ሳዋን ጽልዋኣን።

Sunday, 27 September 2009 01:51

ሳዋ ክትጅመር እንከላ፡ከምዚ ከማይ የዋህ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም፡ኩነታት ኣሲሩዎ፡ ወለዱ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ቁሸትን ቕርዓትን ዘይረኣየ፡ውጽእ ኢሉ መሬት ሃገሩ ክፈልጥ ይሕግዞ ዝብል ኣረኣእያ ኔሩና።ኣብ ከተማ ቐንፈዘው ካብ ምባል፡መሬት ሃገሮም ርእዮም ልምዓታዊ መደብ የውጽኡ ዝብል ዘይንጸግ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ኣይተሳእኑን።ቀጺሉ ግን ሳዋ፡ነቲ ዓሰርተው ክልተ ወዲኡ፡ካብ መንግስቲ ስራሕ ዝጸበ ጥራሕ ዘይኮ ነ፥ኣብ ገጠር ተወሊዱ ሓንቲ መዓልቲ ከብዱ ዘይመልኣ፡ኣብ ማሙቕ ዘይደቐሰ፡ሕማሙ ክኢሉ ካብ ቐረጽ ምኽፋል ሓሊፉ ንመንግስቲ ሓንቲ ነገር ዘይሓትት፡ሓረስታይን ወዲ ሓረስታይን ከይተረፈ ተንኪፋቶ።


ብ1998 ኢትዮ-ኤርትራ ግጭት ክጅመር እንከሎ፡ኤርትራ ናይ ሰለስተ-ኣርባዕተ ዙርያ ሃገራዊ ኣገ ልግሎት ዝፈጸሙ ዕቑር ሰራዊት ኔሮማ።ንሳቶም፡ቪዛ ከምዝመጾ ዝፈልጥ፡ተቐሪቡ ክጸንሕ፡ገለ ከኣ ፈለማ ንዝር ከብ ዕድላት ንምዕታር፡ገለ ኩነታት ዝተቆጻጸሮም ሓውሲ ግዱዳት፡ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ከኣ ዓዶም ግደፈ ሎም እናበሉ ዝመጹ፡ንዓመት ኣርባዓ-ሓምሳ ሺሕ ሳዋ ይወርዱ ኔሮም።ኣብ ኤርትራ ከኣ ግቡኦም ዝፈጸሙ መ ሰሎም ዘየተሓለወሎም ዜጋታት፡ብዝሖም ይውስኽ፡ዓበይቲ ሽግራት ይደራረቡ፡ኣባላት ህግደፍ፡ከምቐደሞም ኣብ ተድልየና እዋን ክንጽውዓኩም ኢና ብምባል ኣፋንዮም፡ንዘይከደሙ ክኽድሙ ሳዋ ኣውሪዶም ይዕልሙ።


