| ገዲም ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ብዘጋጠማ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ ተሰዊኣ። |
|
|
|
| Thursday, 29 January 2009 | |
|
ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ንሓያለ ዓመታት ክትሳቐ ዝጸንሐት ገዲም ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ብሰንኪ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ ከምእተሰወአት ምንጭታትና ሓቢሮም። እታ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ደራፊት፡ ተዋሳኢትን ሙዚቀኛን ኰይና ተጋደልትን ህዝብን ኣብ ምንቕቓሕ ድርብ ቃልሲ ዘሰላሰለት ሰናይት፡ ንዘይስነምግባራዊ ኣመላትን ስድነትን ብዓልቤታ ተቓዊማ ኣብ ቤትፍርዲ ምስ በጽሐት እያ፡ ብምትሕብባር እቲ ሽዑ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ዝነበረ ሕጂ ኣብ ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣካባብን ሓላፊ ክፍሊ መሬት ዘሎ ብዓልቤታ በየነ ርእሶምን ስርዓት ህግደፍን ምስ ሓዋ ኤርምያስ ደበሳይ ክሳብ ዕለተ መስዋእታ ተኣሲራ። ኣደ ሰለስተ ኣዋልድ ሰናይት፡ ካብ ንእስነታ ንናጽነትን መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ ዝተቓለሰት ሓርበኛ ብምዃና ንገበናት ብዓልቤታ ‘ኳ እተቃልዓቶ፡ እቲ ምስ ፕረዚደትን ኢሳያስ ጥቡቕ ዕርክነት ዝነበሮ ብዓልቤታ ገበናቱ ንምንሽፋን ግዳይ ናይዚ ህይወታ ዝለከመ ማእሰርቲ ከምዝገበራ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም። መርበብ ሓበሬታ ኣሰና መሪር ሓዘና እናገለጸት ንቤተሰብ ሰናይት ደበሳይ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል። ክቡራት ተኸታተልትና፡ ሓንቲ ካብ ትእምርቲ ቃልሲ ደቀንስትዮ ኤርትራ ንዝነበረት ስውእቲ ሰናይት ብዝምልከት ኣብ ራድዮ ኣሰና ዝሰፍሐ መደባት ክትከታተሉ ንዕድመኩም። |
|
| Last Updated ( Thursday, 29 January 2009 ) |
| < Prev | Next > |
|---|