<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!! - 1ይ ክፋል

Saturday, 08 November 2008 00:55
Print PDF
isመደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!! - ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ። ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ።

መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!
ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ።
ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ።
1ይ ክፋል

ኣብ'ዚ ቅንያትዚ፡ ንዓለምና ብፍላይ ከኣ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ተዳወብቲ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን፡ ካቡኡ ናቡኡ ኸኣ፡ ንኤርትራውያን ኣሻቒሉ ኣብ ዘሎ ኣርእስቲ ኣትየ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ነቲ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገብሮ ጉዕዞን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ፡ ብዕለት 12/10/2008 ዝሃቦ መደረ ምርኩስ ብምግባር፡ ንዘለኒ ሓቤሬታ ንምክፋልን፡ ኣብ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይ'ቲ ከባቢ ኣመልኪተ ጹሑፈይ ከቕርብ እንከለኹ፡ ከም ቀንዲ ሕመረት ናይ'ዚ ጹሑፍ ከኣ፡ ነቲ ቃል ብቓሉ፡ "መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!" ክብል፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ቤንጃንኩዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል እምነ መሰረት ብምንባር ኢየ።

ሰናይ ንባብ ን1ይ ክፋል፦

"መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ ኢዩ!!!"

እቲ፡ ኣብ ሞንጎ እተን ክልተ ሓያላን ሃገራት፡ ኣመሪካን፡ ሕብረት ሶቭየት ነበር /ሩስያ/ን ዝነበረ፡ ናይ መን ዓብለለ ኣድዮሎጂካውን /ስነ ሓሳባዊን/፡ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ነድሪ ዝወለዶ ምፍሕፋሕ፡ እቲ ብፕሮስትሮይካ ዝፍለጥ ብሚካኤል ጎርቫቾፍ ዝተኣታተወ ለውጢ ዙሑል ኩናት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝቖጻጸር ዝነበረ ዝዓበየ ሓይሊ እቲ ኣብ ዲያጎ ጋርስያ ማእከላይ መደበሩ ገይሩ ዝነበረ፡  ብ5ይ ጭፍራ መራኽብ ዝፍለጥ፡ ብሪድ ኣድሚራል ጆን ላት ኣሌክስ ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ኣመሪካ ኢዩ ነይሩ።

ነዚ ከባቢ'ዚ ዝቆጻጸር ዝነበረ ናይ ሕብረት ሶቭየት ነበር /ሩስያ/ ሰራዊት ከኣ፡ ኣብ ደሴት ዳህላክ ዓስኪሩ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብቺፍ ኣድሚራል ኪዮሎቪስኪ ሻሮቮክ ዝምራሕ ዝነበረ፡ ናይ'ቲ ብቀይሕ ነብሪ ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪታት ኩባ ዝዓስከረ ክፋል ሰራዊት እዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኢዩ፡ ምስ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ምስ ናይ ክልቲኡ ወገን ዝዓጠቖ ኒኩለሳዊ ኣጽዋራቱ፡ ኣብ ሓለዋ ተፋጢጡ፡ ንዓለምና ኣብ ዘንጊ ተነቛቲ ናይ ጥፍኣት ቃና ዘፋጺያ ዝነበረ።

