|
(መን ይንገር ዝወዓለ፡ መን የርድእ ዝቐበረ) 1ይ ክፋል "መስጣ ጃንሆይ ዶኾን‘ዩ ወሪዱና" ነዚ
ሕጂ አብ ኤርትራ ዘሎ መንግሰቲ ምስ ናይ ሃይለ ሥላሴ መንግሰቲ ከማዛዝኖ ከሎኹ ብዙሕ ብጌጋ ዝርድአኒ ሰብ ከምዘሎ
አይስሕቶን ኢየ፡፡ ምናልባሽ‘ውን ብናተይ ሃገራውነት ዝጠራጠሩ ሰባት ከምዝህልዉ ይርድኣኒ ኢዩ፡፡ ናይ ኤርትራ
ልዕላውነት ይኣምነሉዬ ጥራይ ዘይኮንኩስ ከም መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ንናጽነት ኤርትራ‘ውን ቁርብ ግዜ ብረት
ዓጢቔ ተቓሊሰ ከምዝነበርኩ ከገልጽ እፈቱ፡፡ መንግስቲ ሃይለ ሥላሴን መንግስቲ ኢሳያስ አፈወርቅን ከወዳድሮ
እንከለኹ ግን ሚእቲ ካብ ሚእቲ መንግስቲ ጃንሆይ ዝሓሸ ምኻኑ ስለዝአምን ኢየ፡፡ ዋላዃ ናይ ጃንሆይ
መንግሰቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ስለዝነበረ ንኤርትራውያን ንሃገራውያን ብዘይ ንሕስያ ይጭፍጭፍን ይቐትልን
እንተነበረ እቲ አብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ኢትዮጵያ ተሓይሩ ዝነበረ ኤርትራዊ ብግቡእ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ወላዲት
ሃገሩ ኢትዮጵያ ስለዝኸሐደ ተባሂሉ ይኸሰስን ይፍረድን ምንባሩ ሓቒ ኢዩ፡፡ እቲ ኽሱስ ድማ ጠበቑኡ አውጺኡ ክማጎት
መሰል ነይሩዎ ኢዩ፡፡ እዚ ዘርእየና ድማ ምንግስቲ ሃይለ ስላሴ ዋላዃ ሞናርኺ (Monarchy) ስለዝነበረ
ዲሞክራሲያዊ ምርጫታት ኣየካይድ እምበር ሕገ መንግስቲ ወይ ድማ ቕዋም ከምዝነበሮ ኢዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ነቲ ቕዋም
ዝጠሓሰ ሰብ አብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ እቲ ቤት ፍርዲ ዝወሰነሉ መቕጻዕቲ ይቕበል ነይሩ፡፡ ሃይለ ስላሴ ኣብ ጉዳይ
ፍረዲ ኢዱ አየእትውን ኢዩ ነይሩ፤ ፍርዲ ብመጠኑ ናይ ፈራዶ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ፡፡ ሕቶ ኤርትራ ሕቶ ልዕላውነት
ብምንባሩ ኵላትና'ውን ዓይንናን ቀልብናን አብ ምስጓጕ መግዛእቲ ጥራይ ነይሩ፡፡ እንተዀነ ግና ክሳዕ እዚ ግዜ'ዚ
ንግፍዕታት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዕሽሽ ምባል ሕመቕ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ሎሚስ ገበን'ውን ኢዩ፡፡
አብ ኤርትራ
