ቅሉዕ ደብዳቤ ንስደተኛ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን : መግለጺ ዐለምለኻዊ ኮሚሽን ንስደተኛታት ኤርትራ

Thursday, 07 July 2011 16:56
http://assenna.com/index.php/2011-03-12-15-30-40/2011-03-12-17-45-46/3913-2011-07-07-16-59-26.html
ብዶር የዕብዮ ወልደማርያም
ጠንቂ ስደት ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ኢዮም። ካብአቶም ብኽፋል ክንጠቅስ ምስ ዝድለ፡ እቲ ቐንዲ ዝኾነ ወሰን ዘይብሉ ዕስክርና እሞ ድማ ከምቲ ንቡር ብባልያ ይኹን ብተማልእተኛ ንቤተሰብካ መጠወሪ ገንዘብ ክትሰደሉ ዘየኽእል ኩነታት ብመንግስቲ ኤርትራ ብምድንጋጉ ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ እንተርፎ ናይ ባርነት ሽቕለት፡ ሂወትካ ከተማሓይሸሉ ዘኽእል ንዋያዊ ወይ ድማ ፍልጠታዊ መኽሰብ ዘይትረኽበሉ መወዳእታ ዘይብሉ ስቓይ ብምስዓቡ ምዃኑ እቲ ኣብ ጡጡሕ ናብራ ዝርከብ ግዳም- ሰፈር’ውን እንተኾነ ዘይስሕቶ ኢዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ግዳይ’ቲ ዘይጭበጥ መስመስ ዝብል ረቂቅ ሕልሚ ንምጭባጥ ካብ ዝዋፈር እንሆ ፍርቂ ዘመን ኮይንዎ ኣሎ። እቶም ነዚ ሕልሚ’ዚ ኡውን ንምግባር ካብ ዝተንቀሳቐሱ መንእሰያት መብዛሕትኦም ኣብ መዐሙቕ መሬት ሰፊሮም ዝርካቦም ድማ ኣብቲ ነቲ ኣብ ካልአይ ዙር ዝተገብረ ዝግበር ዘሎን ዕንወት ሂወትን ንብረትን ተኻፈልቲ ንኽኾኑ ዉላድ ካብ ምፍራይ ሓሊፎም ዝኸሰብዎ ሓንቲ ቅንጣብ ነገር ከምዘየሎ ባዕሉ ህዝቢ ምስክር ኢዩ። ካብዚ ዕውንውን ዝመልኦ ሂወት ዝረብሑ እንተሃለዉ እዞም ኣብ ስልጣን  ኮረሻ ተወጢሖም ሸይሸይ  ዝብሉ ዘሎዉ ናይ ትማሊ መንእሰያት ናይ ሎሚ ሽማግለታት ዝኾኑ ብዕማኾ ዝቑጸሩ ወልቀሰባት ምዃኖም፡እቲ ብአፉ ተዐቢሱ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝምስክሮ ኢዩ። ታሪኽ ኣብ ምድጋም ዝርከብ መንእሰይ ድማ ካብ ወለዱ ዝወረሶ ዕውንውን ብዕጽፊ ከሰላስሎ ብምርአይና ንብልሂ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዳንደ’ውን ከይገረሞ ኣይተረፈን። ምኽንያቱ ድማ ዳንደ ይኹን ሽቃጥ ሃገር ከይተረፈ በዚ መንእሰይ ንዐዲ ፈረንጂ ንምስዳድ አብ ዘጋጥሞ ዘሎ ሽግራትን ፈተነታትን ካብ ምትንካፍ ኣይንሓፍን ኢዩ።ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ ዘጋጥሞ ዘሎ ሽግር ብምትንካፉ ኢዩ። በዚ ዘይተተንከፈ ወይ ክትንከፍ ዘይተዳለወ እንተሎ እቲ ስርዓትን ነቲ ስርዓት ዝጉንብሕ  እንዶ ዘይብሉ ሓሸማ ደንበ ጥራይ ኢዩ። እምበአርከስ መልእኽቲ ጽሑፍና ዘተኮረ ኣብ ግዳም-ሰፈር ኤርትራዊ ይኹን ጠንቂ ስደት ንዝኾኑ ንሰበስልጣን ኤርትራ ወይ ድማ ኣብ ስደተኛታት መዕቆቢ ተሰግሲጎም  ብሂወት ደቂሰባት ዝነግዱ ኤርትራውያን ከም በዓል ኣብርሃም ግርማይን  እክብቲ ፍዮሪ ገዛኢን