ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡ …ኣባልነት ዲምሓኩኤ ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት መደምደምታ ክሳብ ዝግበረሉ ደስኪሉ ክጸንሕ ወሲኑ።

http://erigazette.org/?p=4019
Oct 052012
 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዕለት 01/10/2012 ኣብ ዝጀመረ ካልኣይ ስሩዕ  ኣኼባኡ  ከም  ቀዳማይ  ኣጀንዳ  ሰሪዑ  ዝረኣዮ ጉዳይ ብዛዕባ  ብዲሞክራስያዊ  ምንቅስቓስ ሓርነት  ኩናማ  ኤርትራ፡ ንባሕቲ  መስከረም 2012  ኣመልኪቱ  ዝወጸ  ውድባዊ  መግለጺ፡ ዕምቆት ብምርኣይ እዚ  ከኣ፡ ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ  ኤርትራን  ኣብ  ብረታዊ  ቃልሲ ዝተኸፈለ  ከቢድ መስዋኣቲ  ይኹን ክሳብ ሕጂ ኣብ ምምካት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፈሎ ዘሎ መስዋእትን፡ዝትንክፍን ዘናሹን፡ ንኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣከዋውና ህዝቢ ኤርትራ ዘናኣእስን ስለዝኾነ ነዚ ብዲምሓኩኤ ዝወጸ መግለጺ ብኩሎም ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣካላት ህዝቢ ኤርትራ ዝኹንኑመግለጽታትን ጽሑፋትን ብምውጻእ ንጀማሪ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ  ጀግና  ስዉእ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ምትንካፍን ምንሻውን ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ዘይምኹኑይ እኩይ ተግባርምዃኑ ብምርግጋጽ ንኩሉ ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራን ብ24 ግንቦት 1993 ብውጽኢት ብረታዊ ቃልሲ ንዝተረጋገጸ ሃገራዊ ናጽነት ዝትንክፍ ብምዃኑ ኣስሚረምሉ። ስለዚ ዲምሓኩኤ ብዝወሰዶ ዘይሓላፍነታዊ  መርገጺ’ዚ ኤርትራዊ  ፖለቲካዊ  ሓይልታት  ታሪኻዊ  ሓላፍነቶም  ክወስዱ  ግድን ይኸውን።

ፈጻሚ ቤት  ጽሕፈት  ኤርትራዊ  ዲሞክራስያዊ  ኪዳን  ካብ  ፖለቲካውን  ስርዒታውን  ሓላፍነቱ ብምብጋስ  ዲምሓኩኤ  ንህዝቢ  ኤርትራ  ብጽሑፍ  ይቕሬታ  ከቕርብ ተሓቲቱ።  ይኹን  ደኣምበርኣብ መርገጺኡ ጸኒዑ ብምርካቡ ኩሎም ኣባላት ኪዳን እንኮላይ ዲምሓኩኤ ዝተሰማምዕሉ ሰነዳት፡ነዚ ብምግሃሱ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ ልዕሊ ዲምሓኩኤ ፖለቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ኤዲኪ ከተግብር ይግደድ።

በዚ መሰረት፡-ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ  ቻርተር ኤ.ዲ.ኪ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ  ቀዳማይ  ምዕራፍ፡  ሓፈሻዊ  መትከላት  ዝብል  ኣብ  ቁ  (2)  ”ብጅግንነታዊ  ሃገራዊ  ተጋድሎ ዝሰረጸ ሃገራዊ ሓድነት ምዕቃብን ምዕዛዝን”፡ ኣብ ቅዋም ኤ.ዲ.ኪ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ ዓንቀጽ 4ተ ንኡስ ዓንቕጽ (ለ) ግቡኣት ኣባልነት ዝብል ኣብ ቁ (7)  ”ምስ ዕላማታትን መትከላትን ኪዳንኣብ ዝጻረር፡ ወይ ንኪዳን፡ ወይ’ውን ንዝኾነ ኣባሉ ዝኾነ ውድብ ጉድኣት ኣብ ዘኸትል ምንቅስቓስዘይምስታፍ”። ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ ቻርተርን  ቅዋምን ኤዲኪ ኣብ  ዓንቕጽ 2ተ ዕላምታት ዝብል ቁ (2) ” ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምስራጽን ምሕላውን፡ ንሓባራዊ ሰላማዊ መነባብሮ ጥዑይ ሃዋሁ ንምፍጣርን ምዕያይ”። ብተወሳኺ ኣብ ቅዋም ኤዲኪ 4ይ ዓንቀጽ፡ ኩነት ኣባልነት፡ ኣብ “መ”ምድስካል ቀዋሚ ኣባልነት ኣብ ዝብል “ኣባልነት ናይ ዝኾነ ውድብ፡ ወይ ሰልፊ ኪዳን፡ ጉዳዩ ኣብ ማእከላይ  መሪሕነት  ክሳብ  ዝቐርብ፡  በዚ  ዝስዕብ  ምኽንያታት  ፈጻሚ  ቤት  ጽሕፈት  ከደስክሎ ይኽእል፡- (1) ፖለቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ዝግህስ ተግባራት ምስ ዝፍጽም።”

ካብዚ  ብምብጋስ  ከኣ  ፈጻሚት  ቤት  ጽሕፈት  ኤዲኪ  ብዕለት  2 ጥቅምቲ  2012    ኣብ  ዘካየዶ ኣኼባኡ  ኣባልነት  ዲምሓኩኤ ኣብ  ዝመጽእ  ኣኼባ  ማእከላይ  መሪሕነት  መደምደምታ  ክሳብ ዝግበረሉ ደስኪሉ ክጸንሕ ወሲኑ።

ኣብ  መደምደምታ  ፈጻሚት  ቤት  ጽሕፈት  ኤዲኪ፡ ብሰንኪ  መሪሕነት  ዲምሓኩኤ  ንዝተወሰደ መርገጺ መትከላዊ መርገጺና ኣብ ህዝቢ ኩናማ ጽኑዕ ምዃኑ እናገለጽና፡ ህዝቢ ኩናማ ከም ሓደ ክፋል  ሕብረተሰብ  ኤርትራ  መጠን  ኣካል  ዝሓለፈን  ዘሎን  ኤርትራዊ  ሃገራዊ  ዕዮታት ምዃኑነረጋግጽ።

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
02 ጥቅምቲ 2012