ንልዕልና ሕጊ እናተቓለሰ ግዳይ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ዝዀነ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)

ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርድም)* On 13-Sep-2015 source http://www.peneritrea.com/blog/----------

 

ገለ ካብ ሓንጐለይ ዘይተኣልዩ ኣብ ዓንቀጻቱ ዘስፍሮም ዝነበረ ሓረጋት፤
“ስልጣን፡ ሰጋር እትጋልበሉ ኮረሻ ኣይኰነን”
“ዕብዳንን ሽመትን: ዝርጋን ክህነትን ካብ ንምእካብ ንምብታን”
“መቐረት ሕጊ ኣብ ሰላም ዘሎ ሰለምለም ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ንሱ ዘስፍኖ ራህዋ`ዩ ጣዕሙ”
“ከምቲ ፈሲ ዲያቆን ብዕጣን ዘይትሽፈን፡ ብልሽውና ስልጣን`ውን ብሽሕጣን ኰነ ምፍርራህ ኣይዕበጥን’ዩ”
“ንናጽነት ምሉእ ህዝቢ`ዩ ተጋዲሉላ፡ መን’ዩ ኣብ ልዕሊ መን ክንየተላ”
“ከምቲ ሳሙና ርስሓት ክትኣሊ እትሓቕቕ ሓቀኛ`ውን ምእንቲ ሕጊ ንግዜኡ`ዩ ዝደቅቕ” ዝብል ካብ ብዙሕ ውሑድ`ዩ።

ካብ ቀሺ ጸጋዝኣብን ኢታይ ለተሃይማኖትን ኣብ ዓዲ-ንፋስ (እገላ-ሓመስ) ዝተወልደ ሳህለ (ወዲ-ኢታይ) ሕሳስ-ልደ ናይታ ሸውዓተ ቈልዑ ዝወለደት ስድራ’ዩ። መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማይ-ዕዳጋ ድሕሪ ምቕሳም ካልኣይ ደረጃ ኣብ ደቀምሓረ ብምቕጻል ክሳብ ንሜዳ ዝስለፍ ብልዑል ተገዳስነት ተኸታቲሉ። መተዓብይቲን መማህርቲን ሳህለ ከም ዝምስክሩዎ፡ ካብ መባእታ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ ተሸላሚ ብልጫ’ዩ ነይሩ። ኣብ ትምህርቲ ብዝነበሮ ዘይንቕነቕ ፍቕሪን እምነትን ድማ ካብ ዓዱ ብእግሩን ብብሽክለታን እናተመላለሰ`ዩ ካልኣይ ደረጃ ተማሂሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ቀዲሙ ዝገበራ ከኣ ብቐጥታ መዳለዊ ፈተና ወሲድካ ኣብ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ምቕጻል’ያ። ኣብኡ ከይተሓጽረ’ውን ዝነበሮ ናይ ትምህርቲ ህርፋን ንምዕጋብ ንዝለዓለ ትምህርቲ ንደቡብ-ኣፍሪቃ ክኸይድ እናተዳለወ’ዩ ብማእሰርቲ ተዂሊፉ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2001 ብምኽንያት ኣብ ጋዜጣ ዘመንን ብመጠኑ’ውን ኣብ ሓዳስ-ኤርትራ ብቕሉዕ ዝጽሕፎ ዝነበረ ዓንቀጻት ግዳይ ማእሰርቲ ዝዀነ ሳህለ፡ ናይ ቃልሲ ብጻየይ፡ ጎረቤተይን መሳርሕተይን ኰይኑ ክሳብ ዝተኣስረላ ቀትሪ ኣትሒዘ ብቐረባ ምስኡ ዝነበርኩ’የ።

ምስ ሳህለ ካብ 1994 ክሳብ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ቅድሚ ማእሰርቱ ኣትሒዝና ኣብታ ሰለስተ መደቀሲ ክፍልታትን ግን ከኣ ናይ ሓባር ሳሎንን ክሽነን ዝነበራ ገዛ መዓስከር ደንደን (ቃኘው) ብሓባር ንቕመጥ ኔርና። ኣብ ርእሲ’ቲ ብሓደ ምንባርና፡ ሳህለ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣኽባር ሕጊ ዳይረክተር ጨንፈር ሲቪላዊ ጉዳያት፡ ኣነ ድማ ሓላፊ ኣኽበርቲ ሕጊ ዞባ ማእከል ስለ ዝነበርና ናይ ስራሕ ርክብ ነይሩና፣ ቤት ጽሕፈትና`ውን ኣብ ላዕሊን ታሕቲን ደርቢ ሓደ ህንጻ’ዩ ነይሩ። እቲ ብሓባር ምቕማጥን ምስራሕን ዝፈጠሮ ጥቡቕ ዕርክነት ተመሳሳሊ መርገጽን ዝንባለን ስለ ዝተሓወሶ ድማ ኣዐርየ ንኽፈልጦ ኣኽኢሉኒ።

