HomeEnglishNews

ነቶም ተሞኽልዮም ናይ ህግደፍ ኣጽፋር ምቅላዕ ሃገራዊ ዕማም ኢዩ!!

ነቶም ተሞኽልዮም ናይ ህግደፍ ኣጽፋር ምቅላዕ ሃገራዊ ዕማም ኢዩ!!      
Tuesday, 25 November 2008

ብመምህር ተስፉ ዘውደ


እታ ናይ ሓሰረ መከራ ምስ ናይ ዶብ ሽግር ዝተኸስተት ኣይኮነትን  ጥራይ ቀንዲ ጸጋም ሃገርና። ከምኡ ዘየብል ኣዝዩ ጸላዊ ጥራይ ዘይኮነስ ካልእ ናይ ህላዌ ሃገር ዝፈታተን ጉዳያት እውን በዚ ዘሎ ገዛኢ ኣካል ዝተበተነ ብመደብ ዝተጠንጸሰሰ ከቢድ ኣዝዩ መሰረታዊ ፍሕሶታትን ወጥርታትን ኣሎ። ኣብቲ ኩሉ ናይ ዶባትና ዘጋጠመ ሽግራት ምስ ቅድሚ ምሕራር ኤርትራ ዝተኣልመ ዝተፋሕሰን ገመድ እውን ኣሎ። እዚ መደባት እዚ ርእሱ ዝኸእለ ኣህጉራዊ መበገሲታት ዘለዎ ስለ ዝኾነ ነቲ ብወገን ኤርትራዊ ዝርአ ደቀቕቲ ጭብጥታት ነዲቕካ ዝግለጽ ጥራይ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ናይ ኣመሪካውያን ጉዳይ ብዙሕ ነገር ደንጉዩ ዝተገልጸ ማለት ኣብታ ,,ኣምልኾተ-ስለላ“ (The cult of intelligence)  እሞ ገለ ዘይተገልጸ ሃጓፍ (delete) ከይመልኡን ዳሕራይ ክግለጽ ገለ ገለ እውን ተዓቑሩ ዘሎን ኢዩ ዝበርህ። ኣብ ኣመሪካ ምርጫታት ተኻይዱ ሓደስቲ መራሕቲ ክመጹ ከለዉ ብዙሕ ስለ ዝገሃድ ምግላጹ ኣይተርፎን። ብኣዝዩ ረቂቕ ስልትታት ዝተመደበ ሕንጻጽ ኢዩ ዝስነ። ገዛኢ ሃገርና ኣብ ደማስቆ ድሕሪ ናይ ቺና ትምህርቲ ምስ ተመልሰ ገለ ሽዑ ናይ ቺና ኤምባሲ ምስ ሮመዳን ከይዱ ሰውራ ኤርትራ ሓገዝ ኣይትግበሩ ክብል ዝሓሰዎ ሸርሒ፣ ብፖለቲካዊ ገምጋም ካብ ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ተመሃራይ፣ እሞ ምስ ጉድለት ትምህርቲ ምስ ትሑት ብቕዓት ዝነበሮ ዝፍጠር እውን ኣይኮነን። መልእኽቲ ስለ ዝነበሮን ስልጠና ዝተዋህቦን ተግባር ኢዩ ኣተግቢሩ። ኢሰያስ ኣብ ኣስመራ ብፍላይ ኣብ ቃኘው ምእታዉ ክነፍስ እውን ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። ዝረኣይዎን ዝሓበሩን ክቕልቀሉን ጀሚሮም ነይሮም። እቲ ሕቶ ኣብ ዓላ እንታይ ተፈጺሙ ቀስ ኢልካ ዝበርህ ገበን እውን በጨቕ ክብል ተሰሚዑ። 

ነዚ ድሕሪ ምሕራር ሃገርና ዘጋጠመና ወጥርታት ከም መፍትሕ ጉዳይና ብግሉጽ እንተደኣ ዘይዘቲናሉ ሽግርና ካብቲ ዘለዎ ናብ ዝዓሞቐ ገጹ ከም ዘንቆልቅል ዝሰሓት ኣይኮነን። ኣነ ብወገነይ ተኣፋፍነቱ ተራእዩንስ ካብ ምግሃዱ ትሑት ኣቓልቦ ሂብካ ክሳብ ናብ ካልእ ብስለት ንበጽሕ ምጽባይ ይሓይሽ ዝብል ርእይቶ ነይሩኒ። ግን ንሕማም ብኣጋ ዘይምርድኡ ከምኡውን ነቲ ገዛኢ ኣካል ዝዘርግሖ መርበብ ክዓሙቕን ክሳብ ሱር ሰዲዱ ዘዕኑ ምጽባይን ኣብ ዘይፍታሕ ኣዕናዊ መድረኽ ይሰግር ከም ዘሎ ደንጉዩ ተረዲኡኒ ክብል እመርጽ። ምጽቃጥ ወይ ብካልእ ክፍታሕ ምጽባይ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ሓበሬታ ኢዩ። ካባና ሓሊፉ ክፈትሖ ዝኽእል ካልእ ባዕዲ ኣካል ክህሉ ኣይክእልን። ምስ ከባቢና ሰላም እንተዘይ ገርና ድማ ሽግርና ናብ ምፍትሕ ዝወስደና ጎደና ክህሉ ኣይክእልን። ገዛኢና ኣንፈትና ናብ ካልእ ክንጥምት ዘውጸኦ ሕንጻጽ ጥራይ ንኽተል ኣለና ዘስምዕ መስመር ምኽታል ኢዩ።

እቲ ጨፍሊቑን ረጊጹን ሃገር ከም ጅሆ ሒዙ ዘሎ ኣካል መታን ሒዝዎ ዘሎ ስለጣን ብሒቱ ክነብር ዘኽእሎ እኩይ ሜላ ተጠቂሙ ንህዝቢ ጎዛዝዩ ክነብር ሓንሳብ ንሓዋሩን ዝመደቦ ኣዕናዊ ተግባራቱ ብሰፊሑን ብገፊሑን ኣዋፊሩ ይኸይድ ኣሎ። ቀንዲ’ቲ ዝኸፍአ ተግባሩ ንኤርትራውያን ዘጋታት መቓቒልካ ምግዛእ ዝብል ትግባረ ኢዩ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ባዕዳዊ ገዛኢና ዘይተጠቕመሉ ሕንዚ ሎሚ ብሰፊሑ ተዋፊሩ ተዘርጊሑን። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና ዝጀመሮ፣ ንለዋህ ሰራዊትና በቲ ዝጥቀመሉ ጎዛዛይን ፈላላይን ሜልኡ መሪዙን በሪዙን ግብረ-መልሲ ዘይዋሃበሉ ብልሃት ኣንጺፉ፣ ናይ ሓባር ፍታሕ ከይነናዲ በታቲኑና። እቲ ቀንዲ ሽግርና ድማ ዘይምክብባርን ዘይምጽውዋርን ኢዩ። ሃገርና ንምድሓን እምነትና ናብ ሓደ ኣካል ከነንብር ኣይግባእን። ናይ ሓባር ውክልና ክህለወና ኣለዎ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስቲ ክንፋላለ ንኽእል፣ ንድሕነት ሃገርና ግን ብቐዳምነት ንሰርዖ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ክንፋላለ ኣይግባእን። ሓደ ወካል ህዝቢ ዝኾነ ባይቶ ክህለወና ናይ ግድን ኢዩ። ዘይወከልናዮ ኣካል ኣብ ናይ ሰላም ውዕልን ውግእን ከእትወና ከነፍቅድ የብልናን። ገለ ተወኪለ ክብል ገለን ድማ ኣይተወከልኩን ዝብል ፍልልያት ሃገር ኣብ ሓደ የላን ዝሕብር ስእልና ግሉጽ ኢዩ። ላም ፍርቂ ጎድና ኣይትሰብሕ፣ ፍርቂ ጎድና ኣይትዓብር። ፍልልያትና ንኹሉ ዓይነት ሽግራት  ከም ዘቃልዓና ክንርዳእ ኣለና።   

