<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ሽግርና መሰረቱ ንፍለጦ

Saturday, 29 October 2011 18:44 በላይ መስፍን
http://tig.asmarino.com/tig/articles/1022-2011-10-29-18-52-23

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ብቐዳምነት ልባዊ ሰላንታይ ንኣኹም፡ ብምቕጻል ናብቲ ኩሉ ጊዜ እንዛረበሉን እንቕንዘወሉን ሃገራዊ ጉዳይና ክንኣቱ ጽን በሉኒ፡፡

ርእሰ ነገር ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ቃልስና ካብ ዝጅመር በብጊዜኡ ንዘጋጥም ፅንቅፋታት

እንታይ መሰረት ዝገበረ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ስለ ዝፋራረቐኒ ኢዩ፡ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጅምር ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን መድረኻትን ዘጋጥም ዝነበረን ዝቅጽል'ውን ዘሎን መሰናኽል ፡ ኣብ ኤእዋኑ ሳኣን ምፍታሕን ፡ እቲ ክኸውን ዝግብኦ ናይ ምእላይ ኣጋባብ ሳኣን ምፍላጥን ኣብ ርእሲ ጊዜ ምውሳዱ እናታሓላለኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ኣብ መጻኢ ካብ ጌጋ ምእንቲ ክንድሕን ብግቡእ ክንሓስበሉን ጥብቃቐ ክንገብርን ይግባእ።

ብኣውርኡ ካኣ ጠቕምና ስኣን ምልላይ እዩ፡ ማለት ሓደ ህዝቢ ጥቕሙ እንተ ኣለልዩ መጋበርያን ባርያን ነናይዝመጹ ገዛእትን ስዒቦቦም ናይ ዝመጹ ሃገራውያን መሰል ተበጽትን ኮይኑ ክነብር ኣይፈቅድን ኢዩ፡ ኩልና ከም ንፈልጦ ኩሎም እቶም በብእዋኑ ኣብ ዓለም ዝተራእዩ ረገጽቲ ህዝቢ ዝኾኑ ዲክታቶራትን ተበለጽትን ካብ ናይ ርእሶም ጠቕሚ ወጻኢ ካልእ ዘይርእዩን ሱሱዓትን ኢዮም፡ ክሳፅ እታ ኣብ ስልጣን ዘለው ካኣ ካብ ክፉእ ምግባርን ንህዝቢ ምብዳልን ድሕር ዘይብሉ ፍጡራት ኢዮም፡፡

ሓልዮ ናይ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ይኹን ሃገር ስለ ዘይብሎም ካኣ እዚ ዝቕጥቅጠና ዘሎ ፍላይ ማንታኦም ዝኾነ ኣረሜናዊ ጉጅለ ፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕሙ ፈሊጡ ፡ ንሕና ካኣ ግቡእናን መሰልናን ሳኣን ምፍላጥን ፡ ነቲ ኩሉ ዝገብሮ ክፋእ ሳኣን ምልላይን ፡ ኩሉ እንትናና ንኣኻ ንብሎ ኣለና፡ እዚ ድማ ሓደ ኣብ ዓለም ካብ ዘገርሙ ተርእዮታት ኢዩ ምኽንያቱ ሓደ ተቓላሳይ ህዝቢ እናተባሃልካስ፡ ካብ እቲ ተቓሊስካ ዝሳዓርካዮ ንዝገድድ ኩነታት ተቐቢልካ ክትነብር ዝእመን ኣይኮነን፡ ግን ጎዳእትኻ ንዝገብርዎ ብማፅረ እንተ ዘየለሊኻዮ ንምልጋሶም ሓይል ኢዩ ፡ እዚ ኩሉ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ተግባሮም ኣለሊና ንምልጋሶም ክንበቅፅ እሞ እቲ ዝደለ ሰላም ንኸነስተማቕር ኢዩ፡፡

ዝኾነ ኮይኑ፡ ኣብ'ዚ እዋን እዚ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግናይ ስርዓት፡ ንመላእ ህዝቢ ከም ናይ መጓሰ ማሉ ንኤርትራ ካኣ ከም ሕዛእቱ ጌሩዋ ኣሎ፡ ንመሰሉ ዘለለየ ህዝቢ ግን ሓደ ንበይኑ ምስ ዝተወሰኑ ጭፍራ ኮይኑ ክጭፍጭፎ ኣይክእልን ኢዩ፡ ንሕና ሳኣን ዝኸውን ምፍላጥናን ሳኣን ስምምፅናን ባፅልና ንባፅልና ንቃጣቐጥን ንሳቐን ከም ዘለና ክርዳኣናን፡ ንምፍትሑ ክንራዳዳእን ኣለና፡ መሰልና ካብ መሰል ናይቶም ዝቕጥቅጡና ዘለው ይዓቢ ሳኣን ምፍላጥናን ሓደ ኴና ንመሰልና ጠጠው ሳኣን ምባልናን ግን ብኦም ንርገጽ ኣለና፡ ሓድነትና ኣደልዲልና ክንገብሮ ዘለና ንፍለጥ ጥራይ እየ ዝብል፡፡

