ኣድማሰ-ኣእምሮ ናይ ዋና ኣዳላዊ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል* On 04-Sep-2015 sourcehttp://www.peneritrea.com/blog/--------1

 

ረፋድ ሰንበት 23 መስከረም 2001፡ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀትሪ ኣቢሉ፡ እታ ንነዊሕ ዝውንጨፍ ራእይ ሓቚፋ ክትብገስ ትብል ዝነበረት ቤት ጽሕፈት ኣሕተምቲ ኣድማስ ራእይ ብዘጸልምቱ ኣባላት ጸጥታ ተኸበበት። ነቲ በዓል ነዊሕ ራእይ፡ ስዒድ ዓብደልቃድር ከኣ፡ በዛ ዕለት እዚኣ፡ ኣብታ ኣብ ናቕፋ ሃውስ እትርከብ ቤት-ጽሕፈቱ ዳጐኑዎ፣ ክሳዕ ለይተ-ሎሚ ድማ ንዅነታት ህላወኡ ብዝምልከት ብወግዒ ዝተገልጸ ሓበሬታ የልቦን።

ነዊሕ ዝጠመታኡ ራእይ ከም ዝነበሮ፡ ገና ካብታ ክላለየካ ከሎ ኣትሒዙ ዝጅምረልካ ዕላል’ዩ በሪሁ ዝርኣየካ። እቲ ነዊሕ ዝጠመተኡ ራእይ፡ ነታ ኣብ ዓመተ 1999 ምስ ብጾቱ ኰይኑ ዝጀመራ እሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንምቕጻል ዘይከኣለት ጋዜጣ ኣድማስ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2000 ብስም ሓዳስ ኣድማስ ኣተንሲኡ ዳግማይ ህይወት ስለ ዘትከላ ኣይኰነን። ድሒሩ፡ ነታ ወትሩ ሓሙስ እትዝርጋሕ ዝነበረት ጋዜጣ፡ ናብ ክልተ ግዜ ኣብ ሰሙን ከም እትዓቢ ብምግባሩ ጥራይ’ውን ኣይኰነን። ሕጂ’ውን እቲ ናይ ነዊሕ ዝጠመተ ራእይ እንብሎ ዘሎና፡ ርብዒ ዓመታዊት መጽሔት ኣድማስ ክትህሉ ሓሊኑ፡ ቀዳማይ ሕተመታ ኣብ ዓመተ 2001 ከም እትጅምር ብምግባሩ ጥራይ’ውን ኣይኰነን።

ናይ መሕተሚ ዓቕሚ ንዝሓጽሮምን ብሉጽ ስራሕ ንዝሰርሑ ጸሓፍቲ ንምትብባዕን ምእንቲ ክጥዕም ብምሕላን፡ ኣሕተምቲ ኣድማስ ዝተባህለ ቤት ጽሕፈት ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2000 ከፊቱ ምንባሩ ምጥቃስ’ውን ግቡእ’ዩ። እቲ ኣብ ናቕፋ ሃውስ ዝተኸፍተ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ጋዜጣን መጽሔትን ስራሓቱ፡ መጻሕፍቲን ካልኦት ጽሑፋትን ሓቲምካን ኣሕቲምካን ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ነበረ። ናይዚ ስራሕ’ዚ ፈላሚት ዕዮ ንኽትከውን ዘበገሳ ድማ፡ 40 ሽሕ ቃላት ዝሓቘፈት መዝገበ ቃላት፡ ትግርኛ- እንግሊዝ -ዓረብ ከም እትዳሎ ብምግባር፡ በቶም ንኽዓዩዋ ዝመዘዞም ኣቢሉ፡ ኣብ ደረጃ ምጽፋፍ ከም እትበጽሕ ገይሩዋ ነበረ። እቲ ራእይ ግን ሕጂ’ውን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ስራሓት ማሕተም ጥራይ’ውን ዝድረት ኣይነበረን። ኵነታት ኣብ ዘፍቀደ፡ ኣብ ነዊሕ ክትግበር ዘለዎ፡ ብቛንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብን እንግሊዝን ዝፍኖ ናይ ውልቂ መደበር ተለቪዥን ክምስርት ዝሓለነን ዘንቀደን በዓል ነዊሕ ራእይ እዩ ዝነበረ።