እዚ ከም ንህቢ ነዲሩ ምስ ተበገሰ ንኹሉ ጻብእ ኪኖ ሓጹር ደርብዩ ሃገሩን ክብሩን ከውሕስ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝተሰከመ ለዋህ ህዝቢ ሎሚ ድምጹ ጠፊኡ፣ ዘትዩ ክፈትሖ ኣብ ዝይክእል ናይ ውሽጣዊ መግዛእታዊ ኣርዑት ኣትዩ፣  ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝኸፍአን ዝመረረን መግዛእትታት የሕልፍ ስለ ዘሎ ጸቕጢ ኣመና በርቲዕዎ። እቶም ተዋፊሮም ነዚ ገዛኢ እዚ ዘገልግሎ ውሽጣውያን ኣዛብእ ገለ ዝተደርበየ ተረፍ መረፍ ከይተርፎም ክሳብ ናይ ጥፍኣት ጋህሲ ሃገሮም ህዝቦን ክሒዶም ይስዕብዎ። ካብ ኣንጭዋ ግዳም ኣንጭዋ ቤት ትኸፍእ። እቲ ለባም ህዝብና ድማ ነቲ ዝገብርዎ ኣብ ማእገሩ ተሰኪሙ ንኹሉ ሰላማዊ ፍታሕ ክናዲ ክጽመም ጸኒሑ። ሕማቕ ሕማም ካብ ሞቱ ነይሓልፍ ኮይኑ ግን ደቁ እንዳ ተዘርዉን እንዳ ሃለቑን ድማ ርቀቱ ኣዝዩ ዝኸፍአ ክኸውን ክኢሉ። ካብ ኩሉ ድማ ዘይጽወር ክትጸውር ምፍታን እቲ ኣዝዩ ኣብራሲ ዓጽረ-ሞት ምጽዋዕ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ህዝቢ ነዚ ዘሎ ናይ ጸልማትን ባርነትን መግዛእቲ ተጸይፍዎ ግን ስለ ዝረዓደ ድማ ኣምላኽ ክምሕሮ ይምህለልን ይልምን ኣሎ። ናይ ቀሳር ንቐሳር፣ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ስለ ዝኾነ ነዚ ጸርናን ሓንጊርናን ዘምጻእናዮ ገበል ምእላይ ናትና ጉዳይ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣምላኽ ንስቅያትን መከራን ኣሕሊፉ ኣይሃበናን። ነቲ ንኹሉ ዝተፈጠረ ለዋህ ረቢ ኣምላኽ ኣይነማርር።

