1.7 ምትፍናን ዓብደላን መሰረታትን


ብዝሒ ናይቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ሓድሽ ሓይሊ፣ ካብቲ ናይ ቅድም ኣባል ጀብሃ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ እዩ ነይሩ። መራሕቲ ጀብሃ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድሽን ውዑይን ሓይሊ ብሃገራዊ መስመር ክውድብዎ ክኢሎም ነይሮም እንተዝኾኑ፣ ኩነታት ጀብሃ ፈጺሙ ምተቐየረ፣ ዓቢይን ኣወንታዊን ለውጢ ድማ ክመጽእ ምኸኣለ። መሪሕነት ጀብሃ ግን፣ (ብሕልፊ ከኣ ዓብደላ እድሪስ)፣ ካብ ፈለማ ብስግኣትን ፍርሒን ዝኣክል ምስዚ ሓድሽ ሓይሊ ክቀራረቡ ኣይደለዩን። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም እናሃለወ ከምዘይናቶም እዮም ዝጥምትዎ ነይሮም። ኣብዚ ሓድሽ ሓይሊ ዘካይድዎ ሓያል ፖለቲካዊ ስራሕ ኣይነበረን። እዚ ሓድሽ ሓይሊ ብወገኑ፣ መንእሰይ ብምዃኑ፣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝነበረ ምክፍፋል ኮነ ኣብ መሪሕነት ጀብሃ ብዛዕባ ዝነበረ ጸገማት ዓሚቚ ፍልጠት ኣይነበሮን። ኣብቲ ውድብ ለውጢ ክመጽእ ከምዘለዎ ግን ይኣምን ነይሩ። ለውጢ ክብል ከሎ፣ ነቲ ላዕሊ ላዕሊ ዝርእዮ ዝነበረ ጸገማት ንምእራም እምበር፣ ካልእ ኣይነበረን። ምኽንያቱ እቲ ሱር ዝስደደ ድሑርን ክፍወስ ዘይክእልን ጸገማት ናይቲ ውድብ ኣጸቢቑ ይፈልጦን ይርድኦን ኣይነበረን። ንኹሉ ዘሳትፍ ኣብ ማዕርነት ዝተመርኰሰ ኣከያይዳ ክህሉ ጥራይ እዩ ዝጠልብ ነይሩ። ንጹህ ዝኾነ ጠለብ። የግዳስ በዓል ዓብደላ ነዚ ቅኑዕ ጠለብ ናይዚ ሓድሽ ሓይሊ ከም ተጻብኦ እዮም ጠሚቶሞ። ብፍላይ ዓብደላ እዞም ሓደስቲ ተጋደልቲ መብዛሕትኦም ደቂ ከበሳ ብምንባሮም ጠለባቶም ይብርሆ ኣይነበረን። ንሳቶም ከኣ፣ ንኽፉእ ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ተዓዚቦም፣ “እዚ ሰብ’ዚ ኣድሓርሓሪ እዩ” ይብልዎ ነይሮም። ንዓብደላ ምሒር ብምጽላእ ንሕሩይ (ወዲ ተላ) ከም ኣማራጺ ዝርእይሉ ኩነታት እውን ነይሩ። ምኽንያቱ ሕሩይ ኣብ ወጻኢ እዩ ዝነበረ። ብወረ እንተዘይኮይኑ ድማ ብቐረባ ይፈልጥዎ ኣይነበሩን።
እዚ ኣብ ጀብሃ ዝነበረ ሓድሽ ሓይሊ፣ ኣንጻር ጸላኢ ክገጥም ልዑል ድሌትን ወኒን እዩ ነይሩዎ። ምስ ተጋዳላይ ሻዕብያ ስምረት ክግበር እሞ፣ ኩሉ ሃገራዊ ሓይሊ ብሓባር ኣንጻር ጸላኢ ክገጥም ልዑል ባህጊ ነይሩዎ። ካብዚ ዝተበገሰ ኣብ ኣኼባታት ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.፣ ጉዳይ ስምረት፣ ዓቢ ሕቶ እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ጸገም እቲ ተጋዳላይ ነቲ ጸረ-ሓድነት መርገጺ ናይ መሪሕነቱ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኣይነበረን። ኣብ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ብዛዕባ ዝነበረ መርገጺን ርእይቶን ናይቲ ውድብ ኣነጺሩ ዝገልጸሉ ኣካል እውን ኣይነበረን። እቶም ላዕለዎት መራሕቲ ዝበሃሉ፣ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ናይቲ ተጋዳላይ ንጡፋት ኣይነበሩን። ብግብሪ መራሒ ናይቲ ውድብን ሰራዊትን ዓብደላ እድሪስ እኳ እንተኾነ፣ ንሱ ግን ብዘይካ፣ ኣብ ረሳሕ ፖለቲካ ጥሒሉ ሰባት ክጎጃጅልን ተንኰላት