ኣብ 1997፡ኣብታ መቐጸልታ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝኾነት ሰልፊ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሚስጢራዊ ፍሕፍሕ ተፈጢሩ፡ህ.ግ.ደ.ፍን ኣንጻር ህግደፍን ኮይኖም ተፋጢጦም ኔሮም።ምምሕዳር ማለት ድሌት ብዙሓት ምስማዕ ማለት ምዃኑ ዘይፈልጡ፡ኢሳያስን ጭፍሩኡን፡ህግደፍ ኣብ ክልተ እንተተመቒላ ወይ ተቓወምቲ እንተተፈጢሮም፡ምስቶም ግቡኦም ፈጺሞም መሰሎም ዘይረኸቡ ተሓባቢሮም፡ስልጣን ነቕነቕ ከብሉ ከምዝኽእሉ ስለዝበርሃሎም፡ክልቲኦም ዝጠፍእሉ ነገር ክእውጁ ስለዘለዎም፡መልሓስ ሃጓፍ ስኒ ተናዲ ከምዝበሃል፡ናይ ውሽጢ ጸገምን ም ስቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናእሽቱ ዘይምስምማዕ ተሓዋዊሱ ተጓሃሃረ።ብዘይፈልጡዎን ግብሩ ብዘይ ርድኡ ተማእኪሉ ዝጸንሓ ኢሳያስ፡ሃገር ናብ ረጽሚ ከእትዋ ኣይጸገሞን፡ግዜ ከይቀተለ ከኣ ኣብ ዶብ ዓለበ።እዚ ረጽሚ'ዚ ሃንደበታዊ ዘይይኮነ፡ካብቶም ክትግበሩ ኣለዎም ተባሂሎም ተዋዲዶም ዝጸንሑ ብዙሕት ዕላማ ሓደ ኢዩ።ኣብዘን እዱዳት ዕላማ፡ቀዳማይ፡ኣብዚ ግዜ'ዚ ብዝኾነ ይኹን ኣርእስቲ ዝተበገሰ ሰብ፡ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ተዛሪብካ፡ተባሂሉ መእሰሪ መኽሰሲ መፍረዲ ዝኸውን ተረኺቡ።ብጸገም ተበሊዑ ዘማርር ዝነበር ዜጋን ተጋዳላ ይን ኩሉ ጠንጢኑ ኅልናኡ ናብ ኩናት ስለዘቕነዖ፡ህግደፍ ኣንጸላልዩዎ ዝነበረ ጸሊም ደመና ተቐንጢጢሉ ተስ ፋ ረኸበ።ኩናት ብዙሕ ሕቡእ ነገር ዝፍጸመሉ ረሳሕ ስራሕ ስለዝኾነ፡ኣብቲ ስርዓት ዘይሕጉሳት ዝኾኑ በቲ ኣገ ባብ ኅልናኦም መመሊሱ ይደክም፡ገለውን ብዘይፍሉጥ ኣገባብ ይጠፍኡ፡በዚ ተቓዋሚ ዝበሃል ንምቑጽጻር ዕድ ል ይርከብ፥እታ ፋሕ ትብል ዝነበረት ህግደፍ መእሰሪ ይርከባ።ካልኣይ ከኣ፡ግቡኡ ፈጺሙ መሰሉ ዘይተማላኣ ሉ፡ዘይሕጉስ ምዃኑ ቅሬታኡ ዘስምዕ ዝነበረ ዕቑር ሰራዊት፡መውዓሊ ዝኾኖም ተረኺቡ፡ንሳቶም ከኣ ነቲ ኣብ ልቦም ፈኸም ዝብል ዝንበረ ኢሕታ ኣጥፊኦም ኣብ ምክልኻል ሃገር ጥራሕ የድህቡ።ተደጋጋሚ ታዕሊም ተ ኻይዱ፡ሓንቲ ዘይፈልጡ ትእዛዝ ዝጽበዩ ደቂ ገርሂ ልባ በዚሖም ዓቐን ንዓቕሚ ጸለል ስለዝበሎ፡ዝኾነ ይኹን ምንቅስቃስ ንምቁጽጻሩ ኣኽኢሉዎም።ሳልሳይ፡ኤርትራዊ ንኽብረት ሃገሩ ክብል ጸኒዑ ስለዝዋጋእ፡ካብቲ ትሑት ወተሃደራዊ ዓቕሚ ዝውንን ሰራዊት ኢትዮጵያ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ስለዘየሎ፡እዚ ኣሸሓት ዝፈጸምዎ ቅያ፡ቅያ መራሒ፡መንፈዓትን ብስለት ኣመራርሓን ኮይኑ ክሕሰብ ስለዝኽእል፡ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ቀ ጺሉ ከኣ ኢሳያስ መድሓኒ ሃገር ተቖጺሩ ጸብለልነቱ ከርእየሉ ዝኽእል ትምኒትታት ኔሮም።


ድሕሪ ኩናት ምብቓዑ ሳዋ ስራሓ ኣይተቋረጸን።ግን ከምቀደማ ዘይኮነት እትእንግዶም ብቑጽሪ እናወሓዱ፡ብዓቕሚ'ውን ዝነኣሱ መጹ።ኣብቲ ዘሎ ኩነታት ተቓውሞ ከስመዓሉ ዝኽእል ዕድል ዘይብሎም ኮይ ኖም መጺኦም፡ገለ ክሃድመላ ተራእዮም።ብምግፋፍን ብምግዳድን፡ኣብ ገጠራት ንብረቱ ብምሓዝ፡ስድራቤቱ ብ ምእሳር፡ዝሕረስ መሬት ብምኽላእ መጺኡ።ኣብቲ ጉዳይ ዘይሕጉስ ዝኾነ ኣካል ከኣ ግቡኣይ ብማለት ዘይኮነ ነቲ ጉዳይ ብዘይድሌቱ ስለዝሓዞ ዓወት ናብ ዘይርከቦ ተሰጋገረ።ፖሊሰ መንግስቲ፡ብህዝብን መናእሰያትን ጽ ሉእ ኮይኑ እናመጸ፡ኣብ ሳዋ ዝፍጸም ስረሓት ዜጋ ዘጥፍእ ምዃኑ ብግልጺ እናተራእየ፡ገና ሳዋ ኣብስራሓ ምም ሕያሽ ከየምጸአት መልክዕ ቐይራ።ብዙሕ ጸገማት ኣብዘለዋ ሃገር፡ሳዋ ዝበጽሑ ምጥፋእ እናመረጹ ደኣ ሳዋ ስለምንታይ ቀጺላ ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን ኢዩ።