እስከ ገለ ገለ ካብቲ ዝኸፍአ ሸርሑ ክገልጽ።

1.ጉዳይ መሬት፣
ህዝብና ወናን መሬቱ ክኸውን ዝመደቦ ሕግን ስርዓትን ኣብ ግዜ ባዕዳዊ ጸላኢ እንተኾነ እውን ኣይተተንከፈን። ገለ ገለ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ መሬት ጉዳይ ዘስዓቦ ጠንቂ ብቐረባ ክመዝንዎ ስለ ዘይካኣሉ ከም ቀሊል ገይሮም ምውሳዶም ይዝከር። ምድልዳል ኢሎም ድማ የመኽንዩ። መሬት ካብቶም ዓቂቦሞን ኣጽሊሎምን ዝጸንሑ መንዚዕካ ንሰብ ዶላራት እንዳ ሸጥካስ ምድልዳል ክበሃል። ካብ ወነንትን ዓቀብቲ ሃገርን መንዚዕካ ብዶላራት ተሸይጡ ንገሊኦም ንብረቶም ሃጊርካ  ንገሊኦም ምሃብ ቁጠባ ሃገር ከልምዕ ተባሂሉ ደኾን ይኸውን? ዓዲ ሃገራይ ዓደይ ዝብል ዝነበረስ ኪድ ብዶላረይ ዝገዛእክዎ ክንብልዶ ንኽእል? ገለ ብለውሃት ክጥምትዎ ከለዉ ገለ ድማ ነቲ ዓመጽ ከም ረብሓ ገይሮም እንዳ ፈለጡ ክጥቀሙሉ ተጓይዮም። ዘገርም ኢዩ!! ንዱሙን ጸወታ ነንጭዋን ሞታ፣ ዝብል ለባም ምስላ ወለድና ትዝ ክብለና ይግባእ። ኤርትርዊ ዘጋ ሪሙን ብጽሒቱን መሬቱ ኢያ። ጭራም ናይ ህግደፍ መንነት ንሓንቲ ወይ ሓደ ኤርትራዊ ልዕሊ ሃገሩን መሬቱን ክትገልጾ ኣይትኽእልን። ንህዝቢ ብምጽወታ ሕብስቲ ቶኺብካ ካብ ተዐውቶ፣ ካብታ ትህቦ  ፍርቃ ባዕሉ ሓሪሱን ሓፊሱን ንነብሱ ከዕግባ ከሎ ትበልጾ። ጻማ ፍሪኡ ዝበልዕ ዝነበረ ህዝቢ ለማንን ተመጽዋትን ክትገብሮ ከለኻ ካልእ ውዲት ኢዩ። ሰብናን ማልናን ክንዲዚ ወይ ከምዚ ተኻፊእና ኣይንፈልጥን። 90% ኤርትራውያን ህይወቶም ምስ መሬቶም ዝተታሓሓዘ ህልውና ኢዩ ዘለዎም። ቅድሚ ካልኦት ኣህዛብ ኣብ ዓለምና ናይ ሓባር ወነንቲ መሬቶም ባዕሎም ንሶም ኢዮም ነይሮም። ብሓባር ዝውንንዋ መሬቶም ብሓባር ይሕልውዋን ይከሉኸሉላን ነይሮም። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ ሎሚ ኤርትራ ኣይመሃለወትን። ሕጂ ግን መሬቶም ወሲዱ እኽሎም ክሳብ ዘይዓጽድሉ ጉዳይ ትበጺሑ። ኤርትራዊያን ኣብ ታሪኽ ንመጀመርያ ግዜ ዘይኤርትርውያን ኮይኖም። ምስ መሬቶም ዝነበሮም ታሪኽን ያታን ሃሲሱ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዳዕሮ ወይ መቒዕ ወይ ዓላ ኮፍ ኢሎም ዝዝትይሉ ዝነበሩ ውራይ ከባቢኦም ዘይትዩሉ መድረኽ ኣትዮም። በረኻ ዓዶም ዝሕዘኣሉ፣ ዝሰዓረሉ፣ ብሓባር ንዘኽታማት ጸባ ረቡዕን ጸባ ዓርብን ብሕቡእ ንብጾቶ ዝልግሱሉ ዝነበሩ ባህሎም ጠፊኡ። ንደቂ ዘኽታማት ዘዕብዩሉ ወፈራዊ ማሕረስን ጉስነትን ሎሚ ወስ ከም ዘይብሉ ተጠፊሮም ወነንቲ ጫቓዊት ክኾኑሉ ኣብ ዘይክእሉ ሕሰም ተጋሊጾም። ኣብ በዓል ኮነ ኣብ ወግዓዊ መራኸቢ ውራዮም ጋሽኦም ምስ ጥልላቶም ዝቕበሉ ዝነበሩ ሎሚ ንምጽዋት ይጽበዩ ኣለዉ። ብጉዳይ መሬት ህዝቦም ክዛረቡ ይትረፍ ኣብታ ዱርኩኺት ዓዶም ዘላ ቃጽዖ ሓምሊ ገደና ዘይኣርዩላ እዋን በጺሖም። ምዕቡል ምምሕዳር ምስ ስነ-ፍልጠታዊ ስጉምቲ ዘካይድ ወካሊ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ዓለምና ዘመዓራሪ ህዝባዊ ስጉምቲ እንበር ሓደ ንጅብኡ ዝመልአ ዝተወጠረ መላኺ ብዝሓንጸጾ ራህዋን ፍትሕን ኣብ ዓለምና ተዘርጊሑን ተለጊሱን ኣይፈልጥን። ህዝብና መሬቱ ከለዎ ልግስን ሓልዮትን ካብ ካልእ ክጽበ ኣይክእልን። ርእሰ-ምርኮሳ ዝብል ሓሳዊ ጭርሖ ካብ ዘይናቱ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይትረፍ ካብ ግዳም እውን ክጽበ ኣይክእልን። ዘይወከሎ ናትካ ኢየ ኢሉ ተሓንጊሩ ክነብር ቅቡል ኣይኮነን። ፍትሓዊ ክኸውን እውን ኣይክእልን። ናይ ሕርሻ ምዕባለ ከምቲ ዓለምና ትግስግሶ ዘላ ንሕና እውን ቀድም ጥልያን እንግሊዝ ኢትዮጵያ ክገዝኡ ከለዉ ገለ ገለ ርኢናን ተማሂርናን ነርና። ሎሚ ግን ክልተ ኣእዳውና ጠፊሩ ንጀነራላት መሬትና ዝዕድል፣ ወሪሩ ዝበልዕ ኣንበጣን ኩብኩብታን ህግደፍ ካብ መግደፍና ሓሊፉ ንኹሉ ወኒኑ ሃጸፍ ጸፍ ክብል ትሕዝቶና ሸይጡ ዶላራት ኦይሮታት ከኻዕብት ይርከብ። እተን ኣብ ደገ ዝርከባ ቤት ጽሕፈታት ኤምባሲ ዝሓቖፍኣ ሂምቦል ትበሃል ዘይሕጋዊት ባንክ ብዘይ ቀጥዕን ሕግን መሬት ዝተሸጠ ብሸርፊ ናባና ክፈሉ እንዳ በለት ክትምንዝዕን ከተጠፋፍእን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርኦ ሓቀኛ ተግባር ኢዩ። እቶም ዝወለድናዮም ቆልዑ ተሃጊርና ብዘይ ንፈልጦ ባህሊ ክዓብዩ ካብ ምድሪ-በትና ተኾብኪቦም ሳዋ ወሪዶም። ሰራዊት ተዋጊኡ ጥራይ ዘይኮነስ ንዓመታት ንእስነቱ ወፍዩ ካብ ዝተወልደላ  መሬት ነቦታቱን ኣደታቱን ዘይኮነስ ካብ ሰብ መዚ ሃቡኒ ክብል ስለ ዝተገደደ፣ እቶም ሰብ መዚ ድማ ነቲ መሬት ስድርኡ ሸይጦም ጅቦኦም ዘራጉዱሉ እዋን ናይ ባርነት መዋእል ኣርኪባቶ። 10 ሽሕ ብር መጣየሲ ወይ 10 ሽሕ ናቕፋ ዋጋ ኣገልግሎቱ ተዋሂብዎ ኪኖ ሓጹር ተደርብዩ ይከኣሎ ሎሚ ብህዝብን ሃገርን ማዕረ ነዞም ንኤርትራ ዝኸዳዑ’ዶ ኣይኮነን ምስኦም ብሓባር ንሃገር ከም ዝጠለሙ ይዋረዱ ኣለዉ። ንሶም እንድዮም ኣብቲ ዝቃለሱሉ ዝነበሩ ባይታ ምስ ደቆም ይከእሎ ዋርሳይ ተባሂሎም ኣብ ዲቕ ዝበለ ጽልኢ ከም ዝኣትዉ ዝተገብረ። መን ንመን ኣውርስዎ። ብህግደፍ ብስውር ዝተመሓላለፈ ናይ ጽልኢ ውርሻ ደይኮነን ክልተኹም ተወራሪስዱም። መቓልስትና ኣሕዋትና፣ ተቐበልቲ ሕድሪ ድቅና ንመን ከንሐጉስ ንጻላእ። ሃገርና ብኹሉ መዳይ ትነብዕን ትደምን ኣላ። ሰንኪለ ዝበለ ድማ ጥይት ኣኾሊስካ ካብ ደልዓስዓስ ትብል ትዓርፍ ሰኸም ሃገር ኢኻ ተባሂሉ። እወ ስንኩል ንሃገር እንታይ ከፍርየላ ኢዩ ተባሂሉ። ኩላህና እውን ኣየእወናን። ኣደ ደኣ ካብ ኩሎም ደቃ ነቲ ስንኩልዶ ዝያዳ ትፈትዎን ትሕብሕቦን ኣይነበረትን? ንደቃ ድማ ነቲ ብባህሪ ዝሰንከለ ውላዳ ከኽብሩላ ትምህር። ኣብ ሃገራዊ ጉቡኡ ዝሰንከለ፣ ትማሊ ክጎይን ክዛልልን ትፈልጦ ውላዳ ዓራት ዝሓዘ ድኑስ፣ ባዕሉ ሽንቱን ግዳሙን ዘይጸርግ ኮይኑ መጺእዋስ ጥይት ገይሮም ክምልዕስዎ ከለዉ ከመይ ገይራ ተጽቅጥ? ኣቶም ደቂ ሃገር ስንኩላት ሓንቂቖም ዝብል ገዛኢ ከመይ ገርና ክንጽመሞ ክኢልና? ንዓመጽ ምጽማምከ መሰልካ ተኸቢሩ ማለት ዲዩ? ኣቐዲሙ ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን፣ እንተ ደልዮም ይቕረታ ይሕተቱ ክብል ከሎ እውን ኣጽቂጥና። እዚ ንቡር ዲዩ? ክጋደሉ ዝወጹ ገዳና ዓዶም ከምልሱ ዲዮም ተሰሊፎም? ሃገር ከድሕኑ፣ ካብ መግዛእቲ ከላቐቑዶ ኣይኮነን ተሰዊኦም? መስዋእቲ ዝጠዓመ ይጥዓማ። ወላድን ወላዲትን እንታይ ረኺቦም? ኣበይ ይሰዋእ ብዘየትገድስ ንሃገር ኢዩ ወዲቑ። ጀጋኑና ኣብ ኩሉ ኢዮም ነይሮም። ክብረትና ድማ ብሓንሳብ ከነኽብሮም ከለና ኢዩ። እወ እቶም ኣብ ጠሬጴዛ ንለይቲ 10.000 ናቕፋ ትድርብዩ ጀነራላት ኣብ ማይ ሓባር ናይቲ ብቑስልን ብሙግልን ዝጨነወ ስንኩል በጺሕክሞ’ዶ ትፈልጡ? ኣበይ ክትበጽሕዎ!!!! ብማይ ሓባር ክትሓልፉ ከለኹም ኣብቲ ተደርብይሉ ዘሎ ቦታ ገጽኩም ኣይትጥምቱን። ደይ ንጎብየን ንዓኻትኩምን ክጥዕም ዝሰንከለ ዓሻ መሲሉኩም ይኸውን። ንኹላህና ዝሰንከለ ጅግናና ብጥይት ክትድግስዎ ከለኹም ክንሓስብ ነይሩና። ነተን ደቀን ከፊለን ሎሚ ኣብ እርግንአን ታኒካ ማይ ዘቐብል ዝሰኣና ወለዲ ጉዳየን ኣቕሊብክምሉ’ዶ ትፈልጡ? ዕጨአን ኮይኑ ዝብል ብሂል ከም መደዓዓሲ ሂብኩም ሕልፍ እንበር ትብሉ። ናይ ኣደታትስ ይትረፍ ከይንብል ኣብ ቅድሚ ዓይንና ደሞዘን ወርቀን ጥሪተን ዝሃባ ናጽነትን መጺኣ ከይዓርፋን ከይሕጎሳን ብኹሉ መዳይ ውግእ ከፊትኩም ነቶም ክጥጥዑን ነያታቶም ክትክኡን ዝተሓስቡ ብሓሶት ምክልኻል መሬት ብዝብል ምስምስ ብኣሽሓት ኣውዲቕኩም ብዕጽፍታት ስንኩላት ቀይርኩም ነቶም ዝተረፉ ልዕሊ 300.000 ኣብ ጎደጉድ ኣስፊርኩም ሎሚ ብሓሶት ዲግሪ ከተልብሱ ትረኣዩ። ህዝቢ ዘይመሰሉ ከምስል፣ ዘይተስከሩ ከተስክር ብርሃን ተረኹቢ ክብል ከሎ ኣዋልዱ ኣብቲ ንጀነራላት ብድኻም ኣሕዋትን ቀትሪ ምግቦም ክኽሽና ለይቲ ድማ መርወይ ወሲቦ ክኾና ከለዋ ንሃገርን ህዝብን ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ክመጻ? ጸሊም ቖቡዕን ጸሊም መጠሊና ኣልቢስኩም ናይ በረኻ ዲግሪታት ክትዕድሉ ትውዕሉ። ተሓሊልኩም ዲግሪ ምርካብ ሰኣን ብቕዓትኩም ዘይረኸብኩም ነቶም ክረኽቡ ዝኽእሉ ግን ከይረኽቡ ተብርሱ። ክጋደሉ ዝመጹ ብዓረር ኣብሪስኩም ዝፈጸምክሞ ገበን ንምሕባእ ህዝቢ ጉዳይ ኣብ ገድሊ ዝጠፍኡ ከይሓትት ውዲት ኣብ ልዕሊ ውዲት ዝናብ ኣዝኒብኩም ደቢስክሞ። እቶም ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ህዝቢ ተወጺዑ ዝበሉ ኣብ ዊዓ ዝወረዱ ደቅና ምስቶም ኣብ ሑጻታት ሳሕል ዝተረሽኑ ኣሕዋቶም ኣብ ሞት ኣራኺብክሞም። ገለ ካብ ጀጋኑና ድማ ሎሚ ኣብ ስደት ተቓወምቲ ክኾኑ ተገዲዶም ካብ ገድሊ ናብ ገድሊ ኣትዮም። ሓደ መንእሰይ ርእይትኡ ክህብ ሓቲተዮስ እዚ ጉጅለ ህግደፍ ገለ ሕነ ክፈዲ ዝመጸ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እዚ ወደይ ዝበደልናዮ ሕነ ዘፍዲስ ኣይነበረናን። ባዕልና ግን ተመን ኣብ መንኩብና እባ ኣቲእቲና ንንደፍ ኣለና ክብል ድማ መለስኩሉ።