10
ክኣልምን፣ ከም ወተሃደራዊ ሓላፊ ዝሕንጽጾ ስትራተጂን ብቐጻሊ ዘሰላስሎ ወተሃደራዊ ስርሒታትን ዳርጋ ኣይነበረን። እቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ውግኣት መብዛሕትኦም ብተበግሶ ናይተን ኣሃዱታት ዝፍጸሙ እዮም ነይሮም። ብሓጺሩ ጀብሃ ኣዝዩ ዝተወደበን ዝተወሃሃደን ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ንጥፈታት ኣይነበራን። ብውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው እትሕመስ ውድብ እያ ነይራ።
1.8 ዝሩግ ውድባዊ ሃዋህው
ጀብሃ ኣብ ከምዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዝሩግ ሃዋህው እናሃለወት፣ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝፍጸም ዝነበረ ምምሕዳራዊ በዳላት ማእለያ ኣይነበሮን። ኣብ ዕለታዊ ህይወት ናይተን ኣሃዱታት ብቀለልቲ ጉዳያት ዝተላዕለ ብዙሕ ጸገማትን ግርጭታትን እዩ ዝኽሰት ዝነበረ። እቲ ግርጭት ዝበዝሕ ግዜ ኣብ መንጎ እቶም ገዳይምን ሓደስቲን እዩ ዘጋጥም። ንኣብነት ሕቶ ምብላዕ ስጋ ይመጽእ። እዚ ንምክፍፋል ምኽንያት ይኸውን። ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዙሕ ደቀቕቲ ጉዳያት እናጓሃረ ዓቢ ምጉጅጃል ይፈጥር። ዝኣልዮ መሪሕነት ስለዘይረክብ ድማ፣ ዝበዝሕ እዋን ሃይማኖታዊ መልክዕ ይሕዝ። ላዕለዋይ መሪሕነት ኣብ ንጡፍ ኣመራርሓን ቁጽጽርን ስለዘይነበረ፣ ኣብ መንጎ ተጋደልቲን ታሕተዎት መራሕትን ዝፍጠር ግጭታት እውን ንጹር ናይ ኣፈታትሓ ስርዓት ኣይነበሮን። ከም ውጽኢቱ ድማ ሰባት ብዘይፈጸምዎ በደል ወተሃደራዊ ትእዛዝ ጥሒስኩም እናተባህሉ ይእሰሩን ብዙሕ ግፍዒታት ይወርዶምን ነበረ።
ናብ ዓብደላ እድሪስ ምስእንምለስ፣ ዓብደላ ምስ ጉጅለ ሳበ ኣብ ባቕዳድን በይሩትን ርክብ ድሕሪ ምክያዱ፣ ምስ ጉጅለ ሳበ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ተጋዳላይ ኣይተቐበሎን። ብዛዕባ’ቲ ስምምዕ ንተጋደልቲ ንምግላጽ ኣኼባታት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ድማ ብርቱዕ ተቓውሞ ተላዒሉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዓብደላ፣ ኣብ ሰራየ ምምሕዳር 9 እዩ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ፣ ተጋደልቲ “ስለምንታይ ምስ ሳበ ትራኸቡ? ስለምንታይ’ከ ካብ ሜዳ ወከልቲ ዘይከዱ? እዚ ውዲት እዩ” ኢሎም ኣንጸርጺሮም። ዓብደላ ከመኻኒ እኳ እንተፈተነ፣ እቶም ተጋደልቲ ብመልስታቱ ኣይዓገቡን። እቲ ኣኼባ ናብ ዕግርግር ተቐይሩ። ኣብ መወዳእታ ንዓብደላ ኣኽቢቦም ኣሲሮሞ። ድሓር ግን ኣብኡ ዝነበሩ ካድረታት ነቲ ነገር ኣዘሓሒሎም ከምዝለቀቕ ገይሮሞ። ንሳቶም እንተዘየገላግልዎ፣ ምናልባት እቶም ተጋደልቲ ምስቲ ዝነበሮም ሕርቃን ምቐተልዎ ነይሮም። ዓብደላ እድሪስ ድሕሪ’ዚ ፍጻመ’ዚ ምሒር ሰንቢዱን ርዒዱን እዩ። ኣብ ርእስ’ቲ ካብ ቅድም ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እዚ ሓድሽ ሓይሊ ዝነበሮ ጽልኢ፣ እዚ ምስተወሰኾ፣ እዚ ሓይሊ’ዚ ንህይወቱ እውን ሓደገኛ ምዃኑ ገሚቱ፣ ጽልኡን ስግኣቱን ዝያዳ ዓሪጉ።
1.8 ምንቅስቓስ ፋሉልን ናይ ቅንጸላ ስጉምቲን
ድሕሪ’ዚ ዕርግርግር’ዚ፣ ሰውራዊ ባይቶ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ሓምለ 1976፣ ሳልሳይ ኣኼባኡ ኣብ ዘካየደሉ፣ እንጽርጽሮት ተጋደልቲ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ምስ ሳበ ዝተገብረ ስምምዕ ንምምኽናይ፣ “ሻዕብያ ኣብ ክልተ ተመቒላ እያ፣ ስለዚ ድማ ምስ ክልቲኦም ወገናት ኢና ክንላዘብ ዘለና” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ነቲ ተቓውሞ መሊሱ ጓህሪ ወሲኹሉ እምበር ኣይዝሓሎን። እዚ ተቓውሞ’ዚን ቅድሚኡ ክውህለል ዝጸንሐ ምረት ናይ ተጋደልቲን ተደማሚሩ ድማ እዩ፣ ንምንቅስቓስ ፋሉል ዝወለደ። ናይ ፋሉል ምንቅስቓስ ምስ ተላዕለ፣ ዓብደላ እድሪስ ነግ ፈረግ ኣይበለን።
11
ብቐጥታ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ኣዚዙ። ቀዳመይቲ ግዳይ ናይቲ ቅንጸላ ዝኾነት ከኣ ቦጦሎኒ 149 እያ ነይራ። እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኣ እዩ ተወሲዱ። 261 ትበሃል ናይ ስዒድ ሳልሕ ቦጦሎኒ እውን ተመሳሳሊ ዕድል ኣጋጢሙዋ። ካልኦት ሓያሎ ኣሃዱታት እውን ቀይዲ በቲኸን ተባሂለን መጥቃዕቲ ዝተፈጸመለን ነይረን። ከም ሳዕቤን ናይቲ ዝተወስደ ቀንጻሊ ስጉምቲ፣ ኣብቲ ውግእ ዝስዋእ ተሰዊኡ፣ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ተጋደልቲ ድማ ንስደት ናብ ሱዳን ኣምሪሖም። ኣስታት 1200 ዝኾኑ ተጋደልቲ፣ ምስ ምሉእ ዕጥቆም ካብ ጀብሃ ተፈልዮም ናብ ሻዕብያ ተጸምቢሮም። ገለ ከኣ፣ ናብ ጀብሃ ተመሊሶም መቕጻዕቶም ዝተቐበሉ ነይሮም። ድሕሪ’ዚ፣ ብዓንተቦኣ ኣብ ሕምርግርግ ዝነበረት ጀብሃ በዚ ውሽጣዊ ግጭት’ዚ ዝያዳ ተሓሚሳ። መሪሕነት ጀብሃ ነቲ ዝተፈጥረ ሕንፍሽፍሽ ክኣልዮ ኣይከኣለን። ሕንፍሽፍሽ ናይ ጀብሃ ድማ ንዓብደላ እድሪስ ምቹእ ኣጋጣሚ ኮይኑዎ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ዕግርግር፣ ነቶም ስግኣት ዝኸንዎ ንምጥፋእ ነታ ፍልጥቲ ናይ ምቕንጻል መስመሩ ሒዙ ቀጺሉ።
ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ሱዳን እዩ ዝነበረ። እቲ ናይ ፋሉል ምንቅስቓስ ሕሩይ ኣለዓዒልዎ ተባሂሉ እውን ይሕመ ነይሩ። ግን እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን። ሕሩይ ምስ ምንቅስቓስ ፋሉል ቀጥታዊ ርክብ ኣይነበሮን። እቲ ተቓውሞ ብፍኑው ዝተላዕለ ናይ መሰረታውያን ተጋደልቲ ተቓውሞ እዩ። ርግጽ እዩ ገለ ምስ ወዲ ተላ ርክብ ዝነበሮም 40 ወይ 50 ዝኾኑ “ማርክሳዊ ጉጅለ” ወይ “ማጉ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ሰባት ኣብቲ ተቓውሞ ነይሮም እዮም። ግን ንሳቶም ነቲ ተቓውሞ ክመርሕዎ ይኹን ከማእዝንዎ ዝኽእሉ ኣይነበሩን። እዘን ቀይዲ በቲኸን ተባሂለን ፋሉል ዝተጸውዓ ኣሃዱታት፣ ነቲ ምንቅስቓስ ምስ ኣልዓላ፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ 1977 ኣብ ቃቕብዳ ኣኼባ ገይረን መሪሕነት እውን ክመርጻ ፈቲነን ነይረን እየን። ግን ካብ ፈለማ ውዳበን ናይ ሓባር ርእይቶን ስለዘይነበረን ክሰልጠን ኣይከኣለን። እቲ ብፍኑው ዝተላዕለ ተቓውሞ፣ ክትጥርንፎ ኣብ ዘይክኣለ ደረጃ በጺሑ፣ ዝርግርግ ዝበለ ሃዋህው እዩ ተፈጢሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፣ “ኣንቢብካ ኣሕልፍ!” እናተባህለ ዝሰጋገር፣ መን ከምዝጽሕፎ ዘይፍለጥ ጽሑፋት ይዝርጋሕ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። መን ከምዘበገሶ ዘይፍለጥ ዝተፈላለየ ንጥፈታት እውን ይካየድ ነይሩ። ንኣብነት ብሸነኽ ኣከለ ጉዛይ ሓንቲ ጋንታ ነይራ፣ ጥርዓናት ናይ ተጋደልቲ ጥራይ እትእክብ። “ከምዚ ተበዲለ፣ ከምዚ ገይሮሙኒ” ናይ ዝብሉ ሰባት ጉዳያት እትምዝግብ። ዝመዘዛ ኣካል ዝነበረ ኣይመስለንን። ነቲ ዝነበረ ጸገማት ናብ መሪሕነት ንምብጻሕ ኢላ ዘንቀለቶ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ተበግሶ እዩ ክኸውን ዝኽእል።
ኣብ 1976-77 ኣብ ጀብሃ ዝተኸስተ ሕንፍሽፍሽ፣ ተጋዳላይ ንኣመራርሓ ጀብሃ ስለዘይተቐበሎን ግብራዊ መሪሕነት ኣብ ባይታ ስለዘይነበረን ዘጋጠመ እዩ። እቲ ተጋዳላይ መብዛሕትኡ ሓድሽ እዩ። ናይ ሓደ ዓመት ክልተ ዓመት ተሞኩሮ ዝነበሮ መንእሰይ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ርሱን ናይ ቃልሲ መንፈስን ስምዒትን እዩ ነይሩዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድሽን ስምዒታውን ሓይሊ ዝመርሖን ዝውድቦን ብቑዕ ኣካል ምስዝስእን ክፍጠር ዝኽእል ሕንፍሽፍሽ ንምግማቱ ኣየጸግምን።
1.9 ዘይቅዱው መሪሕነት
እዚ ናይ መሰረታውያን ተጋደልቲ ፍኑው ምልዕዓላት እናሃለወ፣ መሪሕነት እውን ንባዕሉ ምቅዳው ኣይነበሮን። ኣብ መሪሕነት ጀብሃ ንዓብደላ እድሪስ ዘይቅበሉ ወገናት
12