ምኽንያቱ ነቲ ቀታሊና እንብሎ ዘለና ስርዓት ኢዱን እግሩ ንሕና ኢና፡ ባፅዳዊ ገዛኢ እኮ የብልናን፡ ወታሃደር ይኹን ሓኪም ይኹን ጽሓፋይ ወይ ካልእ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሕ ኤርትራዊ ኢዩ፡ ኩሉ ተሳማሚዑ ሓንቲ ማዓልቲ ኣብ ገዝኡ እንተውዒሉ ጸቓጢ ዝብሃል ኣካል የለን፡ ስለ'ዚ ስኣን ምርድዳእን ሓደ ምዃንን ጥራይ ኢና ኣብ ስቓይ ንነብር ዘለና፡ ሓደ ምዃን ጥራይ ጸላኢኻ ስዒርካ ነጻ ዝገብር ካብ ኮነ፡ ንምንታይ ኣሕዋት ሓደ ዘይንኸውን፡ ስለ'ዚ ሓድነት እቲ ወሳኒ ሓይሊ ካብ ኮነ ንምታይ ቃልስና ብዝልዓለ  ንሓድነት ጥራይ ኣይኸውንን፡ ሕጂ ግን ናይ መወዳእታ ዳኣ ንሕስበሉ።

ይኹን እምበር እዞም ዝተወሰኑ ጭፍራ ኣብ ጽፍሒ እቲ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ሃገራዊ ናጽነት ተረቂቖም ብተንኮል ስለ ዝሓዙና ዝኾነ ይኹን ጠቕሚ ኣይረኸብናን ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ሃገር ዋላ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ባፅዳውያን ከላ ዝነበረቶ ምስ ሓሳረ መከራና ብሰላም ክንነብራ እውን ኣይፈቐዱልናን፡ እሞ ኣሕዋት ኣብዚ ነጥቢ እንታይ ትብሉ፡ እዚ ወሪዱና ዘሎ ንኹሉ ጊዜ ክንጽመሞ ዝካኣል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ካኣ ኩሉ ኣብ ሞንጎና ሓድነት ሰሪ ዘይምህላው ጥራይ ዝወርደና ዘሎ ኢዩ፡፡

ማለት እዚ ኩነታት ከምኡ ኢሉ፡ እቲ ግዝኣት ቱርኪ እናተባህለ ዝንገረና ዝነበረ ሕሰም ናይ መግዛእቲ ኣብ ዘለዎ መልክዑ እናቐያየረ ከምቲ ዝነበሮ ወይ ዝገድድ ኮይኑ ይነብር ኣሎ፡ ስለ'ዚ ነዚ ነባሪ ኮይኑ ዝጸንሐን ጌና'ውን ዝቕጽል ዘሎን ሃገራዊ ጸገምን ህዝቢና ዘሕልፎ ዘሎ ካብ መጠን ንላፅሊ መሪር ዝኮነ ሽገርን፡ ኣብ ንቡር ንምምላስ ካልእ ጓል መገዲ ገዲፍና ንዘሎ ሽግርና ንምፍታሕ ዝላዓለ ጻፅሪ ከነካይድ ኢዩ ኣለና።

ኣብ ኣየናይ መድረኽን እንታይ ዝዓይነቶም ወለዶ ምስ መጹን ኢዩ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ካብ መግዛእቲ ተገላጊሉ ዝቐስንን ሰላም ዝረክብን፡ ክቡራት ኣሕዋት ሓደ ብምዃን ንኹልኻ ብማፅረ ዘናብር ሕጊ ምውጻእ የድሊ ኣሎ፡ ሓንቲ ሃገር ብሕጊ ኢያ ትረግእ እዚ ፅግርግር ዝመናግስቱ ከም ሕሱም ዝቕጥቅጠና ዘሎ ስርዓት ግን ሕጊ ትባሃል ንኸይትግበር፡ ቅድም ሃገር እሞ ነጻ ነውጽእ ሕግስ ነርክበሉ እናበለ ሒዙና'ዩ ጸኒሑ።

