<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ስለምንታይ 20 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ኣብ ኤርትራ።

Sunday, 02 January 2011 09:18

ኣንጻር  ምልኪ ብኣጉኡ ኣይተኻየደን ምባል ነቶም ተባዓት  ስለ ህዝቦም ጠጠዉ ዝበሉ ጀጋኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ መቑሕ ዘለዉ ገለዉን ዝተሰዉኡን ምዝንጋዕ ይመስል።

እቲ ፈተነ ብበበይኑ ምኽንያታት ይፈሽል ብምንባሩ ግና ነቶም ሰብ ታሪኽን ንሃንቀዉታ ህዝብን ዉሽጦም ሕሩራት ጌሩዩ  ሓሚስዎም። ታሪኽ ክደጋገም ንቡር ኣብ ዝኾነሉ ወቕቲ ድማ ሓደ ድሕሪቲ ካልእ ብእብረ ጌጋታት ኣብ ክንዲ ምድጋም መምሃሪ ኣብክንዲ ዝኸዉን እንተላይ እቲ ኣብ ነጻ ዝኾና ሃገራት ዝቃለስ ከይተረፈ ንኢድ ኣእታዉነትን ስለያዊ ስልካን ህግደፍ ማዕጾ እናኸፈተ ባዕሉ ንባዕሉ ክዳኸም ጸኒሑሎ ዛጊትዉን እቲ ፈተነ ዉጥም ቅልቅል ኣይገደፈን ።

ሀ / ከም ተመኩሮ እቲ ናይ ግዜ ረፍረንዱም 1993  ጽፈት ምዉዳብ  ዝጎደሎን ዝተጎዛዘየን  ናይ ካድረታትን ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናትን ከምዘይናቶም ርእዮም ደገፍ ዝነፈግዎን እንተላይቶም ደንግዮም ኣብ ዘዝተላእኩዎ ሃገራት ዝተረፉ ናይ ሽዑ ካድረታት ናይቲ ስርዓት ኣግዲዖሞን ነቲ ሰይጣናዊ ካባ ዝለበሰ ዉልቀ-ሰብ ካብ ዉድቀቱ ኣድሒኖሞንዮም።

ንሱ በቲ ሸሓጢ ቃላቱን ከዳዕ ባህርያቱን ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ(ስታዱዩም) ንመሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ መላእ ተጋደልቲ ቀሊልን ሽዑ ንሽዑ ክፍታሕ ዝኽእልን ጌሩ ብምስሉይ ኣቀራርባ ቀሪቡ ካብታ መፈንጠራ ወጺኡ፡ ንንጹሃት ካድረታት ድሕሪ ሰዓታት ብጸጥታኡ ክለቕሞም ከሎ ኩሎምዞም ሕጂ ዝብከየሎምን ህዝቢ ዝሓዝነሎምን ዘሎ ኣፎም ዓቢሶም ብምንባሮምን ኣይፋል ስለዘይበሉን  ካብ 5 ዓመት ክሳብ ሕልፈት /ሞት/ ክፈርዶምን ከሕቅቖምን ክኢሉዩ።

ለ/  እቲ ዘይንቡርን  ዘይሕሰብን ብብረት ዝተለብለበ ምንቅስቓስ ስንኩላን ማይሓባር ናይ 1994  እዉን እንተኾነ ዝተወደበ ብዘይምንባሩን ካብ  ሰብ ሕልና ደገፍ ስለዝተነፍጎን ንኣረሜንነት  ትእዛዝ ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት  ኣይፋል ዝብል ሓደ ሓርበኛ ካብቲ ሚኒስትሪ ስለዝተሳእነን ቀጺሉዉን ነቶም ሽዑ ዝተሰዉኡ 14 ንጹሃት ተጋደልቲ ቅድም ንሃገራዊ ነጻነት ኣካሎም ዝጎደሉ ሽዑ ንስለ መሰል ደቂ ሰባት ዝተጣበቑ ስለምንታይን ኣብ ምእንቲ እንታይን ኢሉ ዘጻርን ንተጠያቒ ኣብ ፍርዲ ዘቕርብን ሓደ ካብ መላእ ባይቶ ኤርትራ ዘይምርካቡን ኣብ ዓለምና ካብ ዝዝንተዉ ፍሉያትን ኣሕዘንትን ታሪኽ ኮይኑ ምትራፉዩ።