እምበኣር ሳዋ ብዙሕ ሚስጢር ክህልዋ ይኽእል።እቲ ሚስጢር ግን ኣብ ርእሲ ኢሳያስን ህግደፍን ጥ ራሕ ዘሎ፡ናይ ሳዋ ኮኔራላት'ውን ክምልሽዎ ዘይክእሉ ሕቶ ኢዩ።ንሳቶም ናይ ማእሰርትን መልመስትን ማእከ ል እንተኾነት'ውን፡ኣብ ኤርትራ ስለዘለውን በቲ መምርሒ ህግደፍ ስለዝኸዱ ማእከል ስልጠና ማእከል ዕብየት ክብሉዎ ይግደዱ።እቲ ብሰንኪ ኩነታት ደርጊ፡ኣብ ከተማ እሱር ኔሩ ዝበልኩዎ ዜጋ፡ሳዋ ወሪዱ ብወተሃደራዊ ሕጊ ተጸሚዱ ክኸይድ ተገዲዱ፡ካብ መዓስከር ወጺኡ፡ኣብ ርእሲ ወተሃደራዊ ሕጊ፡ብመሳርዕ፡ብጋንታን፡ብሓይ ልን ተፈላልዩ ክራኸበሉ ኣብዘይክእል ጎቦን ሽንጭሮን ምስፋሩ፡ግቡእነት'ምበር ብገለመዳይ ምስ ምጭዋይን ም እሳርን ዝመሳሰል ክመዘለዎ ኣይግምቱን።ካብዝኾነ ይኹን ኣብ ሃገሩ ዝግበርን፡ኣብ ካልእ ዓለም ዝርከቡ መሳ ትኡ፡ካብ ዝግበሩዎን ዝደልዩዎን ተሓሪሙ፡ናይ ሓለፍቲ ትእዛዝ ተጸብዩ፡ምእንቲ ምእዙዝ ክኸውን ርእይቶ፡ሕቶ ግቡእ ድሕሪ ምፍጻም ብዝብል መምርሒ ይጓዓዝ፡ብዘፍቀድሉ ደቓይቕ ይሸይን፡ብዝቖረስሉ ይምገብ፡ንሳቶም ብዝኣዘዝዎ መንገዲ ዝኸይድ፡ፀሓይን ወርሕን ዝርኢ እሱር ኮይኑ እንከሎ ንኮኔራላትን ጀነራላት ኤርትራ ህንጸ ት ሓላፍነታዊ ጉዳይ ኢዩ።ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ከይሓትትን ከይይዛረብን ልጓም፡ከይንቀሳቐስ ብመውረርያ ኣብ ዝተኣሰረሉን፡ብዘይድሌቱ ኣብዝጓዓዘሉ ሕይወት ዝነብር መንእሰይ ጭቑን ምዃኑ ገዲፎም ወተሃደራዊ ሕጊ ይ ብሉዎ።ኣብ ወተሃደራዊ ጉዕዞ ሕጊ ኣሎ።እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወተሃደራዊ ሕጊ ግን መቐጸልታ ቃልስን ኣከ ያይዳ ታጋዳላይ ኢዩ።ኣከያይዳ ተጋዳላይ ናብ ነጻነት ንምብጻሕ ዝወስድ ካልእ ጥዑም መንገዲ ስለዘየሎን ሽ ዑ ካብኡ ሓሊፉ ክፈጥር ዝኽእል ዓቕምን ክእለትን ዝሓጸሮ እዋን ስለዝኾነ ከም መሰጋገሪ ተወሲዱ፡ተጸዊሩ፡ተ ኻኢሉን ዝነበረ ዘይፍቶ፡ጽንኩርን ከቢድን ኢዩ ኔሩ።ሎሚ ኣብ ነጻነት ተበጺሑ፡ፍቕሪ ሃገር ዝስመዖን ኣፍራይ ዜጋ ኣብዝህነጸሉ፡ብፍላይ ነዚ ንእሽቶ ወለዶ ክሃድእ፡ብሰናይ ድሌትን ምርድዳእን ዝብጻሕ'ምበር፡ጽኑዕ ሕጊ ወይ ከምቲ ናብራ ተጋዳላይ ዘይኮነ፡ኅልና ዘቕስን፡ዓይኒ እትርእዮን፡እዝኒ እትሰምዖ ጽቡቕ ዝሓዘ ኪኢላታት ስ ነኣእምሮ ዘድልይሉ ኢዩ።ንመንእሰይ ብጽፉፍ መንግዲ ሒዝካ ምምዕባል ንመብዛሕቶም ኮኔራላትን ጀነራላት ኤርትራ ሕንቃቐ ኢዩ።ምኽንያቱ፡ንሳቶም ንባዕሎም ብገለ መዳይ እሱራት፡ነጻነት ምስ ምህላው ባንዴራን ስል ጣኖምን ጥራሕ የተሓሕዙዎ፡ነቲ ዝተቃለስሉ ነጻነት ዝጻረር ኣረኣእያ ስለዘለዎም።ስለዚ ብውትህድርና ምጽ ማድ፡ብዓይኒ ወተሃደራዊ ኩነታት ክትቆጻጸሮ ምፍታን፡ናይቶም ብምፍርራህ ህዝቢ ከመሓድሩ ዝደልዩ ጨካና ትን ዘይፍትሓውያን መለኽቲ መራሕቲ ኣተሓሳስባ ኢዩ።


