Post navigation

መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ኢዩ ነይሩ ? ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ ? መመላእታ ንቐዳማይ ክፋል

ኤ ና ስ ኣ ምስ ዓመጹን ንመሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ምእዛዝ ምስ ኣበዩን ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ጠንቁ ንምፍላጥ ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ እቲ ሽግር ክፍጠር ዝኸኣለ ኤ ና ስ ኣ ኣኻል ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ስለዘይነበረን ነብሱ ኽኢሉ ነጻ  ኮይኑ ዝንቀሳቐስ  ማሕበር ብምንባሩ ዝተፈጥረ ጸገም ብምንባሩ ኢዩ፡፡ እዚ ስለዝተረድኦ ድማ ኢሳያስ ነዚ መሰረታዊ ፍታሕ ንክገብረሉ ኣብ ሜዳ  ሽበድበድ ክብል ጀመረ፡፡ እዚ ናይ ኤ ና ስ ኣ ጸገም ኣብተን ኻልኦት ናይ ሓፋሽ ውድብ ማሕበራት ማለት ከም ማሕበር ተማሃሮ፣ ማሕበር ደቐንስተዮ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ሸቓሎ ወዘተ. . . ንኸይድገም ስለዝፈርሀ ድማ ንኹለን ሓፋሽ  ውድባት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ህ. ግ. ከምዝቅየዳ ንምገግባር ከም ብሓድሽ ክሰርዐን ክውድበንን  ጀመረ፡፡  ዕላምኡ ድማ ከምዚ ናይ ኤ ና ስ ኣ ዓይነት ጸገማት መታን ከይድገም ብዝተኻእለ መጠን እተን ናይ ሓፋሽ ውድባት ማሕበራት እንተተኻኢሉ ብኣባላት ናይቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ  እንተዘይተኻኢሉ ድማ ብሕጹያት ናይቲ ሚስጥራዊ ሰልፊ ከምዝምርሓ ምግባር ነበረ፡፡
ናይ ኩለን ሓፋሽ ውድባት ጉባኤ ብምጽዋዕ ድማ እቲ ጉባኤ ኣብ ሜዳ ኣብ ንሱ ብዝያዳ ኣብ ዝቖጻጸሮ ቦታ ክገብሮ ስለዝወሰነ ኩለን ሓፋሽ ውድባት ወኸልተን ንሜዳ ከምዝሰዳ ተገብረ፡፡ተንኾላት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘይተረድኡ ኣባላት ኤ ና.ስ ኣ. ድማ ሽውዓተ ወከልቶም መሪጾም ንሜዳ ለኣኹ፡፡ ካብቶም ዝተላእኩ ድማ ሓጎስ ገብሪሂወት (ኽሻ) ን ታደሰ እምባየን ይርከብዎም ነበሩ፡፡
ማእከላይ ሽማግለ ኤ ና ስ ኣ ሓጎስ ኽሻን ታደሰ እምባየን እቶም ካልኦትን ክብገሱ እንከለዉ ድማ ብዛዕባቲ ግርጭቶም ምስ መሪሕነት ህ. ግ. ተላዚቦም ሓደ ፈታሕ ሒዞምሎም ክመጹ ተማሕጸንዎም፡፡ ኣብዚ ጉባኤ‘ዚ ድማ ኢሳያስ እተን ማሕበራት ብሃገራዊ መልክዕ ከምዝስራዓ ገበረ፡፡ ዕላማ ኢሳያስ ድማ ንኤ ና ስ ኣ  ንምብትታንን ካልእ ብወገን ተ.ሓ. ኤ. ክምስረት ዝክእል ማሕበራት ንምትዕንቓፍን ነበረ፣ ማለት እቲ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ፣ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ወዘተ… ዝብል ፓቴንት ንምግባርን ስለዝመደበ ኢዩ፡፡
