መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ ኢዩ!!! - 5ይ ክፋል

Wednesday, 10 December 2008 16:46
Print PDF

isuክውንነትን ግዜን ይቀዳደምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ንግዜ ቀዲምካ እዋናዊ ሓቤሬታ ብምስናቕ ንኩነታት ብምምዛን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ይሕግዝ ኢዩ ዝብል ግምት ስለ ዘለኒ ነቲ ዋሕዚ ሓበሬታ ካብ ክዉን መንፈሱ ከይቀየርኩ ናብቲ ከም ንፋስ እናሸበብ ዝቕድመና ዘሎ ህሉው ምዕባለታት ብምትዃር ኩለትናዊ ሓበሬታ ብምዕራፋት እናኸፋፈልኩ ኣብ ቦቶኦም ከትሕዞም ምዃነይ ቃል እናኣተኹ፡ እንሆ ናብ'ቲ ቀንድን መበገስን ዝነበረ ኣገዳስን ተኣፋፍን ቴማ ብዝያዳ ኣተኵረ አቕርቦ ። 

መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ ኢዩ!!!
ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ።
ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ።
5ይ ክፋል

መተሓሳሰቢ፦

ከም'ቲ ኣቐዲመ ብዋሕዚ ምትእስሳር ክትርኾ ዝጸናሕኩ ጽሑፍ ብቀደም ተኸል ክኸዶ ‘ኳ እንተነበረኒ፡ ታሪኻዊ ክዉንነት ብምንጽብራቕ ነዚ ህሉው ኩነታት ብዝያዳ ንምርዳእ ብፍላጥ ሓሓሊፈ ናብ ታሪኽ ክጥምት ከምዝጸናሕኩ ግሁድ እዩ። እንተኾነ ምስ ንውሓት ዋሕዚ ጽሑፍ ሓበሬታ ክውንነትን ግዜን ይቀዳደምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ንግዜ ቀዲምካ እዋናዊ ሓቤሬታ ብምስናቕ ንኩነታት ብምምዛን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ይሕግዝ ኢዩ ዝብል ግምት ስለ ዘለኒ ነቲ ዋሕዚ ሓበሬታ ካብ ክዉን መንፈሱ ከይቀየርኩ ናብቲ ከም ንፋስ እናሸበብ ዝቕድመና ዘሎ ህሉው ምዕባለታት ብምትዃር ኩለትናዊ ሓበሬታ ብምዕራፋት እናኸፋፈልኩ ኣብ ቦቶኦም ከትሕዞም ምዃነይ ቃል እናኣተኹ፡ እንሆ ናብ'ቲ ቀንድን መበገስን ዝነበረ ኣገዳስን ተኣፋፍን ቴማ ብዝያዳ ኣተኵረ አቕርቦ ። 

ኣብ'ዚ ቅንያትዚ፡ ንዓለምና ብፍላይ ከኣ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ተዳወብቲ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን፡ ካቡኡ ናቡኡ ኸኣ፡ ንኤርትራውያን ኣሻቒሉ ኣብ ዘሎ ኣርእስቲ ኣትየ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ነቲ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገብሮ ጉዕዞን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ፡ ብዕለት 12/10/2008 ዝሃቦ መደረ ምርኩስ ብምግባር ንዘለኒ ሓቤሬታ ንምክፋልን፡ ኣብ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይ'ቲ ከባቢ ኣመልኪተ ጹሑፈይ ከቕርብ እንከለኹ፡ ከም ቀንዲ ሕመረት ናይ'ዚ ጹሑፍ ከኣ ነቲ ቃል ብቓሉ፡ "መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ ኢዩ!!!" ክብል፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ቤንጃንኩዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል እምነ መሰረት ብምንባር ኢየ። ሰናይ ንባብ።

ሰናይ ንባብ ን5ይ ክፋል

"መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ ኢዩ!!!"

ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘሕለፎ ጸብጻብ ዓለማዊ ግብረሽበራ ምንቅስቓስ ዓል ቓዒዳ ነታ ከም መንግስቲ ኣልቦ ዝሓስባ ዘሎ ሶማልያ ዝርከቡ እስላማዊ መጋባእያ ኩለንትናዊ ሓገዝ ይገብረሎም ከም ዘሎ ሓቢሩ ነይሩ ኢዩ፡፡

ዓሰርተታት ኣማኢት ናይ እስላማዊ መጋባእያ ዕጡቓት ብናይ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባርን ምውህሃድን ብኣልያ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሶማል ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢሎም ናብ ሶርያን ሊብያን ንወትሃደራዊ ታዕሊም ከም ዝኸዱን ቡኡ ኣቢሎም ውን ናብ ናይ ሊባኖስን ሑዝብላህን ምንቅስቓሳት ተጸምቢሮም ናይ ሸሃዳ ስሪሒቶም ከም ዝፍጹሙ እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ጸብጻብ ኣጻብዕቱ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ብምምልካት ኢዩ ዝኸስስ፡፡

እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ጸብጻቡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝርዝራዊ ወትሃደራዊ ሓቤሬታ ናብ'ቲ እስላማዊ መጋባእያ ሓገዛት ካብ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ብሓፈሻ ካብ ሃገራት ዓረብ ከም ዝርክብን ክጽብጽብ እንከሎ፡፡ ነቲ ናይ ኤርትራ ተራ ግን ከም ትሑዝ ብምንጻር ኢዩ ናብ ገምጋሙ ዘተኩር ዝነበረ።

ነቲ መሓመድ ቓስም ሓምድ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ሓላፊ ጠረጵዛ ወጻኢ ዝምድናታትን ሓላፊ ዕድጊ ኣጽዋርን ኣብ ዕለት 14/7/2007 ካብ ኢራን ናብ ኤርትራ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ዝተራገፈ 125  Shoulder- surface-to-air missiles, 80: ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ልክዕ ንምዃን ሰዓት 2፡45 ናይ ለይቲ ባዕሉ ኣብ ምርጋፉ ዝተቐበለሉ መስርሕ ኢዩ ነይሩ።