ዘይኮነስ ነቶም ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑ መንእሰያት ስደተኛታት ከምኡውን ‘ክበልዕ ዝበለ ኣፉ ገደል’  ብዝምሰሉ ወለድን ኢዩ። ካብዚ ፈሊኻ ዘይትርእዮ እንተሃለወ ድማ ግዳም-ሰፈር ንዝኾነ ዘመድ ኣዝማድ ነቲ እሳት ንምጉህሃር ከይዐጀቦ ንጠለፍትን፣ ንባርያ ነገድትን፣ ንጅሆ ተሓዝትን ገንዘብ ብምልአኽ ዝገብሮ ምትብባዕ ጠጠው ከብል ዝዓለመ መልእኽቲ ኢዩ።
ዎ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን። ካብቲ ዘየምውት ዘየሕዊ ናብራ ስድተኛ መዕቆቢ ዝኸፍኤ፡ ሰብ ምዃንካ ዘጽልአካ ናብራ ኣብ ግብጺ፣ ሊብያ፣ ማልታ፣ ኢጣልያ ምህላዉ ምግንዛብ የድልየካ። ኣብ በረኻ ሲና ዘሎ ኩነታት’ሞ ነቲ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ቅድሚ 150 ዐመት ዝነበር ዘበነ ባርነት ዝዳረግ ኢዩ። ኣብ ካልእ ሃገራት’ውን ብመጠኑ ንስድተኛታት ዝምቹእ ኩነታት ከምዘየሎ በዚ ኣጋጣሚ እንተጠቀስና ካብ ሓቂ ኣይረሓቅናን። ምኽንያት እተን ብተለምዶ መዕቆቢ ኮይነን ዝጸንሓ ምዕራባውያን ሃገራት’ውን እንተኾና ዓቢ ናይ ኢኮኖሚ ድቀት ኣጋጢምወን ስለ ዝርከባ ዕድል ናይ ሎሚ ዘመን ስደተኛ ምስ ናይ ቀደም ከተወዳድሮ ሰማይን መሬትን ኢዩ።
ብዉሑዳት ደቂ ሃገር ደላሎ ተደሊሎም ምስ ሸፋቱ-በዓቲ በደው ኤርትራን ግብጽን ብምምሽጣር ናይ ባርያ ንግዲ የካይዱ ምህላዎም ንዘይሰምዖ ከስደምም ንዝሰምዖ ድማ ለካ ንኽብል ዘገድዶ ኩነታት ከምዘሎ ክንግንዘብ ንግደድ። ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት  ንኽሳገሩ ካብ ሽሕ ዶላር ዘይንእስ ገንዘብ ተወዓዒሎም ንኸብቅዑ ኣብ ሲና ብቡዙሕ ሃላኽ ምስ በጽሑ ዋጋ ነፍሲ ወከፍ ካብ 10,000 ክሳብ 20,000 ይበጽሕ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ጉዕዞኦም ካብ ዝጅምርሉ ጊዜ ክሳብ ዶብ እስራኤል ዝበጽሕሉ ካብ ሓደ ነጋድ ባርያ ናብ ሓደ ነጋድ ባርያ ስለ ዝመሓላለፉ ዋጋኦም እንዳወሰኸ ይኸይድ። ነፍሲወከፍ ነጋዲ ድማ ከም ጤለበጊዕ እንዳተዋገየሎም ዘይተአደነ መክሰብ እንዳኻዕበተ ይኸይድ። ዘመድ ዘለዎ 20,000 ዶላር’ውን እንተኾነ ከፊሉ ካብ ምምቛሕ ከድሕን፡ ወዲ ማርያም ክሊዐው ድማ ወይ ናውቲ ሰውነቱ ንሃብታማት ክሽየጥ ይቕተል ወይ ከአ ብዓቕሊ ጽበት ካብ ነዊሕ ኣዋርሕ ምድጓን ንኽድሕን ኣብ ዝገብሮ ናይ ምምላጥ ፈተነ ብጥይት አብዳው ሂወቱ ይሓልፍ። መብዛሕቶም ድማ ወይ ናይ ነዊሕ እዋን ምምቛሕ ዕጫ የጋጥሞም ወይ ከአ ካብዚ ሑሱም ናብራ ንኽናገፉ ብዝወስድዎ ሓዲግ ድፍረት ወይ ዕንደራ ግዳይ ኮይኖም ይተርፉ።  መንግስቲ ኣመሪካ’ውን እንተኾነ ኩነታት ጅሆታት ሲና ኣብ ዝኸፍኤ ጥርዚ ምብፅሑ ብምግንዛብ ነዚ ኣመልኪቱ መተሓሳሰቢ ኣብ ምውጻእ ይዳሎ ኣሎ። እዚ ማለት ናብ አመሪካ መጺኦም ክሰፍሩ ዝድግፍ መተሓሳሰቢ ከምዘይኮነ ክትግንዘቡ ይግብእ።