ኣብ ደቀምሓረ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዝከታተል ዝነበረ ሳህለ ኣብ 1974’ዩ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ። በዓል ምልምል ቍመናን ድልዱል ሰውነትን ሳህለ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ ብደረጃ ተራን ሓላፊን ኣብ ብዙሓት ዓውደ-ውግኣት ተሳቲፉ ጅግንነቱን ብቕዓቱን ብምርግጋጽ ክሳብ ኮሚሳር ጋንታ መዝነት በጺሑ ነይሩ። ብምኽንያት ተደጋጋሚ መውጋእቲ ዝወረዶ ኣካላዊ ጉድኣት ኣብ ክፍልታት ተመዲቡ ከም ኣባል ሓለዋ ሰውራ ንሓጺር ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ 72 ኣሃዱ ስለያ ተሳሒቡ። ዝነውሐ ገድላዊ ህይወቱ ሓላፊ ጸረ ስለያ ድሕሪ መስመር ኰይኑ`ዩ ብዘይ ዕረፍቲ ኣብ ተኣፋፊ ቦታ ናይ ሓንጐል ርቀትን ትብዓትን ዝሓትት ስራሕ ተጸሚዱ ኣሕሊፉዎ። ባህሪን ዕማምን ናይቲ ስራሕ ምስ ብዙሕ ዘራኽብ ስለ ዝነበረ ድማ ብሕልፊ ምስ ተቛወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ጥቡቕ ናይ ስራሕ ቅርበት ነይሩዎ። ኣብ ዓበይቲ ናይ ቃልሲ ርክባትን ጉባኤታትን ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ወኪሉን ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣሰንዩን ይሳተፉ ምንባሩ’ውን እፈልጥ። ስለ ዝዀነ ከኣ’ዩ ምስ ላዕለዎት መሪሕነት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ኣዝዩ ዓሚቝ ሌላን ፍልጠትን ዝነበሮ። ሳህለ ብኣካል ቀጥታዊ ሓጋዝን ኣማሪን ናይቲ ኣብ ፎርቶ ናይ ከተማ ሰገነይቲ ኰይኑ፡ ነቲ ዛዛሚ ውግእ ግንባር ደቀምሓረን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ (ብመገዲ ኢሃድን/ኢህወደገን ተደረብቲ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባርን) ንዝካይድ ዝነበረ መጥቃዕታትን ገስጋስን ብጽፈት ዘወሃሃደ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኰይኑ ኲናት ናጽነት ዝመርሐ ሰብ`ዩ።

