ማቴዎስ ሃብተኣብ (ማቹ) ኣብ ዘለኻዮ

የዕብዮ ገብረመድህን* On 02-Aug-2015 source /www.peneritrea.com/blog/----

ጋዜጣታት ቅድሚ ምዕጻወን፡ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት (ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን) ንህዝቢ ኣኪቡ፡ ብመንገዲ ዝወደቦም ሓደ-ሓደ ኣኼበኛታት ገይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣታት ብሕቲ ስጕምቲ ንኽውሰድ፡ ዝጠልብ ሕቶታት የጋውሕ ነይሩ። መንግስቲ ንድምጺ ህዝቢ ክዕፍን ይደሊ ምንባሩን እቲ ናይ ምዕጻው ስጕምቲ እንተድኣ ተወሲዱ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ነጻ ፕረስ ኤርትራ ጸሊም ነጥቢ ክገድፍ ምዃኑን ብምትሕስሳብን፡ ንደሞክራሲን ፍትሕን ኣብ ዝግበር ጕዕዞ፡ ንድሕሪት ዝጐትት ናይ ፈራሓት ስጕምቲ ምዃኑ ኣጠንቒቑ ነይሩ።


መተዓብይተይ መሳርሕተይ ነበርን ማቴዎስ ሃብተኣብ ገብረጊዮርጊስ፡ በታ ካብ ብንእሽቶኡ ዘዕበየቶ “ማቹ” እትብል ሳጓ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ መንጎ ቀረባ ኣዕሩኽቱን ፈለጥቱን’ውን ክሳብ ሎሚ በታ ሳጓ’ቲኣ’ዩ ዝለዓል። ቦኽሪ ንወለዱ ማቴዎስ ኣብታ መበቈል ዓዱ’ውን ዝዀነት ጎዳይፍ’ዩ ብ1974 ተወሊዱ። መባእታ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጎዳይፍ፣ ማእከላይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ባና፣ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሓላይ ድሕሪ ምምሃሩ ድማ ኣብ 1991 ምስ ካልኦት 35 ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሓላይ ብጸብለልታ ተመሪጹ ናብቲ ብሉጻት ተመሃሮ ዝኣትዉዎ ዝነበሩ ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ ተሰጋጊሩ። ኣብ ስነ-ኪነት ሓፈሻዊ መካኒክ ወዲኡ ብ1993 ድሕሪ ምምራቑ ድማ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ነጥቢ ስለ ዝረኸበ ናብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተጸንቢሩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ክፍሊ ስነ-ቍጽሪ (ማትስ) ብምጽናዕ ድማ ኣብ 1999 ቀዳማይ ዲግረ ረኺቡ።

ማቴዎስ ድጕል ናይ ጽሑፍ ወኒ ደኣ ይጽንሓዮ እምበር፡ ዳሕራይ’ዩ ኣጸቢቑ ኣለልዩዎስ ብሞያ’ውን ክሕዞ ፈቲኑ። ቀዲሙ ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣትሒዙ ግን ብዝተፈላለየ ደረጃ--ግን ከኣ ካብቲ ዝተለምደ ባህሊ ወደሳ ውጽእ ኢሉ--ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ-ኤርትራ ይሳተፍ ነይሩ። ዳሕራይ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን’ውን ነታ እንኮ ጋዜጣ ብደቂቕ ነንብባ ስለ ዝነበርና ማቴዎስ ወትሩ ብፍልይ ዝበለ ኵርናዕ ክጥምትን ካብ ብዙሓት መማህርቱ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ክህሉዎን እዝክሮ።

ምስ ማቹ ካብ መባእታ ኣትሒዝና፡ ብዅለን ዝሓለፍናየን ቤት-ትምህርቲ--ክሳዕ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሓደ ዓውዲ ምጽናዕ--ክንከይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳሕራይ’ውን ኣብ ጋዜጣ መቓልሕ መሳርሕቲ ኢና ኔርና። ክሳብ ዝደሓረ ማእሰርቱ ዘርክብ ድማ ኪንዮ ዕርክነት፡ መሳርሕቲን መማህርቲን ዝኸደ ኣመና ጥቡቕ ቅርበት’ዩ ነይሩና።

ማቴዎስ፡ ምስ ካልኦት ኣብ መጨረሽታ 1998 ጋዜጣ መቓልሕ  ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከሎ ኣብ ምድላው ጋዜጣ ተመሃሮ ይሰርሕ ነይሩ። እታ ንስሪ ዝተሰምየት ልሳን ተመሃሮ ዝነበረት ጋዜጣ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከኣ ማቴዎስ ምስ ካልኦት ብጾቱ በዓል ተስፋኣለም ሰጊድን ሚካኤል ወልዱን’ዩ ዘዳሉዋ ነይሩ። ጋዜጣታት ብሕቲ ምስ ጀመራ፡ ማቴዎስ ቀዲሙ ኣባል ቦርድ ጋዜጣ ጽጌናይ ኰይኑ’ዩ ስራሕ ጀሚሩ። ምስ ካልኦት ኣባላት’ታ ጋዜጣ ዝነበሩ ዘመንፈስ ሃይለ፡ ኣኽደር ኣሕመዲን፡ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊን መለስ ንጉሰን ድማ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ኰይኑ ጀሚሩ። ድሒሩ ድማ ካብ ጋዜጣ ጽጌናይ ብምውጻእ፡ እታ ብዕለት 31 ታሕሳስ 1998 ቀዳማይ ሕታም ዝጀመረት መቓልሕ ጋዜጣ መስሪቱ።

ጋዜጣ መቓልሕ ዝጀመሩ በዓል ማቴዎስን ዳዊት ሃብተሚካሌልን ብኣዝዩ ንኡስ ዓቕሚን ካብ ውልቆም ብዝተዋጽአ ንብረትን’ዮም ከፊቶማ። እታ ልቸንሳ ብስም ማቴዎስ ክትወጽእ እንከላ ከኣ 2000.00 (ክልተ-ሽሕ) ናቕፋ ካብ ሓደ ፈታዊ ተለቂሖም በተን ማሕተም ዘፍቅደን ዝወሓዳ ብዝሒ ሕትመት--ትሕቲ 1000 ቅዳሓት--ጀሚሮማ። ፈለማ ኣብታ ጋዜጣ ናይ ደገ ተሳታፊ ደኣ ይንበር እምበር፡ ካብ ሓምለ 1999 ኣትሒዘ ግን ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ኰይነ ክሳብ መወዳእታ እሰርሕ ነይረ። እታ ብትሕቲ ሓደ ሽሕ ሕታም ዝጀመረት ጋዜጣ መቓልሕ ግን ዳሕራይ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ምስ በጽሐት ክሳብ 40,000 (ኣርብዓ ሽሕ) ቅዳሓት ዝተሓትመሉ ግዜ ነይሩ። እዚ ቍጽሪ’ዚ ከኣ ጋዜጣታት ብሕቲ እንኮ ልሳን እቶም ደለየይቲ ለውጢ ምስ ኰናን ንሜ/ጀነራል ብርሃነ ገብረዝጋብሄር ቃለ-መጠየቕ ምስ ገበርናሉን’ዩ ነይሩ።

ምስ ማቴዎስ መተዓብይቲ፡ መማህርቲ፡ መሳርሕቲን ኣዕሩኽን ስለ ዝነበርና፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጕዕዞ ህይወተይ ምሳይ ተሳልዩ’ዩ--ክሳብ ምፍልላይ ዝመጽእ። ማቴዎስ ኵሉ መምሃርቱ ነበር ከም ዝዝክሮ፡ ብትብዓቱን ኣብ መስመሩ ብዘለዎ እምነት’ዩ ዝፍለጥ። ተመሃሮ ስነ-ኪነት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ብዘርእዮ ዝነበረ ተሪር መርገጺን ኣንጻር ወጽዓ ተመሃሮ ደው ምባልን ይልለ። ንተመሃሮ ወኪሉ ምስ ሓለፍቲ ዝካታዕን መሰል ተመሃሮ ዝሓትትን ወትሩ ማቴዎስ’ዩ ነይሩ።

