<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!! - 2ይ ክፋል

Monday, 17 November 2008 23:13
Print PDF

isላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ፡ ብዕለት 12/10/2008 ዝሃቦ መደረ ምርኩስ ብምግባር፡ ንዘለኒ ሓቤሬታ ንምክፋልን፡ ኣብ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይ'ቲ ከባቢ ኣመልኪተ ጹሑፈይ ከቕርብ እንከለኹ፡ ከም ቀንዲ ሕመረት ናይ'ዚ ጹሑፍ ከኣ፡ ነቲ ቃል ብቓሉ፡ "መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!" ክብል፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ቤንጃንኩዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል እምነ መሰረት ብምንባር ኢየ።

መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!
ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ።
ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ።
2ይ ክፋል

ኣብ'ዚ ቅንያትዚ፡ ንዓለምና ብፍላይ ከኣ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ተዳወብቲ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን፡ ካቡኡ ናቡኡ ኸኣ፡ ንኤርትራውያን ኣሻቒሉ ኣብ ዘሎ ኣርእስቲ ኣትየ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ነቲ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገብሮ ጉዕዞን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ፡ ብዕለት 12/10/2008 ዝሃቦ መደረ ምርኩስ ብምግባር፡ ንዘለኒ ሓቤሬታ ንምክፋልን፡ ኣብ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይ'ቲ ከባቢ ኣመልኪተ ጹሑፈይ ከቕርብ እንከለኹ፡ ከም ቀንዲ ሕመረት ናይ'ዚ ጹሑፍ ከኣ፡ ነቲ ቃል ብቓሉ፡ "መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!" ክብል፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ቤንጃንኩዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል እምነ መሰረት ብምንባር ኢየ።

ሰናይ ንባብ ን2ይ ክፋል፦

ተልእኾ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር፡ ንኽልቲኡ ሰውራታት ምስ ስርዓት ደርግ ምሽምጋል ጥራይ ዘይኮነ፡ ፕረዚደንት ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ውን ብሰላም ስልጣን ዝሓድገሉ ባይታ ምጥጣሕ ዝብል መደብ ኣብ ኣጀንዳኡ ብምንባሩ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብመንገዲ ናይቲ ኣብ 1972 ኣብ ኢትዮጵያ ክፍለ ሃገር ሃረር ዝነበረ መስልጠኒ ወትሃደራዊ ማእከል መኮንናት ኣሰልጣኒ ዝነበረን፡ ኣብ ሓደ ግዜ ናይ ቀረባ መሓዛ ሻለቃ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝነበረ ካፕተን ደቪድ ዊልያም ኣቢላ፡ ርክብ ምስ ኮሎኔል መንስግቱ ሃይለማርያም ዝኸፈተት፡፡

ነቲ ጉዳይ ዝሓዘ ኣባል ማእከል ስለያ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ C.I.A. ቶማስ ከሊን፡ ምስ ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ርክብ ንምምስራት ኣብ ዝሓሰበሉ ግዜ ዝተጠቅመሉ ሜላ እንተነይሩ፡ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ተባዕ ምዃኑ ምእማንን፡ ብመሳርሕቱ ተጠሊሙ ንበይኑ ተሪፉ ከም ዘሎ ምርዳእን ኢዩ ነይሩ።

ካፕተን ደቪድ ዊልያም፡ ምስ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ዝግበሮ ምይይጥ፡ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ብሰላም ስልጣኑ ሓዲጉ ናብ ዝመረጾ ሃገር ንኽወጽእ ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ናይ ገንዘብ ሕሳብ ባንኩ ከም ዘይትዓጽዎን፡ ንድሕነቱ ዝከኣላ ክትገብር ምዃና ብዝኣተወትሉ መብጽዓ መሰረት፡ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ነቲ ናይ ድሕነት ጠለብ ተቐቢሉ፡ ብመሰረት ጠለቡ፦ ኣብ መጋቢት 14/1991፡ ምስ ናይ ዝምባብወ መራሒ መንግስቲ ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋቤ፡ ናይ ውልቂ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፡ ብጠለቡ ብዝገበሮ ምርድዳእ ኸኣ፡ ስልጣኑ ነቲ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጥሞ ዘይፈለጠ፡ ጀነራል ተስፋየ ገብረኪዳን ኣስተሊሙ ኢዩ ናብ ዝንባብወ ዝተዓዝረ።