ግን እቲ አሳራይን እቲ ፈራዳይን ባዕሉ ኢሳያስ አፈወርቂ ኢዩ፡፡ አብ ሃገርና ዝሰርሕ ቕዋም ስለዘየሎ ድማ ሰባት
ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጥስጥሱ ንርኢ አሎና፡፡ ንኣብነት እቶም ብ2001 ዓ.ም. ዝተኣስሩ ጉጅለ 15፡፡
እዚ ድሕሪ ናጽነት ዝተወስደ ሰጉምቲታት ዝኾነ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሰለዝኮነ ናተይ ምዝዝኽኻር ዘድልዮ አይኮነን፤ ግን
እቲ ቕድሚ ናጽነት ማለት አብ ግዜ ሰውራ አብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን
ተሰሊፉ ንሃገሩ ነጻ ንምውጻእ ኢሉ ክቓለስ ኢሉ ስድርኡን ንብረቱን ዛሕዚሑ ካብ ገዝኡ ዝወጼ ኤርትራዊ
ብዘይ ፍርዲ ዝተቐትለን ኣብቲ ሓለዋ ሰውራ ናይቲ ውድብ አብ በሊቓት ማህሚኑ ዝተረፈን ኤርትራዊ
ምእካሩ አድላዪ ኢዩ፡፡ እዚ ምስቲ አብ ከተማታት ሱዳን ብናይ ህ.ግ.ሓ. ኤርትራ ፈዳይን ወይ ድማ ዓፋኝ ዝተቐትሉ
ናይ ጀብሃ ሓለፍትን ከምኡ‘ውን ናይ ህ. ግ. ሓ ኤርትራ ኣባላት ነበር ናብ ሱዳን ስለዝሃደሙ በቲ ውድብ ዝተረሸኑ
ደሚረካ ክትርእዮ እንኮለኻ ካብቶም ብኢትዮጰያ ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ከምዘይውሕዱ ርግጸኛ ኢዬ፡፡
እቶም
ንመጀመሪያ ግዜ ብኢሳያስ ዝተኣስሩ እቶም ኣብ 1973 ዓ.ም. ብሽም „መንካዕ“ ዝተጠመቑ ሙህራን ኤርትራውያን
ኢዮም፤ እዚአቶም ድሕሪ ነዊሕ ማእሰርቲ አብቲ ቐዳማይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ. ኤርትራ ንሞት ከምዝተፈሩዱ ዝገልጽ አዋጅ
ብወግዒ ከምዝተነበበ ዝዝኸር ኢዩ፡፡ እዚ እቲ ብወግዒ ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ. ኤርትራ
ዝተወስደ ቐዳማይ ናይ ሞት ስጉምቲ ክኸውን እንከሎ ካልኣይ‘ውን አብቲ እዋንቲ ስተወስደ ናይ ሞት ስጉምቲ
ስለዝነበረ ንሱ‘ውን ብኣዋጅ ከምዝተገልጸ ክርሳዕ ዘይብሉ ኢዩ፡፡
እዚ ናይ ሞት ስጉምቲ ድማ ኣብ ልዕሊ
ኽልተ ተጋደልቲ ክውሰድ እንከሎ፣ ምኽንያት መረሸኒ ናይዞም ክልተ ድማ ግብረ ሰዶም ( Homosexality )
ምዃኑ እቲ ኣዋጅ አብሪሁ ይገልጾ፡፡ ሓደ ካብቶም ዝተረሸኑ ኣብ በሊቓት አብ ክፍሊ ቑጠባ ተመዲቡ ዝሰርሕ ምንባሩ
ድማ እቲ ኣዋጅ ይገልጽ፡፡ ናይ ኢሳያስ ናይ ምቕታል ምሰርሕ ድማ ኣብ 1977 ዓ. ም. ብከምዚ ኣብ ላዕሊ
ዝትገልጸ ይጅምር፡፡ ድሒሩ'ኳ መቕተልቲ ስለ ዝበዝሐ እቲ ብኣዋጅ ምግላጽ አቋሪጾሞ፡፡ ይኹን‘ምበር እቶም ገለ
