ምትፍናን ዓብደላን መልኣከን

Source ዓወትና ግድን ክኸውን ናይ ግድን ድዩ?
መልኣከ ተኽለ፣ ከም ሰብ ብኹሉ ባህርያቱን ጠባዩን ኣንጻር ወዲ ተላ እዩ። መልኣከ ናይ ብሓቂ ተጋዳላይ እዩ። ከም ኩሎም ናይ ሽዑ መንእሰያት ብንጽህና ካብ ዩኒቨርሲቲ ንሃገራዊ ናጽነት ክጋደል ዝመጸ እዩ። ኣዝዩ ተዋጋኣይ ድማ እዩ። ብኣንጻር ብዙሓት ናይ ጀብሃ መራሕቲ፣ መልኣከ ንነብሱ ብቐዳምነት ከም ተጋዳላይ እዩ ዝርእያ። ኣብ 1975 ኣብ ጉባኤ ንመሪሕነት ክምረጽ እንከሎ፣ ናይ 4 ዓመት ተሞኩሮ ነይሩዎ። ሽዑ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ኮይኑ ተመሪጹ። ሕሩይ ተድላ፣ ንመንፍዓትን ተቐባልነትን መልኣከ ተኽለ ምስተዓዘበ ካብ ፈለማ ኣይፈተዎን። ወዲ ተላ ንነብሱ ከም ወኪል ናይ ከበሳ ይሓስባ ስለዝነበረ መልኣከ ከይወዳደሮ ከም ተቓናቓኒኡ ብምጥማት፣ ካብ ፈለማ ከጥቅዖ እዩ ዝፍትን ነይሩ። መልኣከ ብወገኑ ንናይ ወዲተላ ሕንቃቐ ይቕበሎ ኣይነበረን። በዚ ድማ መልኣከ ብግስ ከይበለ፣ ዒላማ መጥቃዕቲ ወዲተላን ዓብደላ እድሪስን እዩ ኮይኑ።

መልኣከ ኣብ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ከም ናይ ለውጢ መራሒ ክርአ ዝጀመረ ዝያዳ ድሕሪ ናይ ፋሉል ምንቅስቓስ እዩ። ቅድሚኡ ግን ናይ ጸጥታ ሓላፊ ብምንባሩ፣ ኩሉ ሰብ ከም ተኸላኻሊ መሪሕነት እናጠመተ ይፈርሖ እዩ ዝነበረ። መልኣከ ኣብ መሪሕነት ድሕሪ ምምጽኡ ፍልልያቱ ምስ ዓብደላ ቀስ እናበለ ክዓቢ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 1979 ዝያዳ ጎሊሑ ክርአ ጀሚሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን፣ ኣብ መንጎ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈትን ዝነበረ ፍልልይ ዝያዳ እናተጋህደ፣ ኣብቲ ውድብ እውን ይንጸባረቕ ነይሩ። በዚ ድማ ዓብደላ ንመልኣከ ከም ሓደ ካብ መሪሕነት ክእለ ዘለዎ ሰብ ክቖጽሮ ጀሚሩ። ሓደ ካብቲ ዝፈላለዮም ነጥቢ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ዝነበሮም ኣረኣእያ እዩ። መልኣከ ተኽለ ድሕሪ 1978 ንጉዳይ ሓድነት ምስ ህዝባዊ ግንባር ኣበርቲዑ ዝደፍኣሉ ዝነበረ ሰብ እዩ። ንብዙሕ ተግባራት ዓብደላ እድሪስ ድማ ይቃወሞ ነይሩ። በዚ ድማ ብ1980 ኣብ ዝተኻየደ 3ይ ጉባኤ ለበር ፓርቲ፣ ኣብ መሪሕነት ካልኦት ክምረጹ ከለው መልኣከ ደይ መደይ ኢልካ ከምዘይምረጽ ተገብረ። በዓል ዓብደላ ከቕርብዎ ኣይደለዩን። ንሱ እውን ብዙሕ ዝደልዮ ዝነበረ ኣይመስልን።