ሕብረት ሶቭየት፡ በቲ ኣብ ዉሽጣ ዝተኣታተወ ናይ ኣመሪካን መሻርኽታን ስልዃታት፡ ካብ ሱራ እዃ ክትዳኸም እንተዘይከኣለት፡ ብመንገዲ ናይ'ቲ እዋን እቲ መራሒ ሕብረት ሶቭየት ዝነበረ ሚካኤል ጎርቫቾቭ ኣቢላ፡ ካብ መወዳእታ 1986 ከተተኣታትዎ ዝጀመረት እሞ፡ ኣብ 1989 ዘተግበረቶ ብፕሮስትሮይካ ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ነቲ ሚዛን ሓይሊ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ቀይሩዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመድርኽ ህላዌ ጃላነት በሲዑ፡ ቀንዲ ሚዛን ሓይሊ ዓለማዊ ጉሎባይዘይሽን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዘንበለሉን፡ ዓለማዊ ፖሊሲ ጸጥታ ናይ'ዛ እንነብረላ ዓለም ብኢድ ኣመሪካ ዝሕንጸጸሉን መድርኽ ናይ ዝወደቐሉ ባብ ከፋቲ በሪ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ደሴታት ዳህላክ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ሶቭየት ነበር /ሩስያ/፡ ኣቐዲሙ በቲ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ሶቭየት ዘጋጠመ ናይ ለውጢ ማዕበል ናይ እዚ ማእከላቱ ክስሕብ ጀሚሩ እዃ እንተነበረ፡ ድሕሪ'ቲ ብማእከላይ ስለያ ኣመሪካ C.I.A.፡ ነተን ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ብናይ ሽዑ ክሊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝፍለጣ ዝነበራ ኤርትራን ትግራይን፡ ፖለቲካውን፡ ወትሃደራውን ምንቅስቓሳት ዘካይዳ ዝነበራ ውድባት፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንወትሃደራውያን መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ሜዳ ትግራይ ከኣ፡ ንወትሃደራውያን መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ንምድኻም ስርዓት ደርግን ምፍርራስ ክሊ ዓባይ ግዝኣት ሕብረት ሶቭየት ኣመልኪቱ ዝተመጠወ ፖለቲካውን፡ ወትሃደራውን ስለያዊ ሓቤሬታ፡ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ኣፍዓበት መጥቃዕቲ ከካይድ ክሕግዞ እንከሎ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኣ፤ ኣብ እንዳ ኣባጉና ዝነበረ ዝተራቐቐ ናይ ስለያ መራኸቢ መሳርሒ ዓጢቑ ንዝነበረ ሰራዊት ደርግን ሕብረት ሶቭየትን ንኸተጥቅዕ ኣኽኢሉዋ ኢዩ።
   
ኣቕዲሙ ግን፡ ኣብ 1984 እቲ ኣብ ሞንጎ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝነበረ ዝምድና ተበቲኹ ኣብ ዘይዕረየሉ ደረጃ በጺሑ ብምንባሩ፡ ንማእከላይ መደበር ስለያ ኣመሪካ C.I.A.፡ ነዞም ክልተ ሓይልታት ኣራኺቡ ክሰርሕ ጸገም ከም ዝነበሮ ብምስትብሃል፡ እቲ ከም እንኮ ኣማራጺ ዝወሰዶ ናይ ስራሕ ሜላ፡ ንኽልቲኦም መሻርኽቱ ብተናጸል ረኺቡ ሓበሬታኡ ክልግስ ስለ ዝነበሮ'ዩ፡ ከም መኽፈቲ ናይ'ዚ መሳልል'ዚ ኣብ ክፍላ ወርሒ 08/1987፡ ጡሉል ዝኾነ ወትሃደራዊ ስለያዊ ሓበሬታ ንኽልቲኦም ወገናት ክልግስ ዝጀመረ። ከም ውጺኢቱ ኸኣ፡ ልዒሉ ከም ዝተገልጸ፡ ክልቲአን ውድባት ብተናጸል ናብ በሪ ዓወት ከሰጋግረን ዝኽእል በርቃዊ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ከካይዳ ዝበቕዓ።

