቓውሞ ብቐጻሊ ይርኢ ስለዘሎ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ከይለዓል ሸለብ ገለብ ኣብ ምባል ይርከብ።