ድሕሪ ናጽነት እቲ ኣብ ልዕልና ሕጊ ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ ሳህለ፡ ምስ ኣሃዱ ስለያ ክቕጽል ኣይደለየን። ገና ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሕዙ፡ ህዝባዊ ግንባርን መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራን ንዘርኣዮ ንግዝኣተ ሕጊ ዝጕዕጽጽ ኣካይዳ ስለ ዘይተጻወሮ ካብቲ ኣሃዱ ናብ ካልእ ንኽቕየር ጠሊቡ። ፈለማ፡ ሰጋእ ከም ዝብል ዝገበሮ ኣካይዳ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኢ.ሰ.ፓ. /የኢትዮጵያ ሰራተኞች ፓርቲ/፡ “የህዝብ ድህንነት” ንወዶ-ገባን ዝነበረ ኣተሓሕዛ ስለ ዝተቓወመ’ዩ። ኣብ ልዕሊ`ቶም “ኣእዳውኩም ናይ ንጹሃት ኤርትራውያን ደም ተጸይቑ`ዩ” ተባሂሎም ብፍሉይ ተታሒዞም ዝነበሩ ጥርጡራት ዝተወስደ መቕጻዕቲ ኣይተቐበሎን። ምኽንያቱ፡ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንመሰሎም ከይተጣበቑን ከይተማጐቱን ኣብ ዕጹው ገዛ ብኮሚቴ ስለ ዝተወሰነ። ሳህለ ምስቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበሮ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ናይ ብዙሓት ካብቶም እሱራት ጸብጻብን ሓበሬታን ስለ ዝነበሮ`ዩ ክሳብ መወዳእታኡ ክከታተል ዝኸኣለ። እቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ሕጋውነት ዘይብሉ ከም ኣገባብ ድማ ኣብ መወዳእታኡ ንመለኽቲ ውልቀሰባት ዝጥዕም ናይ መዳህሞኺ ኣገባብ ክኸውን ምዃኑ ኣመኣዝዩ ይፈልጥ ነይሩ። እንሆ ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ኣብ ልዕሊ’ቶም ብጅግነንት ዝተቓለሱን ዝተቓለሳን ተጋደልቲ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሲቪላትን ክውሰድ ይርአ። ስለ ዝዀነ ከኣ ሳህለ፡ ልዕልና ሕጊ ንምንጋስ ብዝነበሮ ሃንቀውታ ተደሪኹ ብገዛእ ፍቓዱ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ክቕየር ሓቲቱ’ስ፡ ተፈቒዱሉ ከኣ።

ሳህለ፡ ነብሱ ንምምዕባልን ኣካዳምያዊ ደረጃኡ ክብ ንምባልን ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ትምህርቲን መጽናዕቲን’ዩ ተተኺሉ። በቲ ሓደ ወገን ናይ ሕጊ ኣፍልጦኡ ንኸዕቢ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ይወሃብ ንዝነበረ ስልጠናታት ክከታተል እንከሎ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ናብ ዩኒቨርስቲ ክቕጽል ስለ ዝወጠነ መእተዊ ፈተና ንምግባር ኣብ ጽዑቕ መጽናዕቲ`ዩ ተኸቲቱ።

ካብ ዝመደቦ ዘይዕገት ሳህለ ከም ሕልሙ ናብ ዩኒቨርሲቱ ኣስመራ ዘእቱ ነጥቢ ረኺቡ ምስ ስራሕ እናተቖራቖሰ ብጻዕሩ ተማሂሩ ብBusiness Management/ ቢዝነስ ማናጅመንት/ ናይ ቀዳማይ ዲግሪ መዓርግ ረኺቡ። ኣብ ትምህርቲ ብዝነበሮ ጸብለልታ ኣብ ዩኒቨርስቲ ብልዑል ነጥቢ ስለ ዝተመረቐ፡ ንማስተርስ ዲግሪ ክቕጽል ዩንቨርስቲ ኣስመራ ስለ ዘፍቀደሉ ንደቡብ-ኣፍሪቃ ክኸይድ ይዳሎ ነይሩ። ክሳዕ እዋን ማእሰርቱ ከኣ እቲ ዓው ኢሉ ዝተሰምዖ ዝዛረብ ሳህለ፣ እቲ ምሉእ ለይቲ ምስ ጽሕፈትን መጽናዕትን ክቃለስ ዝሓድር ሳህለ፣ እቲ ዝዀነ ዘተዓናቕፍ ወልፍታት ዘይነበሮ ሳህለ ንሓቂን ልዕልና ሕጊን እናተቓለሰ ተዀሊፉ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና-ኣኽባር ሕጊ፡ ሳህለ፡ ከም ሓላፊ ሲቪላዊ ጉዳያት፡ ቀንዲ ናይ ስራሕ ዕማሙ ንመንግስቲን ምስ መንግስቲን ኣብ ዝካይድ ሕጋዊ መስርሕ’ዩ ዝዓዪ ነይሩ። ገንዘብ መንግስቲን ህዝቢን፡ ገለ ሰኣን ኣፍልጦ ካልእ እዋን ከኣ ብሰንኪ ወዛል ኣሰራርሓ ዝነበረ ምብኻን ወትሩ የሕምሞ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ብገለ ነጋዶ (ብሰንኪ ሸለልትነትን ጽልዋ ሰበ-ስልጣናትን) ይርአ ንዝነበረ ግብሪ ናይ ዘይምኽፋል ልምዲ ሱር ይሰድድ ስለ ዝነበረ፡ ቅጥዒ ክሕዝ ወትሩ ይጣበቕ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ንዝነበረ ሃጓፋት ብምስትውዓልን ንዝርአ ዝነበረ ወጽዓ ንምግታእን’ውን ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፤