እቲ ኣብ ናቕፋ ሃውስ ተኸፊቱ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት፡ ድሕሪ ካብ ስራሕን ትምህርትን ምፍዳስ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ጸሓፍቲን ውልዶ ጋዜጠኛታትን፡ ውዕዉዕ መራኸብን ናይ ስራሕ ቦታን’ዩ ኰይኑ ዝነበረ። ሰለስተ-ኣርባዕተ ዝዀኑ ኣብ ምድላውን ምጽፋፍን መዝገበ ቃላት ዝነጥፉ ቀዳማይ ጕጅለ፣ ኣብ ስራሓት ጋዜጣን መጽሔትን ዝነጥፉ ካልኣይ ጕጅለ፣ ኣብ ምምሕድራዊ ስራሕ ዝነጥፉ ካልእ ጕጅለ’ውን ዝርከቦ ብውዕዉዕ መንፈስ፡ ንዝለዓለ ዕዮ ኣንቂዱ ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት ነበረ።

“ስዒድ፡ ካብ ንእሽቶኡ ኣትሒዙ፡ ጥዑም፡ ህዱእ ሰብ’ዩ ነይሩ፡” ይብል ሓደ መተዓብይቱ፤ “ትኵር፡ በሊሕ፡ ክገብር በሃላይ’ዩ ነይሩ።” ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፊንላንድ ሚስዮን ተማሂሩ፡ ሽዑ ብዝነበረ ናይ ሻድሻይ ክፍሊ ሓፈሻዊ መምዘኒ ብቕዓት ፈተና፡ 100 ካብ 100 ብምምጻእ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓላይ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ቀጸለ። ኣብዚ’ውን ኣብቲ ናብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ መእተዊ ዝወሃብ ዝነበረ ሓፈሻዊ መርመራ ዝለዓለ ነጥቢ ስለ ዝረኸበ ምስቶም ብነጥቦም ዝኣትዉዎ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ ሳንታ-ኣና (ናይ ሎሚ ሰማእታት) ተማሂሩ ወድአ። ኣብ ዓመተ 1994 ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ዝቐጸለ ስዒድ፡ ነተን ቀዳሞት ሰለስተ ዓመታት ምስ ተማህረን፡ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ኣብ ምሕጋዝ ስድራኡ ተጸምደ። ብሎሚ ጽባሕ ኵነታት ከይጠዓመ ምስ ተረፈ ከኣ ብቐንዱ ግን መወዳእታኡ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝተዳጐነ ድማ፡ እንሆ ዳግም ተመሊሱ ትምህርቱ ክዛዝም ኣይከኣለን። ትምህርቲ ናይ ምቕጻል ክቱር ድሌት ከም ዝነበሮ ግን ኵሉና ብቐረባ እንፈልጦ ንምስክሮ ሓቂ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2000፡ ስዒድ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምፍጻመ ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ወረደ። ብዝተገብረሉ ሕክምናዊ መርመራ ብምኽንያት ጸገም ዓይኒ፡ ንውትህድርና ዘይብቑዕ (ኣንፊት) ተባሂሉ ኣገልግሎቱ አብ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተመዲቡ ንኽቕጽል ተገብረ። ስለዚ እምበኣር ከም ኣካል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ-ኤርትራ እናሰርሐ’ዩ ነታ ዘሰናድኣ ጋዜጣ’ውን ዘዳሉዋ ነይሩ።