ኩነታት እዞም ብብዙሕ ሽግር ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝኸአሉ እንታይ ይመስል። ርግጽ ንፋስ ኣዱንያ ብምርካቦም ካብቶም ብሓውቲ ሜሮን እስቲፋኖስ ዝተገመቱ 400 እሱራትን ጅሆ ተተሓዝትን አብ ሲናን ናብራ ቁሩብ ይሕይሽ ይኸውን። ብሓጺሩ ኣብ ዝደለይዎ እዋን ሽንቲ ማይ ንምኽዓው ይኹን ጸሓይ ንምጽላው ዝቋጻጸሮም ኣካል የሎን። ግንከስ መንበሪ ፍቓድ ተሓሪምዎም ምስኡ ዝተተሓዘ ድማ ንኽሰርሑ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ። ካልእ ይትረፍ ንዘጓነፎም ናይ ዓቅሊ ጽበትን ናይ ሓንጎል ምንዋጽን ዝአሊ ሕክምና’ውን ተነፊጎም ይርከቡ። ንአብነት ክንጠቅስ፡ ብበረኻ ሲና ዝሓልፋ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ናይ ፆታዊ መግሃስቲ ስለ ዘጋጥመን (ብአብዳው)ካብ ገሃሲአ ዝወለደት በዓልቲ ሓዳር ኣብዚ ወርሒ’ዚ ንሳን ናጽላ ውላዳን ብቃል ኪዳና ተሓሪዳ እቲ ክትግሃስ እንኮላ ክከላኸለላ ዘይከአለ በዓል እንድአ ድማ ተሓኒቑ ሞተ። ጉድ ዘብል ኢዩ። እዚ ከይአክል ድማ ን 10,000 ስድተኛታት ዝዳጉን ቤትማእሰርቲ ብእስራኤል መንግስቲ ኣብ ምህናጽ ምህላዉ ሲጋል ሮዘን ዝተብህለት ግብረ ሰናይ ኣስራኤላዊት ኣባል ዓለምለኸ ኮሚሺን ንስደተኛታት ኤርትራ ኣቃሊዐ። ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ካብ 26,000 ዝበዝሑ ስራሕ ኣልቦ፣ መቐመጢ ኣልቦ፣ ቤት ኣልቦ፣ ናብራ ኣልቦ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ምህላዎም ኣይትዘንግዑ።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዐረብ ብሕልፊ ኣብ ግብጽን ሊብያን ዘሎ ክነታት ንምዝርዛር ዓቕልን ናይ ሓንጎል ጽንዐትን የድሊ። ብሓጺሩ ኣብዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ናብራ ስደተኛታት ንጸላኢኻ እኳ ኣይትምነየሉን። መጀመርያ እዘን ሃገራት እዚአተን ኣብ ዝንቡዕ ምሕደራ ኣብ ርእሲ ምህላውን ኢኮኖሚኤን’ውን ድኹም ኢዩ። ግብጺ ብስራሕ ኣልቦነት ዝተውሕጠት ሊብያ ድማ ነጻ ኢኮኖሚ ዘይብላ ጉልታዊት ሃገር ኢያ። ቀጺሉ’ውን ምስ ስርዓት ህግደፍ ጥቕማዊ ምትእስሳር ስለ ዝነበርንን ዘለወንን ንጥርዝያ ዐይነን ዘይሓስያ ኢየን። ካብኡ ዝተረፈ ኣብ ግብጺ ይኹን ኣብ ሊብያ ምስ ተአሰርካ ጠያቒ የብልካን፡ ብዘይካ ኣባ ሙሴ ዝተብህለ ቀሺ ኮቶልኽ። እዚ ክንብል እንኮሎና ግን ኣባ ሙሴ ካብ ማእሰርቲ ኣውጺኡ ኣብ እትደልዮ ሃገረ ኣመሪካ ወይ ኣውሮጳ ይወስደካ ማለት ኣይኮነን። ንሱ እሱርን ሕሙምን ምጥያቕ ሃይማኖታዊ ግዴታ ስለ ዘለዎ ጥራይ ኢዩ መዐልትን ለይትን ዘእውይ ዘሎ። ኣደርዕ ናይ ግብጺ ቤትማእሰርቲ ጸዊኻ ኣይውዳእን ኢዩ። ሊብያ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ዘላ ሃገር’ ኣብ ርእሲ ምዃና እቲ ንሞት ዝዳርግ ዓቅሊ ጽበታዊ ጉዕዞ ኣረገውቲ መራኽብን ሳምቡቓትን ውን ካብዛ ሃገር እዚአ ኢየን ዝነቕላ። ንአውሮጳ ንምስጋር ኣብ ባሕሪ ሰጢሙ ዝተረፈ መንእስይ ኣዲኡ’ን