ኣብ ሓምሳታት ዘጋጠመ ታሪኽ ሽፍትነት ኤርትራ

SOURCE https://www.bbc.com/tigrinya/news-52376110?SThisFB&fbclid=IwAR0TGVqHfZUSgc_I0qwvIBf_9O9BMNaHjyLv0uyPj_2nIWzHjgoLJb1SLl8

ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን በብዓይነቱ ሽፍትነት ተራእዩን ኔሩን'ዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ሽፍትነት ምስ ደርባዊ ጭኰና ዝተኣሳሰረ ክስተት'ዩ። ሽፍትነት ምስ እነልዕል ገበን፣ ዕንደራ፣ እምቢታን ተቓውሞን ክረኣየና ይኽእል እዩ። እቲ ኣርእስቲ ሰፊሕ ስለ ዝዀነ ግን ናይዚ ዓንቀጽ ኣትኵሮ ኣብ ኤርትራውያን ሽፋቱ ሓምሳታት እዩ።

ርግጽ'ዩ፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ደም ፈሲሱ'ዩ፣ ቅድሚ ገድሊ፡ ኣብ እዋን ገድሊ ከምኡ'ውን ድሕሪ ገድሊ።

መግዛእቲ ጥልያን ምስ ኣብቅዐ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ተኸሰተ። ብጊዜ ጣልያን ቦታ ዘይነበሮ ሽፍትነት ኣብ ዘበነ እንግሊዝ ከምዝገነነ ተመራማሪ ታሪኽ ዳዊት ይገልጽ።

እንግሊዝ፡ ንኤርትራ ካብ ዝኣትወሉ እዋን ኣትሒዙ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ክገማማዕ ጀመረ፣ ገሊኡን ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል፡ ገሊኡን ድማ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ብምባል ኣብ ሞንጎኦም ዘይምስምማዕ ተፈጥረ። እቲ ተጻብኦ ኸኣ ነቓዕ ስለ ዝፈጠረ ኢድ ኢትዮጵያ ኣተዎ፣ ኣብ መንጎ ከኣ ኣብ ምፍሳስ ደም ተበጽሐ።

ሓደ ካብ'ቶም ብተደጋጋሚ ዝዝንተዉ ታሪኻት ኤርትራ እምበኣር ብዛዕባ ዛንታ ሸፋቱ እዩ።

ኣብ 40'ታትን 50'ታትን ሸፋቱ ኤርትራ ዝተጻወትዎ ተራ ንመጻኢ ኤርትራ ኣዝዩ ጸልዩዎ'ዩ።

ኣብቲ እንግሊዝ ዝዓቀብዎም ሰነዳት ተመርኲስካ እቲ ታሪኽ ምስ ዝምርመር ንብርክት ዝበሉ ሕቶታት መልስታት ክርከበሎም ከምዝከኣል ሰነዳት ታሪኽ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወከሰ ዳዊት ይሕብር።

ሸፋቱ ኤርትራ

እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ 40'ታትን 50'ታትን ገኒኑ ዝነበረ ሽፍትነት ብዝርዝር ኽግለጽ ኣሸጋሪ'ዩ። እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት፡ ገሊኡ ብጎነጽን ሽበራን ገሊኡ ብሕነን ፍዳን፡ ገሊኡ ብኣንድነታዊ ስምዒት ዝተኸሰቱ ፍጻሜታት ሽፍትነት ዝርዝሮም ኣዝዩ ነዊሕ 'ዩ። ስለዝኾነ እዚ ዓንቀጽ ኣብ ፍሉይ ግዝያት ብምትኳር ሓደ ሓፈሻዊ ስእሊ እዩ ከቕርብ ክፍትን።

መጻሕፍቲ ታሪኽ ከም ዘዘንትዉዎ ጣልያን ካብ ዝተሳዕሩሉ እዋን ጀሚሩ ኤርትራ ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ወደቐት። እንግሊዝ ነቲ ኵነታት ሰኒዖም ብምስኣል ንሳቶም ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ከም ዘገላገልዎ'ዮም ዝገልጹ፣ እቲ ሓቁ ግን ኣብ ዘበነ ምምሕዳሮም ኣብ ኤርትራ ጥምየት፣ ስራሕ-ኣልቦነት፣ ቀይዲ-በተኽነትን ሽፍትነትን ዝተኸሰተሉ ዘበን ከምዝነበረ ኣለም ሰገድ ተስፋይ ኣብታ ኣይንፈላለ እትብል መጽሓፉ ይገልጾ።