እዚ ባህሪ’ዚ ከኣ ኣብቲ ዝደሓረ ናይ ጋዜጠኝንነት ህይወቱ’ውን ኣጥቢቑ የንጸባርቖ ነይሩ’ዩ። ኣብታ “ናጻ ፕረስ ንምዕባለ ሃገር” ዝጭርሖኣ ጋዜጣ መቓልሕ፡ ማቴዎስ ጸሓፊ፡ ኣርታዒ፡ ኣላዪን ጋዜጠኛን ኰይኑ’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ዝበዝሕ ርእሲ-ዓንቀጻት ዝጽሕፍ ንሱ ስለ ዝነበረ በታ ተራር ብርዑ’ዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሕልፊ ኣብ ፈለማ እዋን ዝነበረ ሳንሱር ሚኒስትሪ ዜናን ዋሕዲ መሳለጥያታትን፡ ነቲ ስራሕ ከም በዓል ማቴዎስ ዝመስሉ ሰባት ስለ ዝሓዙዎ ጥራይ’ዩ ቀጺሉ። እቶም ኣብ እንዳ ዜና ሳንሱር ዝገብሩ ዝነበሩ በዓል ኣስመሮም ሃብተማርያም፡ ሞክርያ ወልዱ፡ ኢሳቕ ያረድ በብእዋኖም እናተቐያየሩ መወዳእታ ዘይብሉ ጠለባትን ለውጥታትን ከቕርቡ እንከለዉ፡ ማቴዎስ ወትሩ ደው ኢሉ ይብድሆም ነይሩ። ብቐንዱ እቲ ዝግበር ዝነበረ መስርሕ ተስፋ ንምቝራጽ ዝዓለመ እኳ እንተ ነበረ፡ ማቴዎስ ግን መጒቱ’ዩ ደው ዘብሎም።

ጋዜጣ መቓልሕ ብዓቢኡ’ውን ኵለን እተን ካልኦት ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ብዘይካ እቲ ካብ ገዛ ዝተዋጽአን ካልእ ዳሕራይ ካብ መሸጣ ጋዜጣ ዝተረኽበ ኣመና ቍንጣሮ ንብረትን እምበር መወሳወሲ ኣይነበረንን። ወትሩ ረቡዕ ምሸት፡ ለይኣውት ጋዜጣ ኣዝዩ ደንጕዩ ምስ ተወደአ፡ ሓደ ካብ’ቶም ብተደጋጋሚ ግዜ ንማሕተም ዘብጽሓ ማቴዎስ’ዩ። ካብ ማእከል ከተማ ንቤት-ማሕተም፡ ካብኡ ከኣ ንገዛ ምኻድ መብዛሕትኡ ብታክሲ ገለ ውሑድ እዋን ከኣ ብናይ ግዱሳት ኣሕዋት መኪና’ዩ ዝካየድ። ማቴዎስ ከኣ ገለ እዋን ጋዜጣ ንማሕተም ምስ ኣብጸሓ ታክሲ’ውን ስለ ዘይረክብ፡ ደጋጊሙ ለይቲ ሰዓት 2፡00 ንገዛ (ጎዳይፍ) ብእግሩ ክመጽእ ይግደድ ነይሩ።