ነዚ ሓቕዚ ዘረጋግጸልና ተመኩሮ ህዝቢ ጀርመን ብሂትለር ዝተፈጸሙ ታሪኻት ምዝካር ይኣክል።ከም ኩሎም ስርዓታት፡ህዝቢ ጀርመን ካብ ዓለም ዝበለጸ ክቡር ዓሌት ብዝብል ናይ ንያትን ኩርዓትን ዝኾነ ጭርሖ ሒዙ ተበጊሱ።በዚ ዝናን ክብርን ዝተሓበነ ህዝቢ፡ድሌቶምን ርእይቶኦምን ከይሓወስ ሰልፊ ዝብሎም ብልቢ ተ ግቢሮም፡ኣብ መወዳእታ ግደ ጥፍኣትን ዕንወትን ኮይኖም።ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ማሕበርነት ሰልፊ ሂትለር፡ዝዓ ቢ ዘሎ መንእሰይ እንተሒዝና፡ከምታ ብእግርና ንረግጻ ሳዕሪ፡ጸላእትና ክንረግጾም ንኽእል ዝብል ዕላማ ስለዝነበ ሮም፡ሂትለራዊ ማሕበር መንእሰይ መስሪቶም ዝዓበየ ፖለቲካዊ ፖሮፓጋንዳ ይግብሩ ኔሮም።ኣብቲ ማሕበር ም ንቕቓሕ ዘይተሳተፈ ወይ መንነት ዘይሓዘ፡ካብ ዝኾነ ይኹን መሰል ዜግነት ይኽልከል፡ካብ ትምህርቲ'ውን ይስ ጎግ።ናይቲ ማሕበር ቀዳማይ ዕላማ፡ሂትለር ከም ፈጣሪ፡ጀርመን ከም ሃይማኖት ኣሚኖም፡ካብ ስድራቤቶም፡ካብ ባህሊ ኅብረተሰብ ክፈላለዩ፡ሓሊፎም ኣንጻርቲ ኣረኣኣያ ኅብረተሰብን ስድራቤትን ንኽመጹ ዘበራትዕ፡ብመደብ ኣስተምህሮ ይወሃቦም ኔሩ።ገሊኦም ብውልቐ ደረጃ ዝጠራጠርሉ እንተነበረ፡ኣብቲ ብዙሕ መናእሰይ ዝተኣከበሉ ምስተሓወሱ፡ዝተረፈ ከምዘየሎ ኮይኑ ተሰሚዑዎም፡ዘጠራጥሮም ዝነበረ ኣተሓሳስባ ዋጋ ዘይብሉ ገይሮም ምስ መሳቱኦም ክዕንድሩ ዝጀመሩ፡ፍጹም ነጻነት ዘይነበሮም ኔሮም።ሰልፍን ሂትለር ምኽባር ዝብል ጥራሕ ኣብ ኅ ልና ስለዝሰቖሩ፡ካብ ባህሊ ሒዞሞ ዝመጹ ይኹን ኣብ ኅልናኦም ሰሪጾሞ ዝጸንሑ ብሕታዊ ባህርን ሓሳብን ዘይ ሰዓቡ ምሉቕሉቕ ዝበለ ኣቕሓ ፈብሪካ መሲሎም ወጺኦም።እዚ ስሚዒት ከኣ፡ይሕዝዎ ንዘለው ኩነታት ፍጹም ኣየስተውዓልሉን።ብሓጺሩ፡ሓቅነቶምን ኣብ ኅልናኦም ዝጸንሓ ኣተሓሳስባ ዝጽልጽል ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ሓደ ኣዛዚ፡ኩሉ፡እንታይ፡ስለምንታይ፡ከይበለ ፈጸምቲ ትእዛዝ ኮይኖም ይስልጥኑ።በዚ ኣገባብዚ ዝሰልጠኑ፡ኣብቲ መሳ ርሒ ሂትለር ዝነበረ፡ኤስኤስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካላት ጸጥታ ተዋፊሮም፡ካብቶም ኣብ ታሪኽ ደቂሰባት ኣጸየፍቲ ዝኾኑ ተግባራትን ምርሻንን ክፍጽሙ ከለው ደቂ ዒስራን ሓደን ዓመት ምንባሮም ሎሚ ታሪኽ ይዝክሮም ኣ ሎ።ኣብቲ ኩነታት ዝተሳተፉ ሎሚ ብሕይወት ዘለው፡ንገብሮ ዝነበርና ይርደኣና ኣይነበረን፡ኣብ ኅልናና በቲ ካብ ሂትለር ዝመጻና ዝነበረ መምርሒ ምትግባር ስለዝነበረ፡ነቲ ጉዳይ ስግጽ ከይበልና ፈጺምናዮ፡ናይ ሽዑ ሓቂ'ዩ ኔሩ ይብሉ።