ብ 1944 እንግሊዝ ንኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ ምንቅስቓስ ከካየዱ ምስ ኣፍቀደ፡ ሽዑ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ምስሕሓብ ተፈጥረ። ገሊኦም ናጽነት ክብሉ እንከሎዉ ካልኦት ድማ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ክብሉ ጀመሩ። ኢትዮጵያ ንሓደ ሓደ ኤርትራውያን ሓባቢላ ንሕብረት ክትደፍእ ጀመረት፣ ኢጣልያውያን ድማ ምስ ደለይቲ ናጽነት ይደናገጹ ነበሩ።

ኣብቲ እዋንቲ በዓል ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኢብራሂም ሱልጣንን (ምስ ካልኦት ብጾቶም) ንናጽነት ኤርትራ ንክጕስጕስሉ ዝመስረትዎ "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር" ብበዓል ኣብኑ ማርቆስ፡ ተድላ ባይሩ ከምኡ'ውን ካልኦት ኣንድነታውያን ተደፊኡ መንገዱ ቀየረ፣ ቀንዲ ብድሕሪት ኰይኑ ዝደፍእ ዝነበረ ኸኣ ኮሎኔል ነጋ ሃይለስላሴ፡ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምንባሩ ንሰነዳት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወከሰ ዳዊት የረድእ።

ሓድሓደ ሓቅታት ሽፍትነት

ብዙሓት ካብ'ቶም ሸፋቱ ዓሰክር ጣልያን ዝነበሩ'ዮም። እንግሊዝ ምስ ኣተወ እቶም ዓሰክር ፋሕ-ፋሕ በሉ፣ ብስሩዕ ኣገባባ ስለ ዘይተረፈቱ ድማ መሳርያኦም ሒዞም ነንዓዶም ተመልሱ።

እንግሊዝ፡ ከም'ቲ ዝተነብረሉ ትጽቢት፡ ሰላምን ራህዋን ከምጽእ ኣይከኣለን፣ እቶም ዓሰክር-ነበር ከኣ ብስእነት ስራሕን እቶትን ናብሮኦም ሰለሎ ኣተዎ። ብሰንኪ'ቲ ሰለሎ ድማ ኣብ ሽፍትነት ተዋፈሩ።

ቀንዲ ዕማማት ሸፋቱ ምስ ናይ ብሕቲ ረብሓኦም ዝተኣሳሰር ነበረ - ዓበይትን ንኣሽቱን መካይናት ኰነ ኣውቶቡሳት ምኽታር፣ ገዛውትን ንብረት ምውራር፡ ዓድታት ምቕጻል፡ ባቡራት ምኽታር፡ ከብቲ ምዝራፍ፡ ንሰባት ምህዳንን ምጭዋይን፡ ናይ ፖሊስ ነቝጣታት ብምጥቃዕ መሳርያ ምዝማት ... ወዘተ. ነበረ።

ቀንዲ ኣትኵሮኦም ግን ኣብ ገንዘብን ንብረትን ጣልያን ምዝራፍ ምንባሩን ደሓር ግን እቲ ሽፍትነቶም ምስ ኣንድነት ብጥበብ ከምዝተኣስረ መጽሓፍ ካብ ኣለም ሰገድ ይትንትን።

መብዝሕትኦም ሸፋቱ ክርስትያን ነበሩ። መዛግብቲ እንግሊዝ፡ ኣስላምን ክርስትያን እናበሉ'ኳ ዝርዝራቶም እንተቕረቡ፡ እቶም ቀንዲ ሸፋቱ ግን ክርስትያን ምንባሮም (Coptic Christians) ብደቂቕ ይገልጽዎም'ዮም። ርግጽ'ዩ፡ ካብ ኣስላም'ውን ሸፋቱ ነይሮም'ዮም፣ ግናኸ መብዝሕትኦም ንነብሶምን ንብረቶምን ንክከላኸሉ'ዮም ተንሲኦም።

ብዙሓት ካብ'ቶም ሸፋቱ፡ ምናዳ እቶም ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ዜእትዉ ዝነበሩ፡ ኣብ ትግራይ መደበራት ነይሩዎም'ዩ፣ ሓይሊ ጸጥታ እንግሊዝ ንዶብ ኤርትራን ትግራይን ንክቈጻጸር እኹል ዓቕሚ ኣይነበሮን።

ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ፡ እቲ ክዝከር ዘሎዎ ሓቂ እንግሊዝ ካብ ዝኣቱ መሓውራት ጸጥታ ሰንከልከል ኢሎም፡ ህዝቢ ተመዛቢሉን ስራሕ ስኢኑን፡ ጸኒሑ ኸኣ ሽፍትነት ዝተኣታተወሉ ዘበን ከምዝነበረ ሰነዳት ኢንግሊዝ ይገልጹ።

Image copyrightDMናይ ምስሊ መግለጺሃገራዊ ኣርካቭ ዓባይ ብሪጣንያ

ወርሒ ሚያዝያ 1951

ኣብ ከምዛ ወርሒ'ዚኣ፡ማለት ቅድሚ 69 ዓመታት ምዃኑ'ዩ፡ ኤርትራ ናበይ ገጻ ከም እተብል ኣይኰነንዶ ህዝቢ ኤርትራ እቶም ገዛእቲ ንባዕሎም ንጹር ናይ መጻኢ ስእሊ ኣይነበሮምን።

ሒደት ኣዋርሕ ቅድሚ'ቲ ቅነ፡ ታሕሳስ 1950፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ንክትተኣሳሰራ ብሕቡራት ሃገራት ተበይኑ፡ ሽዑ ኣንዞ ማቴንዞ - ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት - ኣብ ኣስመራ ዀይኑ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ንክዕዘብ መጺኡ ከምዝነበረ ዝዝከር'ዩ። እንተዀነ ግን ማቴንዞ ስርሑ ብግቡእ ክሰርሕ ኣይከኣለን።

ምኽንያቱ ሽፍትነት ኣብ ከተማን ገጠርን ገኒኑ፡ ንሱን ብጾቱን ኣብ ድላዮም ቦታ ንኽንቀሳቐሱ ኣይከኣሉን። ሽዑ ኣብታ ወርሒ ሚያዝያ'ቲኣ ዕላማ ተልእኾኡ ከማልእ ከም ዘይክእል ብዕሊ ተዛረበ፣ በለ ኸኣ "ሽፍትነት እንተድኣ ዘይጠፊኡ ስልጣን ናብ ኢድ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ንኽመሓላለፍ ከቶ ኣይከኣልን'ዩ"።

ኣርባዕተ ኤርትራውያን ንኢትዮጵያ ወኪሎም ንኣስመራ መጺኦም ምስ እንግሊዝ ብዛዕባ ሸፋቱ ኤርትራ ንክዘራረቡ ዝመጹሉ እዋን ነበረ፣ እቶም ልኡኻን ከኣ ኣስፋሃ ወልደሚካኤል (ጸኒሑ፡ ድሕሪ ተድላ ባይሩ፡ መራሕ መንግስቲ ዝተሾመ)፡ ክፍለዝጊ ይሕደጎ፡ ሓጂ ዓብደላ መሓመድ መደኒ፡ ኣዝማች ኣሕመድ መሓመድ ነበሩ።

ኣብቲ እዋንቲ ሸፋቱ ብኢትዮጵያ ይምወሉ ከም ዝነበሩ ተመራማሪ ታሪኽ ኣለም ሰገድ ተስፋይ ኣብ መጻሕፍቱ ጠቒሱዎ ኣሎ።

እንተኾነ በቲ ሓደ ገጽ ኢትዮጵያ ንጕዳይ ሽፍትነት ንኽትፈትሕ ንኤርትራ ሰባት ለኣኸት። ኣብቲ እቶም ልኡኻን ዜካየድዎ ኣኼባታት ሳሙኤል ገብረየሱስ ዝተባህሉ ናይ ኮሎኔል ነጋ ጸሓፊ ኤርትራዊ ነበሩ። ኮሎኔል ነጋ ብንጉስ ዝተላእከ ቀንዲ ኣዋፈሪ ሽፍትነት ኣብ ኤርትራን ተቖጻጻሪ ፖለቲካን ምንባሩ መጽሓፍ "ኣይንፈላለን ካብ ተድላ ክሳብ ማቴንዞ" ሰኒዱዎ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ 19 መራሕቲ ሽፍታ ኣብ ኢትዮጵያ ተሓቢኦም ከም ዝነበሩ መዛግብ እንግሊዝ ይሕብሩ። እቶም ቀንዲ በዓል ኣስረሰሀይ እምባየ፡ ሓጎስ ተምኖዎ፡ ሃይለ ኣባይ፡ ወልደገብሪኤል ሞሳዝጊ፡ ገብረ ተስፋጽዮን፡ ተኸስተ ሃይለ ከምኡ'ውን ካልኦት ነበሩ።