ደድሕሪ ፍጻሜ ወፍሪ ዋልልኝ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ እቲ ንሓንቲ ክፍለ ሃገር ትግራይ ሓራ ምውጻእ ዝነበሮ መደብ ራሕሪሑ፡ ምስ'ቶም ኣቐዲሙ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝመስረቶም ውድባት ኢህድንን፡ ኦነግን ብምውህሃድ፡ ሓደ ናይ ሓባር ኢህወደግ ዝበሃል ጽላል ኣቒሙ መጥቃዕትታቱ ይቕጽል ነበረ።
ኣብ'ዚ ህሞት'ዚ ኢዩ ድማ፡ ናይ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ስልጣን ምእላይ ክስተት፡ ነቲ ንሓንቲ ክፍለ ሃገር ትግራይ ጥራይ ኣመልኪቱ ነጻነት ክጎናጸፍ ዝጋደል ዝነበረ ሕሉፍ ናይ ኣልባንያ ኮሚኒስታዊ ኣመለኻኽታ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ንመላእ ኢትዮጵያ ንኽቖጻጸር ዕድል ዘውህቦ ባብ ዝረኸበ።

ከም ውጺኢቱ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ወትሃደራዊ ስሪሒታት ብናህሪ ዝቕጽለሉ ዝነበረ ወቕቲ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ 'ዉን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት አርትራ ዝተንቀሳቐሰ ሓይሊ፦ 2 ብርጌድ መካናይዝድ ኣሃዱን፡ ሓደ ኣጋር ክፍለ ሰራዊት፡ ሓደ ኣሃዱ ብርጌድ ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝተሳተፉዎ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝግስግስ ዝነበረ መጥቃዕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ 'ውን፡ ግንቦት 21/1991 ንመላእ ኣዲስ ኣበባ ክቆጻጸር ተኽእሎታት እናሃለዎ እንከሎ፡ ማእከላይ ሓይሊ ዕማም እዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ፔንታጎን፡ ሓድሽ ትእዛዝ ናብ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘመሓላለፈ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብፍላይ ከኣ ማእከላይ ሓይሊ ዕማም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ማእከለኣይ ስለያ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ C.I.A. ን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕሉፍ ኣልባንያዊ ኮሙኒስታዊ ኣመለኻኽታ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እምነት ስለ ዘይነበሮ፡ ብዝለኣኾ ወሃደራዊ መልእኽቲ መሰረት፡ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣቐዲሙ ቅድሚ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ኣስመራ ምእታዉ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ግንቦት 21/1991 ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተ ኣትዩ፡ በቶም ቀንዲ ብሕቡራት መንስግታት ኣሜሪካ ከም ኣኽረርትን፡ ጸረ ነጻነት ኤርትራን፡ ጸረ ስምምዕ ሎንዶንን ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ዝእመነሎም ዝነበረ፡ ስየ ኣብርሃን ሰዓብቱን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ዝሃድም ዝነበረ ሰራዊት ደርግ፡ ዳግመ ምውዳብ ብምክያድ፡ ኣንጻር ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከሰልፍዎ ከም ዝኽእሉ ብምግማት፡ ማእከላይ ሓይሊ ዕማም እዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካብ ፔንታጎን ዝለኣኾ ወትሃደራዊ መልእኽቲ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ "ቀልጢፍኩም ውሻጠኹም ተቖጻጸሩ" ዝብል ኢዩ ነይሩ

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካብ'ቲ ኣብ 1980 ክሳብ 1981 ዝነበረ ናይ ኤርትራውያን ሓድሕድ ኩናት፡ ቀንዲ ናይ ድሕሪት ቀላሲት ብምንባራ፡ ካብ'ቲ ንሜዳ ኤርትራ ንበይኑ ዝተቖጻጸረ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናይ'ዚ ዞባ ጎብለል ኾይና ናይ ምቑጽጻር ሓይላ ውዕለት ናይ'ቲ ኣብ 80ታት ዝነበራ ተራ ትረኽበሉ እዋን ካብ ምምዕዳው ድሕር ኣይበለትን።

ምኽንያቱ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ከተባርራ እንከላ፡ ኪኖ እቲ ወትሃደራዊ ስሪሒት፡ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናይ ስለያ ስልዃታት ብምምዳብ፡ን ብመሓዙት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝኾና ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን፡ ብቀንዱ ኸኣ ብፕረሲደንት ጃዕፈር ኣል ኑሜሪ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ሱዳንን፡ ገዚፍ ምትእትታው ኣካይዳ ኢያ።

ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝጸፈየቶም ናይ ስለያ ኣባላታ፡ ከም በዓል፦
1. ኣብራሃለ ክፍለ፡
   2 ምሕረተኣብ (ገበሬ) ንካልኦትን ወ.ዘ.ተ. ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ መሳርዕ ሰራዊት ሓርነት ክትበታትን ከላ፡ ካብ ሜዳ ኤርትራ ናብ ሱዳን ኣብ ዝኣትዉሉ ግዜ ኸኣ፡ ሃገራት ምዕራብን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ብገዚፍ ሓይሊ ክቕበለኦም ከም መደብ ዝተታሕዘ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ'ቲ እዋን ካብ ዝነበረ ዘገርም ፍጻሜ ኸኣ፡ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሃዲሙ ዝመጸ ተጋዳላይ፡ ኣብ'ቲ ናይ ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይድካ ናይ ምጥያስ ዕድል ዘይረክብ ምንባሩ ኢዩ። ማዕረ፡ ማእረ'ዚ ግን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብመደብ ንስልዃታቱ ኢሉ ዘዋፈሮም፡ ብጉልባብ ሃዳምነት፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ግዳም መሊሳ ከይትስስን፡ ናይ ባዕሉ ወፍሪ ንምክያድ፡ ምስ'ቲ ናይ ሃገራት ምዕራብ ናይ ኣብ ወጻኢ ምጥያስ መደብ ኣባላቱ ሊኢኹ ኢዩ።

እዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘጋጠመ ናይ ምብትታን ወፍሪ ተበግሶ ኸኣ፡ ካብ'ቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ 1978 ብመንገዲ ናይ ሽዑ ምብራቕ ጀርመን ዝተወደበ ምስ ስርዓት ደርግ ናይ ምሽምጋል ስጉምቲ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ ቡዙሓት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ምድንጋጽ ስለ ዝነበራን፡ ሕብረት ሶቭየት ከኣ ከም ሜላ ዝሓዘቶ፡ ንሰውራ ኤርትራ ብኽልተ ናይ'ቲ እዋን ኣተሓሳስባ ደምበ ፖለቲካ ክትፈላሊ ካብ ዝነበራ መደብ፡ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከለን ምብራቕ ጀርመን፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኸኣ ብቐይሕ ምንጻፍ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ሕብረት ሶቭየት ክቕበለኦም ከለዋ፡ እዚ መስርሕ'ዚ ንባዕሉ፡ ሓደ ካብ'ቲ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ናይ ምዕራብ ተነጽሎ ከጋጥማን፡ ነቲ ቅንጸላ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከቀላጥፍን ዝኸኣለ መስርሕ ኢዩ ነይሩ።

<ትሕዝቶ ናይ'ቲ ኣብ ሞንጎ ብልኡኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣሕመድ ናስርን ሕብረት ሶቭየትን ኣብ ቤተ መንግስቲ ክሬምሊን ዝተኻየደ ዝርርብን፡ ትሕዝቶ ናይ'ቲ ኣብ ሞንጎ ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ከለን ምብራቕ ጀርመን ዝተኻየደ ዝርርብን> ብፍሉይ ሰነድ ምስ ጭብጥታቱ ከቕርቦ ኢየ።          

ማእከላይ ስለያ ሕቡራት መንስግታት ኣሜሪካ፡ ካብ ፔንታጎን ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ ተበጊሱ ኢዩ ኸኣ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊቱ፡ ነቲ ግንባር ብስሑው ዓቕሚ ብምሓዝ ኩሉ ሓይልታቱ ብደቀምሓረ ገይሩ ናብ ኣስመራ ከጥቅዕ ዝመደበን፡ ግንቦት 24/1991 ከኣ፡ ከም ውዱእ ምሕራር ኤርትራ ዝወሰዶ። እንተዘይኮይኑ ጌና ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብመጠናዊ ቶኽሲ ናብ ኣስመራ ክግስግስ እንከሎ፡ ኣብ ከባቢ ደንከል ዝነበረ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ጌና ውዑይ ኩናት የካይድ ነይሩ ኢዩ። ከም ውጺኢቱ ኢዩ ከኣ ከተማ ዓሰብ፡ ብግንቦት 26/1991 ካብ መግዛእታዊ ሰንሰለት ሓራ ክትወጽእ እንከላ፡ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከኣ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ግንቦት 26/1991 ኢያ ካብ ስርዓት ደርግ ዝተናገፈት።

ኤርትራ ካብ ስርዓት ደርግ ሓራ ክትወጽእ እንከላ፤ ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣይነበረን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ውን ኣይነበረን። /ኣነ ከም ጸሓፋይ ናይዚ ጽሑፍ'ዚ እዚ ኸኣ፡ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈውርቂ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንዘይምንባሩ ኣመልኪተ፡ ዝኾነ ባዕላዊ ስምዒት ሒዘ ክትርጉሞ ከም ዘይደሊ፡ ነባቢ ናይዚ ዓምዲ'ዚ ክርደኣለይ ኣቐዲመ ብትሕትና ክሕብር ይደሊ።/ 