ሐ/ እቲ ብዉልቀ ካድረታት ጀሚሩ ናብ እኩብ ጉጅለታት ዝለሓመ  ኣብ ኣብያተ ጽሕፈታት ኢሚግረሽንን ጉምሩክን ( ካብ 1995--ክሳብ 1997 )  ብስልካ ስለያ ህግደፍ ምሕቃቕ  ጀጋኑ ገዳይም ተጋደልትን ዓበይቲ ካድረታትን ክሳራ ህዝቢ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ጸረዚ ዉልቀ ምልኪ ብኽብሪ ተሰኒዱሎ።

መ/ እቲ ብመልክዕ  ቅርጺ ማሕበር ሸዉዓተ ምውዳባቱ ጀሚሩ ከም ሮማዲ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ  ላዕለዎት ሓለፍቲ ክፍልታትን ዓበይቲ መራሕቲ መንግስታዊ ትካላትን ዝተሳተፍዎ  ጸኒሑ  G-15 ዝተሰምየ ፍጥነት ዝጎደሎ  መቐይሮ  መድረኽ ናይ 2001 ብሳዕቤኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልሲ ተሞኩሮ ዘጥረዮም ናይ ሃገር መራሕቱ ዝኸሰረሉን ጸሊም ታሪኽ ናይዚ ዉልቀ-መላኺ ዝተጋህደሉን ዘይሃስስ በሰላን ኣሎ።

ሰ -/ እቲ  ኣብ ዲያስፖራ ዝተወደበ  ናይ ምሁራት ምንቅስቓስ ቀልጢፉ ኣብ ዉሽጡ ዝነቕዐ  ናይ 2001—2002 ብ G-13 ዝፍለጥ ምስ ኩሉ ብቕዓቱ ንስልካ ስለያ ስርዓት ህግደፍ ክምክትን ከለልን ዘይከኣለ  ሓድነት ዝጎደሎን ቀልጢፉ ዝበርዓነንከ።

ረ -/ እቲ ብስም  ምሕዝነት ዝጀመረን ብብዙሓት ሕማማት ክገማማዕ ዝተራእየን ስም ቀይሩ ኪዳን ዝተጸዉዐን ክርዳድን ስርናይን ሓዊሱ ዝተጋዕዘ ብሰንኪ  ቅርሕንትን ዉልቃዊ ምትህልላኻትን ሞራል ህዝቢ ዝረመሰ  ነዊሕ ዕድመ ተቓዉሞ ዘለዎ ግና ልሉይን ብቑዕን ተሞክሮ ዘይደለበ ኩሎም ተደሚሮም  መከራ ህዝቢ ኣጋዲዶም ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ለቂቦምዮም።

ሕጂኸ ኩሎምዞም ጌጋታት እዚኦም ክድገሙድዮም ወይስ  ነዚ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጋድ ኣትዩ ዘሎ ሬሳ ስርዓት ከዳግሙ ወይ ከቃብጹ? መንዩ ብቐዳምነት ካብዞም ዓበይቲ ጌጋታት እዚኦም ክምሃርን መድረኽ ዝሓቶ ዕማም ክዓምምን  ? ብዘይቀለዓለም  እቲ እጅግኡ ሰብሲቡ ተበጊሱ ዘሎ ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ  ለዉጢን  እቲ ንቕድሚት ዝደፍኦ ዘሎ ዉፉይ ተቓላሳይ ህዝብን ሓላፍነታዊን ታሪኻዉን ፍጻመ ክፍጽሙ ይሕተቱ ኣለዉ።

ኣብ መደምደምታ  ኣይትትሃመል  ኣይትዘንጋዕ  ብልሕኻ ኣብ ልዕሊ ተኻሉ ደቂ ሃገር ኣርእዮ ።ነቓዕ ዝበሃል ዕጾ። ተስፋ ተነቢሩልካሎሞ  ስዉኣትካ ደብስ ።ኣብ ዉሽጥኻ ንዝቕልቀሉ ኣስጋእቲ ቀልጢፍካ መሓዎም ። ናህርኻ ወስኸሉ ግዜ ዘሎካ ኣይመስልንዩሞ መንፊትን መኹባዕትን ካብ ኢድካ ኣይትፍለ።

ዓወት  ንሃገራዊ  ዋዕላ ።

ዉድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ።

ሞጎስ  ታኺታ ካብ ደምበ ኣለና።

1/2/2011

  var jcomments=new JComments(3375, 'com_content','http://assenna.com/index.php?option=com_jcomments&tmpl=component'); jcomments.setList('comments-list');

Add comment