እቶም ኣብ ግዳም ኮይኖም ሃገር ንምህናጽ ዝሸባሸቡ ዘለዉ ተቓወምትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ይሕዘንሎም፡ ይንብዑሎም። ዝኾነኮይኑ ግብጽን ሊብያ ሓደ ሓባራዊ ረቛሒ አለዎም። ንሱኸአ ካብ ዘይምንቃሕ ዝተልዕለ ሰብአውነት ዕሽሽ ብምባል ኣብ ክርስትያን ኣመንቲ ስደተኛታት ርሕራሔ ከምዘይብሎም እቶም ብሕፍንቲ ዝቑጸሩ ካብ ሽግር ኣምሊጦም ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝአተዉ ስደተኛታት የዘንትዉ።
እቶም ብሽግር ስደተኛታት ተመሲጦም ቅድሚ ሕጂ እንተኾነውን ኣብ ሽግርና ዝወዓሉ ፈረንጂ’ኸ እንታይ ይመስሉ? ነዚ መረድእታ ዝኾነና ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተፈጸመ  ህልቂት ብጽሞና ምስ እንዝንብዮ ጥራይ ኢዩ። ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዋ ዘይተተአማምን  መርከብ ተሰቒሎም ንማከላይ ባሕሪ ንምስጋር ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ ዝጥሕሉ ኣማእታት ዜጋታት ንኽድሕኑ ናይ ፈረንጂ ጽብቕ ፍቓድ እንተዝሕወሶ ነይሩ ምድሓኑ ዝብል እምነት ኣሎና። እዚ ማለት፡ ሓገዝ እተን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሽውሽው ዝብላ ዝነበራ መራኽብ ንግድን፣ ውግእን ተሓዊስዎ ኔሩ እንተዝኸውን ሂወት እቶም  ደቂ ሰባት ምዃኖም ዝተዘንገዔ ቆልዓ ሰብይቲን፣ ጠላዕ ጎብዝን ኣብ ባሕሪ ኣምባይ ተሸሚሞም ኣይምተረፉን። እዚ ናይ 350 ሂወት መቕዘፍቲ ከይአክል እቲ ብድሕሪኡ ዝተፈጸመ ኣጸያፊ ተግባር መምሃሪ ክኾነና ይግብእ።  ንሱ ድማ ክሳብ 76 ደቂ ሰባት ዝሓዘት ካርካሳ መርከብ ከምቲ ኩሉ ግዜ ሽግር ኣጋጢምዋ ሓገዝ ምስ ሓተተት፡  ናይ ጣልያን ሓለውቲ ወሰን ሄሊኮፕተር ፕላስቲክ ማይ ካብ ሰማይ ደርብያትሎም ንኸተብቅዕ ሃለዋቶም ከይፈለጠት ን 16 መዓልቲ ክንሳፈፉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቅድሚ ዐይኒ እተን ናይ ንግድን ውግእን መራኽብ ሓደ ብሓደ ሂዎቶም ሓለፈ። እዚ ትምህርቲ ክኸውን እንተዘይኪኢሉ ኣየናይ ድአ ኽከውን ይኽእል። ካብ ሞት ክናናን ምናናን የድሕነና።
ሓላፍነት ናይ ዐለምለኻዊ ኮሚሺን ንስደተኛታት ኤርትራ ዘምሕጸኖ ነገር እንተሃልዩ ኣብ ርጉእን ዘተአማምንን ክነታት ዘየተምርኮስ ናይ ዐቅሊ ጽበት ዑደት/ፍልሰት ካብ ምውሳድ ምቑጣብ የድሊ። ንግዜኡ ኣብቲ ዘየምውት ዘየሕዊ መዕቆብ ስድተኛታት ዐቅሊ ጌርካ ምጽናሕ ካብ ሕሰም ትድሕን። ወይ ንጉሥና ይፈርዶ ወይ ከአ በቕልና ትወልዶ ከም ዝብሃል፡ ምናልባት ናብ ሳልሳይ ሃገር ብሱርዕን ብአግባብን መንገዲ ንምስፋር ተኽእሎ ዝህልዎ ኣብ ዘዘልካዮ ምርግእ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ። በቕልና ንኽትወልድውን ዘይከአል ኮይኑ ኣይኮነን። ማለት ነዚ ናይ ስደት ጠንቂ ዝኾነ ባእታ ንኸልግስ ይከአሎ ይኸውን ምእንቲ እቲ ወራሲ ኽቐስን።