መልኣከ ኣብ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ከም ናይ ለውጢ መራሒ ክርአ ዝጀመረ ዝያዳ ድሕሪ ናይ ፋሉል ምንቅስቓስ እዩ። ቅድሚኡ ግን ናይ ጸጥታ ሓላፊ ብምንባሩ፣ ኩሉ ሰብ ከም ተኸላኻሊ መሪሕነት እናጠመተ ይፈርሖ እዩ ዝነበረ። መልኣከ ኣብ መሪሕነት ድሕሪ ምምጽኡ ፍልልያቱ ምስ ዓብደላ ቀስ እናበለ ክዓቢ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 1979 ዝያዳ ጎሊሑ ክርአ ጀሚሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን፣ ኣብ መንጎ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈትን ዝነበረ ፍልልይ ዝያዳ እናተጋህደ፣ ኣብቲ ውድብ እውን ይንጸባረቕ ነይሩ። በዚ ድማ ዓብደላ ንመልኣከ ከም ሓደ ካብ መሪሕነት ክእለ ዘለዎ ሰብ ክቖጽሮ ጀሚሩ። ሓደ ካብቲ ዝፈላለዮም ነጥቢ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ዝነበሮም ኣረኣእያ እዩ። መልኣከ ተኽለ ድሕሪ 1978 ንጉዳይ ሓድነት ምስ ህዝባዊ ግንባር ኣበርቲዑ ዝደፍኣሉ ዝነበረ ሰብ እዩ። ንብዙሕ ተግባራት ዓብደላ እድሪስ ድማ ይቃወሞ ነይሩ። በዚ ድማ ብ1980 ኣብ ዝተኻየደ 3ይ ጉባኤ ለበር ፓርቲ፣ ኣብ መሪሕነት ካልኦት ክምረጹ ከለው መልኣከ ደይ መደይ ኢልካ ከምዘይምረጽ ተገብረ። በዓል ዓብደላ ከቕርብዎ ኣይደለዩን። ንሱ እውን ብዙሕ ዝደልዮ ዝነበረ ኣይመስልን።ጀብሃ

ልሙድ እዩ ዝነበረ። እቲ ሓድሽ ሓይሊ ነቶም ገዳይም “ዘይ ቡን ትሰትዩ እምበር እንታይ ትገብሩ ነይርኩም?” እዩ ዝብሎም ዝነበረ። ንሶም ድማ፣ ነቶም ድሓር ዝመጹ “ቢቢሲ ዝጸውዓቶም” እናበሉ ይጨርቅሎም።
ዓብደላ ዝቕንጸል ቀንጺሉ ዝእሰር ኣሲሩ፣ መሪሕነቱ ንምርጋእ ኣብ ዝጽዕረሉ ዝነበረ፣ ብኣንጻሩ ናይ ተጋደልቲ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዓብደላ እናበርትዐ እዩ ከይዱ። ኣብ ኮረኮንን ታህዳይን ዝነበሩ ተጋደልቲ ብምሉኦም ኣንጻር ዓብደላ ደው ኢሎም። ኣብቲ እዋን’ቲ ዶክተር ሃብተ ኣብ ጉጅለ ዓብደላ ምክትል ኣቦመንበር እዩ ነይሩ። ነቶም ተጋደልቲ ንምትህድዳእ ድማ ምስ ስዩምን ካልኦትን