ምስ ማቴዎስ ካብ መባእታ ትምህርቲ ጀሚርና ክሳብ ዳሕራይ ኣብ ዩኒቨርስቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጋዜጣ ብሓደ ደኣ ንጐዓዝ እምበር ኣብ እዋን ክተት ግን ኣብ በበይንና ኣሃዱ ኢና ኔርና። ጋዜጠኛታት ብሕቲ ኣብ መንቀራቕሮ ግፋን ጻውዒት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተቐርቂሮም ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ፡ ጋዜጣ መቓልሕ’ውን ብተመሳሳሊ በዚ ጕዳይ’ዚ ትሳቐ ነይራ’ያ። ቀዳማይ ብሚኒስትሪ ዜና ዘይኰነስ ብሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዝተዋህበና መንቀሳቐሲ ወረቐት ምስ ወድአ፡ ኣብ ጠመተ ስለ ዝኣተና፡ ኣብ መንጎና ተዘራሪብና ሓደና ንሳዋ ክወርድ ተሰማሚዕና። ዳዊት ሃብተሚካኤል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ምምህርና ኣብ ኣስመራ ስለ ዝነበረ ናይ ወረቐት ጸገም ኣይነበሮን። ስለዚ ከኣ ኣነ ኣብ 12 ዙርያ ወሪደ ዳሕራይ ኣብ ክፍለ-ሰራዊት 15 ተመዲበ፡ ክሳብ መወዳእታ ኣብኡ ነይረ። ማቴዎስ ከኣ ብተመሳሳሊ ዳሕራይ ኣብ ጠመተ ምስ ኣተወ ኣብ 13 ዙርያ ወሪዱ ኣብ ሕርሻ ሳዋ ኣፍሂምቦል ተመዲቡ። ኣብታ ጋዜጣ ኣባላት ቦርድ ዝነበርና ማቴዎስ ዋና ኣሰናዳኢ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል ምኽትል ኣሰናዳኢ፡ ኣነን ሰላምይንገስ በየነን ከኣ ኣባላት ቦርድ ኔርና። ኣነን ማቴዎስን ናብ ኣስመራ ክንመጽእ እንከለና ብማዕዶን ደኣ ንከታተላ እምበር፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ዳዊትን ሰላምን ኣብ ኣስመራ ስለ ዝነበሩ ግን ነቲ መዓልታዊ ስራሓት ምጽፋፍ ጋዜጣ ይገብሩ ነይሮም።

ማቴዎስ ኣብ ሕርሻ ሳዋ ኣፍሂምቦል ተመዲቡ፡ ኣብቲ ኣዝዩ ኣህልኺን ናብ ጊላነት ዝቀራረብን ስራሕ’ዩ ክሰርሕ ተገዲዱ። ብዙሕ እዋን ዝሽየጥ ኮሚደረን ካልእ ኣስቤዛ ናይቲ ትካልን ሒዙ ናብ ኣስመራ ይመጽእ እሞ፡ ነታ ዕድል ተጠቒሙ ኣብ ስራሕ ጋዜጣ ድሕሪ ምእላዩ ኣደዳ ማእሰርቲ ይኸውን። ሓደ ግዜ ብኮሎኔል እዝራ ወልደገብርኤል ዝእዘዝ ኣብ ሓዝሓዝ ዝነበረ መዓስከር ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ብስራሕ ደሊናካ ኣለና ምጻእ ኢሎም ደዊሎምሉ፡ ምስ ከዶም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ወሲዶም ኣሲሮሞ። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2001’ውን ካብ ገዛኡ ወሲዶም ንሓደ ወርሒ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ኣሲሮም ፈቲሖሞ።