ብርግጽ እቲ ብዝዓበየ ሚዛንን ብገዚፍ ዓቐንን ብመንገዲ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዕጡቓት እስላማዊ መጋባእያ ናይ ኣጽዋር ምስግጋር ምሻጥን ዝጀመረሉ ግዜ ነቲ ስራሕ ንምክያድ ንኽምችእ ተባሂሉ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናይ ኣስመራ ቤት ጽሕፈቱ ራሕሪሑ ናብ ወዳባዊት ከተማ ባጽዕ ዝገዓዘሉ እዋን ክፍላ 2006 ኢዩ።

ነቲ ቀንዲ ፍጻመ ንኽምችእ ተባሂሉ ኢዩ ኸኣ ኪኖ'ቲ ስማዊ ማዕርጉ ዝለዓለ ሓላፍነትን ርክብን ምስ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዘለዎ ናይ ክብሪ ማዕርጉ ብሪጋደር ጀነራል ዝኾነ ጠዓመ /መቐለ/ "ጠዓመ ሓደ ካብቶም ንፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ንምቕታል ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናውን ኣብ 1995 ናብ ዝምባብዌ ተላኢኾም ዝነበሩ ተጋደልቲ ሓደ ኢዩ።" ክንዲ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ ብመንገዲ ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ /መቐለ/ ነታ ብሕጋዊ ናይ ንግዲ መዝገብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ደሴት ቨርጂን ዝተመዝገበት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ካርጎ (Evgueny Zakharov, the owner of Aerolift, an airline with a fleet of ageing Antonov and llyushin transport aircraft, based in jehannesburg but registered in the British Virgin Islands), ወናኒ ዝኮነ ኤቭጉኒይ ዘካሮቭ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ካብ ዕለት 19 ክሳብ 21/08 2006 ፍሉይ ርክብ ዝተኻየደ።

ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ /መቀለ/ ብጀካ'ቲ ናይ ኤርትራ ዲፕሎማቲክ ፓስፖርት ተራ ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርትን ናይ ስዑድያን ናይ ኩዌትን ፓስፖርት ዝውንን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዕጡቓት እስላማዊ መጋባእያን ናይ ታሚል ታይገርስ ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣጽዋር ዘመሓላልፍን ነቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ዝመርሕን ኢዩ።

ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ብመንገዲ ኽታምን ፍቓድን ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኤቭጉኒይ ዘካሮቭ ክሳብ ሕጂ ናይ 76 በረራ ጉዕዞ ነፋሪት ካርጎ ጽዕነት ኣጽዋር ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሕብረት ሶቭየት ነበር ዩክረይንን ካዛኪስታንን ከምኡ ውን ኢራንን ሊብያን ከካይድ እንከሎ እቲ ብዕለት 12/07/2008 ብቁጽሪ መዝገብ በረራ 76496 ናይ $1.5 ሚልዮን ዶላር (770.000 ሽሕ ፓውንድ) ብኮንትሮባንድ ዋጋ ክኽፈሎ እንከሎ: ናይ'ዚ ጠቕላል ተናጸል ናይ ሓደ ጉዕዞ ዋጋ ብልክዕ ካብ ካዝና መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዘካሮቭ ዝወጽእ ዝነበረ $1.5 ሚልዮን ዶላር፡ 770.000 ሽሕ ፓውንድ እዚ ማለት ከኣ ናይ'ቲ ጠቕላላ 76 ግዜ ዝተኻየደ በረራ ጉዕዞ ነፋሪት ካርጎ ዘካሮቭ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኸፍሎ ገንዘብ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ 114 ሚልዮን ዶላር  ወይ ከኣ ልዕሊ 58 ሚልዮን ፓውንድ (£ 58,520,000) ኢዩ ነይሩ፡፡ እዚ ነቲ ናይ ኣጽዋር ዋጋ ን ጎኒ ገዲፍካ ኢዩ።

ኣብ'ቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ኣጽዋር ዕድግን መሸጣን መስርሕ ቀንዲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ብመንገዲ 09 ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዝውነን ሕጂ ኣብ ቀይዲ ብዝኣተወ ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ትካል ጋይም ተኪኤ ኪዳነ ንስለ ማለቱ ዝመሓደር ዝነበረ ትካል ኣስመራ ዝመደበሩ ኤሪኮ ኢንተርፕራይዝ Moscow and Asmara, the capital of Eritrea, between Aerolift and Eriko Enterprise of Asmera ን ኣብ ሞንጎ ሞስኮን ኣብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ኣብ 13 ሓምለ 2007 ፍሉይ ናይ ኣጽዋር ዕድጊ መሸጣ ስምምዕ ተኻይዱ ኢዩ።

ብወገን ኤርትራ ከም ዝኾነ ተራ ንግዲ ኣብ ግዜ ቓልሲ ኣብ ኮምሽን ንግዲ ብዝነበረ ተጋዳላይ ታደሰ ክታሙ ከንብረሉ እንከሎ ብወገን ሞስኮ ከኣ ሺቶላይ ኣንደረኒስኪ ኢዩ ክታሙ ኣንቢሩሉ ሺቶላይ ኣንድረንስኪ ኣብ ግዜ ስርዓት ደርግ ነቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዝነበረ ኣጽዋር ኣብ ሕብረት ሶቭየት ሞስኮ ኮይኑ ዘመሓድርን ዝቖጻጸርን ዝነበረ ኣባል ማእከላይ ስለያ ሕብረት ሶቭየት ከይ.ጂ.ቢ. ኢዩ።

ነዚ ክታም ስምምዕ እዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ናይ ሕጂ ብሰፊሕ ኣይኹን እምበር ጋዜጣ ዘ ሳንደይ ታይምስ ኣብ ናይ ወርሒ ሓምለ ሕታሙ ሓደ ቅዳሕ /ኮፒ/ ንሕታም ኣብቂዑ ናብ ነባቢ ከም ዝበጽሕ ገይሩ ነይሩ።         