ነቶም ብዛፅባ ሕግን ስርዓትን ዝግደሱ ካኣ እናቐንጸለ ኣብ ድላዩ በጺሑ፡ ንሕና እቶም ደቂ ሕግን ደለይቲ ሕግን ግን ድላይና ኣይረኸብናን፡ ግን ክንሓስበሉ ይግባእ ነዚ ብመገዲ ጉባኤ ክንበጽሖ ንደሊ ዘለና ዝፅንቅፉ ካብቲ ናቱ ድላይ ዝፍለ ድላይ ዘለዎም ኣይኮኑን፡ ሕጋዊ መንግስቲ ዝቃወሙ እቶም ኣልቦ ሕጊ እናነበርና ኣብ ፅግርግር ዘለዎ ሃዋህው ክንነብር ዝደልዩ ክምታ ናቱ ብዘይ ሕጊ ክገዝኡ ዝደልዩ ጥራይ ኢዮም።

ይኹን እምበር እናተሳሓሓብካ ዝጠፍእ እምበር ዝፍታሕ ነገር የለን፡ ንመዋእል ኣብ ሽግር ንነብር ዘለና ኩሉ ጊዜ ስለ ንስሓሓብን ሽግርና ብግቡእ ስለ ዘይንፈትሕን ኢዩ

ንኣብነት እቲ ኣብ ሓምሳታት ንምሉእ ናጽነት ዝቃለስ ዝነበረ ኣካል፡ በቲ ናጽነት ኤርትራ ዘይደሊ፡ በቲ ብስውር ብድሕሪኡ ዝነበረ ሓይሊ ተደጊፉ ተዓዊቱ፡፡

ነቲ ናይ ኤርትራውያን ሽዑ ዝነበረ ፍልልይ መዝሚዙ ካኣ መዳያየቢ ንናይ እዋናዊ ፅላምኡ ተጠቒሙ ናብቲ ስዒቡ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ከም ሕሱም ከም ዝዋግኡ ዝገበረ ኩንታት ጥራይ ኢዩ ኣሳጢሑና፡ እዚን ክንዲዝን ዘሕለፈ ህዝቢ ካብ ተሞክሮኡ ተማሂሩ ነዊሕ ዘይጥምት እንተ ኾይኑ ካኣ ይቃለስ ኣለኹ እናበለ ዝኾነ ይኹን ከየዐወተን ኣብቲ ሕማቕ ነገር ሸንኮለል እናበለን ከም'ዚ ናትና ኢዩ ዝነብር፡፡

ኣብ'ቲ እዋን እቲ ኩልና ብሓባር ንናጽነትና ጠጠው እንተንብል ናጽነት ብሕጊ ምተረኽበ ክንደይ ጀጋኑ ብሂወት ምሃለው፡ ህዝብና ካብዚ ዘሎ ሓሳረ መከራ ድሒኑ ምሃለወ፡  ከምቲ ኩልና እንደልዮ ካኣ ነጻን ምፅብልትን ሃገር ምሃለውትና ግን እዚ ኩሉ ክንረክብ ኣይትዓደልናን ጥራይ ዘይኮነ ኣይተጣበብናን እውን፡ ኩሉ መስመሩ እናሳሓተ ዝበላሸወና ዘሎ ካኣ ሳኣን ስምምፅ ዘይምህላውና ጥራይ እዩ፡ ካልእ ኣይኮነን ንሕሰበሉ።

ኣብቲ እዋን እቲ ተሳማሚፅና እንተንኸውን ካኣ ካብ ባፅዳዊ መግዛእቲ ወሪስናዮ ዝነበርና ስልጣኔን ምፅብልናን ዓቂብና ነጻ ህዝቢ ኴና ምሃለና፡ ካብቲ ኩሉ ብሰንኪ ናይቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ሰላሳ ዓመታት ውግእ ዝስዓበ ፅንወትን እዚ ኢዩ ኢልካ ክትቆጽሮ ዘይትኽእል መስዋእትን ድሒንናን፡ ደቅና ኣብ ክንዲ ፋሕ ዝብሉ ይማሃሩ ህዝብና ካኣ ኣብ ክንዲ ዝሳቐ ይሕጎስ ኣብ ክንዲ ዝጠሚ ካኣ ይጸግብ ምሃለወ።