ማቴዎስ ሃብተኣብ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝነበሮ ልሉይ ምልከት ቋንቋ ትግርኛ፡ዝያዳ ብዝጽሕፎ ዝነበረ ተረርቲ ርእሰ-ዓንቐጻት እዩ ዝፍለጥ። ገለ ካብኡ፡ ኮሚሽን ምጥያስ ምስ ተመስረተ፡ እቲ ኮሚሽን ኣብ 1993 ካብ ዝተራእየ ጌጋታት መስርሕ ምጥያስ ክመሃርን ንሰራዊት ከጣይስ ከሎ ብግቡእ እግሪ ከትክሎምን ጸዊዑ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ድማ ብፍላይ፡ ንዝግበር ዝነበረ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ግፍዒን ጭቖናን ተቓዊሙ። ኣብ ርእሲ’ዚ “መድፍዓጂ ጀበና” ተባሂለን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓለፍቲ ንዝተወዝዓን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ንዝዀና ደቀኣንስትዮ መሰለን ክሕልወለን ኣብ ጽሑፋቱ ይጣበቕ ነይሩ። ድሒሩ ጋዜጣታት ቅድሚ ምዕጻወን፡ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት (ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን) ንህዝቢ ኣኪቡ፡ ብመንገዲ ዝወደቦም ሓደ-ሓደ ኣኼበኛታት ገይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣታት ብሕቲ ስጕምቲ ንኽውሰድ፡ ዝጠልብ ሕቶታት የጋውሕ ነይሩ። እዚ እንተ ጋዜጣታት ምእንቲ ክዕጸዋ ዝጥጃእ ዝነበረ ውዲት ምዃኑ ብምስትውዓል፡ መንግስቲ ንድምጺ ህዝቢ ክዕፍን ይደሊ ምንባሩን እቲ ናይ ምዕጻው ስጕምቲ እንተድኣ ተወሲዱ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ነጻ ፕረስ ኤርትራ ጸሊም ነጥቢ ክገድፍ ምዃኑን ብምትሕስሳብን፡ ንደሞክራሲን ፍትሕን ኣብ ዝግበር ጕዕዞ፡ ንድሕሪት ዝጐትት ናይ ፈራሓት ስጕምቲ ምዃኑ ኣጠንቒቑ ነይሩ።

ማቴዎስ ኣዝዩ ተባዕ ጋዜጠኛ እዩ። ሓደ ሓደ እዋን እዚኣስ ቍሩብ ኣይተረረትን’ዶ እንተድኣ ኢልካዮ፡ “ሓቂ ደኣ ኵሉ ግዜ ተራርን መራርን እያ፡” ይብል ነይሩ።

ምስ ማቴዎስ መጨረሽታ ዝተረኣናናላ ዕለት 15 መስከረም 2001 እያ። ቅድሚኡ ዝነበርኩላ ኣሃዱ ንታዕሊም ኣብ ሓሽፌራይ ጸኒሕናን ኣነ ድማ ኣብቲ ኣሃዱ ቍሩብ እዋን ተኣሲረስ ብግዜያዊ ምስታ ኣሃዱ ናብ ዓዲ-ቆንጺ መጺአ። ካብ ኣስመራ ንዓዲ-ቆንጺ ቀረባ ስለ ዝነበረ ድማ ናብ ኣስመራ ከይደ፡ ኣጋጣሚ ማቴዎስ ከኣ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝነበረ ዕለት 15 መስከረም ኣብ ፓልም ረስቶራንት ነዊሕ ከነዕልል ውዒልና። ድሕሪኡ ምዕጻውን ምእሳር ኣሰናዳእቲ ጋዜጣታትን ምስ መጸ፡ ኣብታ ቀደመይቲ ዙር ማቴዎስ ተኣሲሩ። ድሕሪኡ ደሃዩ ብርሑቕን በበይኑ ወረታት ዝናፈስን እምበር ንህልውናኡ ዝምልከት ጭቡቕ ሓበሬታ ኣይረኸብኩን። ኣቦኡ ኣቦይ ሃብተኣብ ብድሕሪኡ ዓሪፎም።


*የዕብዮ ገብረመድህን ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ መቓልሕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኖርወይ ተሰዲዱ ይርከብ። ንጸሓፊ yebiogere@yahoo.comብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።