በዚ መስረት ድማ ንሓጎስ ኽሻ ከም ኣቦ መንበር ናይ ማሕበር ተመሃሮ ከምዝምረጽ ክገብር እንከሎ ንታደሰ እምባየ ድማ ወኪል ናይ ተማሀሮ ኣብ ሰሜን  አሜሪካ ከምዝከውን ገበሮ፡፡ ብዘይካ‘ዚ ድማ ዘመደ ተኽለ  ኣብ ኤሮጳ፣ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ቤይሩት፣ዮሱፍ ሳይቕን ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ወከልቲ ናይ ማሕበር ተማሀሮ ገበሮም ፣ ኩሎም እዞም ዝተጠቅሱ ድማ ኣባላት ናይቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ ዝነበሩ ኢዮም፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሓለፍቲ ኤ ና ስ ኣ ዝነበሩ ኣብ ሜዳ ኣትዮም ፍረዶም ምስ ዝቕበሉን ይቕሬታ ምስ ዝሓቱን ጥራይ ኢዮም ኣባላት ናይዚ ሓዲሽ ዝቖመ ማሕበር ተማሀሮ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝብል ውሳኔ  ምሕላፉ ይዝከር፡፡
እቲ ኣብ ሜዳ ኣንጻሩ ዝእለም ዝነበረ  ውዲታት ዘይፈለጠ መንግስትኣብ ኢሳቅ ድማ ኣብዚ እዋን‘ዚ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብስልኪ ክራኸብ ፈቲኑ ኔይሩ፡፡ (ኣብ ሜዳ ሓንቲ ናይ ስልኪ መራከቢት መሳርሒት ነይራ ንሳ ከኣ ኣብቲ ናይ ኢሳያስን ሮመዳንን ቦታ ነበረት)፡፡ ኢሳያስ ምስ መንግስትኣብ ክራከብ ስለዘይደለየ ግን ኣብ ስልኪ ሮመዳን ኢዩ ተቀቢልዎ፡፡ ሮመዳን ንስካ ብድሕሪ ሕጂ ምስ ኢሳያስ ዘራኽብ የብልካን ስለዚ ትብሎ ነገር እንተሎካ ምሳይ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ ስለዝበሎ ድማ መንግስትኣብ ኢሳቅ ኢቲ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ክብሎ ዝደሊ ዝነበረ ጉዳይ ንሮመዳን ገለጸሉ፡፡
ናይ መንግስትኣብ ርእይቶ እቲ ብሶቬት ሕብረት ተሃንዲሱ ኣብ ምብራቅ ጀርመን ዝግበር ዘሎ ናይ ኢሳያስ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ክቛረጽን ካብኡ ሓሊፉ‘ውን መርሕነት ህ. ግ. ን ሶቭት ሕብረት ከም ቀዳማይ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ክትሰርዓን ከተሓሳስቦ ይደሊ ምንባሩ ንሮመዳን ምስ ሓበሮ፣ ሮመዳን ብቑጣዔ „ንስኻ መን ኢኻ ? ንዓና ክንገብሮ ዘሎና ክትነግረና ድማ  ኣየድልየካን ኢዩ“ እዚ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን ድሕሪ ሕጂ ድማ ምስ  ኢሳያስ ዘራክብ የብልካን“ በሎ፡፡
ብድሕርዚ ድማ ብስልኪን ብደብዳቤን ሶቬት ሕብረት መሓዛና ኢያ ዝብል ተደጋጋሚ መልእክቲ ምስ መጾም ን ህ. ግ. ክኹንንዋ ወሲኖም ጉባኤ ጸውኡ፡፡