ካብቶም ንሞት ዝተፈረዱ ኣባላት „መንካዕ“ ብፍላይ ድማ ሙሴን ዮውሃንስን ስጋብ 1985 ዓ. ም. ወርሒ 5
ብህይወት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማሕቝቖም ከም ዝነበሩ ዝገልጽ እሙን ዝኾነ ሓቤሬታ ኣሎ፡፡ እተን ኣብቲ ጉባኤ
ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ጕባኤ ንርፍተያ ዝተፈረዳ ክልተ ኣባላት „መንካዕ“፣ ማለት ኣረጋሽ መልከን ደሀብ ተስፋጼንን‘
ውን ብድሕሪኡ ብህይወተን አይተራእያን፡፡ ናብ ስድርኤን ከምዘይተመልሳ ድማ ርግጽ ኢዩ፡፡
እዚ ዘርእየና
ድማ ኢሳያስ ብውሳኔታት ናይ ጉባኤ‘ውን ዘይቕየድ ሰብ ምዃንን፣ ነቲ ኣብ ቐዳማይ ጉባኤ ዝጸደቐ ቅዋም‘ውን ዋጋ
ከምዘይህቦን፤ ንዝኾነ ዝወስዶ ስጉምቲታት ምስ መሳርሕቱ ማለት ሓለፍቲ ናይቲ ውድብ ይኹን ናይቲ ሰልፊ
ከምዘይማኸርን ኢዩ፡፡ እዚ ንበይንኻ ናይ ምውሳን ባህርይ ድማ ኣብ ናይ ምቕታል ወይ ካልእ ዲሲፕሊናዊ ስጉምትታት
ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኵኒኡ ካልእ ኣገደስቲ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ተርእዮታት‘ውን ኢሳያስ ምስ ብጾቱ ተማኺሩን
ተማያይጡን ኣይኮነን ስጉምቲታት ዝወስድ ዝነበረ፤ እንታይ ድኣ ንሱ ንበይኑን ንዑኡ መሲሉ ዝተራእዮን ውሳኔታት ኢዩ
ዝፍጸም ነይሩ፡፡
ኣብ 1977 ዓ. ም. ብጉባኤ ንኽልተ ዓመት ጥራይ ተመሪጹ ክንሱ ንዓሰርተ ዓመት
ክመርሕ ንነብሱ ሱልሱል (Legitimate) ከምዝገበረ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ፡፡ ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ሃገርና ጉባኤ
ንኽግበር ዘገድዱ ብዙሓት አገደስቲ ተርእዮታት ነይሮም ኢዮም፡፡ ንኣብነት ከም ስትራተጂካዊ ምዝላቕ፤ ናይ
ባዕዳውያን ( ኩባ፣ ሶቭየት ሕብረትን፣ የመንን ወዘተ…) ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኢዶም ምእታው ዝኣምሰሉ፡፡ እዚ
ውሳኔታት‘ዚ ብውልቁ ይፍጽሞ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብዚ ግዜዚ ዝፍጠር ንዝነበረ ተቓውሞታት ብዘይ ንሕስያ
ጨፍሊቑዎ ኢዩ፡፡ እቲ ዝነበረ ተቓውሞታት ድማ ናኣሽቱ ናይ ስልቲን ኣገባብን ፍልልይ እምበር ዓቢ ናይ ስትራተጂካዊ
ፍልልይ ዝነበሮን፣ ንናይ ኤርትራ ናጽነት ይኹን ንናይ ኤርትራ ሓድነት ዝጻረር ስለዘይነበረ፣ ናይ ሞት ይኹን ካልእ