ሎሚ ሳዋ ካብ ወተሃደራዊ መዓስከር ናብ ቤትምህርቲ ተቐይራ።ዕላማኣ ኣይተፈላለን፡መሰልጠኒ ሃገራዊ ኣጎልግሎትን ቤትምህርትን ኮይነን እንተተፈላለያ፡ሳዋ መሰልጠኒ ሃገራዊ ኣጎልግሎት ዕድመኦም ዝበሰሉ ገሊኦ ምስ ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ዝነበሮም ብመጠኑ ብሱላትን ዝተመኮሩ ትእንግድ ኔራ።ማእከል ስልጠና ሎ ሚ ግን ትምህርቶም ዘይወድኡ፡ናእሽቱ ምዃኖም ምስሎምን ኣካሎምን ይሕብር።እዚ ብመሰረቱ ነታ ብጆርጅ ኣርዌል <ደንበ እንስሳ >ኣብ ዝብል መጽሓፉ፡ሓለቓ እንስሳ ዝኾነ ሓሰማ፡ነታ ሽዑ ሓራስ ዝነበረት ዋዕሮ ከምቲ እንደልዮ ኣገባብ ገስገስቲ ገይርኪ ክትዕብይዮም ስለዘይትኽእሊ፡ነዚ ኣበጊስናዮ ዘለና ዕላማ ዝሰማማዑ ገይርና ክንዕብዮም ብዝብል ምስምስ ካብ ወላዲቶም መንጢሎም፡ኣብ ከባቢ ሓለቓ እንስሳ ዝኾነ ሓሰማ፡በቲ ንዑኡ ዝ ጥዕሞ መንገዲ ይዓብዩ።ሓለቓ ደምበ፡ከምቲ ዝደለዮ ገይሩ ስለዝሃነጾም፡ኣብቲ ደንበ ዝነበሩ እንስሳ ተቓውሞ ከስምዑ ምስጀመሩ፡ካብ ሓሰማ ትእዛዝ ተቐቢሎም፡ብዘይ ንሕስያ ሓሓሊፎም ክዝግዝጉ ጀመሩ።


ስለዚ ካብዘን ክልተ ኣብነት ተበጊስና፡ኣብ ሳዋ ዝስልጥኑ መናእሰያት ረብሓ ሃገር ዘይኮኑ ረብሓ ብ ሕታዊ ሰብን ሰልፍን ምዃኑ ንርዳእ።ሳዋ ዝተፈላለዩ ባህልን ብሔረ ሰባትን ዘለዋ ኤርትራ፡ናብ ሓደ ሃገራውን ሓድነታዊ ኣረኣእያ ክመርሖም ይኽእል ወይ ነንሕድሕዶም ከፋልጦም ይሕግዝ ይበሃል ይኸውን።ተገዲዱ ወ ይ ኣማርጺ ስኢኑ ዝመጸ፡እንታይ ከምዝገብር ዘይፈልጥ፡ዝተመሃሮ ብቑምነገር ክሕዞን፡ኣብ ቁምነገር ከውዕሎን ኣይክእልን።ሓድነት ኣብ ድሌትን ፍቕሪ ዝተመርኮሰ ምትእምማን ኢዩ።ምትእምማን ከኣ ቀስ ኢሉ ዝፍጠር፡ታህዋኽ ዝጸልእ፡ቀልጢፉ ዝንቀፍ ረቒቕ ነገር ኢዩ።ስለዚ ዝኾነ ይኹን ናይ ሓድነት መንፈስ ክሰርጽ፡ናታቶም ኣገባብ ዘለዎም'ምበር፡ኣብ ሓደ ቦታ ኣኪብካ፡ኣብ ሓደ መኣዲ ቀሪብካ፡ኣብ ገፊሕ ኣዳራሽ ብሓደ ከምዝድቅሱ ገይርካ፡ብላዕሊ ካብዝመጸ ወተሃደራዊ መምርሕን ተጽዕኖን ክከናወን ኣይክእልን።ነዚ ናይ ዝተፈላለያ ብሔራ ት፡ናብ ሓደ ሃገራዊ ኣረኣእያ ምጥርናፍ፡ንውሕስነቶም ዘረጋግጽ ናይ ስራሕን፡ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ነገራት ም ስተመስረተ ቐስ እናበል ብዘይጻዕሪ ባዕሉ ውህደት ዝፈጥር ኢዩ።ብዓቢኡ ኣብ ኤርትራ፡ብሔራዊ ፍልልይን ጸቢብ ኣቀዋውማ ዝፈጠሮ ግጭት ኣይነበረን እንተዘይተባህለ ዝጋነን ኣይኮነን።ዝነበሩ ግጭታት መግዛእቲ ዘሳ ወሮም ምምሕዳር ዝብሃል ዘይረኸቡ ኔሮም።ጽፉፍ ፖለቲካዊ ኣከያይዳ ዘለዎ ስርዓት፡ብሰንኪ ዓሌታውን ብሔ ራውን ፍልልይ ክፍርህን፡ነዚ ኢሉ ባጀት ሃገር ኣብ ቕልውላው ከእቱ ኣይግባእን።እቲ ጸገም ግን፡ካብ ዘይቅንዕ ና ፖለቲካ ዝመጽእ ዘይምሕጓስ ዜጋታት፡ንብሔራት ክትንክፍ ይኽእል።ኣብዚ ብመሰረቱ እቲ ጸገም ፍልልይ ብሔራትን ባህልን ዘይኮነ፡ፖለቲካ ዝበሃል ጽፉፍ ኣሰራርሓ ከተኣታቱ'ምበር ብሄራዊ ፍልልይ ጠንቒ ብምሕሳ ብ፡መዓስከራትን ማእከል ስልጠናን ማእሰርትን ምምስራት ኣይመድልየን።ኣብ ኤርትራ ፖለቲካ ዝበሃል ምው ት ወተሃደራዊ ጥራሕ ስለዝኾነ፡ነቲ ምውት ፖለቲካ ሕይወት ንምሃብ፡ኣብ ፍሉይ ቦታ ንዝሞቑሕዎ መንእሰይ ብሔራዊ ፍልልይ ኣብዝቐልጠፈ ንምስዓር ዝሕግዝ ኣብነት ምባል መግለጺ ብቕዓት ጥራሕ'ዩ።