ከምኡ'ውን እዚ ዘሎ ሽቍረራን ራፅድን ተሪፉ፡ ህዝብና ብትብዓት ዝሓርስ ይሓርስ ዝነግድ ይነግድ፡ ልፅሊ ኩሉ ካኣ ብሰላም ይነብር ምሃለወ፡ ግን ኩሉ ሂቡ ስምምፅ ስለ ዝኸልኣና፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ እዚ ኩሉ ፍልጠቱን ምስትውዓሉን ንቐጻሊ ንጥፍኣት ተሳጢሑ ይርከብ ኣሎ፡ እቲ ምስ እዚ ዘሎ ስርዓት ሆ-ኢልካ ምጭዳር ግን ጉድለት ናይ ምሕሳብ ከም ዘለካ ዘመልክትን፡ ካብቲ ኣርሆስ እናተደበቡ ይስሕቁ ዝብሃል ኣባሃህላ ዘይፍለን ስለ ዝኾነ ኩልና ክንሓስበሉን ምስ ህዝብና ክንውግንን ኢዩ ዝግባእ።

ብረታዊ ቃልሲ ከነካይድ ናይ ግዲ ምስ ኮነ ዝተራእየ ጌጋታት እውን ሓደ ካብ ዘገርሙ ኢዩ፡ ብመጀመታ ዝጥቀስ በቲ ንኸተልግሶ ትኽእልዶ ኣይትኽእልን ኣብ ዝብል መስቀላዊ ሕቶ ዝነበረ ገዚፍ ሓይሊ ገዛኢ ህዝቢ ከም ሕሱም እናተሳቐየ ከሎ መን ሓያል ኮይኑ  ወጺኡ ሃገር ይቋጻጸር ካብ ዝብል ድልየት ስልጣን ተበጊሶም ህዝቢ ንዘጣፍኡ ደጊፍካ ነቶም ብልቦና ዝልለዩ ኣሕዋትካ ክንዲ ገዚፍ ጸላኢ ከሎ ሓድሕዳዊ ውግእ ኣይጽቡቕን ዝብልን ካልእ ጥዑይን ዘዋጽእን ሕቶ ስለ ዘልዓሉ ምቅዋምን ንኦም ከም ዝጠፍኡ ናይ ምግባር ታሪኽን ኣንጻር ህዝባውን ሃገራውን ረብሓ ምቅላስን ግጉይን ኢዩ ኔሩ፡፡

ነዚ ሕቶታት እዚ ጥሙታት ኮንካን ተሳማሚፅካን ብግቡእ ሳኣን ምምላስ፡ ጊዜ ናጽነት ተናዊሑ፡ ማእለያ ዘይብሉ ህዝብን ንብረትን ጠፊኡ፡ ህዝባዊ ስልጣን ኣብ ኢድ ተበለጽቲ ወዲቑ ሃገር ትሕመስ ኣላ፡ እዚ ካኣ ነቶም ቱኩራት ሃገራውያን ነንሕድሕድና ክንጣፋእ የብልናን ዝብሉ ቀቲልካስ ነቶም ካብ ድልየትካ ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ነንሓድሕድካ ዘጣፉኡኻ ምኽታል ብዝተገብረ ጌጋ ኢዩ፡ እምበር ብምስትውዓል በቶም ዘስተውፅሉ እናተመራሕካ ቅኑፅ መንገዲ እንተዝትሓዝ ቃልሲ ጥዑይ ውጽኢት ምተረኽቦ፡ ብኡ ካኣ ጠለምቲ ፅድል ኣይምረኸቡን ዝኾነ ይኹን ሽግር ኣብ ልፅሊ ህዝቢ ኤርትራን እዚ ኩሉ ዝርኤ ዘሎ ሃገራዊ ሽግርን ኣይምሃለወን።

ዝኾነ ኮይኑ እዚ ኩሉ ዘጽሕፈኒ ዘሎ፡ ቀንዲ ነቲ ኣብ ኤእዋኑ ብሰንኪ ስምምፅ ዘይምህላውና ነጥፍኦ ዘለና ፅድል ንምብራህ ኢዩ፡ እሞ እቲ በብእዋኑ ብሰንኪ ሓድነት ዘይምህላውና ነጥፍኦ ዘለና ፅድላት ቆጺርካ ዘይውዳእ ስለ ዝኾነ እዚ ዝጠቐስኩዎ ከም መዛኻኸሪ ኢዩ፡ ነቲ ኩሉ ካልእ ኩልና ንፅዘቦ ስለ ዘለና ካኣ እዚ እኹል ኢዩ ባሃላይ ኢየ፡ ንድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝበለ ምትፅንቓፍ ከይንደግም ግን ምጥንቃቕ የድሊ ኣሎ፡ ምኽንያቱ ጌና ሃገርና ኣብ ክንደይ ከታሓሳስብ ዝኽእል ቀራና መገድታት ኢያ ዘላ፡ መከራና ንምውዳእ ብዙሕ ምብልሓትን ዓቢ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝሕግዝ ጥበብን ዝድለየሉ እዋን ኢና ዘለና፡ እቲ ኩንታት ሃዋኺ ክነሱ እቲ ቃልሲ ግን ኣይበሰለን።