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናይ'ቲ በብእዋኑ ዘካይዶ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ስራሓት ከይቓረጾ ካብ ዝነበሮ ስግኣት ኢዩ ብመንገዲ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን ሓጎስ ገብሪሂወት /ኪሻ/ ንኣብረርቲ ነፋሪት ጽዕነት ካርጎ ነፋሪት ዘካሮቭ ኣብ ነፍስ ወከፍ ጉዕዞ በረራ ኣጽዋር ናይቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ስረሖም £2.500 /ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ፓውንድ/ ድጎማ ሞቕሽሽ ዝህቦም ዝነበረ። እዚ ኸኣ ብጠቕላል ናይ 76 በረራ ጉዕዞ ድምር ዝተዋህቦ ድጎማ ሞቕሽሽ 190 ሽሕ ፓውንድ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ብምሉኡ ካብ ካዝና መንግስቲ ኤርትራ ዝወጽእ ዝነበረ ኢዩ። ይኹን ድኣ እምበር መንግስቲ ኤርትራ ውን ዝተዓጻጸፈ መኽሰብን ድጎማን ይረኽበሉ ነይሩ።

ኣብ'ቲ ናይ ዘካሮቭ ጉዕዞ በረራ ናብ ኤርትራ ምስ ዓል ቓዒዳ ርክብ ዘለዎም ናይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ፈረንሳን ዜግነት ዘለዎም ኣኽረርቲ ምስልምና ናብ ኤርትራ ጉዕዞኦም መንገዲ ማይ ገይሮሞ ነይሮምን ኣለዉን። ብዘይካ ናይ'ዘን ዓበይቲ ሃገራት ዓለምና ዜግነት ውን ናይ ኤርትራ ዜግነት ‘ዉን ዘለዎም ኢዮም።

እቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ በረራ ጽዕነት ኣጽዋር ካብተን ቀንዲ ናይ መሸጣ ሃገራት ከም በዓል ዩክረይንን ካዛኪስታንን ኢራንን ሞስኮን ቻይናን ኣቐዲሙ ናብ ሊብያ ምስ ኣተወ ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ ክኣቱ እንከሎ ገጾም ብዝተሸፈኑ ሰባት ተዓጂቡ ኢዩ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ነይሩ ኩሎም እቶም ገጾም ዝተሸፈኑ ኸኣ ተዛረብቲ ቛንቛ ዓረብ ኮይኖም ዜግነቶም ዝፈልጥ ውን የለን።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ምስ በጽሑ ጥራይ ኢዮም ምስ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቅን ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ገብሪሂይወት ዝራኸቡን ጉዕዞኦም ናብ ልሙድ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣልቦ ሃገረ ሶማልን ኣብ ገለ እዋናት ውን ናብ ዕጡቕ ጉጅለ ታይምል ታይገርስ ስሪላንካ ዝሰግር ዝነበረን ዘሎን።

ብሸነኽ እስላማዊ መጋባእያ ነቲ ምቅብባልን ምኽታር መራኽብ ሽፍትነት ባሕሪ ዖመር ዑዌስ ዳህሪ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ከወሃህዶ እንከሎ ቀንዲ ነቲ ጉዳይ ሽፍትነት ባሕሪ ከም ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ወጻኢ ሸርፊ ገይሩ ዝጥቀመሉን ዝመርሖን ግን ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኢዩ።

ነቲ ብመንገዲ ኤርትራ ናብ ሶማል ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣጽዋር ምስግጋርን ምሻጥን እስላማዊ መጋባእያ ሶማል ማለት /ኪዳን ሓይልታት ዳግመ ምሕራር ሶማል/ ኣብ ክልተ ምስ ተመቕለ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ ጁቡቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ዘተ ዝርርብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን ኣቦ ወንበር ዳግመ ምሕራር ሶማል ዝነበረ ሸኽ ሸሪፍ ኣብ ታሕሳስ 2007 ኣፈናዊ ሓበሬታ ክትረክብ ኪኢላ ነይራ ኢያ።

እቲ ሓበሬታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብዝግባእ ንኽጥቀመሉ መደባ እዃ እንተነበረ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ሸኽ ሸሪፍ ዝወጠኖ ፈተነ ቅትለትን ዝኾነ ምስጢር ምስ ዘውጽእ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ብዝሃቦ ስውር መጠንቐቕታን ንህይወቱ ዝሰግአ ሸኽ ሸሪፍ ዝፈልጦ ዝነበረ ሓበረታ ካብ ምምጣው ክቑጠብን ክግታእን ኣኽኢሉዎ ኢዩ።

ነዚ ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም መንጸፍ ናይ ውሽጣዊ ጸብጻባቱ ኣብ ግዚኡ ኣብ መዛግብቱ ኣስፊሩዎ ዝጸንሐ ትዕዝብቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ።

ናይ ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ኤፍ ቢ ኣይ መርማሪ ነቲ ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎ ኣብ ከንያ ዝተቐየደ ኣብ ቴክሳስ ዝተፈረደ ኣባል ዓል ቓዒዳ ዝነበረ ግብረ ሽበራዊ ከም ዝገለጾ ነቲ ብግዜ ዝጽወድ ዝነበረ ዘመናዊ ቦምብ ኣብ ሶማል ከሰልጥን ከሎ ኤርትራውያን ኪኢላታት ውን ምሶኦም ምንባሮም ኢዩ ሓቢሩ።

ነዚ ሓቅነቱ ዘረጋገጸ ፍጻሜ ከኣ ዋላ ባዕሉ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ምስ ቲቪ ኤሪ ዝግበሮ ናይ ባጫ ቃለ መጠይቕ መንግስቲ ከንያ ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ንሰለስተ ኤርትራውያን ዜጋታት ተሓባበርቲ ኣባላት እስላማዊ መጋባእያ ኢዮም ኢሉ ብምጥቃን የሕሊፉ ሂብዎም ክብል ነቶም ኣብ ክፍላ ጥሪ 2007 ኣብ ሱታፈ ኩናት ኢትዮጵያ ኣንጻር እስላማዊ መጋባእያ ዝተማረኹ ጋዜጤኛ ተስፋልደት ኪዳነ ተስፋዝጊን ጋዜጤኛ ሳልሕ እድሪስ ሳልምጋማን፡ ትለንተ ዝማዓርጉ ሳምሶን የማነ ዝብሃል ናይ ሃንደሳ ኪኢላን ብወግዒ ተኣሚኒሉ ኢዩ።