ነይሮም እዮም። ዓብደላ ነዚኣቶም ናይ የማን ሓይልታት እዩ ዝብሎም። ኢብራሂም እድሪስ (ወዲ እድሪስ መሓመድ ኣደም) ድሓር ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፣ ኣብ 2ይ ጉባኤ ኣመሓዳሪ ባርካ ዝኾነ ሓደ ካብኦም እዩ። ካልኦት እውን ነይሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሳልሕ ሳበ እውን፣ ኣብ ልዕሊ ጀብሃ ናቱ ውዲታት ነይሩዎ። ሳበ ካብ ሻዕብያ ምስ ተፈለየ ብዋጋ ጀብሃ እዩ ክዓቢ ፈቲኑ። ነቲ ዓቃባዊ ወገን ናይ ጀብሃ ማለት ንከም በዓል ዑመር መሓመድን ስዒድ ሑሴንን ክኸስቦም እዩ ዝጽዕር ነይሩ። ዑመር መሓመድ ኣብ 1973 ኣብ ኣስመራ ንሓደ ጀነራል ክቕትል ዝተወግአ ፍሉጥ ተጋዳላይ እዩ። ስዒድ ሑሴን ድማ፣ ኣብ 1956 ኣብ ውግእ ስወዝ ካናል ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ግብጺ ተሰሊፉ ዝተዋግአ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ምምስራት ጀብሃ ዝተዋስኡ ናይ ካይሮ ተማሃራይ ኮይኑ፣ ኣብ 1963 ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ገለ ተጋደልቲ ኮይኑ ሓንቲ ስርሒት ክፍጽም ኣብ ዝፈተንሉ ተታሒዙ ዝተኣስረ፣ ድሓር ኣብ 1975 ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸ ገዲም ተጋዳላይ እዩ። ኣብቲ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ እዚኣቶም ምስ ሳበ ብምትሕብባር ካብ ጀብሃ ናይ ምፍላይ ፈተነ ገይሮም ነይሮም። ኣብ ደንከል ሓደ ወተሃደራዊ ጉጅለ ክምስርቱ እውን ፈቲኖም። ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ዓሊ ኢሳቕ፣ ምስኦም ከምዘሎ መሲሉ ንተግባሮም ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ ንጀብሃ ምስ ሓበረ ከኣ፣ ኣሃዱታት ተዳልየን ጸኒሐን ደምሲሰንኦም።
ገለ ዓቃባውያን መራሕቲ ጀብሃ፣ “እዚ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓድሽ ሓይሊ ናይ ቀደም ጀብሃ ኣይኮነን። ብኮምኒስት ዝተዓብለለ እዩ። ስለዚ ምስ ሳበ ምምሕዛው ይሓይሽ። ንሳበ ኣንጻር ሻዕብያ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና” እናበሉ ንሳበ ክኸስብዎ ክፍትኑ ከለው፣ ሳበ ብወገኑ ናይ ጀብሃ ድኻማትን ሕንፍሽፍሽን መዝሚዙ ካብ ውሽጢ ጀብሃ ንገሊኦም መራሕቲ ከሲቡ ክዓቢ እዩ ዝህቅን ነይሩ። በዚ ድማ በዓል ዓብደላ እድሪስ ንገለ ኣባላት መሪሕነት ክሳብ ምእሳር በጺሖም። ጃዕፈር ኣልኣሰድ ሓደ ካብቶም ሽዑ ዝተኣስሩ እዩ። በዓል ዓብደላ እድሪስ ነቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ ተጋደልቲ ቀሪቦም ከመኽንይሉ ከለው፣ “ጀብሃ እቲ ቅኑዕ መስመር ሒዛ እንከላ፣ ብጥሩፋት የማናውያንን ጸጋማውያንን ሓይልታት ትጥቃዕ ኣላ” እዮም ዝብሉ ነይሮም።

Source ካልኣይ ጉባኤ ጀብሃን ውዲታት ዓብደላን