ጉዳይ ሓረጣ፡ ንብዙሓት ዝተጣየሱ ተጋደልቲን ደበስ ስዉኣት ዝወሰዱ ግዱዓት ስድራቤታትን ግዳይ ዝገበረ፡ ብሕጋዊ መዳያቱ ድማ ነቶም ብምትላል ገንዘብ ጽጉማት ዝወሰዱ ላዕለዋይ ኢድ ዝህብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ጉዳይ ዝሓቍፍ መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 667 ዳግመ-ግምት ከም ዘድልዮ ኣሚሙ። ብመሰረቱ እቲ ዝስርሓሉ ዝነበረን ዘሎን መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ኣብ 1957 ዓ/ም ብዘመነ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተደንገገ ስለ ዝነበረ፡ ሃብታማት ንድኻታት ኣብ እዋን ጸገሞም ብመልክዕ ለቓሕ ሂቦም ኣብ ዝተወሰነ እዋን ካዕበት ገይሮም ንኽመልስሎም ብምውዕዓል ኣደዳ ሽግር ይገብሩዎም ስለ ዝነበሩ ብምስትውዓል ሓጋጊ ኣካል ዘስፈሮ`ዩ። እዚ ከም ልምዲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝውቱር ኣይነበረን። እንተዀነ ካብ 1994  ጀሚሩ ከም ሓዲሽ ተርእዮ ገለ ኣስሓኮ ዘይብሎም ሃብታማት ነጋዶ “ወርሓዊ ልዕሊ 10% ወለድ ክንህበኩም ኢና” እናበሉ ብምትላል ብመልክዕ ሓራጣ፡ ካብ ብዙሓት ጽጉማት ገንዘብ ወሲዶም ዝርካቡ ሕልቦምን ንጹፎምን ስለ ዝጠለምዎም ብዝቐረበ ጥርዓን መሰረት ዝተላዕለ ነገር ኰይኑ፡እቲ ከም መሰጋገሪ ተቐባልነት ረኺቡ ተኣዊጁ ዝስርሓሉ ዝነበረ ሕጊ ድማ ንኣሕራጢ ከም ገበነኛ ዝቐጽዕ ንተሓራጢ ውሕስነት ዝህብን እዩ ነይሩ። ስለ ዝዀነ ኣብ መንፈስ ፍጻመ ገበን ተገላብጦሽ ሃብታም ካብ ድኻ ዝተሓረጠሉ ዘምስል ረቕቕ ብልሓት ናይ ምትላል ስለ ዝዀነ ንምትኽኻሉ ዓሚቝ ምርምር ብምክያድ ንዅሉም ደያኑን ኣኽበርቲ ሕጊን ዘእመነ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብምድላው ናብ ባይቶ ኤርትራ ብመገዲ ሚኒስተር ዘባዊ ምምሕዳር ኣቶ ማሕሙድ ሸሪፎ ንክቐርብ ሰነዱ ኣረኪቡ።

