ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012

Source: http://erigazette.org/?p=4328
Dec 092012
 

            ይቶ ኣዋሳ ብጉዳይ ቆርነልዮስ ዑስማን ካብ ወርሒ መስከረም ጂሚሩ ምስ ሓድሓደ ወብሳይታት ሓዊስካ ክሕቆኑ ድሕሪ ምጽናሖም ነቲ ናይ መሰልካ ምግላጽ ተጻባኢ መርገጾም ኣብ ሚዛን ዝእቱ ናይ ምድስካል ውሳኔ ኣብ ልዕሊ ውድብ ኩናማ ምውሳዶም ብዕሊ ገሊጾም ኣለው ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ውድብ ኩናማ ብ12/4/12 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺኡ ብቲ ውሳኔ ቅሬታኡ እናገለጸ ፣ ሕጂ እውን ምስ ኩሎም ውጹዓት ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ንደሞክራስን ንፍትሒን ከይተሓለለ ክቓለስ ምዃኑ ኣስሚሩሉ ። መግለጺ ውድብ ኩናማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘቅርብዎ ዝነበሩ መግለጺታት ፍልይ ብዝበለን ልዙብን ርእይቶኦም ብምቅራቦም ተስፋ ዝህብን ዓዳሚ ንክፉት ዘተ ይመስል ። እቲ ናይ ምድስካል ውሳኔ ጉድኣቱ ንሎሚ ጥራህ ዘይኮነ ኣብቲ  ቀጻሊ ቓልሲ ኣንጻር ምልኪ ዝግበር ከም ኣብነት እና ተጠቅሰ ከይቅጽል ከይዘንጋዕካ ምሕላውን  ምብድሁን ከድሊ እዩ።

            ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ምዝራብን፣ምጽሓፍን መሰሉ ኣብ ዝኮነ ግዜ ክሕለወሉ ይግባእ ፣ እንተኮነ ገለገለ ኣብ ምቁዋም ዘለዉ ውድባትን ወብሳይታትን ንደሞክራሲያዊ ሰብኣውን መሰላት ናይ ምክባር ቀንዲ ተልእኮኦም ከምዘይኮነ እናበርሄን እናተጋህደን ስልዝኮነ ፣ ነዚ ተግባርት እዚ ንከይስዕርር ንምግትኡ ናይ ኩሎም ንሃገር  ብቀዳምነት ዝሰርዑ ዜጋታት ሓላፍነት እዩ። ሓደ ዜጋ ሓሲቡ ንእከይ ተጋባር ከሰላስል ክሳብ ዘይተበገሰ ስለ ዝተዛረበን ስለ ዝጸሓፈን ክኹነን የብሉን።

            ሓላፊ ወድብ ኩናማ ኣብ ልዕሊ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝሃቦ ርእይቶ ከም ወልቀ ሰብ ሓሳቡ ክገልጽ መሰሉ ስለ ዝኮነ ካብ ዝኮነ ሰብ ፍቓድ ዝጽበየሉን ጉዳይ ኣይኮነን ። እቲ ዘገርም ባይቶ ኣዋሳ ንሓደ ኤርትራዊ ዜጋ እምነቱን ስሚዒቱን ስለ ዝገለጸ ካብ ባይቶ ምድስካሉ ጽባሕ እውን እዚ ተግባር እዚ እንደገና ክድገም ምዃኑ ኣይትጠራጠሩ ።እዚ ከምዚ እንተ ቀጺሉ ንህዝቢ ኤርትራ እዚ ሃይማኖት እዚ እንተ ዘይኣመንካ ተባሂሉ  ክመጾ ዝክእል ሓደጋ ካብ ሕጂ ክበርሃሉ ኣለዎ። ወዳብ ኩናማ ብዘቅረብዎ ሓሳብ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዶ ወዲቁ ኮይኑ ? ኣንቱም ሰባት ጽባሕ እኮ ኣይትዛረቡ ክንብሃል ኢና። ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ብህይወቱ እንተዝህሉ ከ ነዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ምተሰማመዓሉዶ ይከውን ?

            ዝከበርኩም ተከታተልቲ እዚ መርበብ እዞም እተጋብኡ ባይቶ ኣዋሳ ቁጽሮም 101 ከም ዝነበረ ተገሊጹ ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ሓሳብ ናይ ሓደ ኤርትራዊ  ዜጋ ኣብ ምንጻግን እንታውንቶምን ባህሪያቶምን ንደገ ዘውጽኡ ።እቲ  ሕቶ ኣብ ክንዲ ምድስካልን መሰል ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ምቁዋምን ክወስዱዎ ዝግባኦም  ዝነበረ ከም ባይቶ “ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ “ ጀማሪ ብረታዊ ቓልስን ኣቦ ሰውራ ምዃኑ” ብድምጺ ንወስን እንተዝብሉ ክንደይ መጸበቀሎም ።ብዘለዎም ቁጽሪ ከኣ ዕዉታት ኮይኖም ምወጹ ። እቶም ዝወሓደ ቁጽሪ ዘምጽኡ ከኣ እምነቶም ተግባራዊ ክገብሩ ቓልሶም ምቀጸሉ።እቲ ጉዳይ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ውሳኔ እዩ ዘድሊዮ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድገፍቲ ቆርነልዮስ ዑስማን ንካልኦት ባእታታት ኣእሚኖም ነዚ ሓደገኛ ዝኮነ ውሳኔ እንተ ገልቢጦሞ እንታይ ኮን ክንጽበ ንኸውን ? ምክንያቱ ከም ኣገላልጻ ውድብ ኩናማ እቲ ዝሓለፈ ውሳኔ ብ55 ኣንጻሮም ከም ዝነበረ ገሊጾም ። መርበብ ዓዋተ ግን ካብ 101 ዝነበሩ ኣባላት 86 ኣንጻር ውድብ ኩናማ ከም ዘድመጹ እዩ ዝገልጽ ።እዚ እውን ሓቅነቱ ምርግጋጽ ከድሊ እዩ። ባይቶ ኣዋሳ ግን ኣብ ርእይቶ ወይ እምነት ናይ ሓደ ዜጋ ኣብ ምቅየር  ክረባረቡ ሳልስቲ ገይሮም ብዝሕፍር ውሳኔ ከኣ ውጺኦም ።