ድሕሪ'ዚ ክልተ ናይ ተናጸል ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ'ዚ፡ ላዕለዋይ እዚ ሕብረት ሶቭየት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን፡ ኣብ'ታ ከም ግዝኣታ ትፍለጥ ዝነበረት ኤርትራን ዝነበሮ ባይታ፡ በቲ ኣብ ውሽጡ ዘጋጥሞ ዝነበረ ምግምማዕን፡ በቲ ኣብ ባይታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጋጥሞ ዝነበረ ወትሃደራዊ ስዕረትን፡ ድሮ ምሉእ ብምሉእ ክስሕብ ጀሚሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዳርጋ ጠቕሊሉ ወጺኡ ብምንባሩ፡ ደርግ ጥራይ ዝባኑ ዝወጻሉ ሰዓት ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይነበረን።

ኣመሪካ፡ ንህላዌ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ፡ ካብቲ ክትጻወሮ ዘይትኽእል ዝነበረት ምስ መስርሕ ህላዌ ወትሃደራዊ ዕብለላኣ ኣተኣሳሲራ ትጥምቶ ብምንባራ፡ ነዚ ጉዳይ መዝሚዛ ኣብ ረብሓኣ ንምውዓል ብፍሉይ ኣጀንዳ ሒዛ ኢያ ተንቀሳቒሳትሉ። ክንዲ ዝኾነ ኸኣ'ያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ጥሪ 19/1989፡ ንመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን፡ ብመንገዲ ሓደ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ኣመሪካ C.I.A. ሪቻርድ ፎን ዳላስ፡ ኣብ ሱዳን ካርቱም ሆተል ሜሪድያን ንኽልተ መራሕቲ ናይ'ቲ ምንቅስቓስ፡ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኣ፡ ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ፡ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ከተራኽቦም ዝኸኣለትን፡ ናይ ሓባር ወትሃደራዊ ሕንጻጽ ንኸካይዱን፡ ከም መበገሲ መድርኽ ጽንፈ ጽርግያ ናይ ዓወታቶም ከኣ፡ ብምምሕዳር መንግስቲ ኣመሪካ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ክወሃቦም ክትፈቅድ እንከላ፡ ኣብ ወትሃደራዊ ስሪሒታቶም ዘገልግሎም ስለያዊ መርበብ ሓበሬታ ከተስንቖም ምዃና ብምምብጻዕ፡ ንዳግማይ ርክብ ቆጺራ ዝተፋነወቶም።

ከም ድምር ውጺኢት ናይ'ቲ ምዕባለ ኸኣ፡ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ለካቲት 05/1989፡ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ ብሓደ ውሳኔ ክወጽእ እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ላዕለዋይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኣ፡ ኣብ ለካቲት 17/1989 ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ብሓደ ውሳኔ ክወጺእ ኪኢሉ ኢዩ፡፡ እዚ ብተናጸል ዝመስል ግን ከኣ ንሓደ ዒላማ ዝዓለመ ውጺኢት ኣኼባ'ዚ፡ ንምልኣተ ስዕረት ደርግ ዘቀላጥፍን፡ ንመሰል ነጻነት ኤርትራ ብዓበይቲ ናይ ዓለምና ሃገራት ተፈላጥነቱ ባብ ዝኸፍትን ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ንብልሓት ምሕንጻጽ ስትራተጂካዊ ስልቲ  ወትሃደራዊ ዓብላልነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ውን፡ ማዕጾ ዝኸፈተ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ንስርዓት ደርጊ ንሞት ዝፈረደን፡ ንህላዌ ሕብረት ሶቭየት ኣብ'ቲ ዞባ፡ ናይ መወዳእታ ማዕጾ ዝረገጠን 'ውን ኢዩ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ናይ ክልተ ውድባት ላዕለዎት መሪሕነታት ህጹጽ ኣኼባታት ከኣ፡ ኣብ ሚያዝያ 16/1989 ብመንገዲ ኣላይነት ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር፡ ንዳግማይ ግዜ ኣብ ሜሪድያን ሆቴል ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፡ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተጋዳላይ መለስ ዜናውን ዝተሳተፉዎ፡ ናይ ሓባር ወትሃደራዊ ሕንጻጽ ተሓንጺጹ ኢዩ።

ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ብኣዝዩ ምስጡር መንገድን ኣብ ትሕቲ ናይ ሓደ ሰብ ኣፍልጦን ዝካየድ ርክባት ክምዘዝ እንከሎ፡ ብወገን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኣ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ምክፍፋል ስራሕ ዘተኮረ ዘይምእኩል ኣሰራርሓ ዝኽተል ተሳትፎ ኢዩ ነይሩዎ።

ኣብ ምጅማር ናይ'ቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ብወገን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ስትራተጂካዊ ወትሃደራዊ ስሪሒታት ስለያ፡ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሞን ክመርሖ እንከሎ፡ ብወገን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኣ ተጋዳላይ ሓየሎም፡ ተጋዳላይ ጻድቃን፡ ተጋዳላይ ክንፈ ገብረመድህን፡ ተጋዳላይ ኣሰፋ ገብሩን ኢዮም ዝመርሕዎ ነይሮም። ርክብ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ምስ ክልተ መራሕቲ ናይ'ቲ ቃልሲ፡ በዚ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ተደጋጋምን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ዝቐጸለ ኢዩ ነይሩ።
 
ክልቲአን ዉድባት ዘድሊ መምርሒታት ድሕሪ ምቕባለን ከኣ፡ ብፍላይ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ስርዓት ነቲ ስሪሒታት ዕንቅፋት ከይከዉን ዓቢ ስግኣት ስለ ዝነበረ እሞ ክእለ ስለ ዝነበሮ ኸኣ፡ ከም ሓያልን ዘይተርፍ ስራሕን ብፍሉይ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ስለ ዝተዋህበ፡ ብመንገዲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ በቲ ቀንዲ ካብ 1979 ጀሚሩ መሓዛ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝነበረ፡ ዶክቶር ሓሰን ኣልቱራቢ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ካርቱም ዝካየድ ዊዲት ዕልዋ መንግስቲ ንምትግባር ኣብ ምውዳድ ንኽጽመድ፡ ብመንገዲ መሓዝኡ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መምርሒ ክዋሃቦ እንከሎ፡ ንመደልደሊ ዝምድናታቶም ኣቐዲሙ ካብ ዝነበሮም ርክባት ወዱ ንዶክቶር ሓሰን ኣልቱራቢ፡ ኣብ ግዜ 6ይ ወራር ብ1982 ኣብ ጋራጅ ሂምቦል ናይ መካኒክነት ኣገልግሎት ንኽህብ፡ ናይ ሽዑ ናይ ጨንፈር መጓዓዝያ ሓላፊ ዝነበረ ስዉእ ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ በዓልኼር ተቐቢሉ ኣስሪሕዎ ነይሩ ኢዩ።

ካብ'ዚ ዝጸንሐ ጥቡቕ ዝምድና ምርኩስ ብምግባር ከኣ፡ ብመንገዲ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ንጉጅለ ዓለውቲ መንግስቲ ካርቱም መተግበሪ ዝኸውን፡ ብመንገዲ ኣብ ካርቱም ተመዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣባል ክፍሊ ስለያ 72 ተጋዳላይ መልኣከ ወዲ ፊተውራሪ ኣቢሉ፡ 14 ሚልዮን ዶላር ንዶክቶር ሓሰን ኣልቱራብን ጀነራል መሓመድ ሑሴን ኣልበሽርን ከም ዝወሃብ ተገይሩ ኢዩ። /ተጋዳላይ መልኣከ ወዲ ፊተውራሪ ምስ ኣቶ መብራህቱ ኣብ ከባቢ ሜሪድያን ሆቴል /ቀምቃማይ/ ዝነበረን ካልኦትን ብምትሕብባር፡ ካብ'ቶም ንገዳይም ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹኑ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ሱዳን ብምጭዋይን ብምቕታልን ዝፍለጡ ዝነበሩ ሓደ ኢዩ።/

