ኣብ ሸገራብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ምህላዎም ሓቢሮም።

June 8, 2012June 8, 2012

ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ወትሩ ኣብ ድነ ጸጥታዊ ስግኣት እናተሸቝረሩ፡ ኣብ ኣይምዉታት ኣይስሩራት ኮይኖም፡ ሓደገኛ ኩነታት መነባብሮ የሕልፉ ከምዘለዉ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣምሊጡ ኣብቲ ቦታ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝተቐመጠ ግዱስ ኤርትራ መንእሰይ ንድምጺ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ንሱ፡ ጨወይትን ደላሎን ራሻይዳ ኣብ ማእከል’ቲ መዓስከር ስደተኛታት ከምድላዮም እናተንቀሳቐሱ መንእሰያት ጭውዮም ናብ በደዊን ሲናይ ከምዝሸጡ፡ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ፡ ድሕነት ስደተኛታት ክከላኸሉ ዝግብኦም ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ሱዳን ‘ውን በንጻሩ ኣካል ናይቲ ጸገም ኮይኖም ካብ ስደተኛታት ገንዘብ ኣብ ምሽምጣን ኣዋልድ ኣብ ምዕማጽን ተዋፊሮም ከምዘለዉ ብኣብነታት ኣገንዚቡ።

እቲ ጉዳይ ስደተኛታት ክጣበቕ ዝግብኦ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘ውን፡ ነቶም ኣደዳ ውርደትን ጥፍኣትን ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ክከላኸለሎም ብዘይምኽእሉ፡ ሓላፍነቱ ካብ ምስካም ቦዅሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብኣገላልጻ እቲ መንእሰይ፡ እቶም ንእስነቶም በቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጽዋዕ ደረት ዘይብሉ ጊላነት ምብኻኑ መሪሩዎም ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ካብ ዶባት ኤርትራ ኣትሒዙ ዝበኣሰ ሓደጋታት ጭውያን ዓመጽን ክወርዶም ከሎ፡ እቶም ኣብቲ መዓስከር ዝብጽሑ ድማ ብኹሉ መለክዒታት ካብ ህይወት ሞት ዝመርጹሉ መሪር ኩነታት እዮም ዘሕልፉ ዘለዉ።

ንሱ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ስደት ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡ እዚ ውርደትን ጥፍኣትን ኣብ ነብሶም ይወርድ ከምዘሎ ብምርኣይ ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ኮነ መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ እጃሞም ክገብሩ ብስም ኩሎም እቶም ግዳያት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እዞም ኣብ ሸገራብ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ካብ ምረትን ዓቕሊ ጽበትን ዝተላዕለ ምስ ፖሊስ ናይቲ መዓስከር ኣብ ግጭት ምብጽሖም ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ እዩ።

ክቡራት ሰማዕትና ትሕዝቶ ናይቲ ኣሰና ምስቲ ግዱስ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝገበረቶ ዕላል ኣብ ናይ ጽባሕ ዓርቢ መደብ ድምጺ ኣሰና ብኸፊል ከነቕርበልኩም ኢና።