መንግስቲ ጣልያን ካብ ቅድሚ 2005 ዓመተ ምህረት ጀሚሩ ኣብ ሃገሩ ዝርከባ ዓበይቲ ኢንዱስቲሪታት ዘህልኸኦ መርዛም ሓተላ ጓሓፍ ዝግሕፋሉ ባይታ ከናዲ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዕለት 17/02/1988 ንውዕል መንግስቲ ኢጣልያን ስርዓት ደርግን ንምግሓፍ መርዛም ሓተላ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣመልኪቱ ንጹር መርገጽ ወሲዱ ዝተቛወመ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኩነታቱ ብምስትብሃል ድሕሪ እቲ መንግስቲ ኢጣልያ ምስ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዕለት 14/03/2005 ኣብ ኢጣልያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቢሎስኮኒ ዘካየዶ ዘተ ቀንዲ ዛዕባ ዝነበረ ምግሓፍ መርዛም ሓተላ ዝተሞርኮሰ ኢዩ ነይሩ፡፡

ክንዲ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ ብስም ጉልባብ ርክብ ኣውፈርቲ ኢጣላውያን ጉዕዞ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቂ ንምስትንጋድ ጓሓፍ መርዛም ሓተላ ኢንዱስትርያዊ ትካላት ኢጣልያ ዝውዕል ዓበይቲ ስምምዓት ዝኽትምን ዝፈቅድን ዝነበረ።

ከም ውጺኢት ስምምዓቱ ኢዩ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ወደባዊት መርየት ከተማ ባጽዕ 2 ኣብ ከባቢ ዕዳጋ 1 ከኣ ኣብ ጥዋለት ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ኣብ ዝተሓጽረ ናይ ሓለዋ መደበር ብድምር ኣስታት 136 ቶን መርዛም ሓተላ ጓሓፍ ዝተጓሕፈ።

ነዚ እከይ ተግባር'ዚ ሚስጢር ፈሊጡ ብምቅዋሙ ኢዩ ኸኣ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ነበርን ደሓር ከኣ ኣብ'ቲ ኩሉ ናይ ኢጣልያ ጉዕዞ ምስ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ዝነበረ ተጋዳላይ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ ብመንገዲ ትእዛዝ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ኮሎነል ጋይም ተስፋሚካኤል ብዝወረደ መምርሒ ተጋዳላይ ኣምባሳዶር ዓደሚካኤል ካሕሳይ ብኣባል ሃገራዊ ድሕነት ካፕተን መሰረት እስቲፋኖስን ካፕተን ነጋሲ ዓንደን ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ኪፍሊ ዕዮ ነበር /ጣባ/ ተቐቲሉ ዝተረኽበ።

ከም ሳዕቤን ናይ'ቲ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዝካየድ ዝነበረ ሕንቅል ሕንቂለተይን ዝካየድ ዝነበረ ኩዕታን ክሕበሮ ወይ ከኣ ጠጠው ክብል ከም ዘለዎ ብዝሃቦ ተሪር ትእዛዝ ዘይተደላዩ ሚስጢር ክትፈልጥ ብምህቃንካ ዝብል ዕባራ ምኽኒት ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል ብዘይ ምኽኑይ መንገዲ ካብ መዝነቱ ወሪዱ ብብሪጋደር ጀነራል ሙሳ ራባዕ ዝተተከአን። ኣይጸንሐን ብሪጋደር ጀነራል ሙሳ ራባዕ ውን ኣሰር ጉዕዞ ተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል ኢዩ ኣርኪቡዎ ንሱ ውን ብግዲኡ ኣብ ሓጺር እዋን ኢዩ ብተመሳሳሊ መንገዲ ደስኪሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኸኣ ካብዚ መርዛም ጓሓፍ እዚ ኸኣ $21 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ ኢዩ፡፡ እቲ መስርሕ ምግሓፍ ኣገባቡ ድኣ ይፈላለ ኣሎ እምበር ዛጊት ውን ቀጻሊ ኢዩ ዘሎ።

ከም'ቲ ኣብ ናይ ዜና ማዕከናት ቲቪ ኤሪ እንሰምዖ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ሰበ ስልጣን ኢጣልያን ሰብ ርእሰ ማል ኢጣልያን ኣካይዱዎ ዝበሃል ዓሰርተታት ስምምዓት ንግዲ ንፈውሲ ማሕላ ውን ትኹን ዝተተግበረ ንግዳዊ ትካል ወይ ዝተተኽለ ኢንዱስትርያዊ ትካል ዘይምህላዉ ኸኣ ነቲ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዘካየዶ ናይ መርዛም ሓተላ ጓሓፍ ዘመላኽት ስምምዓት ምንባሩ ዘማትእ ኣይኮነን።

ኢራን ነቲ ብማዕዶ ትከታተሎ ዝነበረት ትራጀዲ ናብ ናይ ነብሳ ኮሜዲ ንምቕያር ግዜ ኣይወሰደላን ብመንገዲ ኣሳላጥነት መሓመድ ቓስም ሓምድ ኣቢላ ኸኣ ካብ 2007 ዓመተ ምህረት ጀሚራ ብመንገዲ ኤርትራ ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መርዛም ሓተላ ‘ኑክሌር ዌስት’ ክትጉሕፍ ኣብ ስምምዕ በጺሓ ኢያ።

ዛጊት ኢራን ኣብ'ቲ ኤርትራ ትቆጻጸሮ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጥራይ ኣብ ክልተ መራኽብ ዝተጻዕነ 680 ቶን መርዛም ሓተላ ኑክሌስ ዌስት ክትግሕፍ ኪኢላ ኢያ።

መንግስቲ ኤርትራ ኸኣ ንምግሓፍ መርዛም ሓተላ ኑክሌስ ዌስት ከም ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ወጻኢ ሸርፊ ካብ ዝጥቀመሉ ምንጪ ኣታዊኡ ኢዩ ነይሩ ካብ መንግስቲ ኢራን ውን ኣማኢት ሚልዮናት ኢዩ ተኸፊሉዎ።