ሕሱር ጉልባት፣።

ሳዋ ሃገራዊ ኣገልግሎት!!! ጉድ በሉ ጉድ!!!! ኣብየት ዝካየድ ዘሎ ምዕባለ። ኣብየት ዝካየድ ዘሎ ፍትሒ!!! ኣብ የት ዝካየድ ዘሎ ናይ ናብራ ዕብየት!!! ትቪ ኤረ ብብሩህ ሰብ ዲግሪ በብእዋኑ ከተመርቕ ትርአ111 ዓሊ ዶ ዓሊታት ክንብል? ዶክተር ክስቶ ወይ ሰመረ ርእሶም መሪቖም ይበሃል። ሃገር ብጥምየት ተፋሒሳ ዘሎ ዓጸቦ ንማንኪ ክሕተት ከሎ ዝተጋነነ ኢዩ ኢሉ። ተነፊሑ ክምልስ ከሎ ንዝረኣዮ ድማ ኤርትራ ዶኾን ንኻልኦት ሃገራት ትምጽውት ወይ ትቶክብ ከይትህሉ ኢኻ ትጠራጠር። መን ክጠራጠር። ኣብ ቲቪ መሬት ቀጠልያ ንቀጠልያ ክትርኢ ከለኻ እዞም ጋዘጠኛታት ዶኾን ተለቭዝን ኤርትራ ዘይሪኡ ኮይኖም ትብል። የብል እንበር። ኣብ ደቡብ ብዓጻዶ እኽሊ ከም ኩድኹዶ ክኹመር ክትርኢ ከለኻ ድማ መን ኢዩ ጥምየት ኣብ ኤርትራ ኣሎ ኢሉ ዝኣምን። መቸም ናይ ቲቪ ኤረ ተክኒካዊ ኣስኣእላ ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ዓሳክር ህግደፍ ናይ ንግሆ ውጽእ ክብሉ ከለዉ ግትር ኢሎም ተነፊሖም ኮርደብደብ ክብሉ ትዕዘብ። ኣጋጣሚ ሓደ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ይረኽቡ እሞ መረጋገጺ ክኾኖም ,,ሃገር ከመይ ኣላ“ ይብልዎ። ዋእ ክፉእ! ካብዚ ዝኸፍአ ካበይ ክመጽእ ይብሎም!! ኪድ መካፍኢ ክብሉ ጸርፍታት የዝንብሉ። ካልኣይ ሳልሳይ ራብዓይ ምስ ረኸቡ ,,ምስ ክንደይ ክንማጎት“ ክብሉ ጭርኦም ደጉሎም ንገዛ ይምለሱ። ምሸት ድማ ቲቪ ይውልዑ። እታ ናይ ቲቪ ሞባለ ድማ በለቕ ትብል። ደሓር ምስ ለበሙ ካብ ማእከል ከተማ ሽርብ ይብሉ። ኣብይ ደኣ ጠፊእካ። ንኣመሪካ ንካናዳ ንጀርመን ንስዊድን ከይደ ቀንየ። ተደጋጋሚ ሓሶት ኣሕፊሮውም ምዕባለ ዝብል ቃል ኣጽሊእዎም ዝተሓብኡ መዕለቢት መገሻ ትኸውን። እንታይ ኢዩ እቲ ዘታልሎም። ወዶም ጓሎም ብዘይ ደሞዝ ገንዘብ ዘይክፈሎ ጉልበት ከም ዘገልግሉ ከመይ ይጠፍኦም። ይፈልጥዎ እንድዮም። ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሓዳር ሰብኣይ ንቤተ-ሰቡ ሰበይቲ ንስድርኣ ክሰዱ ክሳብ ደቆም ዘየናብዩሉ መነባብሮ ንምግምጋም ካባቶም ንላዕሊ ዝፈልጥ መን ኣሎ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣብ ስደት ዘለዉ ዜጋታት ንስድርኦም መነባበሪ፣ ንሱዳን ንየመን ንኢትዮጵያ ወይ ኣብ ከንያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ወይ ኣብ ሊብያ ዘለዉ መንእሰያቶም ከምጽኡ ተለቂሖምን ተመርቂሖን ዝኣትውዋ ዕዳ ይፈልጥዎ እንድዮም። ካብቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ቀለብ ዓሳ ዝኾኑን ዝጠፍኡን መንእሰያት ኣፍሪቃን ኣስያን 25 ካብ 100 ኤርትራውያን ዶ ኣይኮኑን። እዞም ነዚ ሕሳም እዚ ተቓሊዖም ዘለዉ ስደተኛታት እንታይ ትርፍን ሕልፍን ኣለዎም ኢዮም ነዚ ፍንፉን ገዛኢ ዝጽመምዎ። ትጽቢት ረብሓ ስለ ዘይብላ ደቅና ይጥሕሉ ንሓና እውን ቁምነገር ኣይንገብር። ዕጫና ብህግደፍ ተመሪሕና ንገደል። እቲ መንእሰይ ነጻ ጉልበት ሂቡ ልዕሊ 10 ዓመት ብምግልጋል ንኤርትራ መጸበይታ ስኢኑላዶ ኣይኮነን ሃጽ ዝብል ዝሎ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝመሃር ሞያ ዝቐስም ሰሪሑን ጽዒሩን ነብሱ ክኽእልን ጽፉፍ መነባብሮ ክህልዎን ብዝብል መደብ ኢዩ። ሓቂ ንፍቶ 1 ኪሎ ሓሪጭ ካብ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ትሓስር። ሽኮርን ዘይትን ስኢኑ ዘይፈልጥ ህዝብና ጨው እኳ ንጋዳ። ከመይ ዝበለ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅርጺ ዲና ንጽበ። ኣብ ኤውሮጳ እንዳ ሰራሕና ንእንገዝኦ ሓርጭ ዘይቲ ሽኮር ካልእ ሃላኺ ነገር እንዳ ሰራሕና እንዳ ኣፍረናን በቲ ዘሎ መንባብሮ ከቢሩና እንዳ በልናስ ገንዘብ ሰዲድናሎም ብዘይ ፍረ እትረከብ ሃገርን ዕዳጋን ክኸብር? ከመይ ዝበለ ግልቡጥ ስነ-መጎት ቁጠባ ኢና ተማሂርና። ጉድ ተረኺቡ። ኣብ ክንዲ ብቀዳማይ ክፍሊ ጀሚርና ናብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ንበጽሕ ብኣንጻሩ ብ12 ክፍሊ ጀሚርና ናብ መዋእለ ሕጻናት ዝወርድ ኣተሓሳስባ ከነማዕብል። እሱ ከይኣክል ድማ 2 ካብ ሚእቲ ክፈል። ናይ እዝዶ እቲ ኣዋጽእ። ዘገርም ንመኸተ 150 ዘይሰርሕ 300 ነቲ ዝሰርሕ ክፈል ክብልኹም ከለዉ ትሓትዎ ሕቶ ክህልወኩም ኣይክእልን? ወድኹም ጓለኩመ ብናጻ እንዳ ተገዝአስ ነቲ ገዛኢ ትኸፍልዎ? ሓቁ እንዲዩ ኣያ ኢሰያስ ነዚኦም ረጊጽካን ጨፍጪፍካን ምግዛእ ጥራይ ዘድልዮም ዝብል ተግባር ከካይድ።