ኣብ'ዚ መድረኽ እዚ ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ እምባኣር ነቲ ኩሉ ዝሓለፈ

ጌጋታትና እንርእየሉን ኣብ ዝመጽእ ጠመተ ንእንገብረሉ ኩሉ ዓይነት ፍታሓት ክድህስስ ከም ዘለዎ ከነታባብዖን ብውጽኢቱ ምሉእ ህዝቢ ዝቐስነሉ ኩነታት ከም ዝፍጠር ክግበር ከም ዘለዎ ክንደፋፍእ ዳኣምበር ነቲ ምትፅንቓፍ ከም ልሙድ ክንወስዶ ኣይግባእን፡እዚ

ጉባኤ እዚ ዝተኻፈለ ይካፈሎ ውጽኢቱ ንረብሓን ቅሳነትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እንተስ ብሰማይ እንተስ ብምድሪ ረዳኢ ፍጠረልና ኢዩ ጸሎቱ።

ዝኾነ ኣሉታዊ ተርእዮ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል እንተተራእዩ ድማ እታ ኣንጻር ኢሳያስ ዘላ ኣንጻሩ ከትቀንፅ እያ፡ ብሓጺር ኣዘራርባ እታ ትድለ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ተተኺላ ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ትውክል ባይቶ ኮፍ ከይበለትን ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ከይቀሰነን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን፡ ንጽቡቕ ጽቡቕ ኮይኑ ክሳፅ ዝቐጸለ ምኽታሉ ምስ ዝጥምዘዝ ካኣ ምትኽኻሉ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ቃልስና።

ስለ'ዚ ካብዚ ኩሉ ዝሓለፈ ተሞክሮታት ብምብጋስ፡ ንዝቐለለ ይኹን ንዝኸበደ ሽግር ንምፍታሕ መሰረቱ ፈሊጥካን ብኸመይ ትውድኦን መፅለቢ ትገብረሉን ገምጊምካን ብሓባር እንተ ገጢምካዮ ብዝቐልጠፈ ንምውድኡ ዘይካኣል ኣይኮነን፡ ስለ እዚ መጽናፅቲ ጌርናን ሓድነትና ኣደልዲልናን ንህዝብና ካብ ዘለዎ ሽግር ንምድሓን ብዝልዓለ ክንጓየ ጥራይ ኢዩ ዝግባእ፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ምስሕሓብ ጎዳኢና ጥራይ ኢዩ።

ሎሚ ከም ኤርትራውያን ሽግርና ንምፍታሕ ዘየኽእለና ዘሎ ምኽንያት እንታይ ኢዩ እቲ ኣብ ጉፅዞ ቃልሲ ብሰንኪ ዘይምስምማፅና በብእዋኑ ዘጋጥም ዝነበረ ፍልልያትከ ምኽንያቱ እንታይ ኔሩ ዝብሉ ሕቶታት እናልዓልና እንተ ተማራሚርና ሓደ ዘይተፈወሰ መሰረታዊ ሽግር ከም ዘለና ክፍለጥ ይካኣል ኢዩ፡ ሽዑ ነቲ መሰረታዊ ኮይኑ ዝጸንሐን ንዘሎን ሽግር ኣብ ምፍታሕ ዘየሳማማዓና ብኸመይ ከም ንፈትሖ ንጣበብ ማለት ኢዩ።

እዚ ዘይምፍላጥን ነቲ እተካይዶ ቃልሲ መጀመርትኡን መወዳእትኡን፡ ከምጾ ዝኽእል ረብሓን፡ ከስፅቦ ዝኽእል ጉድኣትን ብጥንቃቐ ከየጽናፅካ ዝካየድን ቃልሲ ግን ክፅወት ዝካኣል ኣይኮነን፡ ስለ'ዚ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ምእንቲ ክፅወት ሓድነትና ኣገዳስነቱ ልዑል ኢዩ፡ ብዝልዓለ ካኣ ሓድነትና ንምፅቋብ ጥራይ ክንቃለስ ኣለና።

ኣብ ዝመጽእ ክሳፅ ንራኸብ ሰናይ ቅነ።

 

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዝሎ ህዝብና