line decor
                               Home      News      Editorial      Human Rights      Current Affairs      Events      About Us
line decor

Links

Asmarino

Alnahda

Alenalki

Adoulis

Baden Kunama

Democrasia

Dekebat

Eri Planet

Farajat

Jeberti

Mai Habar

Maitemenay

Mekaleh Eritrea

Nharenet

Self Democracy

Togoruba

Teshamo


 

ፓትረያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብከቢድ ሓሚሞም

 

             ካብ ዕለት 13 ጥሪ 2006 ኣትሒዙ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትረያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ወዲቖም ከምዘለዉ ምንጭታት ኤሪትረያ ዎች ሓቢሮም። Pat                          

    ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንዝለዓለ ሕክምና ንወጻኢ ክኸዱ እኳ እንተሓተቱ፣ እቲ ሃይማኖት ኮነ ብዓቢኡ ድማ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ቅጭጭ ዘይብሎ ስርዓት ህግደፍ ከምዝኣበዮም ተሓቢሩ።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ኣቦኦም ገብረመድህን ደብረጽዮን፣ ካብ ኣዴኦም ወ/ሮ ኢለን ቀለታ፣ ኣብ ዞባ ማእከል ሕምብርቲ ብ1927 ተወሊዶም። ኣብ 5 ዓመት ዕድሜኦም ድማ ንገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ተወፍዮም።  
    ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ድሕሪ ዕረፍቲ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ፣ ብዓቃቤ መንበርነት ክሰርሑ መዲብዎም ድሕሪ ምጽናሕ። የካቲት 2004 ኣብ ምኔታት ገዳማተ ኤርትራ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት፣ ምእመናንን ተኣኪቦም ንምርጫ ካብ ዝቐረቡ ጳጳሳት ብዝለዓለ ድምጺ ንብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ፓትረያርክ ክኾኑ መሪጾሞም።
  

Posted: 29/01/2009

<back                          Home                                 next>  

 

site statistics

site stats

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Copyright © 2008- Eritrea-watch for Human Rights and Democracy