ገንዘብ፣

ዝኾነ ይኹን ናይ ሞያ ጉልበት ንኣገልግሎት ዝውዕል ካልእ ሃላኺ ነገር ቀርብን ሰደድን ብገንዘብ ኢዩ ዝትመን። ገንዘብ ጥራይ ንምእታው ዘይኮነስ ሞዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዝቕየሰሉ ፈሳሲ ኢዩ። ንኹሉ መሃዝን ኣፍራይን ድማ ናይ ኩሉ መበገሲኡን ናይ ምዕባሊኡን ጻማ ዝህብ ምስክር ጥራይ ዘይኮነ ከምኡውን ንመተባብዒ እትጥቀመሉ መለክዒ’ውን  ኢዩ። ንመራሕ ጃርንዳ ንህግደፍ ግን ስልጣኑ መጣጥሒ ስለ ዝኾነ ገንዘብ ንጸጥታ፣ ንሓለዋ፣ ከዳዓት መዐደጊ፣ ንናይ ሓበሬታ መዘንብዒ ዝውዕል መጋበሪ ይኸውን። ናይ ገንዘብ ረብሓ ንከም መራሕ ህግደፍ ዝርድኦ ኣድላይነቱ ብህዝቢ ዘለዎ እጠማምታ ንሃላኽን መነባብሮ መሸመቲ ከም ዘድልዮም እሞ ክጎድሎም ከሎ ክሳብ ንሶም ባዕሎም ክዕደጉ ዝኽእሉ ደረጃ ኣብጺሕካ ምምርስሖም ኣገልጋሊ መዕደግ ተንኮልን ሸርሕን ፍልልይን ከም ዝውዕል ገይሩ ኢዩ ዘንብሮ። ስለዚ ማዕከን ገንዘብ ብመጀመርያ ኣብ ቁጽጽር ናቱ ክውዕል ኣለዎ። ነቲ መፈላለይ መርባብ ክጥቀመሉ ገንዘብ ምስ መዓርግ የዋፍር። እቶም ዝዕደጉ ድማ ናብ ዝቐኑሉ ዝንቡል ባይታ ከም ዝወድቁ ይግበር። በቲ ዘለዎም ድኽመት ድማ ተመሪሖም መሳርሒ ናይቲ ባርባርዊ ውልቀ-ሰብ ከም ዝኾኑ ይሕንጸጽ። ህዝቢ ናይ ዓዳግን ሸያጥን መሰሉ ተገፊፉ ክሳብ ልመና ዝበጽሕ ይወርድ። እቲ ክዓይ ዝኽእል ብኸብዱ ይግዛእ። እቲ ዝደኸመ ይምጽወተሉ። እቲ ዘድሊ ድማ መጋበርያ ክኸውን ይዕደግ። ሃገርና ኣብዛ ደረጃ እዚኣ ኣይወረደትን ዲያ? መራሕ ህግደፍ ነቶም ምስ ስድርኦም ዝደናገጹ ኣብ ግምት ዘእተዎ መፈንጠራ እውን ኣለዎ። ኤርትራዊ ለዋህ፣ ፈታው ስድራ ቤቱ፣ መቕርቡ ዘኽብር ከም ዝኾነ ፈሊጡ ኣብ ዘሎ ኣልዩ ኣብ መጻወድያ ናቱ ከም ዝወድቕ ንምግባር ሃሰስ ክብል ኢዩ ዝውዕል። ሓደ ዘጋ ኣፍራይን ነጻ ምስ ዝኸውን ንጃንዳ ህግደፍ ስለ ዘስግኦ ጥምየትን ጸበባን ከም መሳርሒ ክጥቀመለን ይምድብ። ዝጠመየን ዝጸበቦን ካብ ናይ ሓባር ፍታሕ ናብ መዐንገሊ ከናዲ ይድፋእ። ኣብታ ድፍኢት ድማ መፈንጠራ ኣብኣ ኣላ። ሽዑ ካብቲ ዘለዎ ሓዉ ክረክብ ከም ዘለዎ ዝሕብር መጋበርያ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ይናፈስ። ወሃን ተቐባልን ኣብ መፈንጠራ ጥብ ይብሉ። ካልእ ኣማራጺ የለን። እቲ ዝኸፍአ ድማ ነፍስ-ወከፍ ሽግርና ክንፈትሕ እንበር ናይ ሓባር ፍታሕ ከነዳዲ እቲ ጠነጋት ህግደፍ ይሓልከና። ፍርሕን ራዕድን ከም መአከቢ ገንዘብ ይዝርጋሕ። ስድራና ብድኽነትን ጸበባን ጅሆ ስለ ተታሕዙ ኢድና ንገዛእን ንዖኦምን ትምግብ። ካብቲ ስድራና ዝተላእከሎም ድማ ዕዳጋ ክብ እንዳበለ ይዘምት። ካብ ብረድኤትና ዝነብሩ ማሕበራዊ ቁጠባ ሰረትና ዝመዓራረየሉ ምዕሩይ ምሕደራ ነካይድ ሰብና ካባና ክምጽወቱ ንሕና ክንተኩብ ንራባረብ። ሓቂ ግን ካልእ ኢዩ። ካብ ትኳቦ ሓደ መቕርብ ትንኣስ ትዕበ ንስድርኡ እግሮም ክተክሉ ብዝተሓተ ባዕሎም ተዋፊሮም ዘፍርዩሉ ሃሰስ ክብሉ ዝዕድም ሃዋሁ ክፍጠር መተኻእለ። ግን ብኣንጻሩ ብሓርኮትኮቶም ክንግዱን ቀረብ ናብ ዕዳጋ ዘቕርቡን ዘለዎም ዓጽዮም ናብ ካልእ ሃገር ከም ዝስደዱ ዝገብር ጃንዳ ብትሑት ዝብገሱ ፈጺሙ ኣይደልይን ኢዩ። ኣብ ደገ ዝርከቡ ኣባልት ናይ ስድራ-ቤትኩም 2% (ክልተ ካብ ሚእቲ) ስለ  ዘይከፈሉ ፍቓድ ናትኩም ኣይሕደስን ኢዩ ዝብል ሽፍታስ ንስድራና ነብሶም ክኽእሉ ከፍቅድ? ዘይኮነ ይዛረብ ወይ ይሕንጥጥ የለኹን። ጭብጥታት ኣለኒ እወ ብዓሰርተታት ዘይኮነስ ብሚእትታት። አረ ገሊኡስ ካብ ተጋደልቲ ስንኩላት ዝነበሩ መሃዝን ዘይተደረተ መንፈዓት ዘለዎም ነጋዶ ደቅኹም ኣብ ግዳም ዘለዉ እቲ ዝድለ 2% ስለ ዘይከፈሉ ኣይነሓድሰልኩምን ዝብል ጭቡጥ መርትዖ ክቐርብ ይከኣል። ወፍቲ ገንዘብ መጨቆኒ ህዝቢ ብትካል ብቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሩ፣ ዕዳጋ ንነጋዶ ከድኪ ይንኪ፣ ምስ ደኸዩ ድማ ዕዳጋ ሰማይ ይስቀል። ምስምስ ድማ እቶም ነጋዶ ዘምጽእዎ ሰበብ ገርካ ይግለጽ።