እዚ ኸኣ ልክዕ ከም'ቲ ነቲ ናይ ባሕሪ ሽፍትነት ብሓይሊ ዕማም ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ገብሪሂወት ዝምራሕ ዝነበረ ስሪሒት'ዚ 'ውን ኣብ ትሕቲ እዚ ስሪሒት ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ገብሪሂወት ዝምእከል ኮይኑ እቲ ቀዳማይ ጉዕዞ ናይ መርዛም ጓሓፍ ኑክሌር ዌስት ብኣባል ሓይሊ ባሕር ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ደስታ ተመሪሑ ኢዩ ብዕለት 11/06/2007 ናብ ደንደስ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ከም ዝጓሓፍ ዝተገብረ።

ከም ፍጻሜ ዓስቢ ኮሎኔል መሓሪ ደስታ ኸኣ ኣብ'ቲ ብብሪጋደር ጀነራል ኢዮብ ፍስሃየ /ሓሊባይ/ ንተጋደልቲ ዝዕደል ዘሎ ናይ መንግስቲ ገዛውቲ ኣብ'ቲ ብወናኒ ርእሰ ማል ባራቶሎ ነበር ዝተሰርሐ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ኣስመራ ዝርከብ ገዛውቲ ብሉጽ መንበሪ ኣባይቲ ብመንገዲ ኣፈኛ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ የማነ ገብረመስቀል /ቻርሊ/ ገዛ ከም ዝወሃቦ ዝተገብረ። ብዘይካ'ዚ ውን ከም ተወሳኺ ሓለፋ $25.000 /ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዶላር/ ብመንገዲ ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ገብሪሂወት ተዋሂቡዎ ኢዩ።

መንግስቲ ኤርትራ በቲ ዘለዎ ናይ ኣሳላጥነት ባህሪ ንእስላማዊ መጋባእያ ሶማል /ኪዳን ዳግመ ምሕራር ሶማል/ ንዘካይደሎም ዘሎ ታዕሊም መሳለጢ ዝኸውን ኣብ ናይ ዕለት 15/04/2002 ጉዕዞ ፕረሲደነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ሊብያ ካብ መንግስቲ ሊብያ ፕርዚደንት መዓመር ጋዳፊ ናይ $ 1.000.000.000.00 /ሓደ ቢልዮን ዶላር/ ሓገዝ ጻማ ዓስቡ ረኺቡ ኢዩ።

እቲ ኣብ ከንያ ብግዜ ዝጽመድ ቦምብ ኣብ ምጽዋድ እንከሎ ዝተታሕዘ ምስ ዓል ቓዒዳ ርክብ ዝነበሮ ኣባል እስላማዊ መጋባእያ ሶማል /ኪዳን ዳግመ ምሕራር ሶማል/ ኣብ'ቲ ን ኤፍ ቢ ኣይ ዝሃቦ ቃል ከም ዝሓበሮ እቲ ኹሉ ንዕጡቓት ኣባላት እስላማዊ መጋባእያ ሶማል /ኪዳን ዳግመ ምሕራር ሶማል/ ዝግበረሎም ምጽዋድ ቦምባታትን ቴክኒካዊ ታዕሊሙን ኤርትራ ተካይደሎም ምንባሩ ኢዩ ኣነጺሩ።

እታ 140 ቶን ዝኽብደቱ ኣጽዋር ዝጸዓነት ብዘካሮቭ ትውነን ናይ ጽዕነት መጓዓዝያ ነፋሪት ብዕለት 26 ሓምለ 2007 ኢያ ብብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ /መቐለ/ ተሰንያ ኣብ ሶማል ዝዓለበት።

ድሕሪ'ዚ ኢዩ ኸኣ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆርጅ ቡሽ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ምክትታልን ምቁጽጻርን ኣንጻር ስሪሒት እኩብ ገበነኛታትን ገበናዊ ፍጻሜ ንድሕነት ሰብኣዊ መስል ዝብል ራኢ ስምምዕ ክኽትም ዝኸኣለ፡፡

ኣብ ክፍላ ጥሪ 2008 እታ መራኽብ ኣሜሪካ ጉዕዞኣ ከተቓርጽ ወይ ከኣ ንብረታ ክትፍተሽ ዘገደዳኣ መርከብ ኢራን ካብቲ ኣብ እዋኑ ጺዒናቶ ዝነበረት መርዛም ሓተላ ኑክሌር ዌስት መሪሑዋ ዝነበረ ውን ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ናይ ዳይቪንግ ክእለት ዘለዎን ተማሃራይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝነበረን ኣብ ገለ እዋናት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብዘይ ምስምምዑ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝነበረ ለተናል ኮሎኔል ተስፋንኪኤል ባሲሎስ ኢዩ። ምስ ፍሉይነት ናይዚ ዛዕባ ኸኣ ነዚ ኩነታት ዝምልከት ናቱ ፍሉይ ጽሑፍ ክገብረሉ ኢየ።

ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሶማልያ ናብ መድርኽ ትያትር ዓውደ ወትሃደራዊ ስሪሒታት እናተቐየረ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን ኢዩ ኸኣ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጥቅምቲ 06/2008፡ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ንጥፈታት ቀይሕ ባሕሪ ተፈጢሩ ንዘሎ ስግኣት ጠቒሱ፡ "ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ /ሶማልያ/ ዝነጥፋ፡ ነፈርቲ ኹናትን፡ መራኽብ ውግእን ዘለወን ሃገራት፡ ኣንጻር ሽፍትነት ባሕሪ ኣድላዩ ስጉምቲ ክወስዳ" ዝጽውዕ ውሳኔ ዘሕለፈ።

ነዚ ውሳኔ'ዚ ኩለን ኣባል ሃገራት ክድግፈኦ እንከለዋ ቀዋሚ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ጥራይ ኢዩ ብትሪ ተቛዊምዎ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ 20 መስከረም 2002 ብላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ቀዋሚ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳዶር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ኣብ መበል 57 ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ንናይ ሽዑ ምሕዝነት ብናይ ግብረ ሽበራ ዝኸስስ መደረ ከስምዕ እንከሎ ዝተጠቕመሉ ቓና ኣብ ውሽጢ ምሕዝነት ኤርትራ ውድብ እስላማዊ ጀሃድ ኤርትራ ብምህላዉ እዚ ውድብ እዚ ኸኣ ምስ ዓል ቓዒዳ ጽኑዕ ርክብ ከም ዘለዎ ብምኽሳስ ኢዩ ጥውዮ በትሩ ብጉልባብ ምሕዝነት ምንቅስቓስ ኤርትራ ነተን ንምሕዝነት ምንቅስቓስ ኤርትራ ሓገዝ ዘብርክታ ዝነበራ ሰንዓ ፎርም ተሪር ክሱ ዘቕርበለን ዝነበረ።

ነዚ ብምምልካትን ነቲ ኩነት ብምዝካርን ኢዩ ኸኣ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምግንጻል ፋይል ናይ'ታ ኣባል ዝኾነት መንግስቲ ኤርትራ ጎራሕ ቃና ዘለዎ ብልሒ ዝተጠቕመ።  

ልክዕ ኣብ'ዚ ዕለት'ዚ ጥቅምቲ 06/2008፡ ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ዘለዎ ኢዩ ድማ ሓይሊ ዕማም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ምስ ማእከላይ ስለያ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክገብሮ ብዝጸሐ ስጡም ሓቤሬታ ምልውዋጥ ምስቲ ካብ ፐንታጎን ዝተላእከሉ መልእኽቲ ብምትእስሳር ማእከላይ መደበር ስለያ ኣሜሪካን ምሉእ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ብምዝማድ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶ ኣሜሪካ ብክታም ፕረዚደንት ቡሽ ዝተሰነየ ነቲ ምስ ግብረ ሽበራውያን ምትሕብባር ኣለዎ ኢሉ ዝገለጾ መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ኣሸበርቲ ሶማል ብምትሕብባርን፡ ነቶም ኣሸበርቲ ኣጽዋር የቐብልን የሰልጥንን ኣብ ሃገሩ የዕቂቡ ድማ፡ ኣንጻር እቲ ብዓለም ተቐባልነት ዘረጋገጸ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ንዝንቀሳቐሱ ጉጅለ ኣል ሸባብ የዕጥቕን የስንቕን ኣሎ፡ ብዘይካ'ዚ ድማ፡ ነቲ ዑሉል ገበነኛን፡ ምስ ኣል ቓዒዳ ምትእስሳር ከም ዘለዎ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መዝገብ ናይ ኣሸበርቲ ዝመዝገበቶን ክትሃድኖ ዝጸንሐትን ዖመር ዑዌስ ዳህሪ ብምትእስሳር፡ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ኣጽዋር ከይሽየጥን ከይሰጋገርን ናብ ኤርትራ ኣጽዋር ከይሽየጥን ከም ዝኣገደት፡ ኣመሪካ ብወግዒ ዘፍለጠትሉ መዓልትን ዕለትን ምስ መግለጺ ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሓደ ምዝማዱ ናይ ኣጋጣሚ ኣይነበረን።

ዖመር ዑዌስ ዳህሪ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዘሎ ሕጂ ንፋልማዩ ግዜኡ ኣይኮነን። ኣቐዲሙ 'ውን ዖመር ዑዌስ ካብ 1994 ጀሚሩ ነጋውስ ኩናት ሶማል ኣብ ዝገርገሩሉ ግዜ ከም ናይ ክብሪ ጋሻ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ሓማሴን ሆቴል ክዕቆብ ከሎ ማናጀር ሓማሴን ሆቴልን እምባሶይራ ሆቴልን ዝኾነ ኣባል 72 ነበር ናይ ሕጂ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ናይ ክብሪ ማዕርግ ኮሎነል ሰሎሞን ኣብርሃ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ ከም ዘለዎ ኪኖ ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብናይ ሕጂ ብሪጋደር ጀነራል ማዕርግ ተሰኪሙ ዘሎ ኣብርሃ ካሳ ፍሉይ ትእዛዝ ዝተቐበለ።
   
ቅድሚ ቅሩብ ሰሙናት ናይዚ ፍጻሜ'ዚ ኸኣ፡ ብዕለት 22 መስከረም 2008 ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ሽፍትነት ባሕሪ ንምግታእ፡ ወትሃደራዊ ስሪሒታት ናይ ምክያድ ተኽእሎ ዘለዎ ውጥን ኣጽዲቖም ነይሮም ኢዮም።

ብተመሳሳሊ ቅዲ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ዕማም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣድሚራል ፊልፕ ግሪፕ፡ ምስ የመን ሽፍትነት ባሕሪ ንምቅላስን፡ ጸጥታ ኣህጉራዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ንምዕቃብን ምውሓስን ክህሉ ዝግባእ ወትሃደራዊ ምውህሃድ ተዘራሪቡ።

እዚ ዝኾነሉ ግዜ ኸኣ፡ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነታ ከም ዝተጨውየት ዝተሓበረ፡ ግን ከኣ ናብ ማያት ኤርትራ ኣትያ ዝተሰወረት ናይ ኢራን መርከብ ንምድላይ፡ መእተዊ ፍቓድ ንኽረክብ፡ ነቶም ሸፋቱ ባሕሪ $7 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሃበ፡ ጋዜጣዊ ሓበሬታታት ኣብ ዝግለጽሉ ዝነበሩ ልክዕ እዋን ኢዩ።

ብተዘዋዋሪ መንገዲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነቲ ዝኸፈለቶ ናይ $7 ሚልዮን ዶላር ንቐንዲ ናይ'ቲ ምንቅስቓስ ኣስኬርየን ንኽትረክብ ኣኽኢሉዋ ኢዩ ካብ'ዚ ኩነት እዚ ተበጊሳ ኢያ፡ ነቲ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ናይ'ዚ ከባቢ እዚ ናይ ምቁጽጻር ባህጋ ንምስማር ነቲ ካብ እዋን ዝሑል ኩናት ምስ ምጻጻእ ስርዓት ደርግ ተሓሪምዋ ዝነበረ በሪ መቖጻጸሪ ባይታ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ደጊማ ነቲ ኣብ 1979 ዝነበረ መሪሕ ውደባ ምስ ሰራዊት ሓይልታት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ብምውህሃድ ናብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ "ወፍሪ ምጽራግ ጸሊም ደበና" ከተካይድ ወትሃደራዊ ምንቅስቓሳ ተኽርር ዘላ።