እቶም ብኢትዮጵያ ዝምወሉ ዝነበሩ ሸፋቱ ከኣ ነቶም ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓዲ ምርዕዓድ፡ ምልማስን ምቕንጻልን ነበረ። ከምኡ'ውን ንጠላይን እናኸተርካ ብምስርጣር ንብረቶም ተዘሪፎም ተማሪሮም ንዓዶም ከም ዝኸዱ ምግባር ነበረ።

ኣብቲ ቅነ'ቲ ከኣ ሸፋቱ እንተድኣ ንመንግስቲ ኢዶም ሂቦም ምሕረት ክግበረሎም ምዃኑ ጻውዒት ተገይሩ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ይፍተን ነበረ።

መዛግብቲ ብሪጣንያImage copyrightDMናይ ምስሊ መግለጺመዛግብቲ ብሪጣንያ

ዕለት 25 ሚያዝያ 1951 ከመይ ትመስል ነበረት?

መዛግብ እንግሊዝ ከም ዜዘንትውዎ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1951 ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዝነበረ ሽፍትነት ካብ ቍጽጽር ገዛእቲ ብምውጻእ ተባሪዑ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብቲ እዋን'ቲ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ዓሰርተ ዓመቱ ኰይኑዎ'ሎ፣ ዝኣኽሎ ንብረት-ሃገር ዘሚቱን ኣብሪሱን ንኽወጽእ ምድላዋት ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ነበረ።

ሓደ ካብ ኣስመራ ናብ ወጻኢ ጕዳያት እንግሊዝ ዝተላእከ መልእኽቲ እዞም ዝስዕቡ ፍጻሜታት ሸፋቱ ኤርትራ ይዝርዝር ...

እዚኦም ኣብ ሓደ መዓልቲ ብወግዒ ዝተመዝገቡ ፍጻሜታት ክኾኑ ከሎዉ ካልኦት ዘይተመዝገቡ ፍጻሜታት ክነብሩ ከምዝኽእሉ ዳዊት ይሕብር። ብድሮኡ ሸፋቱ ኣብ ከተማ ኣትዮም ካብ ጥቓ ኤርፖርት ዝነበረ ኮንቸስዮነ ጣልያን ከብቲ ከም ዝዘመቱ ሰነዳት ይሕብሩ። እቲ ፍጻሜ ከኣ ሓይልታት ጸጥታ እንግሊዝ ዳርጋ ግቡእ ስርሑ ይዓምም ከምዘይነበረ የመልክት ይብል ዳዊት።

ብዕለት 23 ሚያዝያ ካብ ዓዲ ወግሪ ናብ ዓረዛ ትንቀሳቐስ ዝነበረት ኣውቶቡስ ኣብ ሓድ ጕዕዞ ክልተ ጊዜ ከም ዝተኸትረት፣ ብወትሃደራት እንግሊዝ ዝተዓጀበ ኮሎኛ ኣብ ሰይዲቺ ብሸፋቱ ከም ዝተጠቕዐ፣ ኣብ ባረንቱ ኣትዮም ሸፋቱ ሰብ ከም ዝቐተሉ ...ዝሕብር ሰነዳት እቶም ሸፋቱ ድላዮም ይገብሩ ከምዝነበሩ እዩ ዘመልክት።

ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣቦ ሃገራውነት ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ብጸጥታ ብዚምልከት ቃለ-መጠይቕ ፡- "ኣብ ጊዜ ጣልያን ኣብ ሓሰር ዝወደቐት መርፍእ ትርከብ ነበረት፣ ኣብ ጊዜ እንግሊዝ ግን መንግስቲ ነይሩ ክበሃል የሸግር ነበረ" ዝበልሉ እዋን ነይሩ።