ኩላትና ብኽብሪ ከም እንዝክሮን እነብዕሎን፡ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ሎንዶን ብዓዲ ጥልያን ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ክመጽእ እንከሎ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኢዩ ተጠቒሙ ነይሩ፡፡ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ፡ ኣቐዲሙ ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምእታዉ፡ ሰነ 18/1991 ብዘይወግዓዊ መንገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣወ፡፡ ክሳብ ሰነ 19/1991 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ሰነ 20/1991፡ ብኣዋጅ 20 ሰነ 1991 ኣብ ሜዳ ኩዕሶ ኣስመራ /ቺቸሮ/ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላለየ።

20 ሰነ፡ ከም ኣካል ጥምቀት ናይቶም በጃ ኹልና ዝሓለፉ ሰማእታት ዝኽሪ ኮይና ከም ዕለት ኣብ መዛግብቲ ታሪኽና ብኽብሪ ተወሪቓ ክትጥቀስ እንከላ፡ ብኣበሃህላ ዋና ጼሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ካብቲ ዘካየድናዮ ናይ 30 ዓመታታ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተካፍልናዮም መረርቲ ዉግኣት /ኩናት/፡ ዝበዝሑ ሰማእታት ዝኸፍልናሉ መኸተምታ ወትሃደራዊ ግጥም ኣንጻር ስርዓት ደርግ፡ ወፍሪ 6ይ ወራር 20 ሰነ ኢዩ ዝብል መግለጺ ሂቡ ኢዩ። ኣነ ግን ከም ጸሓፋይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ኣካል ተምሳልን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መጠን፡ ኣብ 20 ሰነ 1982 ዝተኻየደ መኸተምታ ኩናት ወፍሪ 6ይ ወራር ኣይነበረን። ነዚ ዝምልከት ናይ ባዕሉ ኣርእስቲ 'ውን ስለ ዘድልዮ ብመስርዕ ክትንትኖ ኢየ።


ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ማዕረ፡ ማዕረ ናይ'ቲ ዝኣወጆ ምክያድ ረፈረንዶም፡ ካብ ደርግ ዝሰለቦ ዘመናዊ ኣጽዋራት፡ ብናይ ጽዕነት መጓዓዓዚ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ገይሩ፤ ናብ'ቲ ኣቐዲሙ ካብ 1973 ኣትሒዙ ዳህሲሱ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ መሸጣ ኣጽዋራትን፡ ማዕድን ኣልማዝን ሃገራት ዓበይቲ ቐላያት ኣፍሪቃ፡ ናብ ናይ ደባይ ተዋጋኢ ሎሬን ካቢላን፡ ናይ ሕጂ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ዘሎ ፓወል ካጋመን ምስግጋርን ምሻጥን ተተሓሒዙዎ ነይሩ ኢዩ።

እቲ ብስም ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንዓለምን ንህዝቢ ኤርትራን ንነብሱ ዘላለየ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብኣዛዚ መካናይዝድ ኣሃዱ /ወዲ ስኞራ/ን፡ ሰሎሞን ሃይለ /ራሻይዳ/ን፡ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ዝነበረ፡ ገረዝጊሄር ዓንደማርያም /ውጩ/ን ዝምራሕ ኣሃዱታት ብምውፋር፡ ኣንጻር ፕረሲደንት ሞቡቱ ሰሲሴኮ መራሒ ዛየር ነበር፡ ናይ ሎሚ ኮንጎ መጠነ ሰፊሕ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ፡  ንሎረን ካቢላ ኣብ ስልጣን ከምጽእ እንከሎ፡ 29 ተጋደልቲ ኤርትራውያን ኢዮም ተሰዊኦም።

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ባዕሉ ብዝመርሖ ወትሃደራዊ ስርሒት ንሎሬን ካቢላ ናብ ስልጣን ከምጸኦ እንከሎ፡ ከም ዋጋ ዓስቡ ገለ ካብ'ቲ ሰፋሕቲ ክፋል ማዕድን ዝጋሓጦ መርየት ኮንጎ ከም እጀታኡ ተዋሂቡዎ ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዚ ዘሳልጡ ማለት፤ ኹዒቶም ማዕድን ዘቕርቡሉ ሰራሕተኛታት የድልይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ካብ'ቶም ከም ኣገልገልቲ ስርዓት ደርግ ኣባላት ኢሰፓ ተባሂሎም ዝተኣስሩ እሞ፡ ብመንገዲ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ንዓመታት ዝተፈርዱ ኤርትራውያንን፡ ኢትዮጵያውያንን፡ ከምኡ 'ውን 18 ገዳይም ተጋደልቲ ዝርከብዎም፡ ብድምር 150 ሰባት፡ ብሰንሰለት ኩሪንኩሪት ተቐፊዶም፡ ብናይ ጽዕነት መጓዓዓዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኮንጎ ከም ዝኸዱ ተገይሩ።