ማዕረ ማዕረ'ዚ ፍጻሜ'ዚ ኸኣ፡ እቲ ብህዝባዊ ሰራዊት ዝፍለጥ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብኣላይነት ኣዛዚ ኣሃዱ ኮማንዶ ስዉእ ተጋዳላይ መኮነን ተኽለ /ጉብጣን/፡ "ስዉእ ተጋዳላይ መኮነን ተኽለ /ጉብጣን/፡ ሓደ ካብቶም ብስሪሒት ቅያ 18 ደቓይቅ ዝፍለጥ መጥቃዕቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዓቢ ተራ ዝነበሮ እሞ፡ "ኣብ'ታ ብትእዛዝ ግዝያዊ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ንተጋዳላይ ሰሎሞን ድራር ዝተዋህበ መምርሒ መሰረት ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ /ቅያ 18 ደቓይቕ ስሪሒት ኮማንዶ/ ህላዌኡ ዝሃሰሰ ምኩር ሓርበኛ ኢዩ''። ንኩነታት መስዋእቱን ታሪኹን ኣመልኪተ ፍሉይ ዝበሃል ስለ ዘለኒ፡ ኣብ ካልእ ኣርእስቲ ገለ ክብል ክፍትን ኢየ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብውሕሉል ኣላይነት መኮነን ተኽለ /ጉብጣን/ ስሪሒት መጥቃዕቲ ኣሶሳ ዓቢ ወትሃደራዊ ስሪሒት ከተካይድ እንከላ፡ ንመንግስቲ ካርቱም ዘዘናግዕ መደናገሪ ጎጣዩ ስርሒት፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ S.P.L.A. ብጆን ጋርንግ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ክንፊ ጸንፋፊ ዝኾነ ወትሃደራዊ ስሪሒት ብምክያድ ኢያ ንኣሶሳ ከተጥቅዕ ዝኸኣለት፡፡ እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዝባን መንግስቲ ካርቱም ተሳሒሉ ዝዋደድ ዝነበረ ናይ ዕልዋ መስርሕ ስለያ፡ ንመንግስቲ ካርቱም ካብ ድቃሱ ንኸየበራብሮ ኣዳህሊሉዎ ኢዩ።

ከም ውጺኢቱ ኸኣ፡ መንግስቲ ካርቱም ብድቁሱ እንከሎ ኢዩ ብዊዲት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ስልጣኑ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ተኣልዩ፡ ኣብ ቦትኡ፡ እቲ ብጀነራል ሑሴን ኣል በሽርን፡ ዶክቶር ሓሰን ኣልቱራብን ዝምራሕ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክመጽእ ዝኸኣለ።

ኣብ ክፍላ ናይ'ዚ ዓመት'ዚ ኢዩ ድማ፡ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ 2ይ ኣብየታዊ ሰራዊት፡ ብመንገዲ ስልዃ ስለያ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ ምትሕብባር መንግስቲ ካርቱምን፡ ብጀነራል ደምሴ ቡልቶ ዝተመርሐ ዝበርዓነ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣንጻር መንግስቱ ሃይለማርያም ዝተኻየደን፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኸኣ፡ ን72 ሰዓታት ዝጸንሕ በይንኣዊ ናይ ቶኽሲ ደው ምባል ስጉምቲ ኣዋጅ ዘውጸአን።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነዚ ውጥን'ዚ ክውጥን እንከሎ፡ ካብ'ቲ ምስ ማእከላይ ስለያ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ C.I.A. ዝኣተዎ ውዕል ወጻኢ፡ ናቱ ስጉምቲ ኢዩ ዘዋድድ ነይሩ። ካብ'ዚ ተበጊሱ ኢዩ ድማ ማእከላይ ስለያ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ C.I.A.፡ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ድሕሪት ሓለዋ ክገብረሉ ዝመደበ።