            ከም ኣገላልጻ ውድብ ኩናማ ኣብቲ ዝነበረ ክትዕ ሓደ ምሁር ዝብሃል ሰብ ኢሉዎ ዝበሉ “ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተዓወተ ኮ ንጸዓዱ እውን ክእምንን  ክሓቁፍን ስለ ዝከኣለ እምበር ንጸለምቲ ጥራሕ እንተ ዝእምን ነይሩ ኣይምተዓወተን “ ከምዝበለ ሓቢሮም ። ብኣባሃህላ እዚ ምሁር ከምዝተገረሙ እውን ገሊጾም፣ እወ ዝገርም ከኣ ኣዩ። ምክንያቱ እዚ ምሁር እዚ ኣብ ክንዲ መሰል ናይ ሓብካ ምግላጽ ዝቓወም ፣ክድግፍን ክሓቁፍን ዝግብኦ ንሱን እቶም ከምኡ ተገቲሮም ኣብ ምቅዋም ዘለዉ ብጾቱን እዮም ነይሮም ። ብኣንጻሩ ውድብ ኩናማ ከም ኣተሓሳስባ ማርቲን ሉተር ኪንግ ክሓስበሎም ምጽባይ የዋህነት ጥራሕ እዩ። ማርቲን ሉተር ኪንግ ናይ ሰላምን ሰላማዊ ኣገባብ ቓልሲ መራሒ ነይሩ ፣ ብእምነቱ  ኣንጻር ኹናትን ጎነጽን ስለ ዝነበረ እቶም ጸለምቲ  ይኩኑ እቶም ጸዓዱን ንሓሳባቱ  ምንጻግ ኣማራጺታት ዝህቦም  ኣይነበረን ። ዝኮነ ኮይኑ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስና ከምዚ ሕጂ ብሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ እንዛረቦ ዘሎና ፣ ድሕሪ ሞት ማርቲን ሉተር ኪንግ ከ እንታይ ተባሂሉ ንርኤ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣሜሪካ ብ1986 ጥሪ 21 ዓመታዊ በዓል ንክብሪ ማርቲን ሉተር ክንግ ምስ ወሰነ ፣ ካብተን 50 መንግስታት 27 መንግስታትን ፣ዋሽግንተን ዲሲ ጥራሕ ተቂቢለናኦ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣሜሪካ ከም ባይቶ ኣዋሳ ዝሓስብ ነይሩ እንተ ዝኮውን ነተን ዝነጸጋ ኣደስኪለኪን ኣሎኩ ክብለን ምተገበኤ ግን ኣይበለንን ፣ ካሳብ ዝኣምናሉን ዝዓግባሉን ግዲፉወን ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቶም ህዝብታት ናይተን ነቲ በዓል  ምክባር ዝኣበያ መንግስታት  እናተርደኦምን  ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ  ጥቅምታት ከኣ ስለ ዝነበረ ብብዝሒ ብድምጺ ነቲ በዓል ክቅበላ ኣድሚጸን። ሎሚ ኣብ ኩለን  እተን 50 መንግስታትን ዋሽግንተን ዲሲን እቲ በዓል ብመንግስታዊ ደራጃ ይክበር  ኣሎ።  ስለዚ እተን ዝተረፋ መንግስታት  ክሳብ 2000 ሽሕ  ን14  ዓመታት ዝእክል ግዜ ወሲዱላን ንክርዕማ። ጉዳይ ውድብ ኩናማ እውን ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩዎ ዝፍለ ኣይነበረን።        

ኣብ መደምደምታ ፡

ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ናይ ውሱናት ሰባት ምጥባቕ ዘድሊየ ኣይኮንን ። እቶም ዋጭ ዋጭ ዝብሉ ዘለዉ ዘፍ ክብሉን ነቲ ጉዳይ ናቱ ግዜ በሊዑ ዝውስን እምበር ፣ ንሰብ ኣገዲድካ ኣንጻር እምነቱ  ንክኸይድ ምግዳድ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ስለ ዝኮነ። እዚ ባህሪያት እዚ ብኩሎም ደላይቲ፣ ሰላማን ፣ማዕርነትን ሰብኣዊ መስላትን ዝጣበቁ ሓይልታት ክንጸግን ክኹነንን  ዘለዎ ኣተሓሳስባ እዩ። 

ዘለዓለማዊ ዝክሪ  ንስውእትና !  

ሰላማዊ  ኣገባብ ቓልሲና ክዕወት ናይ ግድን እዩ !