ምስ ምትእትታውን ምቁጽጻርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ መንግስቲ ፈረንሳን ናብ ሪፖብሊክ ኮንጎ፤ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ናይ ምውድዳር መድርኽ ዕደና ኣልማዝ ምስ ተገለፈ፡ ንዝነበረ ምስጢራዊ ኣሰራርሓኡ ከይቃላዕ መአታን፡ ነቶም 150 ሰባት ኣብ ሓደ ጋህሲ ተረሺኖም ከም ዝቕበሩ ተገይሩ ኢዩ። ነዚ ውን ሓንቲ ኣብ ጀርመን እትሕተም ጋዜጣ፡ ኣብ እዋኑ ንሕትመት ኣብጺሓቶ ነይራ ኢያ።

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ናይ ዘይተመላኽነት ባህሪኡ ብተግባር ከረጋግጽ ስለ ዝደሊ ዝነበረ ኢዩ ኸኣ፡ ኣብ ክፍላ 1992 ምስ ጁቡቲ ምትኹታኽ ዝጀመረን፡ ንመንግስቲ ፈረንሳ ዘጠንቀቐን። ኪኖ'ዚ ውን፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ 1990 ኣትሒዙ ምስ የመን ዝጀመሮ ምትኹታኽ፡ ኣብ 1995 ናብ ኩናት ከዕርጎ እንከሎ፡ ምስ ግብጺ ዝነበሮ ምትኹታኽ 'ውን፡ ናብ ተተፋናኒ መስርሕ ቀይሩዎ ኢዩ።

እቲ ብስም ናይ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍለጥ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዋና ጸሓፍን ግዝያዊ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ዝነበረ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ቀንዲ ተዋሳኣይ መሓዛ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ይትረፍዶ ተዓዲሙ፡ ከይተዓደመ 'ውን ንኣገልግሎት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምግልጋል ብፊተውራሪ ደረጃ ንነብሱ ሰሪዑ ይሳተፍ ብምንባሩ ኢዩ ከኣ፡ ሓላፊ ሓይሊ ዕማም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ማእከላይ መተሓባበሪ ስለያ ኣመሪካን ዝኾነ  ኣዳምስ ጆን፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝበሎ፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደኺማ ከይጸዓረትሉ እንከላ፡ ብነጻ ኸገልግለኩም ተቀሪበ ኣለኹ ዝብል ሓዲሽ መሓዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምርካብና፡ ሓድሽ ጋሻና መልክዕና ከየለለየ እንከሎ ኣኽቢድና ክንጽዕኖ ኣለና፡፤" ዝበለ።

ካብ'ዚ ህንጡዩነት'ዚ ብምብጋስ'ዩ ኸኣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብመደባ ንስርዓት ካርቱም ንምቕያር ክትሸባሸብ እንከላ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ካርቱም ዘለዋ ስትራተጂ ነቲ ሓድሽ መሓዘኣ ዝኾነ ብጆን ጋራንግ ዝምራሕ ሓይሊ ኣብ ስልጣን ዝመጻሉ ሃዋህው ንምፍጣር ክትጓየ እንከላ፡ ኣቐዲማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ 1989 ህላዌኡ ዘረጋገጸቶ ነዳዲ ንምብሓት፡ ካብ ዘለዋ ርቡጽነት ነቲ ብዘይ ዕረፍቲ ዝሃልል ዝነበረ መራሒ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ 1994፡ ኣብቲ ንስርዓት ካርቱም ንምውዳቕ ዝኸይድ ዝነበረ ስራሕ ንምስታፉ ከም ዕላማ ከተሳትፎ እንከላ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ዘለዎ ርቡጽነት ተበጊሱ ኢዩ፡ ጎኒ ጎኒ ናይ'ቲ መደብ፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኸሐጉስ ክብል፡ ብዘይተጸንዐ መንገዲ ድፕሎማስያዊ ዝምድናኡ ምስ ስርዓት ካርቱም ብቐጥታ ዝበተኸ።

ነቲ ስርዓት ካርቱም ንምውዳቕ ዝተታሕዘ ስትራተጂ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክባረኽ እንከሎ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ቀንዲ ናይ'ቲ ጉዳይ ተዋሳእቲ ንኽኾኑ፡ ብሕዳር 15/1994 ዝመደበተን ሓይልታት ኡጋንዳን፡ ኢትዮጵያን፡ ኤርትራን ኢየን ነይረን።