ብፍላይ ከኣ፡ ማእከላይ ስለያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ C.I.A.፡ ካብ'ቲ ኣቐዲሙ ኣኪቡዎ ዝጸንሐ ስጡም ሓበሬታታት፡ ንእንታይነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ምስ'ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሰነ 29/1973፡ ብመንገዲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ናብ ሃገራት ዓበይቲ ቐላያት ኣፍሪቃ፡ ናይ ቀደም ዛየር ዝለኣኾ ምኩር ኣባሉ ተጋዳላይ እስቲፋኖስ ሃይለ መኮነን፡ ካብ መፈለምታኡ ምስ'ቲ ናይ ደባይ ተዋጋኢ ዝነበረ ሎሬን ካቢላ ዝነበሮ ምትእስሳር ብምስትብሃል፡ ንሓደገኛነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ማእከላይ ስለያ ኣመሪካ C.I.A.  ብኣስተብህሎ ጠሚትዎ ዝነበረ መስርሕ ኢዩ።

ካብ 1973 ክሳብ 1996 ቀንዲ ተልእኾ እስቲፋኖስ ሃይለ መኮነን ከኣ፡ ኣብ መሸጣ ዘይሕጋዊ ማዕድን ኣልማዝን ኣጽዋርን ዝተሞርኮሰ ኢዩ ነይሩ። እስቲፋኖስ ሃይለ መኮነን፡ ሓደ ካብቶም ምስ ስዉእ ተጋዳላይ ብርሃነ /ኣፍሮ/፡ ስዉእ ተጋዳላይ ተኪኤ ነጋሽን፡ ስዉእ ተጋዳላይ በየነ ገብረኣብን ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈ ኢዩ። ስዉእ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣፍሮ፡ ኣብ ኩናት ምዝላቕ ባጽዕ ምስ 9ይ ዙርያ ካድር ክስዋእ እንከሎ፡ ስዉእ ተጋዳላይ በየነ ገብረኣብ ከኣ፡ ቅድሚ ስዉእ ተጋዳላይ መሓሪ ደበሳይ ከም ሓላፊ ጨንፈር ወትሃደራዊ ዕጥቅን ስንቅን ምምዳቡ፡ ስዉእ ተጋዳላይ በየነ ገብረኣብ ኢዩ ከም ሓላፊ ጨንፈር ወትሃደራዊ ዕጥቅን ስንቅን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን፡ ሓዋ ንተጋዳሊት ሊያ ገብረኣብ በዓልቲ ቤት ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ሃገራዊ ድሕነት ኢዩ፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ በየነ ገብረኣብ ኣብ'ቲ ኣብ 1978 ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምትሕብባር ዝተገብረ ናይ ባረንቱ ሓባራዊ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ከኣ ኢዩ፡ ብድሕሪት ብናይ ወገን ሓይሊ ሕቖኡ ተሃሪሙ ዝተሰዊአ።

ስዉእ ተጋዳላይ ተኪኤ ነጋሽ ከኣ ኣብ ምሕራር ከተማ ከረን ከም ኮምሽነር ቦጦሎኒ ተመዲቡ እናሰርሐ እንከሎ ኢዩ ተሰዊኡ። እዞም ኩሎም፡ ብጀካ እስቲፋኖስ ሃይለ መኮነን፡ ኣብ'ቲ ብመንካዕ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ኣባላት ኮይኖም ዝተኸሰሱ እሞ፡ ብዝተፈላለየ መቕጻዕቲ ዝተፋነዉ ኢዮም። ካቦኦም ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ጥራይ ኢዩ፡ ኣብ 1976 ነብሰይ እንተዘይነቐፍኩ ኢሉ፡ ናይ ነብሱ ናይ ድሕሪት ተሃድሶ ዘካየደ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ'ቲ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ብህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ስሪሒት ፈንቅል ምሕራር ባጽዕን፡ ኣብ'ቲ ብወፍሪ ዋልልኝ ዝፍለጥ ብሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ስሪሒታት፡ ዘይንዓቕ ናይ ወትሃደራዊ ስለያ ሓበሬታ ለጊሳ ነይራ ኢያ። እዚ ኸኣ ከም ዕላማ ኣነጺራ ንስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ንምእላይን፡ ንሕብረት ሶቭየት ካብ'ቲ ኸባቢ ንምድኻምን ዝኣተወቶ ስትራተጂ ኢዩ ነይሩ፡፡