ሓጎስ ክሻ ደድሕረ‘ቲ ጉባኤ ካብ ሜዳ ንዓዲ ጥልያን ወጺኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ንምንግስትኣብ ኢሳቅ ብስልኪ ረኺቡ ንሜዳ ኣትዩ ይቅሬታ እንተሓቲቱ ናብቲ ማሕበር ተማሃሮ ክምለስ ዝፍቐደሉ ምዃኑ ብምግላጽ ንሜዳ ንክኣቱ ክሰብኮ ጅመረ፡፡ መንግስትኣብ ግን ብመግለጺ ሓጎስ ክሻ ተቖጢዑ “ ኣታ ከዳዕ ንሕና ጸገምና ተመያይጥካ ክትፈትን መልሲ ክተምጽኣልናን ኣሚንና ሰዲድናካስ ንስካ ድሮ ካዲዕካና ንስካ ናይ ብሓቒ ከዳዕ ኢካ“ በሎ፡፡
በዚ መሰረት ድማ እቲ 9ይ ጉባኤ ተካይዱ ንመሪሕነት ህ.ግ. ኰነኑን ካብ ህ. ግ.ሓ. ኤ. ድማ ምፍላዮምን ብወግዒ ኣወጁ፡፡ ታደሰ እምባየ እቲ ካብ ሜዳ ንማሕበር ተማሀሮ ሰሜን ኣሜሪካ ክመርሕ ተመዲቡ ዝነበረ ኣብዚ ኣኸባ ኣርኪቡ ስለዝነበረ፣ እቲ ውሳኔታት ናይ ኤ ና ስ ኣ ምስ ሰምዐ ፣ እቲ ኣብ ሜዳ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ከምዘይቅበሎ ገሊጹ እቲ ሓላፍነት ከምዝደርበየሎም ይፍለጥ፡፡
ድሕር‘ቲ 9 ውድባዊ ጉባኤ ናይ ኤ ና ስ ኣ ድማ ምንግስትኣብ ኢሳቅ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰውራ ናይ ኤ ና ስ ኣ ከምዝኣቱ ተገብረ፡፡ ካብቶም ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ New York) ንዑኡ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ድማ ሃይለ ሞገስ ሃብተማርያም ገብረመስቀል   (ቺፖላ) ሳባ ኢሳያስ (ጓል ጀነራል ኢሳያስ) ፓድረ  New york  ይርከብዎም ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም እተን ናይ መወዳእታ ሰዓታትን ደቓይቅን ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅ ካብ ዝኮነ ሰብ ንላዕሊ ሰለዝፈልጡ እቲ ሓቂ ንክገልጹልና ንላበዎም፡፡
ድሕሪ መንግስትኣብ ኢሳቅ ምቅታሉ ድማ  ኣንደብርሃን ገብረመስቀልን ዓንደሚካኤል ካሕሳይን ንኣሜሪካ መጺኦም ምንባሮም ይፍለጥ፣ መደቦም  ድማ ነቲ ናይ ኤ ና ስ ኣ ተቓውሞ ንምብትታኑን ነቲ ብ ሓጎስ ክሻ ዝምራሕ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ንምድልዳልን ነበረ፡፡ መንግስትኣብ ድሕሪ ምሟቱ ድማ ሳባ ኢሰያስ ንሜዳ ኣትያ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስብሓት ኤፍሬም ትነብር ምንባራ ይፍለጥ፡፡ ቁርብ ዓመታት ጸኒሖም ድማ ካልኦት ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤ ና ስ ኣ  ንሜዳ ዝኣተዉን ምሕረት ዝሓተቱን ነይሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ፡፡