ሩስያ ብወገና፡ ኣብ መወዳእታ መስከረም 2008፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ዳህሳስ ንምክያድ፡ ናይ ውግእ መርከብ ተበግስ ከም ዘላን፡ መራኽብ ውግእ ሩስያ ስሪሒታት ክፍጽማ ምዃነን ኣፍሊጣ፡፡

ብፍላይ፡ ድሕሪ'ታ ምጭዋይ ናይ'ታ M.V.Faina ዝተሰምየት፡ መዓልቦኣ ኣበይ ምንባሩ ዘይተነጸረ ታንክታትን ካልእ ወትሃደራዊ ንዋትን ዝጸዓነት ናይ ዩክረይን መርከብ ምዃና ዝተረጋገጸ፡ ድሒሩ ኸኣ፡ ብዕለት 28 መስከረም 2008 ኣብ ማርሳታት ናይ ኤርትራ ብኣልያ ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ገብሪሂወት ከም ዝተራገፈት ዝተነጸረ መርከብ ድማ፡ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ናብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ውግእ መራኽብ ሰዲዱ።

ኣቐዲሙ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝነበረ ሕጂ ግን ግብራዊ ስልጣኑ ብብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ገብሪሂወት ዝተመንጠለ ስማዊ ሓላፍነት ሒዙ ዘሎ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ኣብ ዕለት 18 ሕዳር 2007 ካብ ሓላፍነቱ ዘውረዶ ቀንዲ ምኽንያት ምስ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንምግሓፍ መርዛም ሓተላ ኑክሌስ ዌስት ኣመልኪቱ ብዝገበሮ ተቓዉሞ ኢዩ፡ ካብ እዝኒ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቂ ሰማዒ ዝሰኣነን ተነጽሎ ከም ዘጋጥሞ ዝተገብረን ስልጣኑ ብኻልኦት ከም ዝበሓትን ናብ ልምሰት ከም ዝቕየር ዝተገብረ።

ብርግጽ ዕብየት ናይ'ቲ ሽፍትነት ባሕሪ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ማሪታይም ብዝሒ ናይ'ቲ ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ዘጋጠመ ክትራ፡ ልዕሊ 61 ምብጽሑ ይገልጽ፡፡ ገለ ጸብጻባት ድማ፡ ዝተኸትራ መራኽብ ንምልቃቕ ዝተኸፍለ ገንዘብ፡ ልዕሊ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ከም ዝበጽሐ ይሕብሩ። እዚ ኣሃዛዊ ጸብጻብ እዚ ግን፡ ንገለ ክፋል ናይ'ቲ ዛንታ ጥራይ'ዩ ዘመልከት።

ብዘይካ'ዚ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መደርበዩ ባይታ ናይ ዝተፈላለዩ መርዛም ጓሓፋት ኢዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡ እቲ ኣብ ባጽዕ ቤት ጽሕፈቱ ዝገበረ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኸኣ ነቲ ናይ ሃገር ምምሕዳር ጉዳይ ኣብ ምውፋር ክትራ መራኽብን ግዕዞ ህንደሳ መርዛም ጋሓፋትን ኢዩ ዘውዕሎ ዘሎ።

ነታ ሓይሊ ባሕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ዝተጨውየት ዝሕብረላ ንብረት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾነ The Sirius Star is carrying its full load of 2m barrels ከም ዝጸዓነት ዝንገረላ ዘሎ ብስዑድ ዓረብ እትውነን መርከብ /ታንከር/ ቅድሚ ምጭዋይ ዝነበረ ክልተ መዓልታት ዕለት 14 ሕዳር 2008 ድሮ ናብ ዕለት 15 ሕዳር 2008 ዘውግሕ ከውታ ለይቲ ኣብ 5 ፈጣናት ጀላቡ ዝተሰቕሉ ኮሎኔል መሓሪ ደስታን ካፕተን ያሲን ፈረጅን ካፕተን ሓሰን ፍካክን ዝመርሕዎም 46 ዘመናዊ ዕጥቂ ዝዓጠቑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ገጾም ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ገብሪሂወት ኢዩ ዘፋንዎም ነይሩ።

ሰንበት 16 ሕዳር 2008 ከኣ ሓንቲ ናይ ኣሜሪካ The US-bound tanker ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሞምባሳ ክትጓዓዝ እንከላ ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ /መቐለ/ ምስ ኣዛዚ ባሕሪ ምንቅስቓስ እስላማዊ መጋባእያ ሶማል /ኪዳን ዳግመ ምሕራር ሶማል/ ኮማንደር ኣይዘን ሑሴን ከማል ሞቦቆሉ ኩርዲሽ ዝኾነ ኣቐዲሙ ኣብ ሰራዊት ኢራን ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ዝነበረ ብምዃን ኢዮም ብዕለት 15 ሕዳር 2008 ካብ ኣስመራ ናብ ከንያ በረራ ዘካየዱ።

ኣፈኛ ሓይሊ ባሕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሌፍተናንት ናትያን ክሪስተንስ ነቲ ዝተካየደ ናይ ጭውያ ስሪሒት ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑ ከነጽር እንከሎ፡ ዛጊት እታ ዝተጨውየት መርከብ ብዕብየታ ካብተን ኣቐዲመን ዝተጨውያ ቀዳመይ ደረጃ ዝሓዘት ኢያ፡፡

ዛጊት ከኣ ካብታ ዝተጨውየት መርከብ 2 እንግሊዛውያን ዝርከቡዎም 25 ሰባት ህይወቶም ክድሕን ኪኢሉ ኣሎ።

ምጭዋይ ናይታ ዓባይ መርከብ ንሻቅሎት ዓለምና ኣብ ጥርዚ ኣብጺሑሉ ዘሎ እዋን ኣብ ጫፍ ናይ ፑንትላንድ ሶማል ምጭዋያ ነቲ ፍጻሜ ካብ ዝሓላለኸ መስርሕ ሓደን ነቲ ናይ ጸሊም መጋረጃ ዝቕንጥት በሪ ምዃኑ ኢዩ ዝእምት ማእከላይ መደበር ስለያ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ።

