ome arrow ትግርኛ arrow ዜና arrow ናዕቢ ኦርተዶክሳውያን ኣብ ኤርትራ ይቕጽል ኣሎ
ናዕቢ ኦርተዶክሳውያን ኣብ ኤርትራ ይቕጽል ኣሎ
PDF Print E-mail
Tuesday, 30 June 2009

 

“ንሓጥያት እምበር ንሞት ኣይትፍርህዋ’’ ብዝብል ጭርሖ ተላዒሎም፡ ሃይማኖታውን ህዝባውን መሰላት ንምሕላው ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝርከቡ ኣመንቲ ዘልዓልዎ ተቓውሞ፡  ይቕጽል ምህላው ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።


ምንጭታትና ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ደብረሲና ዝርከብ ቅርስታት ናይ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን ንምምንዛዕ ዝተላእኩ ወተሃደራት በቶም ኣብቲ ገዳም ዝርከቡ እቐሽሽቲ ተሪር ተቓውሞ ኣጋጢምዎም ፈሺሎም ክምለሱ እንከለው፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ቀጽሪ ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስትያን ሰኒታ ድማ፡ ብዕለት19 ሰነ ንስውኣት ኣብ ዝተኻየደ ጸሎተ ፍትሓት፣ ብጹእ ኣቡነ እንጦንዩስን ካልኦት ኣብ ቤትማሕቡስን ማሕዩርን ዝርከቡ ሓለፍቲ ቤተክርስትያናት ክፍትሑ፡ መንግስቲ ካብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ኢዱ ክስሕብ፡ ሲኖዶስ ወይ ጉባኤ ብቕልጡፍ ክካየድ ዝትሕዝቶኡ ሰበኻ ተኻይዱ ።

በቲ ዝተኻየደ መሳጢ ሰበኻ፡ ህዝቢ ኣዝዩ ከምዝተሓጎሰን ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ኣደራዕ ከምዝበርሃሉን ንመሰላቱ ዝያዳ ክጣበቕ ከምዘለዎን ክፈልጥ ኪኢሉ ከምዘሎን ከኣ እቶም ምንጭታት ይእምቱ።

ይኹንምበር ነቲ ኩነታት ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ኣባላት ስለያ ህግደፍ  ኣብ ልዕሊ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ኣድራጋ ኣእማን ብምድርባይ ነቲ ሰባኻ ከምዝቃ’ረጽ ገይሮሞ ይብሉ እቶም ምንጭታት።  በቲ ዳርባ እምኒ ብዙሓት ኣቅሽሽትን ኣደታትን ሽማግለታትን ከምዝተጎድኡ ‘ውን የፍልጡ። ሓደ ካብቶም ዝተፈግኡ ሽማግለ ብዛዕባ ‘ቲ ዝወረዶም ጉድኣት፡  “እዚ መፍጋእቲ እዚ፡ ናዓይ ቅዱስ ሚካኤል ሽልማት እዩ! ንሓቅን ንሃይማኖትን ንኽቃለስ ድማ ዝያዳ የተባብዓኒ“ ክብሉ ከምዝተዛረቡ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

Last Updated ( Tuesday, 30 June 2009 )
 
Next >
Source Asena.