ከቢድ ዲሲፕሊናዊ ስጉምቲ ምውሳድ ዘድልዮ ኣይነበረን፡፡ ምኽንያቱ ድማ እቶም ተጋደልቲ ብንጽህና ንሃገሮም ነጻ
ከውጽኡ ኢሎም ዝዓጠቑ ኢዮም ነይሮም፡፡ በብዝርአይዎን በብዝመስሎምን ብምክትዖም ከአ ከም ገበን ተቘጺሩ ከቢድ
ስጕምቲ ተወሲዱዎም፡፡ ንእሱራት ንመርመራን ንምልፍላፎምን ተባሂሉ ከአ ማይ ውዑይን ዘይትን አብ አእዛኖም ምእታው
ዝውቱር ነይሩ፡፡
እዚ ድማ ኢዩ ንመግዛእቲ ኢሳያስ ምስ መግዛእቲ ሃይለ ሥላሴ ብምውድዳር ናይ ሃይለ
ሥላሴ መግዛእቲ ዝሓሸ ነይሩ ክብል ዘብቕዓኒ፡፡ ብጃንሆይ ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ንናጽነት ኤርተራ ዝተቓለሱ ወይ
ድማ አንጻር ሓድነት ኢትዮጵያ ዝተዋፈሩ ስለዝነበሩ ስርዓት ሃይለ ሥላሴ ዝለዓለ ዲሲፕሊናዊ ስጉመቲ ክወስደሎም ናይ
ዕላምኡ ጕዳይ ነይሩ፡፡ ብውሕዱ ከአ ስርዓት ሃይለ ሥላሴ ቅዋም ዝነበሮ ስርዓት ስለዝነበረ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም
እቲ ቤት ፍርዲ ዝወሰኖ ውሳኔ ይቕበሉ ነይሮም፡፡ ኣብ ህ.ግ. ሓ. ኤርትራ ብሞት ይኹን ብማእሰርቲ ዝቕጽዑ ዝነበሩ
ግን ኣንጻር ኤርትራ ስለዝኾኑ ዘይኾነስ ኣንጻር ኢሳያስ አፈወርቂ ስለዝነበሩ ጥራይ እዮም፡፡ እዚ ድማ እቲ ቅዋም
ዘይሰርሕ ስለይነበረ እቲ ናይ ሞት ወይ ናይ ማእሰርቲ ውሳኔ ብኢሳያስ አፈወርቂ ይውሰንሞ ብሃይለ ጀብሃን ብዳዊት
ሃብተን ዝተባህሉ ሓለፍቲ ሓለዋ ሰውራ አብ በሊቓት ኣብ ግብሪ ይትርጎም ነይሩ፡፡
ሰራዊት ህ. ግ. ሓ.
ኤርትራ ካብ ከበሳታት ኤርትራ ኣዝሊቑ ናብ ሳሕል ምስ ተመልሰ ድማ ቑጽሮም ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ንሱዳን አቢሎም
ይሃድሙ ስለርነበሩ፣ ነዚ ዝሃድም ዝነበረ ሓይሊ ንምዕጋትን ነቲ ክሃድም ዝህቕን ንምፍርራሕን መታን ናይ ዓፋኝ
ጉጅለ ብምምስራት ናብ ሱዳን ከምዝሰሉኽ ተገብረ፡፡ ዕላማ ናይዚ ዓፋኝ ጉጅለ ድማ ሃዲሞም ንዝኸዱ ተጋደልቲ
እንተተካኢሉ ጨዊኻ ንሜዳ ምእታው እንተዘይተኻኢሉ ድማ ኣብ ዝጠዓመካ ግዜ ምቕንጻሎም ኢዩ ነይሩ፡፡
እዞም
ከም ጕጅለ ዓፋኝ ዚተጠቕሱ ሰባት ከአ ብላዕሊ ላዕሉ ነቲ ውድብ ከም ዚኸድዑ ተጋዳላይ ተፈልጦም፡፡ ግደ ሓቂ ግና
ኢሰያስን መሳርሕቱን መታን ንውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ንካልኦት ውድባት ክስልዩን ክቕንጽሉን ዘዋፍርዎም
ተጋደልቲ ኢዮም ነይሮም፡፡ ሰብ ብገርሀ ከላ ኸአ ከይተፈልጡ ሃገራውያን የጽንቱ ነይሮም፡፡ በዚ መሰረት ድማ ነቲ
