ብግዜ ጣልያን ንኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣብ ፈረንሳ ሞንትፔሊየ ዩኒቨርሲቲ ብክብ ዝበለ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳድ ፡ ኢትዮጵያ ብጣልያን ኣብ ዝተወረረትሉ እዋን ይኹን ድሕሪኡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ብመዝነት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዘገልገሉ ኤርትራዊ መበቆል ዝነበሮም ወዲ ዓድ ቐይሕ ብላቴን ጌታ ሎሬንዞ ታእዛዝ (መብራህቱ ታእዛዝ) ብወርሕ ሰነ 1947 ኣብ መበል 47 ዓመቶም ምስ ዓረፉ ፡ ብላታ ተስፋጽዮን ደረስ (ሓዎም ንጅግና ዘርኣይ ደረስ) ኣብ ናይ "ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ" ካብ ዘውጽኡሎም ነዊሕ መልቀስ ገለ ክፋሉ ከምዚ ይብል ።

ሽሕ ይሙት መሕደር ሽሕ ኣይሙት

ዓቢ እምባ'ንዲኻ መድፍዕ ዘየፍርሶ
ዓቢ ገዳም ማንም ዘይገሶ
ብርቱዕ ገረብ ታንኪ ዘይትጥሕሶ
ናይ ሙሉእ ኤርትራ ዝነበርካ ርሾ
ናይ ትግራይ ድፍን ዝነበርካ ርሾ
ናይ ኢትዮጵያ ድፍን ዝነበርካ ርሾ
ብርቱዕ ልቢ ማንም ዘይፍርክሾ
ኣይትውዕሎን ግዲ ትምለሶ
ጎይታኒ መዓረይ ብላታ ሎሬንሶ
ንዕቡይ ብፍትሒ ትምልዕሶ
ንፈታዊ ሃንዛ ተኾልሶ
ዓራትካዶ ኾነት ኣደዳ ወራሶ
ኣንታ ብርቱዕ ባሕሪ ኣዳም ዘይሕምብሶ
ካብ ሎሚ ያኢ መልክዕኻ ክበላሾ
ቁሪ መለስካልና ገብኢዓሶ
ተካል ህዝቢ እዝጊ ዝተበኣሶ
ብድሕሬኻስ እንታይኮንዩ ዝዓብሶ
ዓለም ኢሎሙዋ ዓለም ዋሾ ።

ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ተጸጊዑ
ወዲ ታእዛዝ ዝኸይድ ኮሪዑ
ኣካ ሎሚ ቀርንና ተሰሊዑ
ኢትዮጵያውያን ብኸዩሞ ንብዑ
ሎሬንዞ ሞይቱ ኢልኩም ኣይተወዓውዑ
እዞም እንሓረሽ ነብሪ ከይሰምዑ
ኣሰይ ኢሎም ልቦም ከይወቕዑ
ወደቦ ጠፍኤ ኢሎም ከይድንፍዑ
ንበይነን ተረፋ ኢሎም ከይኾርዑ
ነዚ ቑም ነገሩ ዘይውዳእ ተለኪዑ
ካብቲ ዓጽሙ ኽተቡሎም ንቖላዑ
ታሪኽ ናይ ጀጋኑ ከይርስዑ ።

ኣብ እምባ ያኢ ክንጽጋዕ ከነሳፍሕ ኣብ ሜዳ
ትጠንሳልና ዝበልናክን ሃሪፍና ክትወልዳ
ዕድልና ጌሩዎ ማርያምዶ ፈረዳ
ኣንትን ጓል ሳህለስላሰ ካብ ኩሉ ዝያዳ
ኣትን ጓል እምሩ ካብ ኩሉ ዝያዳ
ጓል መዃንንቲ ትኸይድ ኣንጓዕዲዳ
ሰራዊትኩም እትሓድር ተጻዊዳ
ዘውድኹም ትነብር ተዓሪዳ
ሰብ እልፊ ለጋሪት ሰብ እልፊ ቓንዳ
ሰብ እልፊ ምንጻፍ ሰብ እልፊ ስያዳ
ፈዳይ ሕነ ዝነበረክን ተቐባል መንጉዳ
በታኽ ጅማት ዝነብረ ሰባር በረኾዳ
ሰብኣይ ጠፍኣክን ወዳጀ ኾርዒዳ
እዛ ምድርስ'ኳ ዓቕላ ኣጽቢብናላ ተገዲዳ
ሰማይ በኽያትሎም ኣንጎድጉዊዳ
ኣሚነይ ኢልክን'ሞ ሓንሻቢተይ ዕበዳ
ቖብዕ ኣስፊኽን ንገዳምክን ኪዳ
ኣንበሳ ዝደየባ ዝብኢ እንተ መዀዳ
ክልተ ሞት እዩ ክልተ ዕዳ