ብዘይካ’ቲ ቀጻሊ ከንብብን ከጽንዕን ዝርእዮ፡ ቅድሚ 2001፡ ሳህለ ናይ ስነ-ጽሑፍ ክእለት ከም ዝነበሮ ኣይፈልጥን ነይረ። ኣብ ሓጺር እዋን ግን ነቲ ዝነበረ ውዕዉዕ ሃዋሁው ዘንጸባርቕ ሓሳባቱ ንምክፋል ኣወዳድቓ ቃላት፡ ዋሕዚ ትንተና ዘርእዮ ዝነበረ ምልከት ኣጸሓሕፋ ምስቶም ምኵራት ጸሓፍቲ ሰብ ሞያ ይስራዕ ነይሩ። ቅድሚ ኣብ ብሕታዊት ጋዜጣ ዘመን ክጽሕፍ ምጅማሩ ናብ ሓዳስ-ኤርትራ’ውን ይሰድድ ምንባሩ እፈልጥ። እንተዀነ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ-ኤርትራ ጽሑፋቱ ክቝርጽሉን ክጥምዝዙዎን ምስ  ጀመሩ ፈሪሑ ደው ክብል ኣይደልየን። ሓደ እዋን`ኳ ዘይርስዓ፡ ናብ ጋዜጣ ሓዳስ-ኤርትራ ጽሑፍ ሰዲዱ ኣመና ስለ ዝቘራረጹዎ፡ ናብ ኣሰናዳኢ’ታ ጋዜጣ ሓሪቑ ክድውልን ክቋየቕን እዝክር። ናብ ቤት ጽሕፈቱ ቅድሚ ምእታዉ ነታ ጋዜጣ ኣንቢቡዋ መጺኡስ፡ ቤት ጽሕፈተይ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ስለ ዝነበረ ብቐጥታ ናባይ ተኣልዩ በታ መስመር ቴለፎነይ ናብቲ ኣሰናዳኢ ደዊሉ። ካብቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ቃላት ሳህለ ስለምንታይ ጽሑፈይ ቈሪጽካዮ ኢሉ ከንጸርጽር ከሎ፡ ምናልባት እቲ ኣሰናዳኢ “ንድሕነትካ እንኮላይ ኢለ’የ” ግዲ ኢሉዎ፡ መሊሱ ብሕርቃን፡ “ደጊም መጋረጃ ፍርሒ ተቐንጢጡ’ዩ፡ ብስመይ’የ ሰዲደልካ፡ ሓላፍነት ናይ ጽሑፈይ ዝወስድ ከኣ ባዕለይ’የ፡ ድሕሪ ሕጂ ፈሪሕና ናብ ከብዲ ኣደና ኣይክንምለስን ኢና፡” ክብሎ ሰሚዐዮ።

ዳሕራይ ኵነታት መሊሱ እናበኣሰ ምስ ከደ፡ ሳህለ ኣብ ጋዜጣ ዘመን ንተሓታትነትን ልዕልና ሕጊን ዝጽውዕ ጽሑፋት ብስሙ ኣከታቲሉ ይጽሕፍ ነይሩ። ነቲ ዝካይደ ዝነበረ ዘይሕጋዊ መእሰርቲን ካልእ ምጕስቓል ዜጋታትን ከኣ ኣፉ ኣውጺኡ ይምጕቶ ነይሩ። ንኣብነት`ኳ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ንፕረሲደንት ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ነበር ሰመረ ከሰተ፡ ብዘይ ዝዀነ ሕጋውነት ምስ ኣሰሮ፡ እቲ ኣሃዱ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብመገዲ ጠበቓ ክቡር ነ/ሄር ተኸስተ ሃይለ ብመሰጋገሪ ሲቪላዊ ስርዓት ዓንቀጽ 177(3) Habeas Corpus ተኸሲሱ ነይሩ። ዳሕራይ ነቲ ዝቐደመ ጌጋ ንምሽፋን እቲ ፍቓድ ማእሰርቲ ካብ ፖሊስን ብእኡ ኣቢልካ’ውን ብኣኽባር ሕጊ ዝመጸ ምዃኑ ከምስሉ ናብ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣኽባር ሕጊ ክመላለሱ ከለዉ፡ ሳህለ ግን ነቶም ኣብኡ ዝተዋስኡ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብውልቂ`ውን ይፈልጦም ስለ ዝነበረ መሳርሒ ስልጣን ውሑዳት ኢኹም እናበለ ብዋዛን ሕጫጨን’ዩ ዝቕበሎም ነይሩ።

ገለ ካብ ሓንጐለይ ዘይተኣልዩ ኣብ ዓንቀጻቱ ዘስፍሮም ዝነበረ ሓረጋት፤
“ስልጣን፡ ሰጋር እትጋልበሉ ኮረሻ ኣይኰነን”
“ዕብዳንን ሽመትን: ዝርጋን ክህነትን ካብ ንምእካብ ንምብታን”
“መቐረት ሕጊ ኣብ ሰላም ዘሎ ሰለምለም ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ንሱ ዘስፍኖ ራህዋ`ዩ ጣዕሙ”
“ከምቲ ፈሲ ዲያቆን ብዕጣን ዘይትሽፈን፡ ብልሽውና ስልጣን`ውን ብሽሕጣን ኰነ ምፍርራህ ኣይዕበጥን’ዩ”
“ንናጽነት ምሉእ ህዝቢ`ዩ ተጋዲሉላ፡ መን’ዩ ኣብ ልዕሊ መን ክንየተላ”
“ከምቲ ሳሙና ርስሓት ክትኣሊ እትሓቕቕ ሓቀኛ`ውን ምእንቲ ሕጊ ንግዜኡ`ዩ ዝደቅቕ” ዝብል ካብ ብዙሕ ውሑድ`ዩ።

