ሰላም ናዓኻትኩም ይኹን ኩላትኩም ኣሕዋት ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስማዒልያ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ኤረትራውያን ኣብ ከቢድ ሽግርን ስቃይን ይርከቡ እዞም መንእሰያት እዚኦም


እንኮላይ በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ትሕቲ ዕድመ ይርከቡዎም።ሎሚ ቅድመ ቀትሪ  ብ ናይ ኢታሊ ኣቃጻጽራ ብተለፎን ምሳታቶም ኣብ
ተራኸብኩሉ እዋን ንሳቶም ብተለፎን ክዛረቡ ከምዘይፍቀዶምን ኣብ ከቢድ ሽግርን ፍርሕን ጸገምን ከም ዝርከቡን።ጥራሕ ናብ
ሃገሮም ናይ ምምላስ ስግኣት ጥራሕ ከይኮነ ዘለዎም ስግኣትሲ ካሊእ እውን ኣብቲ ሃገር ምስቲ ሕጋዊ መንግስቲ ዘይምህላዉ
ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዝርከቡ ንሂወቶም ኣብ ኣስጋኢ ዝኽዕነ ወቅቲ በጺሖም ከም ዘለዉን ኣብቲ ምስ ፍትሓዊ ተባህለ
መንእሰይ ዝገበርክዎ ርክብ ክፈልጥ ኪለ ኣለኹ።እዞም መንእሰያት ኣዚኦም ዝጥቀሙላ ተለፎን ናይ ሓደ መታእስርቶም ሰብ ከም
ዝኾነትን ንሱ ንባዕሉ እውን ሰሪቁ ከም ዝጥቀመላን ተተፈሊጡ ንኹላቶም ሓደገኛ ምኻኑን ሓቢሮምኒ ኣለዉ።
ኣስተውዕል፡- እዞም መንእሰያት እዚኦም ናብ ኢትዮጵያ ኪኸዱ ከም ዝደልዩን ግን ናይ ኢትዮጵያ ኢንባሲ  ነገር ደው
ኣቢልዎም ከም ዘሎ ካብቲ በቶም ኣሲሮሞም ዘለዉ ሰበስልጣን ተዋህቦም መልሲ እዩ።ስለዚ ብተኻእለ ን ኢልሳ ጩሩም እውን
ተለፎን ዘለዎ ደዉሉላ ብተኻእለ እውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ብዛዕባዞም ሰባት ኣዚኦም ክንዛራረብ ብጥብቂ ይምሕጸነኩም
ክትረኽብዎም ኣብ ትደልዩሉ ተለፎን ናይቲ ምሳታቶም ተኣሲሩ ዘሎ ምስራዊ እሱር ክህበኩም ይኽእል እየ ።
ኣብ ቀጻሊ
ቐሺ  ሙሴ  ሺሻይ
ከባቢ ሚላኖ ፡ ከተማ ሎዲ