ወገናዊ ወፈራ።

ገለ ክብ ዝበለ ጸገም ከም ናይ እቶም ዝተቐየዱን ወይ ኣበይ ከም ዘለዉ ተጋደልቲ ሰበ ስልጣናት ዝተላዓዓለ ወጥሪ ምስ ዝፍጠር ቀልጢፍካ ትንዛሕ ሸርሒ እታ ወገንነት ኢያ። ኣብ ሜዳ 1973 እቲ ንምትእርራም ኢሉ ዝተበገሰ ናይቶም ውፍያት ተጋደልቲ ቅድም ብናይዝጊ ክፍሉ መንካዕ ዝብል ስም ተዋህቦም። ከም ኣዕዋፍ በረርቲ ከም እንስሳ ባይታ ድማ እጥበውቲ ዝብል ሕጫጨ ዝዓይነቱ። ግን ኣውራጃዊ ዝብል ስም ተዋህቦ። ከም ታረቀ ይሕደጎ፣ ኣፈወርቂ ክፍሉ (ሳጉኡ ኣምሓራይ) ዓዶም ዝፈልጥ ኣሎዶ? እንተደኣ ዓዶም ዝፈልጥ ሰብ ጭብጥታቱ ሒዙ ይቕረብ። ክልቲኦም ነቲ መሪሒ ኢየ በሃሊ ዝቃወሞ ምንቅስቓስ ናብ ዘየድሊ ኣውራጃነት ከም ዘእተዎ ዘቃልዑ ኢዮም። ኣነ ግን ዝፈልጦ ስለ ዘለኒ ስኽፍ ዝብለኒ ክጉዳይ የብለይን። እቲ ናይ ኣውራጀ ምንቅስቓስ ዝኸሽሑን ሓቂ ዘውጽኡን ግን ምስቶም ኣውራጃውያን ኢዮም ተባሂሎም ተቐንጺሎም። ንሶም ግን ነታ ትጥሰም ዝነበረት ጽሕፍቲ ዘንበቡ እሞ ጸረ ናይቲ ቀንጻሊ መሪሕነት ብፍላይ እኳ ነቲ ሓቂ ስለ ዘጋለጹዶ ኣይኮነን ተቐንጺሎም? ኣብዚ ናይ 11 ሰበ-ስልጣናት ከም ጅግና በራኺ ከም ጅግና ጴጥሮስ ከም ጅግና መስፍን ሓጎስ ዝተሓወስዎም ምልዕዓል ከይተረፈ ብታሕቲ ታሕቲ ኣውራጃውያን ተባሂሎም ክጽውዑ ዝተዋፈረ ገበን ዘገርም ኢዩ። ኣብዚ ናይዞም 11 ውፍያት ካብ ዓፋር ካብ ሳሆ ካብ ኩናማ ካብ ብሄር ትግረ ኣይተሓወስዎን ዲዮም? አረ ገለ ገለስ ኣሕዋቶም ከለዉ እከለ ከዳዕ ስለ ዝኾነ ኣብ ዓድና ከምኡ ዝበለ ጠላም የብልናን እንዳበሉ ከውርዩ ከይተላእኩ ልኡኻትን ዝለኣኹ ኣለዉ።

ከም ተመክሮይ ክነገር። ካብ 1974 ጀሚሩ ድሕሪ ናይ ወከ-ዛግር ንሳሕል ክወርድ ተሓቢሩኒ፣ ናይ ተሓአ ተጋዳላይ ኣብረሃም ኣንቶንዮ ተማሪኹ ምስ እስቲፋኖስ ዳኘው ንብለቓት ከነብጽሖ ተላኢኽና። ኣነ ከምቲ ዝተገልጸለይ መደበይ ኣብቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ ታዕሊም ክዕልም ዝብል ኢዩ ነይሩ። ይኹን እንበር ዘገረመኒ ኣብቲ ውግእ ሓድሕድ ዝነበረ ኩነታት ስለ ገለ ኣብ ልዕለይ ዝተዋፈረ ጸገም ንሽግርን መከራን ስለ ዘእተወኒ ተመሊሰ ክዕለም ተመደበ። ወተሃደራዊ ታዕሊም ከዐልመንኒ ዘድሊ በየናይ ምኽኑይ ዛዕባ ተበጊሱ ኣይርደኣንን። ተእውየሉን ትጠርዓሉ ስለ ዘየለ ድማ ተቐቢለዮ። ኣብ ተዓላማይ ወይ ናይ ፖለቲካ ትምህርቲ ከም ብሓድሽ ክመሃር ተገብረ። ምሕጻብ ሓንጎል ይብልኹም። ተመሊሰ ዓላማይ ክኸውን ተመደበ። ክዕልም ጀመርኩ። ቀጺሉ ሓይልታት ተዓለምቲ ክእዝዝ ተገብረ። ገለ ነባራት ተቓለስቲ ከም ናይ ሎሚ ምኒስተር ጸዓት ተስፋይ ገብረስላሰ እውን ኣብ ትሕተይ ይዕለሙ ነበሩ። ዘገረመኒ ነገር እውን ንሱ ነበረ። ተመሊሰ ተሳሒበ ናብ ሓለዋ ሰውራ ተኣሰርኩ። ምስቶም ናይ መንካዕ ኣባላት ከም ሙሴ ተስፋንኪኤል፡ የውሃንስ ስብሃቱ፡ ሃብተስላሰ፡ ርእሶም ካልኦት እውን ተቐይድኩ። ድሕሪ ንውሕ ዝበለ እዋን ድማ ናብቲ ተወልደ ኢዮብ ዝንበሮ ካልእ ጉጅለ ኣተኹ። ምስቲ ዳሕራይ ዝገልጾ ናይ ህይወት ታሪኽ ድማ ኣብቲ ዝተቐንጸሉላ ዕለት ንመጨረሻ ዝረኣኽዎም ምስክር ኢየ። ብዙሕ ሰብ ከምይ ገይሩ እታ ናይ መጨረሻ ዕለት ዝረኣኽዎም ይብል ይኾኑ። ሓቆም ክቐርብ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። ግን ኣነ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ዛጊድ ብሂወቶም ዘለዉ ገለ ገለ እሱራትን ኣብቲ ዝተቐንጸሉሉ እዋን ናይቲ ተኣሲርናሉ ዝነበርና ስንጭሮ ኣዛዝን ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ዝነበሩ ኣካላት ገና ህልዋት ስለ ዝኾነ ነታ ክቕንጸሉ ተሰሪዖም ዝኸዱ ዝነበሩ (ብድሩዓት ዝዓጠቑ ሰራዊት ተኸቢቦም) ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ጠርጢርና ነርና። ናይ ምዝርራብ ናጽነት ስለ ዘይነበረና ግን ኣይተመያየጥናሉን። ይኹን እንበር ኣነ ብወገነይ ነታ ዕለት ኣብ ሓንጎለይ ጽሒፈያ ነይረ። ካብ ኢሰያስ ንላዕሊ ድማ ምስክር የብለይን። ብዙሕ ስለ ዘተግብር ይሰልኮ ኢዩ። ብኣፉ ዝበሎ እንተ ዝብል ነይረ ግን ሰብ ሓስዩ ክብለኒ ምኸኣለ። ይኹን እንበር ኣብታ ኣዕናዊ ምንቅስቓስ 73 ትብል ጽሕፍቲ ባዕሉ ነታ ዕለት ስጉምቲ በታ ኣብ ሓንጎልይ መዝጊበያ ዝነበርኩ ልክዕ ገሊጽዋ። እንታይ ክብል ገሊጽዋ ትብሉ ትኾኑ። ይኹን እንበር እታ ቃል ዕለታ ከይ ወሰኽኩ ትብሎ፣ ,,እታ ነቲ ጉዳይ ክትውስን ዝወጸት ኮሚቴ ብዕለት………………..ስጉምቲ ክውሰድ ስለ ዝመደበት እቲ ውሳኔ ተተግቢሩ“ ትብል። ኣብ ሰራዊት ኣይተገልጸን። ኣብ ቀዳምይ ውድባዊ ጉባኤ ድሕሪ ዓመትን 4 ወርሕን ብውሳኔ ክትጸድቕ ቀሪባ። ስግኦም ብፍልሖን ሓመድን ዝተበልዑ ድሕሪ 16 ኣዋርሕ ክትእውጅ ንቡርዲዩ? ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ይብልኹም እዚ ኢዩ። ካብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንላዕሊ መረጋገጺ ክህሉ ኣይክእልን። ኣብ ሳሕል ነታ ጽሕፍቲ ተዓዲላስ ተሳሒባ። ንምንታይ ክትሰሓብ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ብድሕሪኡ ድማ ኩላህና እቶም ውጻእ መዓት ዝኾና ተራኺብና ነቲ ኣባህራሪ ኩነታት ንዛረበላ ኣለና። ሰብ ብባህሪኡ ገለ ዝምህሮ እኩይ ተግባር እንተዘይ ጀሊሖሙሉ ንዝግበር ዓመጽ ይጽየፎ ኢዩ። ቅድሚ 4 ዓመታት ይገብር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦክንሃይም ፍራንክፈርት ብኣቀናጽላ ናይቶም ጉጅለ መንካዕን ካልኦት ኣባላት ሲኣይኤ ዝበሃሉን ጀብሃ ልኢኻቶም ዝብልዎምን ገሊጸ ነይረ። ሓደ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ከምቲ ተስፉ ዝበሎ ዘይኮነስ ንዓና ናብ ብለቓት ዝነበርና ኣባላት ሰራዊት ከይንሰምዕ ጓይላ ግበሩ ኢሎም ጫውጫው እንዳ በልና ከለና ብጠያይቲ ረሽሪሸሞም ክብል ገሊጹ። ደሓን ሓረድዋ ሞተት ነጸይዋ መልተት ኢዩ፣ እቲ ሓቂ ግን በቶም ኣብቲ መቕዘፍቲ ዝወዓሉ ድምጺ ብዘይብሉ ኣገባብ ኢዩ ተፈጺሙ። ብመዓልቱን ጭብጥታቱን ድማ ክግለጽ ኢዩ። 