እታ ዝተኣስረላ ቅነ ኣቦ ክልተ ህጻናት (ቦኽሪ ምናልባት ክልተ ዓመት ምንኣሳ ከኣ ዕሸል) ዝነበረ ሳህለ--ትምህርቲ ንምቕጻል ንደቡብ ኣፍሪቃ ንምኻድ ኣብ ምድላው’ዩ ነይሩ። መውጽኢ ቪዛ ሒዙ፡ ኣበል መገሻ 200 ዶላር ደኣ ይቅበል`ምበር ሕማቕ ደመና የንጸላሉ ምንባሩስ ኣይዘንግዖን። እቶም ገለ ዝረኽቡዎ፡ ንመገሻኡ ኣመልኪቶም ዘይኰኑስ ብዛዕባ ድሕነቱ፡ “ኣለኻ ዲኻ ክሳብ ሕጂ?” ኢሎም ኣጥቢቖም ክሓቱዎ ምስ ኣስተወዓለ ሓደ ነገር ይጥጃእ ከም ዘሎ ክግንዘብ ኣይጸገሞን። እታ ዝተኣስረላ መዓልቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ንግዲ ኤርትራ (chamber of commerce) ንምርቃቕ ሕጊ ዝምልከት ዓውደ-መጽናዕቲ ስለ ዝነበረ ብመኪናኡ ጌርና ብሓደ ኬድና። ኣብቲ ኣደራሽ ዋዕላ ከም ቀደሙ ኣብ ዝሓዞ ናይ መዘክር ደብተሩ ይሕንጥጥ ነይሩ። ኣስታት 10፡30 ቅ/ቀትሪ ኣቢሉ ይኸውን ንናይ ሻሂ ዕረፍቲ ወጺእና። ኣብ እዋን ሻሂ ይዅን ኣብ ድሕሪኡ ዝቐጸለ ናይቲ መጽናዕቲ ዋዕላ ኣይተራኸብናን፣ ምናልባት ግን ምስቲ ንመገሻ ዝዳለዎ ዝነበረ ነታ ዕድል ተጠቒሙ ናብ ካልእ ኣቢሉ ይኸውን ኢለ ስለ ዝገመትኩ ኣይተገደስኩን። ድሕሪ ምሳሕ`ውን ኣብ`ቲ ዝነበረ ዓውደ-መጽናዕቲ ኣይመጸን። ብኵራቱ ክሳብ ክንድኡ ክብደት ኣይሃብኩዎን፣ መኪናኡ ግን ኣብታ ንግሆ ዝተዓሸገታ ስለ ዝነበረት ስኽፍክፍ`ኳ እንተበለኒ ብዙሕ ንሕማቕ ኣይገመትኩን። ዝወስዶ ምሸታዊ ትምህርቲ ድማ ስለ ዝነበረኒ ኣድህቦይ ናብኡ ብምግባር ኣመቱ ኣይሓተትኩን። ገዛ ከኣ ኣቐድም ኣቢሉ ቀይሩ ስለ ዝነበረ ምሸት`ውን ኣይተራኸብናን። ንጽባሒቱ ግን በዓልቲ-ቤቱ ኣብ ገዛ ከም ዘይሓደረ ከትሕብር ንቤት-ጽሕፈትና ኣንጊሃ መጺኣ። ገጻ ተደዊኑ ስለ ዝነበረ ነገር ደሓን ከም ዘይኰነ ካብ ቃላታ ንላዕሊ ወጅሃታ ይዛረብ ነይሩ። ርግጽ ሽዑ ቀትሪ’ዩ ተጨውዩ ተወሲዱ፣ እቲ መዋእል ንእስነቱ ንፍትሒ ዝተቓለሰ ሳህለ ከኣ ብኣኣ ኣቢሉ ኣይተመልሰን።


*ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርድም) ካብ 1994 ክሳብ 2006 ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ከም ኣኽባር ሕጊን ዳኛን ኰይኑ ሰሪሑ፡ ሕጂ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተሰዲዱ ይርከብ። ንጸሓፊ kiflu23@yahoo.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።