ናብ ኮረኮን ተላኢኾም። ንሳቶም ነቲ ተጋዳላይ ብቐሊሉ ዘተሃዳድእዎ እዩ መሲልዎም ነይሩ። ኣብኡ ዝነበረ ስምዒት ግን ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ ጸኒሕዎም። እቶም ተጋደልቲ ምስቲ ዝነበሮም ሕርቃን ዘይቀተልዎም ዕድል እዮም ገይሮም። ካብቲ ተጋዳላይ ሃዲሞም፣ ኣብ መዓስከር ናይ ሱዳን ክሳብ ዝዕቈቡ እዮም ኮይኖም። “ነዚ ሒዝኩም ትመጹና። እዚ ኹሉ ሰብ ቀቢርኩም፣ ቅትለታት ተፈጺሙ፣ ብዙሕ ሰብ ተኣሲሩስ ያኢ፣ ንድሕነት ጀብሃ ክንብል ምስ ዓብደላ ክንቅጽል” ብምባል እቲ ተጋዳላይ ብዙሕ ኣንጸርጺሩ። ዓብደላ ብዓንተቦኡ ብተጋዳላይ ኣዝዩ ጽሉእ ሰብ እዩ። ዶክተር ሃብተ ተቓውሞ ናይቶም ተጋደልቲ ምስ ርኣየ ምሒር ሰንቢዱ። እቶም ተጋደልቲ ንዶክተር ሃብተ፣ ኣንጻር’ቲ ብዓብደላ ዝተኻየደ ኩዴታ ኣዋጅ ከውጽእ ኣገዲዶሞ። “ሕራይ ኢሉ” ኣንጻር ዓብደላ ኣዋጅ ኣውጺኡ፣ ፈሪሙ። ስለዝፈርሐ ግን፣ “በጃኻትኩም ኣነ ካርቱም ከይበጻሕኩ ከይተውጽኡዎ” ኢሉ ለሚንዎም።
ብድሕሪ’ዚ እቲ ሰራዊት ናቱ ኣኼባታት ቀጺሉ፣ ግዝያዊ ሽማግለ መሪጹ። ብኡ ንብኡ ድማ ኣብ መንጎ’ቲ ግዝያዊ ሽማግለ ናይ ሰራዊትን ኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ምፍጣጥ ተጀሚሩ። ንሳቶም “ንሕና ሕጋዊ መሪሕነት ኢና” ክብሉ ከለው፣ እቶም ሽማግለ ናይ ሰራዊት ድማ “ከም ሕጋውያን መራሕቲ ኣይንፈልጠኩምን ኢና” ኢሎሞም። የግዳስ ብውዲት ተረፍ መረፍ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፣ ኣብ መንጎ እታ ናይ ሰራዊት ሽማግለ እውን ምክፍፋል ኣጋጢሙ፣ ኣብ ክልተ ተገሚዓ። ክሳብ ምትዃስ እውን ተበጺሑ። ሱዳናውያን መጺኦም ኣብ መንጎኦም ናይ ጸጥታ ዞባ ብምፍላይ፣ ነተን መዓስከራት ኣብ ክልተ መቒሎመን። እቲ ዝበዝሐ ድሓር ሳግም ዝተባህለ ኣንጻር’ቲ መሪሕነት ጠጠው ክብል ከሎ፣ ገለ ውሑዳት ድማ ምስቲ መሪሕነት ወጊኖም።
ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት ተስፋምህረት ዝሓዞም ውሑዳት ተጋደልቲ ዝርከብዎ ሓደ ንጹል ሓይሊ ነይሩ እዩ። ተስፋምህረት ጀብሃ ንሱዳን ክትኣቱ ኸላ ምስ ውሑዳት ሰዓብቱ ኣብ ጋሽ እዩ ተሪፉ። በዓል ዓብደላ እድሪስ ነዚ ምስርኣዩ ክልተ ጋንታ ዝኸውን ሰራዊት ኣዋጺኦም፣ ንጋሽ ከእትው ፈቲኖም ነይሮም። “ቱምሳሕ ዝመርሖ ናይ ደባይ ኣሃዱታት ክንምስርት ኢና” እዮም ኢሎም። ቱምሳሕ ናብኡ ምስ ከደ ግን፣ በዓል ተስፋምህረት ቀቲሎሞ። ንጠንቂ ናይቲ ቕትለት ብዝምልከት ብልክዕ ዝፈልጦ እኳ እንተዘይብለይ፣ ከም ግምተይ ሕነ ናይ መልኣከ እዩ ዝመስል። (ኣብቲ ድሓር ዝቐጸለ ምዕባለታት ተስፋምህረት ምስ በዓል ዓብደላ ርክብ ዘይብሉ፣ ኣብ ከባቢ ጋሽ ከምዞም ናይ ውግእ ጎይቶት (ዎርሎርድ) ኮይኑ በይኑ እዩ ተሪፉ። መርገጺኡ ዝያዳ ናብ ጉጅለ ትያር ዝዛዘወ እዩ ነይሩ። ድሓር ግን ምስ ትያር እውን ተባቲኹ፣ ምስ ሳበ ኮይኑ። ካብ ሳበ ተፈልዩ እውን መሊሱ ምስ ጃስር ኮይኑ። ነዊሕ ጸኒሑ ድማ ምስ ሻዕብያ ርክብ ጀሚሩ። ፈለማ ሻዕብያ ኣይነጸግዎን። ከምዝዝከር ኣብ 2ይ ጉባኤ ህ.ግ. ጉጅለ ጃስር ወኪል ሰዲዶም ነይሮም እዮም። ጸኒሑ ግን ተስፋምህረት መገዱ
30
ስለዘይቕንዐ ምስ ሻዕብያ ተገራጭዩ። ስጉምቲ ተወሲዱሉ። መዓስከሩ ተደምሲሱ። ኣብቲ መዓስከር ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ናይ እንዳ ትያር ኣባላት ተፈቲሖም። ተስፋምህረት ከኣ ኣብ ከባቢ ተከዘ ኮይኑ ክቃወም ኣብ ዝፈተነሉ ተቐቲሉ።)
ኣብ 1983 ዓብደላ ነቶም ኣብ መዓስከሩ ኣሲሩዎም ዝነበረ መራሕቲን ካድረታትን ፈቲሕዎም። ኣብቲ እዋን’ቲ ሳግም ምስ ሻዕብያ ርክብ ጀሚሮም ነይሮም። ኣባላት ቲያር ድማ ካብ ማእሰርቲ ዓብደላ ምስ ተፈትሑ ብቐጥታ ምስ ሳበ ተጸጊዖም። ቲያር፣ “ንሕና ገስገስቲ ሓይልታት ስለዝኾንና፣ የማናውያን በዓል ዓብደላ የጥቅዑና ስለዘለው፣ ገለ ኣድሓርሓርቲ ሃገራት ዓረብ እውን ኣንጻርና ደው ስለዝበላ፣ ምስ ሳበ ተጸጊዕና ክንጸንሕ መሪጽና” ኢሎም እዮም ኣዊጆም። ድሕሪ ገለ እዋን፣ ሳበ ምስኡ ዝተርፉ ኣትሪፉ፣ ዝእሰር ምስ ኣሰረሎም ካብኡ ወጺኦም። በዚ ተስፋ ቈሪጾም ድማ፣ ክሳብ ኣብ እግሪ ጸላኢ ምስጋድ በጺሖም። ምስ ደርግ ኣብ ከሰላ ርክባት ጀሚሮም። መንግስቲ ሱዳን ከኣ ምናልባት ነዚ ዝፈለጠ ይመስል፣ ካብ ሳበ ድሕሪ ምፍላዮም ኣሲርዎም ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብታ ሃገር ጠሪዝዎም።
ኣብዚ ናይ ዕግርግርን ሕንፍሽፍን መስርሕ’ዚ ብዙሓት ሓለፍቲን ካድረታትን ጀብሃ ተቐቲሎም እዮም። መልኣከ፣ ስዒድ ሳልሕ፣ ወልደዳዊት፣ ሓንገላ፣ ዓብደላ ጸጋይ፣ ወዲ ሓሰብን ካልኦትን። ዝበዝሕ ካብዚ ቅትለታት’ዚ ናይ ዓብደላ ስጉምቲ እዩ ነይሩ። ገሊኡ ድማ ብኻልኦት ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል።