} --> ? include("header2.php") ?>

ካብ መስከረም 1961 ክሳብ 1964
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ`ታ ቡጉል (Bugle) ብዝብል ስም `ትፍለጥ ንሕና ጥሩምባ ኢልና ንጽውዓ ሓንቲ ንወተሃደራዊ ስራሕ እተገልግል ኢያ ኢለ ኔረ። ኣብ ወርሒ መስከረም 1961ዓ/ ም፣ ሓሚድ እድሪስ ዓወተ ንበረኻ ምስ ወጸ መታን ብቕልጡፍ ክተሓዝ፣ ነቶም ኣብ ሰምበል ዝመደበሮም ናይ በረኻ ወተሃደራት ፖሊስ ናብቲ መአከቢ ቦታ ብህጹጽ ንኽመጹ፣ ብሓደ ኣሰንባዲ ደሃይ ዘለዎ ”ኣራርመ” ኢሎም ኢዮም ዝጽውዕዎ (Alarm) ንምባል ኢዩ ዝኸውን፣ ምናልባት ጥልያን ውን Allarme ይብል ስለ ዝነበረ ዓስከር ዝነበሩ ኣቦሓጎታትና ኣራርመ ይብሉ ኔሮም ይኹኑ ኢዮም። ብዝዀነ ንክንእከብ ዝጸወዕት መሳርያ ምንባራ ገሊጸ፣ ኣብቲ ቦታ ምስ ተረኸብና በቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ ድማ ብዙሕ ሸበድበድን ስንባደን ከም ዝተራእየ ውን ናይ`ቲ ዕለት`ቲ ዝኽርታት ምንባሩ ኣሕጽር ኣቢለ`የ ኣብሪሀ ኔረ`ሞ፣ ኣብዚ ዓመት`ዚ ውን ተዘክሮታተይ ኣበራቢረ፣ ብዛዕባቲ ዝተባህለን ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ጉዳይዚ ተራ ዝነበሮም (Striking force) ወይ ውን (Field force) ዝበሃሉ ናይ በረኻ ወተሃደራት፣ ነቲ ሓበሬታ ብኸመይ ከምተቐበልዎን እንታይ ርእይቶታት ከም ዝነበሮምን ክንርኢ ኢና።
መግለጺ ሓላፊ ሰፈር ወተሃደራት ሰምበል

እቲ ኣብቲ ብህጹጽ ዝተጸወዐ ኣኼባ መጺኡ ሓጺር መግለጺ ዝሃበ፣ ሓላፊ ወተሃደራት ሰምበል ዝነበረ ዝበሎ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። እድሪስ ሓሚድ ዓወተ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፣ ኣብ መደበራት ፖሊስ፣ ዕንወት ክገብር ምዃኑ ፈኪሩ ምስ ውሑዳት ብረት ዝሓዙ ንበረኻ ከይዱ ኣሎ፣ ሕጂ ብዙሕ ጉድኣት ከየውረደ ብቕልጡፍ ክተሓዝ ኣለዎ፣ ብምባል ትርር ብዝበለ ደሃይ ብቕልጡፍ ንወፍሪ ምድላዋት ክግብር፣ ንሰሙናዊ ተረኛ ሓላፊ ካምቦ ዝነበረ ሰርጌንተ ግንቦት ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ቀልጢፉ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ተመልሰ። ብታሕቲታሕቲ ብዙሕ ሕሹኽሹኽን ትሕምትሒምታ ዘረባታት ድማ ተላዕለ። ሓደ ካብቶም ካብ ግዜ እንግሊዝ ጀሚሮም ንዓወተ ዝፈልጦ ወተሃደር ዓው ኢሉ፣ ሕጂ ኢዩ ነገር ዝተጸየቐ ነዚደኣ ንፈልጦ እኮ ኢና ንእንግልዝ ላሕ ዘበለ እንድዩ፣ ኢሉ ምስ ተዛረበ ምዕዝምዛማትን ዓውዓውታን ድምጺ ስለ ዝበዝሐ፣ ሓልፍ ካምፖ ሰርጌንተ፣ ግንቦት ኣስማት ናይቶም ንበረኻ ዝወፍሩ ክጽውዕ ዘረባታት ደው ከምዝብል ጌሩ፣ ነቶም ንሱ ዝጸዎዖም ካብ መኽዘን ብረታቶም ከውጽኡ ምስኡ ኣትሪፉ ንዓና ሰጥ በል፣ ብሰልም ዕረፍ ኢሉ ኣፋነወና።
ዕላል ኣብ መዛናግዒ ክላብ (ከንቲን)

ኣብ ትርፊ ግዜና፣ ድሕሪ ሰዓት 5 ናይ ኣጋ ምሸት ናብቲ መዘናግዒ ከንቲን (canteen) ኣቲኻ ዳማ ወይ ዱምና ምጽዋት ሓደ ልሙድ መሕለፍ ግዜ ኢዩ ኔሩ። ድሕሪቲ ኣኼባ ምስቶም ምኩራት ኣያታትና ጸወታ ዱምና፣ ዘልመዱና፣ (የክ- ዱ - ሰሊም - ጀሃር - ሸሽ - በሽ) ዝብሉ ኣስማት ናይ ዱምና ውን ዝመሃሩና እንዳ ተጻወትና ብዙሕ ዘይንፈልጦ ጽውጽዋይ ዝጥዕም ዕላል ታሪኽ ናይ ዓወተ ሰሚዕና ብዙሕ ክንግረም ጀመርና። እቲ ከንቲን ኣብ ጥቓ`ቲ እንዳ ብረት መኻዚኖ ስለ ዝነበረ ድማ ብሞስኮት ተቕልቂልና፣ እቶም ንበረኻ ክወፍሩ ዝተመደቡ ካብ ሓላፊ መኽዘን ሰጀንተ ጀላን ጓንዴ,ታትን (303) ስተንጋን (stengun) ብሬንጋን (braingun) ዝዓይነቱ ኣጽዋር ውግእ ኣውጺኦም ክኸዱ ከለዉ በዓል መን ምዃኖም ኣማዕዲና ክንርኢ ወጠምጠም ክንብል እዝከረኒ።
ንመጀመርያ ግዜ ንባርካ ክወፍሩ ዝተመደቡ ብሓንቲ ዓባይ ማጁሩስ ማኪና፣ ሰብ ኣብ ድቃስ ከሎ፣ ካብ ሰንበል ንባርካ ከም ዝኸዱ ክንፈልጥ ዝኸኣልና ኣብቲ ናይ ንግሆ ብጥሩምባ ዝግበር ናይ ተኣከቡ ጻውዒት “ፎለን” ኢልና ንጽውዖ (follow in) ማለት፣ እቶም ነባራት ወተሃደራት ካብ እንግሊዝ ዝሰማዕናዮ ቃል ኢዩ ኢዮም ዝብሉና፣ ኣብቲ ናይ ኣባላት ፍቕዲ ስዓት ምስ ተኣከብና ኢና ዳማ እቲ ወረ ናይ ምኻዶም ሰሚዕናዮ።

በቲ ዝተነግሮም ሓበሬታ መሰረት ጌሮም፣ ካብ ከባቢ ሃይኮታ ብእግሪ ነዊሕ ተጓዒዞም ብመንገዲ ሓደ ኣዳል ዝበሃል ጎቦ ምስ ደየቡ፣ በቶም ኣብቲ ዓበይቲ ኣእማን ዝበዝሖ ጽኑዕ ጎቦ ኣድብዮም ክጽበዩ ዝጸንሑ ዝተፈነወ ናይ መጀመርያ መጥቃዕቲ፣ ኣርባዕተ ሬሳታትን ክልተ ዉጉኣት ብጾቶም ሒዞም ንሃይኮታ ተመሊሶም ነቲ ሬሳታት ምስቶም ውጉኣት ንሰምብል ከምዝምለስ ጌሮም ብድሕሪ ሓደ ሰሙን ኩላቶም ንሰምበል ምስ ተመለሱ ኢና በቲ ባዕላቶም ዘዕለሉና ክንፈልጥ ክኢልና።
ብድሕሪቲ ኣብ መጀመርያ ዘጋጠመ ክሳራታት፣ ብተደጋጋሚ ውን ንዓመታት ከየቋረጸ ዝቐጸለ ውግኣት፣ ቁጽሪ ኣብላት ወተሃደራት ናይ በረኻ እንዳ ወሓደ ክኸይድ ጀመረ። ክሳብ 1963 ዝተኻየደ ግጥምያታት ኣብ መጀመርያ ሰለይ ናበለ`ኳ ይኸይድ እንተገበረ፣ ደሓር ግን ምስ ግዜ ምንውሕ እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕሞም ኰይኑ፣ ናይ ብዙሓት ሞትን መውጋእትን ምኽንያታ፣ እቲ ዝነበረ ሓያል ወተሃደራዊ ኒሕ ናይ በረኻ ዓቕምታት ተዳኺሙ ናይ ተስፋ ምቚራጽ ስምዒታት ግሁድ እንዳዀነ መጸ።
ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ስለ ዝነበሮም መልሲ ከይሰማዕና ኣይንወፍርን ኢና ስለ ዝበሉ፣ እቲ ሽዑ ዝነበረ ናይቲ ካምቦ ሓላፊ ኮሎነል ዘካርያስ ዮሃንስ ተሃንዲዱ መጺኡ ኣዚ ሸቦሮ ኢዩ ብሕጊ ድማ ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ዘብጽሕ ኢዩ ኢሉ በትሩ ኣዋጣወጠ።
ሓደ ሰርጀንተ ኣብርሃ ዝበሃል፣ ዓው ኢሉ ስማዕ ኮሎነል ደይ ሕጂስ ቅድሚ ናይ ሞት ፍርዲ፣ ንብላሽ ኢናኮ ንመውት ዘለና ኩሉ ሓደ ኢዩ፣ ግን ብዞዕባዚ ንብላሽ ዝጠፍእ ዘሎ ሂወትናን ሂወት ናይ ኣሕዋትናን ኣየተሓሳስበካን ድዩ ኢሉ ሓተቶ።
ኣየኖት ኣሕዋትካ፣ ንሸፋቱ ከኣ ኣሕዋትና ኢልካዮም ኢሉ፣ ብዙሕ ድሕሪ ምዝራብ ፣ዝበዝሕ ቋንቋ ጣልያን ምስ ትግርኛ `ንዳሓወሰ ዓው ኢሉ ማጓርዳምፖ ዶቨ ኰስት ፖሊስ ረጂመንታል ኣበይ ኣሎ፣ ነቲ ናይ ስነስርዓት ተቘጻጻሪ ፖሊስ ጸዊዑ ኣረስታተሎ እሰሮ ፖርታሎ ውሰዶ ዝብላ ቃላት ውን ንዓና ሓደሽቲ ኢየን ግን በቶም ቋንቋ ዝኽእሉ ትርጉመን ተረዲኡና ኢዩ።

እቶም ኣይንኸይድን ኢና ትብሉ ሕጂ በዚ ውጹ ምስ በለ ኩላቶም ብሓንሳብ ምስ ወጹ ገሪምዎ ሓስቡ ቀይሩ፣ ቀስ ኢሉ እዚ ትገብርዎ ዘለኹም ጊጋ ኢዩ ቀሊል ከይመስለኩም፣ ሕጂ ኪዱ ምስ ተመለስኩም ኩሉ ጉዳይኩም ተራእዩ መልሲ ክወሃበኩም ኢዩ ይበሎም።
ሓደ ተራ ወተሃደር ሕጂ ብሂወት ከለና መልሲ ዘይሃብካናስ ሬሳታት ኴንና ምስ ተመለስና ደኣ ንመን መልሲ ክትህቦ ምስ በለ፣ እቲ ኮሎነል ንነዊሕ ደቓይቕ ዝኸውን ደኒኑ ሱቕ ኢሉ ጸኒሑ፣ ብዙሕ ግዜ ናብትን ናብዝን እንዳበለ ክመለለስ ጸኒሑ ነቲ ናይ ስነ ስርዓት ተቘጻጻሪ ረጂመንታል ፖሊስ ጸዊዑ፣ ላሻተሎ ሕደጎ ናብዚ ኣምጸኣዮ ኴሎ ሰርጀንተ ኢሉ ናብቲ ኣኼባ ኣምጺኡ ብትሑት ደሃይ ማዕዳ ሂቡ፣ ኣነ ወተሃደራዊ ሕግን ስነስርዓትን ንዓኻትኩም ክምህረኩም ኣይኰንኩን ትፈልጥዎ ኢኹም ምስ በሎም ሽግሩ ስለ ዝተረድእዎ ግዲ ኰይኖም፣ ሓደ ካብኣቶም በል ሕራይ ሕጂ ክንኸድ ኢና በለ `። ግን ለበዋ ግበረልና በሎ ። ምምላስ`ኳ ክንደይ ከይንምለስ፣ እንተዘይ ተመለስና ግን ነተን መሰኪን ኣንስትና መልሲ ክትህበልና ሓደራ ንብልካ ምስ በሎ፣ ሕማቕ ዝተሰምዖ ኢዩ ዝመስል፣ ግጹ ንሕሪት ገይሩ ሒቑኡ ሂብዎም ንቑሩብ ግዜ ጠጠው ኢሉ ጸኒሑ በታ ጸላም ንእሽቶ ሒዝዋ ዝነበረ በትሪ ድንን ኢሉ ኣብቲ መሬት ጻሕቲሩ ጸሓቲሩ ናብኣቶም ገጹ መሊሱ ከየርኣየ ንቤት ጽሕፈቱ ተመለሰ።

ብ1964 ኩነታት ካብ ዝነበሮ እንዳገደደ ስለ ከደ፣ ሓደ ተመሳሳሊ ናይ በረኻ ተመኩሮታት ዝነበሮ ብፈጥኖ ደራሽ ዝብል ስም ዝፍለጥ ሓይሊ ካብ ኰልፌ ዝበሃል ከባቢ ናይ ኣዲስ ኣበባ ንሓገዝ ንኣስመራ ኣትዩ ምስ ናይ ሰምበል ብሓንሳብ ተሓዊሱ፣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድምሳስ ብዙሕ ምቅርራብ ዝተገብረሉ ሰርሒት ውግእ ቶጐርባ ተኻየደ። ኣብቲ ውግእቲ ውን ብዙሓት ዝመቱን ዝተውግኡን ብሀሊኮፕተራት ናብ ሰምበል ከመላለሳ ዝወዓላሉ ብምንባሩ ብዙሕ ሰብ ዝረኣዮ ዓቢ ናይ ፍሽለት መዓልቲ ነበረ።
ብድሕሪዚ ንበረኻ ንኣወርሕ ዝኣክል ምኻድ ኣቛሪጹ፣ ናይ እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ ንምዝታይ በቶም ጉዳዩ ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣካልት ናይ መንግስቲ ሰብ ስልጣን ኣኼባታት ተገይሩ ብ 1965 ኣብ ሰምበል ኮማንዶስ ንኽምስረት ተወሰነ ።

Yemane Yohannes

 

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com