ንፈለማ ግዜ ኣብ ሳዋ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ በዓል ንምብዓል ዝተገብረ ሳዕሳዒት ዝተራእየ ኣካል ዘለዎም ዜጋታት ዝረኣየ፡ካብቲ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ርሑቕ ዘሎ ጋሻ፡ዜጋታት ብቅሳነት ከይነብሩ፡ምስ ስድራቤቱን ቤተ ሰቡን ኅብረተሰቡን ተራኺቡ፡ኣብ ሃገሩ ብዘሎ ጸገም ዘትዩ ንተቓውሞ ከይጋለጽ ዝእሰረሉ።ከልቢ ሃዳናይ ዝመስል ስልጠና ዝወሃበሉ፡ካብ ኅብረተሰቡን ስድራቤቱን ዘማዕብሎ ሞራላዊ ይኹን ሕጋዊ ኣረኣእያታት ም እንቲ ከይጥቀመሉ ትበታትኽ ማእከል ጥፍኣትን ድንቁርናን እንተበላ ኣየኽፈኣሉን።ሳዋ ከኣ ይሕመቕ ይጸብ ቕ ኣከያኣይዳ ህግደፍ ዘይቅበል ወይ ብባህርያቶምን ግብሮምን ዘይሕጉስ ዝኾነ ኣለልዮም፡ይኾነና ዝብሉዎ ኣ ድላይ ቦታ ዘትሕዝሉ፡ይጸልኣና ወይ ግብርታትና የስተውዕለሉ'ሎ ዝበልዎ፡ግብሮም ንዘይፈለጠ ከየለዓዕል፡ቃል ከየድመጹ ብቐሊል ክኸደሎም መልእኽቶም ዝሕብሩላ፡ክፉእ ተግባራቶም ብዓበይትን ወራዙትን ዘይረኣየላ፡ድ ሌት ህግደፍ ዝስረዓላ ማእከል ኢያ ይብላ።


ንእሽቶ ወለዶ ጎያይን ብዘይካኡ ክስራሕ ዝኽእል ሃገራዊ ዕማም፡ብዘይካ ሓዲሽ ወለዶ ክስራሕ ዝኽእል ታሪኽን ብዘይካኡ መጻኢ ውሕስነት ሃገርን ኅብረተሰብን ስለዘየሎ ምስልጣኑ ድሌት ኩሉ፡ምሕብሓብን ክግበ ረሉ ኣድላይ ኢዩ።እዚ ግን ብዙሕ ምቅርራብ ዘየድልዮ፡ታሪኽን ባህልን መሰረት ምዕባለ ስለዝኾነ ምስቲ ሓዲ ሽ ኣተሓሳስባ ኣወሃሂዱ ምእንቲ ክኽእል ምስ ስድራቤቱን ኮይኑ ካብ ኅብረተሰቡ ከይወጸ ዝስልጥነሉ ምድላይ፡ተስፋታቱ ዘማህምኑ ጉዳያት ኣለሊኻ ምእላይ ወይ ምንጻል ናብቲ ዝድለ ሽቶ ዝወስድ መንገዲ ምጽራግ የድ ሊ።ሓደ ዜጋ ካብ ወለዱ፡እሙን፡ኣፍራይ፡ፍቕሪ ሃገር ዝስመዖ ሃገራዊ ስሩዕ ዝገብር ትምህርቲ ካብቲ ኣብ ሳዋ ዝርከብ ስለዝበልጽ፡ምስ ወለዶም ኮይኖም ዝምዕብልሉ፡ቅኑዕ ፖሊሲ ዘለዎ ፍትሓዊ ኣሰራርሓን ቁጠባዊ ምዕባለ ምትእትታው ብዙሕ ወጻኢ ዘይሓትት መስርሕ ኢዩ።ስድራቤት ንውላድ ብዝኽደንን ብዝብላዕን ጥራሕ ዘይኮነ ብኅልና'ውን ስለዝሃንጹዎ፡ምስ ስድራቤቱ ምሉእ ውሕስነቱ ኣብዝተረጋገጸሉ ቦታ ምዕባይ ቅሱን ይገብሮ፡ካብዚ ቅሳነትዚ ከኣ ንጹርነት ይፍጠር፡ካብ ቅሱን ምኳን ከኣ መሃዚነትን እንታይነቱ ዝተቆጻጸረ፡ኣብዝኾነ ይኹን ዘይ ተጸገዐ ነጻ ኮይኑ ይዓቢ።ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ኣዕጋቢ ውጺኢት ዘምጽኡ ዜጋታት፡ካብታ ምዕርግትን ጥ ምርትን ዝኾነት ስድራ ቤት ተመልሚሎም ስለዝዓበዩ'ምበር፡ኣብ ፍሉይ መዓስከር ሰልጢኖም፡ብፍሉይ ኣገባብ ሃገራውነት ተሃኒጾም ኣይኮነን።ስለዚ ኣፍረይቲን ነጻ ዝኾኑ ዜጋታት ንምፍጣር፡ብስምብራት ቃልሲ ክስምብሩ ዘይኮነነ፡ዜጋታት ቅድሚ ናብ ቃልሲ ምጽንባሮም ዝነበረ ስድራቤት ምህናጽን ነቲ ኅብረተሰብ ምትብባዕን ዝኄሸ ውጺኢት ኔሩዎ።


ሳዋ ኣብ ርእሽቲ ፍሩስ ታሪኽን ባህልን ዘማዕብል ትምህርቲ የብላን።ኣብቲ ሓዲሽ ተባሂሉ ዝተኣታተወ ኣሰራርሓ'ውን ተስፋታት መንእሰይ ዘማህምኑ ጉዳያት ተለልዮምን ተነጺሎምን ካብ ጸገም ሓራ ኣይኮኑን።ንቐዳማይን ካልኣይን ዙርያ ዘጋጠመ ጸገም ምስ ዳሕረዎት ኣብ ህንጻ ምድቅሶም ክፈላለ፡ኣብቲ ናይ ኅልና ነጻነት ለውጢ ዘየምጸአ፡ናብቲ ዝድለ ሸቶ ንምብጻሕ ዝወስድ መንገድን ኣሰራርሓን ኣይተታሕዘን።ኣብ ሳዋ ዝተዓለሙ ዜጋታት፡ሃገሮም ክንበረላ ዘይከኣል ምድረ ሲኦልን ሃገር ጥፍኣት ጥራሕ ብምሕሳብ ዘጋጥሞ ምን ዝጸንሖምን ዘይፈልጥሉ፡መራሒ ዘይብላ ጥራሕ ዘይኮነ ርእዮማ ዘይፈልጡ ጀልባ ጥፍኣት ተሰቒሎም፡ካብ ኤርትራ ዘሕሸ'ምበር፡ዝሓመቐ ሃገር የሎን ብማለት፡ብምድርን ብቐላይን ይጠፍኡ ኣለው።ብዛዕባ ፍቕሪ ሃገሩ ዝተማህረ፡ኣፍራይን ኪኢላ ዜጋ ንምዃን ብዙሕ ውጻኢ ኣብዝተገብረሉ፡ብኮኔራላት ዝመሓደር፡ብወተሃደራትን ዝሕሎ ማእከል ዝጸንሐ፡ካብ ካልእ ዝበለጸ ኣመሃህራ ተባሂሉ ኣብዝተነግረሉ ተማሂሩ ሰልጢኑ፡ኣብ ቕድሚ ባን ዴራ፡ኣብ ቅድሚ ህዝቡን መራሕቱን ዝመሓለ ደኣ እንታይ ኣህደሞ።ኣብዚ ብዙሕ ነገር ክነቕርብ ንኽእል፡ካብ ኡ ብዛዕባ ሳዋ ዝወጸ ፖሊሲ ግጉይ፡መንእሰይ ንሕጋውነት መንግስቲ ኣይተቀበሎን ወይከኣ ኣፍራይ፡እሙን፡ፍ ትሓዊ ዝኾነ መንእሰይ ናይ ምፍራይ፡ናብዚ ዕላማዚ ንምቕያር ሳዋ ብቕዓትን ክእለትን የብላን።መንእሰይ ባን ዴራ ሒዙ ምምሓሉ ከኣ፡ነታ ባንዴራይ ዝብላ ኣይኣመነላን።ንሳዋ ምምጻኡ፡ካልእ ኣማራጺ ሰለዘይብሉ ተገዲ ዱ'ምበር ኣድላይነቱ ኣይተቀበሎን።ቀጺሉ ብጸልማትን ብሕቡእን ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ጉዳይ ስለዘጋጠሞ፡ካብ ኩ ሉ ከዕርፍ ህድማ መሪጹ።ነቲ ጌጋ ኣበይ ከምዝኾነ ተረዲኡ ክፈትሕ ዘይበቕዕ ኣመራርሓ ኣብዘለዎ ከኣ እቲ ፍታሕ ተረካቢ ስለዘይኮነ፡ቐዳማይን ዳሕራዋይ ተዓላሚ ብሓደ ዓይነት ሽግር ይሃድም ኣሎ።