ውጽኢት ሽፍትነት

Image copyrightDMናይ ምስሊ መግለጺሃገራዊ ኣርካቭ ዓባይ ብሪጣንያ

እቲ ሸፋቱ ዝፈጠርዎ ናዕቢ ንታሪኽ ኤርትራ ለዊጥዎ'ዩ። መንግስቲ ሃይለስላሴ ግን ነቶም ምስ ኢትዮጵያ ኣንድነት ዝደልዩ ዝነበሩ፣ እሞ ኸኣ ብጐነጽ ዝጕስገሱ ዝነበሩ፣ ከም ሸፋቱ ገይሮም ይርእይዎም ኣይነበሩን ... እንታይ ድኣ ከም ሓርበኛታት እምበር።

እኳ ድኣ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኢዶም ዝህቡ ዝነበሩ ዓበይቲ ሸፋቱ ምሕረት ጥራይ ዘይኰነስ ሽመት'ውን ይህቦም ከም ዝነበረ ኣብቲ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝጸሓፎ መጽሓፉ ተሰኒዱ ንረኽቦ።

እቶም ብሓባራ ሸፋቱ ዝበሃሉ ዝነበሩ፡ ገሊኦም ከተርቲ፡ ገሊኦም ሕነ-ፈደይቲ፡ ገሊኦም ቀተልቲ፡ ገሊኦም ድማ ንማሕበር ኣንድነት ብምድጋፍ ኣጽዋር ዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰባት ምንባሮም ሰነዳት መዝጊቡዎ ኣሎ።

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ብዙሓት ሸፋቱ መሳርያ ሒዞም ኣብ ፈቐድኡ ዝኸትሩን ዘነዓዕቡን ዝቕንጽሉን ዝነበሩ ኤርትራ ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ ንኽትኣቱ'ዩ ነይሩ ዕላምኦም።

ገሊኦም ከኣ ብሰበኻ ሃይማኖት - ብ'ኣስላም ከይንውረር' - ካብ ዚብል እምነት ተበጊሶም፣ ገሊኦም ድማ ብስራሕ-ኣልቦነትን ጥምየትን ድኽነትን ተጠቒዖም፣ ከምኡ'ውን ብካልኦት ሰንክታት ተደፊኦም ይሽፍቱ ከምዝነበሩ ኣብታ ብሃይለስላሰ ወልዱ ዝተጻሕፈት ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እትብል መጽሓፍ ተሰኒዱ ይርከብ።

እቲ ሽዑ ዝሰፈነ ኵነታት ብሸለልትነት እንግሊዝ ከም ዝተኸሰተ ብርክት ዝበሉ ጸሓፍቲ ይገልጽዎ'ዮም።

ሓደ ካብኦም ነፍሲሄር ጆርዳን ገብረመድሂን ኣብቲ ብ 1989 ዝጸሓፎ "Peasants and Nationalism in Eritrea" ዘርእስቱ መጽሓፍ ነቲ ኵነታት ሽፍትነት ብጽፉፍ ኣገባብ ስኢሉዎ'ዩ። ይብል ከኣ፡ "እንግሊዝ ነቲ ናይ ዉሽጢ ሃገር ጸጥታ ብቁዕ ተገዳስነትን ናውትን ሰባትን ኣይዋፈሩን።" ኢትዮጵያ ኸኣ፡ በቲ ፍሉይ ልኡኻ ኣቢላ (ኮሎኔል ነጋ ሃይለስላሴ) ነቲ ጋግ መዝመዘቶ።

እቲ ብ 1945-46 እንግሊዝ ክቈጻጸርዎ ዘይክእሉ ኣብ ኤርትራ ዝተወልዐ ሽፍትነት ንክሃድእ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት'ዩ ወሲዱ፡ ኣብ ዉሽጢ'ቶም ዓመታት ግን መልክዕ ኤርትራ ተለወጠ።

ደለይቲ ናጽነት ተሳጒጎም፡ ዓበይቲ ዓዲ ብመብጽዓታት ኢትዮጵያ ሰዲዖም፡ ህዝቢ ኤርትራ ተኸፋፊሉ፡ ፈደረሽን ዘለቕለቕ ዝበለሉ፡ እንግሊዝ ክወጽኡ ዝጀመርሉ፡ ሸፋቱን ኣንድነታውያን ድልየቶም ዝረወየሉ ዘበን ተኣታተወ። ብእኡ ኣቢላ ድማ ኤርትራ ኣብ ካልእ ናይ ታሪኽ ጎደና ተሸመት።

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com