ኣብ'ቲ ናይ ለካቲት 12/1995 ኣመራርጻ ናይ ኣሰራርሓ መሪሕነት'ዚ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ካርቱም ዝካየድ ስሉሳዊ ወትሃደራዊ ቅዲ ኩናት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክምራሕ ክትደልዮ እንከላ፡ ንድልየት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ዝኾነ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ውሳኔ ክነጽጎ እንከሎ፡ ብግዲኡ ስርዓት ካርቱም፡ ብመንገዲ መራሒ ሰውራ ሊብያ ፕረዚደንት ኮሎኔል ሞዓመር ኣል ጋዳፊ ኣቢሉ፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ካብ'ዚ ስሉሳዊ መጥቃዕቲ ኣንጻር መንግስቲ ስርዓት ካርቱም ተሳትፎኡ ከቛርጸሉ ዝኽእል ኣገባብ ንፕረሲደንት ዩወሪ ሙሶቪኒ ክምሕጸኖ እንከሎ፡ ከም ተወሳኺ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሶቪኒ፡ ንመሪሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ስሪሒት ኣንጻር ስርዓት ካርቱም ከተድምጽ እንከላ፡ ከቢድ ጸርፊን ዘለፋን ካብ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስለ ዘጋጠማ፡ ጉዳይ ኣብ ተግባር ከይወዓለ እንከሎ ክፋላለዩ ኪኢሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ'ቲ ኤርትራ ብዝለዓለ ደረጃ ዝሃነጸቶን፡ ኣብ ምምስራቱ ዝለዓለ እጃም ዘንበረትሉን ኢጋድ ከይተረፈ 'ውን፤ ኡጋንዳ ንነብሳ ከተደስክል ኪኢላ ኢያ። እዚ፡ ንመራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ጉዕዞኡ ዘይተጸበዮ መጽፋዕቲ ኢዩ ኮይኑዎ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ሳዕቤን ኣካይዳኡ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዓይኒ ተጸምዶ ትዕዝብቲ ክኣቱ ኪኢሉ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብ መጀመርታ ነጻነት መደረ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣብ ኣዳራሽ ዩኒቨርስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ዓይኒ ትዕዝብቲ ምእታዉ ንመንግስቲ ኤርትራ ቀሊል ክሳራ ኣይነበረን።
 
እቲ ዝዓበየ ሳዕቤን ክሳራ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ'ቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ 1994፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣልቦ ሶማል፡ ንናይ ኩናት ንጉስ ፋራሕ ኣይዲድ ንዝወሰደቶ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ኢዱ ንኸይህብ ዝተቓወመ ፋራሕ ኣይዲድ፡ ንድልየት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምቅዋም፡ መንግስቲ ኤርትራ ንፋራሕ ኣይዲድ ብሓምለ 13/1994 ኣብ ሆቴል እምባሶይራ ክዕቆብ ምፍቓዱ፤ መንግስቲ ኤርትራ ጎደና ውድቀቱ ብናቱ ናይ ጣልቃ ኣእታውነት ባዕሉ'ዩ ዘቀላጥፍ ነይሩ።

ድሕሪ ኩናት ኤርትራን፡ የመንን፡ ዝሰዓበ ኩናት ኢትዮ_ኤርትራ ብናይ ቀረባ መሓዙት ዝተባህላ ሩዋንዳን፡ ኣሜሪካን ዝቐረበ ዘተ ሰላም፡ በቲ ቅልጽሙ ዝሓበጠ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክንጸግ እንከሎ፡ እቲ ንስሙ ስማዊ ካቢነት ተዋሂቡ ዝነበረ ልሙስ ካቢነ ሚኒስተራት 'ውን፡ እቲ ዝቐረበ ዘተ ሰላም ሩዋንዳን ኣሜሪካን፡ ከም ዝተነጽገ ከም ሰቡ ብናይ ዜና ማዕከናት ኢዩ ሰሚዕዎ።

ክንዲ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ፡ ገለ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን፡ ኣምባሳዶራትን፡ እንታዩ ዝገበር ዘሎ ዘስምዕ ቃና፡ ቅሬተኦም ናብ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ኣቕረቡ፡ ዝረኸቡዎ መልሲ እንተነይሩ፦ "ዝረዓደ ኣእምሮ ኣብ ስራሕ ክህሉ የብሉን" ዝብል ምላሽ ኢዮም ረኺቦም። በኸምዚ ኸኣ እቲ ዘተ ሰላም በርዒኑ።