ንወገናዊ ወፈራ ኩላህና ከንጋልጾ ኣለና።

ነቲ ዝፍጸም ምቅላዕ ቅዱስ ዕላማ ኢዩ። እቲ ኣድላይ ስጉምቲ እንተዘይ ተወሲዱ ግን ክሳብ ኣብ ምብትታኽ ስለ ዘብጽሕ ድማ ሃሳይን ኣብራስን ከም ዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ። እቲ ነዚ ጉዳይ ዘዋፍር ድማ ነቶም እንተ ተረዲእዎም እንተ ከይተረድኦም ነዚ ወገናዊ ምፍልላይ ዘናዕቡ በየናይ መዳይ ብዘየገድስ ክቃልዑ ኣለዎም። ነቲ ዝፈላሊ ዘይምቅላዕ ድማ ካብ ቃልሲ ምዝንባል ኢዩ። ብርግጽ ዝመጸ ይምጻእ ብጭቡጥ ክንቃለሶም ኣለና። ኣዋፈርቲ ኣውራጀውያን ከለዉ ገለ ገለ ንልምዓት ዓዶም ኢሎም ዝንቀሳቐሱ ኣይንደግፎም እንበር ተግባሮም ሃሳይ ዘይኮነ ክንሱ ህዝቢ ኣብ ከምኡ ዝበለ ምጉጅጃል ከይዝንበል እንዳ ተቓለስና ,,ክሶቶ ኤርትርዊ ኣይኮነን፣ ሓቲትና ኣረጋጊጽና“ ዝብሉ ስቕ ኢልና ክንሪኦም ግቡእ ኣይኮነን። እዚ እውን ካብኣቶም ምስክርነት ዘድልየና ኣይኮነን። ግን እቲ ቀንዲ ነቲ ተቓዋማይ ነጺልካ ንተቓውሞ ሃገራዊ ከይስዕቦ ዝግበር ሜላ ስለ ዝኾነ ነዚ እኩይ ተግባር ክንቃለሶ ኣለና። ቤተ ሰብና ኣብ ሃገር ተረጊጾም እንዳ ነበሩ፣ ንሕና እውን እንፈትዋን እንብጀወላን ሃገርና ክንበጽሓ ዘይንኽእለሉ ህርፍርፎት ከለና ደበስና ድማ ብነውራም ተግባሮም ክዕወቱ ክንገድፎም ብጣዕሚ የሕዝን። እዚ ምግላጽ ንነብስኻ ምክልኻል ካብ ዝብል ኩርናዕ ዝተበገሰ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ነቲ ደምበ ተቓውሞ ምድኻም ዝካየድ ስለ ዝኾነ፣ ንብዙሓት ንጹሃት ተነጽሎ ከየጋጥሞም ንምርዓድ ዝፍጸም ገታኢ ሜላ መግትኢ ኣስማቶም እንዳ ብጭቡጥ እንዳ ተረቕሐ ክጋለጽ ኣለዎ። ነፍስ-ወከፍ ሃገራዊ ንክመጾ ዝግባእ ናይ ህግደፍ ኣጸያፊ ተግባር ክምክት ስለ ዝቃለስ ነቲ ክወርደኒ ይኽእል ዝብሎ ከም ቅቡል ክጽበዮን ክምክቶን ይግባእ። ንሶም ነቲ ቅዱስ ዝብልዎ ግን ርኹስ ተግባሮም ተኸቲሎም ፈላላይ ስርሖም ከዋፍሩ፣ ተቓዋማይ ድማ ርዒዱ ከጽቅጥ ዓውት ናይቲ ኣብ መንበር ህዝቢ ብሒቱ ዘሎ ናይ ወረቐት ኣንበስኦም ክኸውን ኣይንድግፍን። እዚ ኣብ ሃገርና ኣብቲ ህዝቢ ሰሪጹ ከም ዘሎ ስለ ንሰምዖን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ጭብጥታት ስለ ዘለና ሱሩ ክምሖ ኣለዎ። ብግብሪ ድማ።

ሓደ ፍቱር ናይ ሓደ ብሄር ወይ ካብ ድኻታት ወለዲ ወይ ካብ ካልእ እምነት ወይ ካብ ፍሉይ ሕብሪ ቀለም ክመርጽ ዝኽእል ሰብ የለን። ክመርጽ ድማ ኣድላይነት እውን የብሉን። ባህሪ ናታ ቀጥዒ ኣለዋ። መስርሓ ድማ ቀጻሊ ኢዩ (Nature takes ist own course)። ነዚ ዘይርድኡ ድማ ከም መሪጾም ካብ ሓደ ብሄር ወይ ቀቢላ ከም ዝተፈጥሩን ጹሩያት ኤርትራውያን እንዳ በሉ ክጀሃሩን ሃገር ከነውሩን ትምክሕቶም ዘኽዕብ ከሎ ክጀሃሩን ክንገድፎም የብልናን። ንሕና መንግስቲ ህግደፍ ጥዒሙና፣ ፍትሓውን ዓዳል ራህዋን ኢዩ ኢሎም ክምድሩ ክንከልኦም ኣይንደልን። መሰሎም ኢዩ ነቲ ዝኣምንሉ ብጭቡጥ ክጣበቑሉ። ንሕና ግን ኣብ መድረኽ ፍትሒ ብማዕረ ቀሪብና ክንምክቶም ክምክቱና ንጽውዕ። ፍትሒ ሕጊ ንኹሉ ብማዕረ ከተጽልል ኣለዋ። ሃግር ከይትቆራረስ ከይትጎጃጀል ህዝቢ እወ መላእ ህዝቢ ኢዩ ክምክተላ ዘለዎ። መንግስቲ ድማ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ዝቦቐለ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ስልጣን ክድይብ ዝደሊ ብግሉጽ ኣብ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኮይኑ ስልጣን ክርከብን ክውከልን ኣለዎ። ካብ ህዝቢ ዘይመንጨወ ስልጣን ድማ መላኺ ዲክታተር ጨፍላቒ ይበሃል። ድሕሪ 30 ወይ 40 ዓመታት ኢዩ ኣብ ኤርትራ ምርጫ ዝካየድ ዝብል መራሒ ጽሉል ክኸውን ኣለዎ። ንመላእ ዓለም ተጠሊዑ ኢዩ ቃለ መሕተት ኣብ ጀዚራ ገሊጹ። ዓለም ሰሚዓቶ፣ እቶም በሃማት ናቱ ግን እንዳ ረኣዩ ዝዓውሩ፣ ኣንዳ ጸምዑ ዝጸመሙ ይስምዕዎ እንበር ክሓፍሩሉን ኣብ ጎድኒ እቲ ብሓለንጊ ጥምየት ዝግረፍ ዘሎ ህዝቦም ደው ክብሉ ኣይከኣሉን ኣይደፈሩን እውን። ናይ ብርኪ ዘይኮኑስ ናይ ኣእምሮ ዕጹፋት ድማ ኢዮም። ሕጂ ሓንቲ ሓቀኛ ዝተፈጸመት ከጋልጽ።

