Excerpt from A Memorable Conversation With Omar Jabir In Melbourne Read full story

............Another more embarrassing and quite incredible incident at the same Munich meeting was the threat to kill. Some meeting participants looked  decided to kill Petros Kidane of Halhal!! The blunt language used was, “You are from Halhal who are with Kiyada Ama. Your people killed Kidane Kiflu and Woldai Ghidey in Kassala. We will kill you today, and there will not be any mercy!” We were afraid that he was in danger; his friends helped him escape back to Berlin within hours of the threat. I  believed that they meant to kill him. It was shameful. GUES members like Fitsum Ghebreselassie, who was chairing the meeting, Aregai Habtu, Habte Tesfamariam, Embaye ..... and a few others were insulted and attacked for being  “stooges of Kiyada Ama”. Herui Tedla Bairu also attended the Munich meeting that can still be a measure of show how low national awareness was among many Eritreans 30+ years ago. But frankly speaking some of the participants could have done better than what they actually did at that meeting of shame in Munich .The anti-ELF elements held their second meeting in Nuremberg in August 1971 and supported the split of PLF from the ELF.

 

ካብ ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ
ሳልሳይ : ተላን ሕልማዊ ዓለሙን


ኣብ 1971 ቀዳማይ ጉባኤ ናይ ጀብሃ ክግበር እንከሎ ዝተቐልቀለ ሓደ ካልእ መገረም ወይ መስሓቕ ፖለቲካዊ ገጸ-ባህርይ (ካራከተር) ሕሩይ ተድላ ባይሩ (ወዲ ተላ) እዩ። ሕሩይ ኣብ መፋርቕ 1960ታት ኣቦ መንበር “ማሕበር ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ ኣብ ኤውሮጳ” እዩ ነይሩ። ኣብ 1966 ኣቢሎም፣ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተማሃሮ፣ ሕሩይ ናብ ሃገራዊ መስመር ክኣቱ፣ ንናጽነት ኤርትራ ክቃለስ ምዒዶም፣ “ናይ ኤርትራውያን ማሕበር ነቚም” ኢሎም ሓቲቶሞ ነይሮም። ሕሩይ ግን ንሓሳቦም ኣይተቐበሎን። ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜ’ቲ፣ ብዛዕባ ዓባይ ኢትዮጵያ ይሓስብ ብምንባሩ፣ ኤርትራ ንዕኡ ኣዝያ ንእሽቶ እያ ዝነበረት። ክንዲ ዝኾነ ነቶም ኤርትራውያን፣ “እዚ ጸቢብ ብሄራውነት እዩ፣ ድሑር ኣተሓሳስባ እዩ” ኢሉ ነጺግዎም። ድሓር ግን፣ ኣብ 1967 ኣቢሉ፣ ኣቦኡ ተድላ ባይሩ፣ ንኢትዮጵያ ገዲፉ ናብ ጀብሃ ምስተጸምበረ፣ መርገጺኡ ለዊጡ። ኣብ ደማስቆ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጀብሃ ክቀላቐል ጀሚሩ።
“ንሰብ ክቡር ዝገብሮ፣ ሞያኡ እምበር ካብ ፍሉጥ ቤተሰብ ምውላዱ ኣይኮነን” ዝብል ጥቕሲ ኣሎ። ወዲ ተላ ምሉእ ዕድመኡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይተገንዘቦ ሰብ እዩ። ካብ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ተድላ ባይሩ ብምውላዱ ጥራይ፣ መራሒ ክኸውን ከምዝግብኦ ዝኣመነ፣ ብዛዕባ ነብሱ እምብዛ ዝተጋነነ ኣጠማምታ ዘለዎ፣ ብነብሱ ምሒር ዝተመሰጠ፣ ብጽኑዕ ሕማም ህርፋነ ስልጣን (Megalomania) ዝተለኽፈ ሰብ እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ “ኣነ ገስጋሲ እየ፣ ማኦይስት እየ” ዝብል ዝነበረ ሕሩይ፣ ኣብ ፖለቲካ ናይ ጀብሃ ኢዱ ዝሓወሰ፣ ኣብ 1971 ኣብ መዓስከር ዓዋተ ኣብ ዝተገብረ ንቐዳማይ ጉባኤ ጀብሃ መቀራረቢ ዋዕላ እዩ።

Source ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ወዲ ተላን ሕልማዊ ዓለሙን