me ትግርኛ ዜና ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 'ሞይቶም' ዝብል ከቢድ ስግኣት የንጸላሉ። 5 ካብኣቶም ግን ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ።

ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 'ሞይቶም' ዝብል ከቢድ ስግኣት የንጸላሉ። 5 ካብኣቶም ግን ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ።

Friday, 21 August 2009 01:08
Print PDF

ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እንተላይ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ከምዝተቐሳኦ፡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 'ሞይቶም' ዝብል ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ኸሎ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከቦም 5 ካብኣቶም ግን ድሒኖም ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ይርከቡ ኣለዉ።


እቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ኤርትራውያን ከምዝዝሓበሩዎ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ (ቅድሚ 20 መዓልቲ) ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር 80 ኤርትራውያን ኣብ ጃልባ ከምዝተሳፈሩ ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም። እቶም ኣብ ጣቓ ሞት ቀሪቦም ኢጣልያ ዝበጽሑ ግን ሓሙሽተ ጥራይ እዮም።

ሓደ ካብቶም ኣብ ምድሓኖም ዝተሳተፉ ሰራሕተኛ ናይ ገበርቲ ሰናይ፡ እታ ዝደሃነት ጓልኣንስተይቲ፡ "ናብ ኣስከሬን ተለዊጣ፡ ኣዒንታ ንሂሉ፡ መልኣከሞት" ትመስል ከምዝጸንሓቶ ገሊጹ።

ኣብ ኢጣልያ ዝመደበራ ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሎራ ቦልድሪኒ ነቲ ትራጀዲ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቓል " እዞም ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክንድዚ መዓልታት ጸኒሖም ቀልጢፎም ረዲኤት ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ዘሰምብድ እዩ" ክትብል ጓሂኣ ገሊጻ።

እቶም ብባሕሪ ተሳጊሮም ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ናይ ዓዶም ሓደጋ ሃዲሞም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ምዃኖም ድማ ገሊጻ።

 

 

ADVERTISEMENT

www.assenna.com
Voice of Asena Fund Raising!
www.geezsoft.com
geez word 7.1.0 is compatible with MS Office, including Adobe Illustrator, Photoshop, InDesign and more.