ስለዚ ሳዋ ሃገር ብዝሃንጽ ኣገባብ ዘይኮነስ፡ስልጣን ንምድልዳል ብዝሕግዝ ኣገባብን፡ካብ ሺሕ ዓሰርተ ወይ ዝበዝሑ ብኅልናኦም ተመሪሖም ክኸዱ ዘይክእሉ ንምሕራይ፡ዕላማ ዘይጸንሖም በቲ ዕላማ ህግደፍ ሃኒጽካ ድፋዕ ዝኾንሉ ኣገባብ ንምምልማል መናእሰያት ዝእከብሉ መዓስከር ኢዩ።ቐጺሉ ከኣ፡ኣብ ኤርትራ ብቀሊል ዘ ይውጻኣ ቁጠባዊ ጸገም ኣሎ።ህግደፍ፡ነዚ ግቡኡ ፈጺሙ፡መሰሉ ዝጽበ ዜጋ ክቅርበሉ ዝኽእል ዓቕሚ ስለዘይ ብሉ፡ካብ ክመጾም ዝኽእል ሽግር ንምድሓን፡ኣብ ሳዋ ጸቕጦም ዘርእይሉ፡ዜጋ ማዕረ ክንደይ ሕሱር ምዃኑ ክር ድኣሉ ዝኽእል ኣገባባት ይፍጽሙ።ነዚ ጸገምዚ ዘስተውዓለ፡ዘይጽመም ጸዋዓይ ጸገም ክኸውን ስለዝኽእል ይኺ ድ፡ምእንቲ ዓዲ ገዲፉ ከውጽእ፡ምብስጫው፡ረሓት ከምዘይረክብ ምግባሩ፡ድሕሪኡ ባዕሉ መንገዱ ክሰርዕ ኢዩ። ዘይፈለጠ፡ተጸማሚ ጸገም ዘየምጽእ ስለዝኾነ ክሳብ ዝፈልጠና ንጥቀመሉ፡ብሓጺሩ ነቶም ሰፍ ዘይብል ጾር ጽ ዒንካ ናብ ዝደለኻዮም ትወስዶም፡ተጻወርቲ፡ተጸመምቲ ተወጢሕና መንገድና ነሳልጥ፡ግዜና ንቐትል፡ተባሂሉ ዜ ጋታት ዝልለዩላ ማእከል ጥፍኣት ኢያ።በዚ ከኣ ትዕግስተኛን ተጸማምን ኮይኑ፡ካብ ሳዋ ወጺኡ ኣብ ኅብረተሰ ቡ ዝተጸንበረ፡ቀዳማይ ብምግዳድ ናብ ዝኾነ ዝጓዓዝ ዝምረሃሉ ውሽታዊ ኣምር ስለዘይብሉ ዝተመሃሮን ዝነበሮ ብግቡእ ሒዙን ኣወሃሂዱን ክሰርሓሉ ዘይክእል ስለዝኾነ፡ኅብረተሰብ ጽፉፍ ባህሉን ሒዙ ክኸይድ ዘይሕግዝ ወይ ነቲ ሓዲሽ ዝተመሃሮ ከስፍሕ ዘይክእል ኢዩ።ኣብ ሳዋ ብኅሊና ተዘናቢሎም፡ብጥዕና ተጎሳቒሎም፡ብኣካል ማሲኖም፡ናይ ነጻ ኣረኣእያኦም ግዙኣት ስለዘይኮኑ፡ኣፍራይን እሙን ዝኾነ ህኑጽ ወለዶ ኣይርከብን፡ውጺኢቱ ጥ ፍኣትን ፍርሰትን ብርሰትን ይኸውን።ጥዑይን ብኣካልን ብኅልናን ዝተሃንጸ ወለዶ ዘይዓብየላ ሃገር፡ናብ ጥፍኣት ዝተቓረበት ኢያ።ጥፍኣትን ውድቐት ኅብረተሰብ ብሓደ ግዜ ዓረም ኢሉ ዝወድቕ ዘይኮነ፡ቐስ እናበለ ዝወድቕ ኢዩ።ኣብዚ ናይ ምውዳቕ ግዜ ኅብረተሰብ ዝበሃል ኣብቒዑ ምዃኑ ምልክት ይህብ፡ሽዑ ድሕሪ ሓያል ዓመታት እቲ ሕሉፍ ኣገባባት ቅኑዕ ከምዘይነበረ ይረአ።ስለዚ ሳዋ ዜጋ ንምምልማል ዘይኮነ ኣብ ዝተናወሐ ግዜ ሃገር ንምጥፋእን ኅብረተሰብ ንምልማስ ኢያ።


ሰላም ቕነ


ተ.መድኅን።


29.09.09