ከም ሳዕቤን ናይ'ዚ ኣተሓሳስባ'ዚ ኸኣ፡ እቲ ብታሕቲ ታሕቲ ክዘልል ዝጸንሐ፡ ንማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን ዝመርሕ ዝነበረ፡ ብስም ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝፍለጥ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሰባት ዘጠቓለለ ጉጅለ፦
1. ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን፡
2. ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን፡
3. ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን፡
4. ኣቶ ዓብደላ ጃብር፡ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ሕዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን፡
5. ኣቶ ዘምህረት ዮውሃንስ፡ ሓላፊ ምርምርን ስነዳን ህዝባዊ ግንባር ደሞክርሳን ፍትሕን፡
6. ኣቶ ሓጎስ ገብርሂወት ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን፦
ብተግባር፦ ኣንጻር ውሳኔን ኣተሓሳስባን ካቢኔ ሚኒስተራትን፡ ቀወምቲ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን፡ ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን፡ ብጋህዲ ጎስጓስ ብምክያድ፡ ንኣተሓሳስባ ናይ'ቶም ንዘተ ዝቕበሉ ዝነበሩ፡ ኣካይዳ ክመሓየሽ ዝጠልቡ ዝነበሩን፡ ዘይተጸበይዎ ወደቓ ብምውዳቕ፡ ኪኖኡ ኣንጻር ናይ ሽዑ መሪሕነት ኣሜሪካ ሒዙ ዝነበረ ሰልፊ ደሞክራስን፡ ምምሕዳር ፕረሲደንት ቢል ኪሊንተንን ሰፊሕ ጎስጓስ ብምክያድ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕሊ ኣንጻር ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታታት ኣመሪካ፡ ናይ ሜድያ ኩናት ዝተተሓሓዞ።

ገለ ለውሃት ዝሰንጠቖም ኣሕዋት፡ ንናይ ትማሊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናይ ሎሚ ህዝባዊ ግንባር ደሞክርስን ፍትሕን፡ መንግስቲ ኤርትራን፡ ኣብ ብልሽውና ዘይቛማጣዕን ብንጽህናኡ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣትሒዙ ዝጸደቐን፡ በቃ መንቅብ ዘይርከቦ ሓይሊ ገይሮም ዝጠቕስዎ ኣለዉ፡፡

እንተኾነ ግን እቲ ሓቂ ከም መግለጺኦም ኣይኮነን። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ግዜ እዋን ቃልሲ ጀሚሩ፡ ናብ'ተን ኣልኮላዊ መስተ ዘይፈቕዳ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ምክፍፋልን፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ዕጸ ፋርስ /ሓሽሽ/ ክሳብ ብመራፍእ ዝውሰድ ዘለዎን፡ ማዕድናዊ ኣልማዝን፡ ወትሃደራዊ ንዋት ኣብ ምሻጥን፡ ምዝርጋሕን ምስግጋርን ዝዋፈር ዝነበረ ሓይሊ ኢዩ፡፡

ብዘይካ'ዚ ኸኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምና 'ውን ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዝሓጽብ ዝነበረ ሓይሊ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ነዚ ዘተግብሩ ዝነበሩ ኸኣ፡ ንናይ ሕጂ ሚኒስተር ምክልኻል ስብሓት ኤፍሬም ዓቢ ሓዉ፡ ዳዊት ኤፍሬም ኢዩ ነይሩ።