ኣብ ከተማ ዳርምሽታት ኣብ ፍልይቲ እንዳ ኣሞይ ዝብልዋ መዕለሊት ካፈ እዞም ዝስዕቡ ሰባት ብጉዳይ ሃገር ይዝትዩ።
1. ኣቶ ኣርኣያ ተኪኤ።
2. ኣቶ መሓሪ ወልዱ።
3. ኣቶ ብርሃነ ገብራይ።
4. ኣቶ መስፍን
5. ኣቶ ሃይለ ተኪኤ።
ካልኦት ብርክት ዝበሉ እውን ነይሮም። ኣብ ምይይጦም ንዓይ ንተስፉ ዘውደ ኣቶ ኣርኣያ፣ ሓቲትናስ ትውልዱ ኤርትራዊ ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጽና ይብሉ። ካብቶም ዝነበሩ ድማ ኣድላይ ሓበሬታ ብምሃብ ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ይቃወሙ። ተቓዋይ ስለ ዝኾነ ከም ዘይ ኤርትራዊ ገርኩም ከተቕርብዎ ኣይትኽእሉን ዝብል መልሲ ድማ ይህብሉ። ዳርጋ ኩሎም ካብ ቁጽሪ 1 ክሳብ 4 ዘለዉ ሰባት ድማ ነቲ መንነተይ ከምቲ ኣብ ቁጽሪ 1 ዘለዉ ኣቶ ኣርኣያ ዝሃቡ ከነሃህሩ ይስምዑ። እታ ነገር ከምቲ ዝበልዋ ድማ ናባይ ተቓሊዓ ትበጽሕ። ኣነ ብትውልደይ ኤርትራዊ ኢየ። ግን ብዝበሉኒ ጉሁይ እኳ እንተዘይ ኮንኩ፣ ነቲ ዝኣምነሉ ጸረ ህግደፍ ዕላማ ተነጽሎ ከጋጥመኒ ይክእል ኢዩ ዝብል ስክፍታ ኣይሃልወኒ እንበር ብኹሉ መዳይ ነቶም በዚ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት ነቲ ዝኽተልዎ ከቃልዕ ተበጊሰ። ንኣቶ ኣርኣያ ተኪኤ ብዕለት 20.11.2008 ሓንቲ ናይ ከተማ ባቡር ምስ ሓደ ሓው ይረኽቦም። ክልቲኦም እንዳ ኣዕለሉ ክመጹ ከለዉ ሰላም ይብሉኒ። ኣነ ድማ ድሕሪ ናይ ሰላምታ መልሲ ምሃበይ ,,ኣቶ ኣርኣያ ኣነ ኤርትራዊ ከም ዘይኮንኩ ካበይ ኣምጺእክሞ፣ ስለምንታይ ድማ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ምምርማር በጺሕኩም“ ክብል ተወከስክዎም። ንሶም ድማ ,,ንኣዲስ ኣበባ ከድካ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ማዕከናት ዝተዛረብካዮ ሰሚዐ ንደቂ ዓደይ ትብሎም ደቂ ቶኾንዳዕ ሓቲተ ኣይ ወዲ ዓድናን ኢዩ ስለ ዝበሉኒ ከረጋግጽ ክኢለ“ ክብሉ መለሱለይ። ብመጀመርያ ዓደይ ተኾንዳዕ ኢዩ ዝብል ቃል ካባይ ወጺኣ ኣይትፈልጥን። ካልኣይ ዓደቦይ ዓዲ ኣደይ ዝፈልጡ መቓልስተይ፣ መቕርባይ፣ ቤተ-ሰበይ መተዓብይተይ ኣለዉ። ኣብዚ ኣብ ጀርመን ይኹን ኣብ ኣስመራ። ግን ዓደይ ቶኾንዳዕ ዘብል እውን ኣይነበረንን። ብኣጋጣሚ ትውልዲ ሓረግ ስለ ዝኾነ ድማ ብገለ ወገነይ ዘገርም ድማ ካብ ቶኾንዳዕ ይውለድ ኢየ። ግን ኣይጸብጸብኩን ወይ ድማ ተዛሪበ ድማ ኣይፈልጥን። ኣብ ኦርነክ ህዝባዊ ሓይልትት፣ ህዝባዊ ግንባር ድማ ተጠቒሱ ይርከብ። ክከላኽል ድማ ኣይደልን። ግን ነዞም ዓቢ ሰብን ዘኽብሮም ዝነበርኩ ብኹሉ መዳይ ኣብ ዓድና ሓጽቢ መንገዲ ሕርሻ ሕክምና ቤት-ትምህርቲ ተሃኒጹ መንግስታ ይባርኽ መንግስትና ይጠጥዕ ክብሉን ናይ ኢሰያስ ዕድመን ጥዕናን ኣብ ዝተሰቕልዋ ባቡር ኣብ ዝተወጠሕዋ ኣውተቡስ ንዝረኸብዎ ሰብ ክነግሩን ከቃልሑን ስለ ዝውዕሉ ዘይሰማማዓሉ ይኹን እንበር ደፊረዮም ኣይፈልጥን። ንዐኦም ከም ዓቢ እሞ ከም ምስክር ገይሮም ከቕርብዎ ዝደልዩ ከም ዘለዉ ኣይጠፍኣንን። ሓደ ካቶም ተጠቂሶም ዘለዉ ኣስመራ በጺሑ ተጋዳላይ ነበር (መጀመርያ ምብጽሑ) ምስ መጸ ኣብ ሓደ ካፈ ምስ 4 ሰባት ኮፍ ኢሉ ጸኒሑንስ ኢደይ ዊጥ ኣቢለ ሰላም እንተ በልክዎ ,,ደሓን ኢድካ ኣክብ“ ቅድሚ እዛ ዕለት እዚእ እውን ኣጋጢኑኒ ነይሩ። መሰሉ ኢዩ ዝተርፈኒ እውን የለን። ሰላም ክንበሃሃልን ክንመያየጥን እውን ኣይጸልእን። ብቕዓት እንተ ኣለዎ ኣቦይ ኣይቀተለ ኣቡኡ እውን ኣይቀተልኩን ብጉዳይ ሃገር ድማ ንኽልተና ዝብጸሓና ስለ ዝኾነ ንሃገረይ ዝበደልክዎ ምስ ዝህልዎ ክሓተንን ክነቕፈንን ፍቑድ ኢዩ። ግን ኣብ ኣስመራ ዝተዋህቦ ሓደራ ክፍጽም ዝተበገሰ ክመስል ኢድካ ኣክብ ዝብል ተግባሩ ብጣዕሚ ዘገርም ኢዩ ነይሩ። ነዞም ዓቢ ሰብ ድማ ወይ ከሓጉስዎ ከመጉስዎ ዝተገብረ ምስታ ቀዳመይቲ ስርሑ ተዛሚዳ ኢያ ቀሪባ። ግን ነዞም ሰባት ክሕብሮም ዝደሊ ኣብ ጀርመን እንበር ኣብ ኤርትራ ከም ዘየለዉ ኢየ። እቲ ሕግን ስሮዓት ናይ ጀርመን ናይ ሰብ መንነት መንግስታዊ እሱ እውን ገበን ምስ ዝፍጸም ደኣ እንበር ውልቀ-ሰብ ክመራመርን ክፍሕትርን በቲ ምዕቃብ መንነት ዝብል (Daten Schutz ,,Data protection)  ምጥሓስ በቲ ምጥሓስ መንነት (Datenmissbrauch ,,Data abuse``) መሰል ዘጋ ምጥሓስ ከቢድ ገበን ምዃኑ ክፈልጡ ነይርዎም። ዝኾነ ይኹን ኣብ መንነትን ናይ ሓደ ሰብ ትውልድን በቲ ሰናዲ ኣካል ተዋሂብዎ ዝተሰነደ ድኣ እንበር ሰባት ከም ዝደለይዎ ከቕርቡ መሰል የብሎም። ብሕጊ ኣድላይ ጭብጥታት ተዋሂቡ ዝቐርብ ስለ ዝኾነ ነዞም ከዚኦም ዝበሉ ሰባት ኩሉ ሰብ ከቃልዖምን ኣድላይ ስጉምቲ ክወስደሎም ብፍላይ ምስ ህይወት ዝተሓሓዝ መሰል ምግሃስ ስለ ዝኾነ ክመሓሩ የብሎን። እዚ ሓንካስ ዘውረዮ ፈረሰኛ ነይመልሶ ዝበሃል ከቢድ ገበን ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ከቢድ ገበን ከም ምፍጻም ስለ ዝቑጸር ነቲ ሕጊ ሃገር ተመርኩስና ነዚ እኩይ ተግባርን ጻህያይን ካብ ሱሩ ክንምሕዎ ክንክእል እላቦ። ሕጊ ኣብ ዘለዎ ሃገር ስለ ዘለናን፣ ነቲ ደሞክራሲያዊ ክብሪ ከነስተማቕር ዕድል እውን ስለ ተዋህባአና ክንጥቀመሉን ነዞም ሕጊ ኣብ ሃገርና ዝጥሕስ ዘሎ ፈላላይ መንግስቲ ተመርኩሶም ,,ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከድካ ስለ መግለጺ ዝሃብካ“ ዝብል ክትዖም ቅስሙ ክስበር ክንቃለሶም ኣለና። ሓቅን ፍትሕን ኣብ ጎድንና ስለ ዝኾነ ካብቲ ተሓቢኦም ዝዛረብሉ መዝሒቕና ከነውጽኦም ኣለና።

ተስፉ ዘውደ

ካብ ከተማ ዳርም-ሽታት