ድሕሪ ሞት ናይ መንግስትኣብ ድማ ስብሓት ኣብ ሜዳ እናዞረ ንኣባላት ሚስጥራዊ ሰልፊ መግለጺታት ይህብ ነበረ፡፡ ትሕዝቶ መግለጺኡ ፣ ሸኽ ዛይድ ንውድብ ህ ግ. ሓደ ሚልዮን ዶላር ( $ 1.000000) ሓገዝ ከምዘወፈየ ፣ ኣባላት ኤ ና ስ ኣ ድማ እቲ ዝቃወም ዝነበረ መራሒኦም ካብ ፓላሶ ጸዲፉ ድሕሪ ምሟቱ ከም ብሓዲሽ ተወዲቦም ንውድቦም ብዙሕ ወፈያታት ይገብሩ ምንባሮም ዝሕብር ነበረ፡፡
ስብሓት ነዚ ኣኼባታትዚ የካይደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ናይ ቅድሚት ኣስናኑ ኣዔርዩ ድሕሪ ምምጽኡ ነበረ፡፡ ስብሓት ኣብ ባሕሪ ባራ ናይ ክፍሊ ታዕሊም ሓላፊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሓደ ግርማይ ብሬን ዝተባህለ ተጋዳላይ ጥይት ተባሪቐቶ‘ሞ እታ ጥይት 6 ናይ ቅድሚት ኣስናን ናይ ስብሓት ለኺማ ስለዝከደት ንሕና ንስብሓት ኤፍረም  ጓህማም እንከሎ ኢና ንፈልጦ ዝነበርና፡፡
ዓለም ሃይለ ፣ አለም ሃይለ ኣብ 1972 ዓ.ም. ካብ ኣስመራ ናይ 12 ክፍሊ መርመርኡ ዝበለጸ ነጥቢ (Distinction) ኣምጺኡ ብምሕላፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቬርስቲ ይመሃር ነበረ፡፡ ኣብ 1974 ዓ. ም. ድማ ናብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ተሰሊፍ ክጋደል ጀመረ ነበረ፡፡ አለም ናይ ሰሜን ናይ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕድዳር ሓላፊ ኰይኑ ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት ምስ ሓለፍቱ ዘይምቕዳው ከምዘነበሮ ይፍለጥ ፡፡ ቐጥታ ሓላፊኡ እስቲፋኖስ ብሩኖ ኰይኑ ብልዕሊኡ ድማ ስብሓት ኤፍረም ይመጽእ ማለት ኢዩ፡፡ ምስቲ ኣብ ግዜ ምዝላቅ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሚሊሻ ዝተራእየ ጋሕመጥመጥ ተኣሳሲሩ ድማ ናይ ኣለም ሽም ይጥቀስ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ብዝኰነ ድሕሪ ምዝላቅ ስብሓት ኤፍረም ንብድሕሪ መስመር ጸላኢ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕድዳር ኣብ ሳቡርኤባ የካይድ ነበረ፡፡ እቲ ኣኼባ ንናይ ምሳሕ ንዕረፍቲ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ድማ ኣለም ሃይለ ነብሱ ቀተለ፡፡
እቲ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ተወዲኡ ኣኸቤኟታት ናብ ኣኼባ ምስ ተመልሱ ድማ ስብሓት እፍሬም እዚ ዝስዕብ መግለጺ ሂቡ፣ „ ኣለም ሃይለ ነብሱ ቀቲሉ ኣሎ፡፡ ነብስኻ ምቅታል ቖራጽነት ኢዩ፣ ዝበለጸ ቖራጽነት ግን ነቲ ነብስኻ ንኽትቀትል ዝደፋፍኣካ ነገር ክትገልጾን ክትምክቶን አዩ „ክብል ዘረብኡ ዓጸወ፡፡  ስብሓት ኤፍሬም ንኣለም ሃይለ ዝክረ ሰማዕታት ክገብረሉ ይኩን ወይ ድማ ናይ ሓንቲ ደቒቅ ናይ ሕልና ጸሎት ክገብረሉ ኣይተገደሰን፡፡
ብድሕሪ ሞቱ ድማ፣“ ኣለም እኮ ርእሱ ከምገለ ክገብሮ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ፣ ሓኪም‘ኰ በይኑ ኣይትግደፍዎ ኢሉ ኣጠንቂቁ ነይሩ ኢዩ“ ብምባል ኣለም ተጸሊሉ ነብሱ ከምዝቀተለ‘ምበር ካልእ ንኸምዚ ዝኣምሰለ ስጉምቲ ንክወስድ ዘገደዶ ኩነታት ኣብቲ ውድብ ከምዘይነበረ ንምሽፋን ይፍተን ነይሩ፣ እዚ ድማ ልሙድ ባህሪ ናይቲ ውድብ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን፡፡
ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ መን ኢዩ ነይሩ ስለምንታከ ተቐቲሉ
ጴጥሮስ  ዮሃንስ ቐቅድሚቲ ቐዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ካብ ኣሜሪካ ንሜዳ ከምዝኣቱ ተገይሩ ኣብ ሜዳ ዝተቀትለ ካልእ ስውእ ኤርትራዊ ኢዩ፡፡ ጴጥሮሰ ዮሃንስ  ናይ ሙሴ ተስፋሚካኤል (ናይ 73 ምንቅስቃስ) ዓርኩን መማህርቱን ምንባሩን ፖለቲካዊ ብስለቱ ድማ ክብ ዝበለ ምንበሩን ይሕበር፣ ይኹን‘ምበር ኣባል ናይቲ ማእከላይ  ሽማግለ ናይ ኤ ና ስ ኣ ኣይነበረን፡፡
 ጴጥሮስ ናይ 73 ምንቅስቃስ ሕሉፍ ጸጋማዊ ምንቅስቃስ ኢዩ ክብሃል ዝክእል እምበር ፣ አዕናዊ ወይ ዘይሰውራዊ ምንቅስቃስ ኣይኰነን ፣ ስለዚ ድማ ብዘተ ኢዩ ክፍታሕ ዝግብኦ ዝብል እምነት ሰለዝነበሮ፣ ነዚ ዕግበቱ‘ዚ ዓው ኢሉ ይጣበቀሉ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ካብዚ ሓሊፉ‘ውን ኤ ና ስ ና ብዝኮነ ይኩን መንገዲ ኣካል ናይ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ከይከውን ኣትሪሩ ይካታዕ ነበረ፡፡ ኤ ና ስ ኣ ነጻ ማሕበር ኰይኑ ነብሱ ኪኢሉ ከሰርሕ ክንቀሳቀስን ከምዘለዎ ይኣምን ነበረ፡፡ እዚ መርገጺ‘ዚ ድማ ንውለቀ መላኪ ኢሳያስ ፈጺሙ ኣይመቀሮን ፣ ስለዝኮነ ድማ ንጴጥሮስ ንምጥፍኡ ክበላሓት ጀመረ፡፡ ኢሳያስ ንተንኮልን ክፍኣት ግብርን ዘርክቦ የብሉን፣ ተንኰል 10 ዓመታት ቅድሚ ሰብ ኢዩ ዝሓስብ ፣ ተንኰል ግን ኩል ጊዜ ኣይኰነን ንቅድሚት ዘሰጉመካ፡፡ ብዝኰነ ንጴጥሮስ ንሜዳ መታን ክመጽእ ኣብቲ ናይ ሓፋሽ ውድባት ኣሰራርዕኡ ናብ „ውፍይ“ ከምዝድይብ ብምግባር ናይ ኤ ና ስ ኣ ናይ ፖለቲካ ኰሚሽነር ከምዝከውን ገበሮ፡፡ ከም ሓደ ፖሊቲካል ኰሚሽነር ድማ ውፉይ ስለዝኰንካ እቲ ውድብ ዝሃበካ ስራሕ ክትሰርሕን ኣብ ዝመደበካ ቦታ ክትከይድን ትግደድ ኢኻ ማለት ኢዩ፡፡ እዚ ድሕሪ ምግባሩ ድማ ኢሳያስ ንሜዳ ንቁርብ ግዜ ተድልዩና ኣለኹም ኢሉ ሰለስት ተማሃሮ ካብ ኣሜርካ ንሜዳ ክኣትው አዘዘ፡፡  በዚ መሰረት ድማ ጴጥሮስ ዮሃንስን ግርማ ኣስመሮምን ሕጂ ኣምባሳደር ዘሎ ሓደ ሳልሳዮምን ንሜዳ  ኣተዉ፡፡