ውድብ ዝገደፍዎን ገለ ዘይድለ ርእይቶ ዘቃልሑን ከም ጠንቁ ከአ ኣብ ሱዳን ዝተቐትሉን ተጨውዮም ንሜዳ ዝኣተዉ
ኣባላት ህ. ግ. ከምዘለው ፍሉጥ ኢዩ፡፡
አብ መስከረም 1981 ዓ.ም. ጀብሃ ካብ ሜዳ ኤርትራ ብዅናት
ተሳዒራ ድሕሪ ምውጻኣ ድማ ነዚ ዓፋኝ ጉጅለ መሊሱ ብምጥንኻርን ብምውዳብን ካብቶም መሪሕነት ጀብሃ እቶም መሪሕነት
ህ. ግ. ሓደገኛታት ኢሉ ዝግምቶም ናይ ምቕንጻል መደብ ተዋሂብዎም ነዚ ሰርሒታቶም‘ዚ ይፍጽሙ ምንባሮም ሓቒ
ኢዩ፡፡ አድላይ እንተድኣ ኾይኑ ኣስማት ናይቶም ሰባት‘ውን ክጥቐስ ይካአል ኢዩ፡፡
አብ ርእሲኡ‘ውን
ካልእ ዓይነት መስዋእቲ ከምዝነበረ ከገልጽ ይፈቱ፤ እቶም „ብጅግንነት ተሰዊኡ“ ድሕሪ ዝብል ሓጺር መግለጺ ዘኽረ
ሰማእታት ብምግባር ነማውትኦም ወግዓውነት ብምልባስ ነቲ ዝነበረ ትሒም ትሒም ከምዝጠፍእ ምግባር‘ውን ነይሩ ኢዩ፡፡
ሓደ ምሳሌ ናይዚ ምጥቓስ ስለዘድሊ ድማ ብዛዕባ ናይ ስውእ ኢብራሂም ዓፋ ክጠቕስ እፈቱ፡፡ ኢብራሂም ዓፋ ነዊሕ
ግዜ ድሃይ ድሕሪ ምጥፍኡ፣ ኣብ መእተዊ ናይቲ ካልኣይ ጉባኤ ኢሳያስ „እቲ ንሃገሩ ብጅግንነት ነዊሕ ዝተቓለሰ
ብጻይ ኢብራሂም ዓፋ ብጅግንነት ንሃገሩ ተሰዊኡ“ ዝብል ሓጺር መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባር
ነቲ ነገር ይድምድሞ፡፡ እንተድኣ ሓደ ሰብ ብጅግንነት ናይ ብሓቒ ተሰዊኡ ኾይኑ፣ ስለምንታይ ድኣ መዓስ
ከምዝተሰውኤን ኣበይ ከምዝተሰውአን ዘይግለጽ? ንሓደ ጅግና እዚ ኽብረት‘ዚ በዚሑዎ ድዩ ?
ብዛዕባ
አማውታ ኢብራሂም ዓፋ ብሚስጢርን ንሰብ ከይንገርን ድሕሪ ምምሓልን ዝሰማዕናዮ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ፡፡ ኢብራሂም
ዓፋ ኣብ ድፍዑ አብ ግንባር ሳሕል ደቒሱ እንኸሎ፤ (ብውሕዱ ኽልተ ናቱ ናይ ራድዮ ኦፕረተራት ምስኡ ነይሮም) ናይ
ጸላኢ (ኢትዮጵያ) ድሕንነት ሰሊኾን ብምእታው ንዑኡን ንኦፕረተራቱን ቀቲለንኦም ከምዘምለጣ ዝገልጽ ጽውጽዋይ
ኢዩ፡፡ እዚ ሓበሬታ‘ዚ ካብ ኽልተ ኣባላት ወተሃደራዊ ስለያ ህ. ግ. ዝተረኽበ ኾይኑ እዞም ሰባት ኣብቲ ለይቲ’ቲ
ኣብቲ ድፋዕ ናይ ኢብራሂም ዓፋ ደቒሶም ከምዝነበሩ ይሕብሩ፡፡ እተን ናይ ኢትዮጵያ ድሕንነት ኸኣ ከይተቐተላን
ኸይተማረኻን ብሰላም ንቦትኤን ከምዝተመልሳ ክሕብሩ እንኸለዉ፤ እቲ ነገር ንሰማዒ አስደሚሙ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ድማ
ኣብ መንጎ ድፋዕ ናይ ኢብራሂም ዓፋን ኣብ መንጎ ሰራዊት ናይ ጸላኢን ብአሽሓት ዝቑጸሩ ተጋደልቲ ህ. ግ.