ስርዓት ደርግ ድሕሪ ስሪሒት ፈንቅልን፡ ስሪሒት ወፍሪ ዋልልኝን፡ ብወትሃደራዊ መንገዲ ኢዱ ዝህበሉ ናይ ዜሮ ሰዓት ብምእካሉ፡ ሕብረት ሶቭየት ከኣ፡ ብውሽጣዊ ጉዳያታ ትሽምረር ብምንባራ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ዘይተርፍ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ናይ መሰጋገሪ ድልድል ህላዌኣ ክትገብሮ ካብ ዝነበራ ትልሚ፡ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ መጋቢት 1981 ዘውጸኣቶ በዓል 9 ነጥቢ ኣዋጅ ሰላም ምርኩስ ብምግባር፡ ብመንገዲ ሓይሊ ዕማም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቲ ካብ ሚያዝያ 16/1989 ኣትሒዙ ምስ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ጹዑቕ ሌላ መስሪቱ ዝነበረ፡ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ኣቢላ፡ ንስርዓት ደርግ ምስ ክልቲኦም ውድባት ክትሽምግሎም ናይ ኣሰላጥነት ባይታ ክትተሓሓዞ ክትምድብ እንከላ፡ ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ክልቲኦም ውድባት ምስ ደርግ ክዘራረቡ ክቕበሎ እንከሎ፡ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ግን፡ ብኣንጻር ኣተሓሳስባ ናይ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ልክዕ ዳርጋ ከም ሪኢቶ ናይቶም ኣብ'ቲ እዋን እቲ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ፡
1. ተጋዳላይ ማሕሙድ ሸሪፎ፡
2. ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡
3. ተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ፡
4. ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሞን፡
5. ተጋዳላይ ዑቕበ ኣብርሃ፡
6. ተጋዳላይ ስብሓት ኤፍሬም፡ ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ሕቶ ነጻነት ክሳብ ዝኾነ፡ ምስ ጉዳይ ሕቶ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዘተኣሳስር ስለ ዘይብሉ፡ ብነንበይኑ ኣርእስቲ እንተተታሒዙ ምስ ስርዓት ደርግ ክንዛተ ኢና ዝብል ነበረ።

ካብ'ዚ ተበጊሱ ከኣ፡ ንጉዳይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣትላንታን፡ ከንያን፡ ኢንግላንድን ክረአ መደባት ክተሓዞ እንከሎ፡ ንጉዳይ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከኣ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያንን፤ ኢንግላንድን ከም ዝተሓዝ ተገብረ። "እዚ ናቱ ነብሱ ዝኸኣለ መስርሕ ስለ ዘለዎ ምስ'ቲ ናይ ርክብ ዕምቆት ኣባል ሰናቶር ማእከላይ ስለያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ C.I.A. ዝነበረ ሄርሞን ኮሄንን ውልቀ ስምምዕ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈውርቅን ተጋዳላይ መለስ ዜናውን ካብ ግንቦት 12-17/1991 ንዳግማይ ከኣ ካብ ሰነ 11-16/1991ዝተኻየደ ዝርርብ ናይ 11 ነጥብታት ዝርዝራቱን  ክፈራርም ዝኸኣለ። ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ከኣ ብሰነድ ከም'ዚ ዝስዕብ ይመስል።

ይቕጽል፦

ዉሕሉል ፈዳይ ንጉስ
Wuhlul Fedai Ngus

\n shamlahaqi@yahoo.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it