ጴጥሮስ ግን ሜዳ ምስ ኣተወ ብዙሕ ከይጸንሔ ሽዑ ንሽዑ ኢዩ ተቀቲሉ፣ ብሓደጋ ከምዝሞተ ንምምሳል ድማ ከምዚ ዝስዕብ ጽውጽዋይ መሃዙ፡፡ ጴጥሮስ ምዕባሌታት ክረኢ ደልዩ ኣብ ሜዳ (ብኤነ ተሬ) (N3) ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ማኪና እናተጓዕዘ እንከሎ ድቃስ ወሲድዎ ስለዝነበረ ጨዓ ሲሒቡ ኣውዲቅዎ መይቱ፡፡ዝብል ወሬ ኣብ ሜዳ ተነዝሐ፡፡ ኣብ ሜዳ‘ኳ ዝኣምኖም ሰብ ኣይረከቡን፣ ጨዓስ ኣሽንኳይዶ ሰብሲ ነጸለ‘ውን ሲሒባ ክተውድቅ ተራእዩ ስለዘይፈልጥ፡፡ እዚኣ ፍልይ ዝበለት ጽውጽዋይ ኢያ ነይራ፡፡ እንታይ ድኣሞ‘ዮም ክብሉ ? ኣብ ሜዳ ፓላሶታት ኣይነበረን፡፡ ተ ጸሊሉ ኢዩ ነይሩ ክብሉ‘ውን ዝጥዕም ኣይነበረን፡፡
ናብ ኤ ና ስ ኣ ዝተላእከ ወግዓዊ መግለጺ አይነበረን፡፡ ግርማ ኣስመሮም (ኣምባሳደር) ግን ብእዋኑ ሓንቲ ደብዳቤ ጺሒፉ ብጻይና ጴጥሮስ ዮሃንስ ብሓደጋ ሞይቱ ክብል ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር፡፡
እግረ መንገደይ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ካልእ ካብዚ ፍልይ ዝበለ ብዛዕባ ግርማ ኣስመሮም ከሕብር ይደሊ፡፡ እዚ ድማ ኣስቴር ዮሃንስ፣ ባዓልቲ ቤቱ ንጴጥሮስ ሰለሙን ሰብኣያ ምስ ተኣስረ ተገብሮ ጨነቑዋ ናብ ኣምባሳደር ግረማ ኣስመሮም ከያዳ ብዛዕባ ስክፍትኣ ምስ ኣማኸረቶ ፣ ግርማ ኣስመሮም ኢዩ ንኣስቴር ንኤርትራ ክትኣቱ ዘተባብዓ፡፡ „ ዋላ ሓንቲ ኣይትኰንን ኢኺ „  „ዓድኺ ኣቲኺ ድሃይ ሰብኣይኪ ጌርኪ ክትምለሲ ትኽእሊ ኢኺ“ „ ኣነ ዋሕስኪ ኢዬ፣ ንኣይ እመኒኒ“ ኢሉ ንኤርትራ ከምዘፋነዋ ይፍለጥ ፡፡ ኢሳያስ እምበኣር ከምዚኦቶም ዓይነት ከዳዓት ጥራይ ኢዩ ሒዙ ዝጓዓዝ ዘሎ፡፡
ኣብ ህ.ግ ድሕሪ ምስላፍካን ሓዲሽ እንኰሎካን እቲ ብናይ ጸላኢ ጥይት ይቅተል ይከውን ኢየ ዝብል ፍርሒ ቀልጢፉ ኢዩ ዝብህንን፣ ነዚ ድማ ኩላትና ተዳሊናሉ ሓሲብናሉን ዝመጻእና ዓይነት መስዋእቲ ስለዝኰነ  ኢዩ፡፡ ድሕሪ ናብ ህ. ግ. ምስላፍካ እቲ ቀንዲ ዘሰክፈካን ዘፍርሃካን ነገር ግን ብናይ ህ. ግ. ጥይት ከይትጠፍእን ወይ ድማ ኣብቲ ሓለዋ ሰውራ መሽሚሽካ ከይትተርፍን ኢዩ፡፡ ኢዚ ድማ ህይወትካ ጥራይ ዘይኰነስ ሽምካ‘ውን ንዘላኣለም ከምዝድምሰስ ስለዝርድኣካ ኢዩ፡፡ ከም ከዳዕ፣ ሲ.አይ. ኤ (C.I.A.) ፣ ኣድሓርሓሪ ወዘተ…ዝብል ሽም ንዘለኣለም ከምዝልጠፈካ ስለትፈልጥ ድማ ኢካ ትፈርህን ትስከፍን ፡፡
ኣብ  ህ.ግ.ሓ. ኤ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረስ የሎን፡፡
ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ሓበሬታ ብምስናቕን ስእሊ ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅ ብምልኣክን ከምኡ‘ውን ሞራላዊ ደገፍ  ብምሃብ ዝተሓባበሩኒ ኣዕሩኽተይን ሃገራውያንን  ምስጋናይ የቅርብ፡፡
የማነ ተኸለገርግሽ
27.11.2013
Rating: 4.5/5 (8 votes cast)