አለዉ፡፡ ብሓጺሩ እቲ ኣብ ግንባር ሳሕል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ህ. ግ ምንባሩ ጥራይ ዘይኾነስ ሰራዊት ኢትዮጵያ
ከምዚ ዓይነት ናይ ሱልዃ ስርሒት ከካይድ ዓቕሚ ይኹን ተበግሶታት ኣርእዩ ኣይፈልጥን፡፡ ምናልባሽ ሓንሳብን
ንመጀመርታ ግዜን ሰሊዅ እንተደኣ ኾይኑ ድማ ድፋዕ ናይ ኢብራሂም ዓፋ ከመይ ገይሩ ክረኽቦ ኺኢሉ? ነቶም ኽልተ
ናይ ወተሃደራዊ ስለያ ኣባላትኸ ንምንታይ ዘይቐተሎም ? ዝብሉ ሕቶታት ሙሉእ ዕድሜና መልሲ አይንረኽበሎምን ንኸውን
ኢና፡፡
እዞም ኽልተ አባላት ስለያ ድማ ንምዃኑ ንስኻተኹም ድኣ ኣብቲ ግዜቲ እንታይ ክትገብሩ ኣብቲ
ድፋዕ ናይ ኢብራሂም ዓፋ ሓዲርከም ንዝብል ሕቶ፤ ብስራሕ ተላኢኾም ከምዝከዱ ይሕብሩ፡፡ መን ከም ዝላአኮምን
እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዝነበሮምን ክገልጹ ግን ፍቓደናታት ኣይነበሩን፡፡ ብኸምዚ ዓይነት ዘይብሩህ ኣገባብ
ዝጠፍኡ ኤርትራ ውሕዳት ከምዘይኮኑ ከቶ ክንስሕቶ የብልናን፡፡
በዚ ኣጋጣሚ‘ዚ ድማ እቲ ናይ ኤርትራ
ናጽነት ከቢድ ዋጋ ከምዝተኸፍሎ ክገልጽን እቲ ቊጽሪ ናይቶም ስውኣት በቲ መንግሰቲ ዝተገልጸ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ
ጸሊም ቊጽሪ መስዋእቲ ኣዝዩ ብዙሕ ምንባሩ ከዘኻኽር እፈቱ፡፡
ስለዚ ድማ ናይ ኢሳያስ መንግስቲ
ምስ ናይ ሃይለ ሥላሴ መነግስቲ ክተዋዳድሮ እንኮለኻ ፍልልዩ ሰማይን ምድርን ኢዩ፡፡ ናይ
ኢሳያስ መንግስቲ ምስ ናይ ስታሊንን ናይ ማኦ ጸ ቱነግን ጭኻኔታት ጥራይ ኢዩ ክዋዳደር ዝኽእል፡፡ ስታሊን ካብ 6
ሚልዮን ንላዕሊ ደቒ ሶቭየት ሕብረት ክቐትል እንኸሎ ማኦ ጸ ቱንግ ዝቐተሎም ደቒ ቻይና ቊጽሮም ኣዝዩ ካብዚ
ዝበዝሕ ምዃኑ ታሪኽ ይሕብረና ኢዩ፡፡ ኢሳያስ ድኣ መዓስ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ቀቲሉ ዝብል
የዋህ ሕቶ ክልዓል ስለዝኽእል፣ አቐዲመ መልሲ ክህበሉ ይፈቱ፡፡ ኢሳያስ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ክቐትል
ኣይኽእልን ኢዩ፤ ምክንያቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ 3 ሚልዮንን ፈረቓን ጥራይ ስልዝኾነ፡፡ ብዓቐነ-መጠን
(Proportional) እንተ ሪኢናዮ ግን ኢሳያስ ዝቐተሎም ኤርትራውያን ካብ ብስታሊንን ብማኦ ጸ ቱንግን
ዝተቐትሉ ሰባት ኣጸቢቖም ከምዝበዝሑ ርግጸኛ ኢየ ፡፡
ስለዝኾነ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ‘ውን ከምቶም ካልኦት ገበነኛታት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍረዲ ቐሪቡ ብገበኑ ክሕተት ጉቡእ ስለዝኾነ ዝኮነ ኤርትራዊ ከስተውዕለሉን ከጽዕረሉን ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ፡፡
ይቕጽል
ተወልደ ገብረዝጊ 14/03/2009 |