ብዘይካ'ዚ ናይ ሰሜን ኮርያ The South Korean-builet Sirius Star, owened by the Saudi Company Aramco, ዋንነት ኩባንያ ስዑዲ ዓረብ ኣራምኮ ካምፓኒ ኣብ ክፍላ መጋቢት 2008 ዝተራቐቐ ኣጽዋር ጺዒና ኢያ ኣብ ማርሳታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ማርሳ ፋጥና ዝተራገፈት።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ብሪጣንያ ንምድሓን ናይቶም ክልተ ዜጋታቱ ኣመልኪቱ ሓበሬታ ካብ ምሃብ እዃ ተቖጢቡ እንተሃለወ ንምምካን ስሪሒት ሽፍትነት ባሕሪ ግን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ቆሪጹ ከም ዝተላዕለ በተን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዘበግሰን ዘሎ መራኽብ ኩናቱ ዘነጽሮ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ካብ'ተን ፍሉጣት ናይ'ዚ ቀረባ እዋን ጭውያ መራኽብ ዘጋጠመን ዋንነት መራኽብ ሃገራት ከኣ መርከብ ክሮኦሽያን መርከብ ፊሊፕኒስን መርከብ ፖላንድን ኢየን።

ብዘይካ እዚአን ከኣ ምስ ምንቅስቓስ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን እቲ ሽፍትነት ባሕሪ ዝኸረሉ ዘሎ እዋናት ናይ ጽዕነት መርከብ ጃፓን ናይ ቻይና ዘመናዊት ዓሳ መግፈፊት መርከብ ናይ ቱርኪ ኬሚካል ጽዕነት መረክብ ናብ ህንዲ እናተጋዕዘት እንከላ ዝተጨወየትሉ ግዜን ናይ ዳኒሽ ካርጎ መርከብ ዝተጨወይትሉ እዋንን እንተኾነ ውን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ድሮ'ዚ ኹሉ ምዕባለታት ኢዩ ኸኣ ብዕለት 11 ሕዳር 2008 ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዜጋታቱ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ኤውሮጳውያን ናብ ኤርትራን ሶማልያን ከይገሹ ዘጠንቅቕ ተሪር ናይ መገሻ እገዳ መምርሒ ዘውጽአ።

ብዕለት 19 ሕዳር 2008 ኸኣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳ ንፈለግ መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንመገሻ እገዳ ናብ ኤርትራን ሶማልን ብዝምልከት ገምጋም ብምግባር ኤምባሲታቶም ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑን ብዜጋታቶም ዝግበር መገሻ ናብ ኤርትራን ሶማልን ብዕጹው ማዕጾ ደው ከም ዝብልን መምርሒ ዘሕለፉ።

ብኣንጻር ናይዚ ፍጻመ እዚ ኸኣ መንግስቲ ኤርትራ ንዲፕሎማስያዊ ሕግታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውዕል ጀነቫ ንዝፈረመሉ ዓንቀጽ 36 ሰፊሩ ንዘሎ ተፍትሽ ንዝብል ሕጊ ጢሑሱ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታት ጽዑቕ ተፍትሽ ዘካይድ ዘሎ።

እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ፡ ብዕለት 12 ጥቅምቲ 2008 ዝሃቦ መደረ "መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ ኢዩ!!!" ክብል ዝገለጾ ተሪር መግለጽን ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ገጹ ገስጋስ ምክያዱን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ናይ ዕለት 11 ሕዳር 2008 ኤርትራ ብእትኣግዶ ዘላ ሓዊ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን በቲ ሓደ መዳይ ኸኣ ኣብ ኤርትራ ምስ ጁቡቲ ብእትገብሮ ዘላ ምትኹታኽ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ጅቡትን ንኽባራዕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ዝሃበቶ ገምጋምን ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ናብ ሸነክ ራስ ዱሜራ ገጾም ምግስጋሶምን ኣብ ጁቡቲ ዝርከቡ ሰራዊት ጀርመን ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዎምን ናበይ የምራሓና ኣሎ ኣብ ዝብል ነጥብ ኢዩ እቲ ወጥሪ ተንጠልጢሉ ዘሎ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ብዕለት 20 ሕዳር 2008 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቲ ንምክልኻል ሽፍትነት ባሕሪ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ዝቛወም መግለጺ ምውጹኡን ቀይሕ ባሕሪ ሞግሓፊ መርዛም ሓተላ ኑክሌስ ዌስት ይኸውን ኣሎ ኢሉ ምእማቱን ዘይጠባዩ ኸኣ ነተን ሞግሓፊ ክገብረኦ ደልየን ዝበለን ሃገራት ዘይምጥቃሱ ዓለምና ሓባል በሊያ ከይትቕድመኪ ኢዩ ኾይኑዋ ዘሎ።

ኣብ ከም'ዚ ተኣፋፉ ህሞት መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምምሕዳር ዋሽንግቶን ካብኡ ናብኡ ኸኣ ምምሕዳር ሰልፊ ዲሞክራቲክ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ነበር ቢል ኪሊንተን መንግስተይ ክግልብጥ ይሓስብ ነይሩ ኢሉ ዝኸሰሶም ሰልፊ ኣብ ስልጣን ምምጸኦም ጥራይ ዘይኮነ በዓልቲ ቤት ፕረሲደንት ኣሜሪካ ነበር ቢል ኪሊንተን ሄላሪ ኪሊንተን ብሓድሽ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ኦባማ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኾይና ምርቛሓ ጉዕዞ ናበይ ክመርሓና ይኽእል?  

ብፍላይ ከኣ ወትሃደራውያን ኪኢላታት ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ናብ ዳህላክ ምእታዎምን ህሉው ወትሃደራዉን ፖለቲካውን ምዕበለታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ህዝብን በቲ ሓደ መዳይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኣዘዝቲ ሰራዊትን መራሕቲ ህግደፍን ውሽጣዊ ምዕባሌታት ካቢነ ሚኒስተራትን በቲ ሓደ መዳይ እንታይ ይመስል ኣሎ?

ይቕጽል፦

ውሕሉል ፈዳይ ንጉስ
Wuhlul Feday Ngus
\n shamlahaqi@yahoo.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

1ይ ክፋል - መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!

2ይ ክፋል - መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!

3ይ ክፋል - መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!

4ይ ክፋል - መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!