ዳዊት ኤፍሬም፡ ኣብ ከም'ዚ ዝዓይነቱ ስራሓት ተዋፊሩ እንከሎ ኢዩ ነታ ሓሽሽን ዘይሕጋዊ ኣልኮላዊ መስተን ጺዒኑ ዘንቀሳቕሳ ዝነበረ መርከብ ሒዙ ስለ ዝተረኽበ፡ ኣብ ለካቲት 1983 ብመንግስቲ ጣልያን ን5ተ ዓመት ክእሰር ዝተፈርዶን፡ ኣገባቡ ብዘይተነጸረ መንገዲ ማእሰርቱ ከይወድአ ካብ ማእሰርቲ ክወጽእ ዝኸኣለን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ስርሓት'ዚ ካብ ዝተዋፈሩ ዓበይቲ ኣሰጋገርቲ፡ ዋላ እዃ ሕጂ ገለን ኣብ ግዳም፡ ገለን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይሃልው እምበር፦
1. እስቲፋኖስ ሃይለ መኮነን ዛየር ኮንጎ
2. ኤርሚያስ ደበሳይ /ፓፓዮ/ ሃገራት ኤውሮጳ
3. ዳዊት መንግስትኣብን ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ሰሜናውን ደቡባውን ኣሜሪካ
4. ሰሎሞን ሓድሽን ሱዳን
5. ደስበለ ተስፋጼን /ደሱ ወዲ ማዓሎ/ ኤርትራን ማእከላይ ምብራቕን
6. ሙሴ በኺትን ሱዳንን ማእከላይ ምብራቅን
7. መሓመድ ኣሕመድ ቓስም ማእከላይ ምብራቕ ካልኦትን ዝርከቡዎም ኢዮም።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብጀካ እቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራን፡ ካብ ጸላኢ ሰሊቡ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣማኢት ኣሸሓት ዶላራት ንጎኒ ገዲፍካ፡ በዚ ዘይሕጋዊ ናይ ንግዲ ኣገባባትን ካልእን ዝኣኻኸቦ ገንዘብ፡ ኣብ ሕሳቡ ሓጺቡ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ዝተፈላለያ ባንክታት ዓለም ኣመዝጊቡ ናብ'ቲ ብገርሂ ልቡ ዝጽበዮ ዝነበረ ህዝቢ አርትራ ክጽምበር እንከሎ፡ ማዕከን ገንዘብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ 3.7 ቢልዮን ዶላር ወኒኑ ኢዩ ናብ ኣስመራ ኣትዩ። ካብ'ቲ ዘገርም ነዚ ዓቢ ኣሃዛዊ ቁጽሪ ገንዘብ እዚ እንትርፎ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝኾነ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ይፈልጦ ዘይምንባሩ ኢዩ።

ናይ'ቲ ገንዘብ ኣተሓሕዛ ኸኣ፡ ብውልቀ ሰባት ዝተመዝገበ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዋንነቶም ምስ ህላዌ ህይወቶም ዝተኣሳሰር ሳዕቤናት ብዘለዎ ኣሰራርሓ ኢዮም ዝጥቀምሉ ነይሮም። ድሕሪ ምሕራር መላእ ኤርትራ ኸኣ፡ ኮምሽን ንግዲ ናብ ሚኒስትሪ ክሰገጋር እንከሎ ዝርካቡ ዋኒን እቲ ትካል፡ ናብ ትካል 09 ከስተልም ኢዩ ተኣዚዙ፡፡

ኣብ'ቲ ኣብ ሓምለ 1991 ኣብ ደንጎሎ ዝተኻየደ ኣኼባ ኸኣ፡ ሓደ ምስደመም ሓበሬታ ተዋሂቡ፡፡ ግንባር፦ ማለት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ሽዑ ዝቖመ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ መትከል እግሪ ዝኾኖ፡ 250 ሚልዮን ዶላር ምልቅሑ ኢዩ።

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ክፍላ መስከረም 1991 ምስ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ መንግስቲ ጣልያን ናይ'ቲ ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘውረዶ ኣደራዕ ስምብራት መግዛእታዊ ሰንሰለቱ፡ ብመደቡ ከይተሓተተ ዝሰልዖ ካሕሳ ልዕሊ ኣስታት 360 ሚልዮን ዶላር እኳ እንተነበረ፡ እዚ መንግስቲ ጣልያን ንኹሉ ትሕተ ቅርጻዊ መደባት ማለት፡ ጽርግያታት ናይ ባቡር ሓዲዳትን፡ መዕርፎ ነፈርትን፡ ዘመናዊ መስመር መጓዓዝያን ዘጠቃለለ ንምትግባር ተሊምዎ ዝነበረ መደብ ናብ ኤርትራ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ቃል ንቓሉ፦ "እቲ ገንዘብ ብጥረኡ ኣብ ኢድና ሃቡና" ኢሉ ብዘቕረቦ ጠለብ ገለ ክፋሉ ክወሃቦ ብምስምማዕ፡ መንግስቲ ጣልያን ነቲ ዝመደቦ መደብ ካብቲ ወንዚፍዎ ዝጸንሐ መደባት ኣብዚ እዋን'ዚ ምሉእ ብምሉእ ሰሪዝዎ ይርከብ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ንኹሉ ኣጋውለ ኣካይዳ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብደቂቕ ክትከታተል ምስ ጸንሐት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ኣዝዮም ሓደገኛታት ጉጅለ፡ ሓደ ምዃኑ ኣብ ውሽጢ መዝገባታ ንምምዝጋብ ኣይደንጎየትን።

ይቕጽል፦

ውሕሉል ፈዳይ ንጉስ
Wuhlul Feday Ngus
\n shamlahaqi@yahoo.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

ቀዳማይ ክፋል ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