ኣነ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ ኣዳላዊ ዓምዲ ማሕበራዊ ህይወት ስለ ዝነበኩ’የ ንስዒድ ብቐረባ ዝፈልጦ። እታ ጋዜጣ ሓቚፋቶ ዝነበረት ዓቕሚ ሰብን ሓይሊ መንእሰይን’ውን ሓደ መርኣያ ናይቲ ሰፊሕ ጠመተ ስዒድ’ዩ። ክሳብ መጨረሽታ ምዕጻው ኣብታ ጋዜጣ ብንጥፈት ንሰርሕ ዝነበርና (ምስናይ ዓምድታት)፤ ኣብ ሓዳስ ኤርትራን ጋዜጣ ሰቲት ኣብ ምድላው ዜናታት ስፖርት ንጡፍ ዝነበረ፡ ብዓውዲ ጋዜጠኝነት ከኣ ዝተመረቐ ያቆብ ርእሶም፡ ኣብ ምድላው ስፖርትን ካልእ ዜናዊ ስራሓትን፣ ብስነ-ቋንቋ እንግሊዝ ዝተመረቐን ኣብ እንዳ ዜና ኣብ ኣገለግሎት ዜና ነዊሕ ተመኵሮ ኣጥርዩ ዝነበረ ተስፋጋብር በርሀ ተስፉ ኣብ ምድላው ዜናን ካልኦት ጽሑፋትን፣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ብፍላይ ኣብ ክፍሊ ሬድዮ ኣምሓርኛ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ኣብ ስፖርታዊ ትንታነን ኣቀራርባ ስፖርታዊ ዜናን ኣብ ሬድዮን ቲቪን ኣቓልቦ ስሒቡ ዝነበረ ጳውሎስ ኪዳነ፡ ኣብ ምድላው ስፖርታውን ካልእን ዜናታት፣ ናይ ሽዑ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ናይ ዓውዲ ስነ-ፖለቲካ ናይ ካልኣይ ዓመት ተመሃራይ ዝነበረን ዓንቀጻት ብምጽሓፍ ዝሳተፍ ዝነበረን ሄኖክ ተኽለ (ብጫ) ኣብ ዓምዲ ፖለቲካዊ ትንታነ፣ ገጣሚት ሳባ ኪዳነን መንእሰይ ሓድነት ቀለታን ብቕደም ተኸተል ኣብ ዓምዲ ስነ-ጥበብን ጉዳይ መንእሰያትን፣ ክኢላ ስነ ቅጥዕን ለይኣውትን ዝነበረ፡ ብስነ-መሬት ዝተመረቐ ተኽለ ሰንጋል፡ ኣብ ልበ-ወለዳዊ ጽሑፋት ቅጥዒ ጋዜጣን መጽሄትን።

ነዚ ኵሉ ስራሓትን ዓይነትን ፍልልይ ርድኢት/ጠባይ ናይ በበይኖም መንእሰያት ጸሓፍቲ ዘወሃህድን ነቲ ስራሕ ብኣላይነት ዝመርሕን ስዒድ’ዩ። ስዒድ ብዙሕ ጽሑፋት ባዕሉ ኣይጽሓፍ ደኣ’ምበር ብሉጽ ጽሑፍ ናይ ምምማይን ምእራምን፣ ንፉዓት ጸሓፍቲ ናይ ምልላይን ምሕቋፍን፣ ዓበይቲ ቃለ-መጠየቓት ኣብ ምግባር፣ ኵርናዕ ጽሑፋት ናይ ምምራጽን ርእሰ-ዓንቀጻት ናይ ምድላው (ወይ’ውን ሓሳብ ምንቃል) ርኡይ ጸብለልታ ነይሩዎ። ኣብታ ጋዜጣ ዝሰርሕ ዝነበረን ሕጂ ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ተሰዲዱ ዝርከብን ተስፋጋብር በርሀ፡ “ዳይናሚክን በዓል ራእይን ዝኾነ ኤርትራዊን” ኢሉ ይገልጾ። ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ ዓምጺ ፖለቲካዊ ትንታነ ዘዳሉ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሄኖክ ተኽለ ከኣ፡ “ኣብ ወጥሪ’ውን ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ስዒድ፡ አብ ጋዜጣ ሓዳስ አድማስ ዝወጽኡ ጽሑፋት፡ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዘትርሩ ምእንቲ ክዀኑ፡ ብትዅረት ክንሰርሕን ሓላፍነት ክንስከምን ይሕብረና ነይሩ፡” ይብል።

ኣብታ ጋዜጣ ኣዳላዊት ዓምዲ ስነ-ጥበብ ዝነበረት ሕጂ ኣብ ፈረንሳይ ተሰዲዳ እትርከብ ገጣሚት ሳባ ኪዳነ ድማ ንስዒድ ብኸምዚ ትገልጾ፤ ”ብባህሪኡ ካብ ብዙሕ ምዝራብ ብዙሕ ምስማዕ ዝፈቱ፣ ሓሳባት ካልኦት ብኽፉት ልቢ ዝቕበል፣ ምስ ክሰርሑ ዝኽእሉ መንእሰያት ብምርድዳእ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ድሌትን ዕላማን ዝነበሮ፣ ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅርጽን ዝኣምንን ነዊሕ ዝጠመተ መደባት ዝነበሮ።” ስዒድ ብልግሲ’ውን ኣዝዩ ፍሉጥ ኰይኑ፡ እታ ጋዜጣ ብብዝሒ እንተ ተሸይጣ ካብቲ ልሙድ ክፍሊት ንላዕሊ ነቶም ጸሓፍቲ መተባብዒ ይህብ ምንባሩ ሳባ ኪዳነ ትዝክር።

ረፋድ ሰንበት 23 መስከረም 2001፡ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀትሪ ኣቢሉ፡ እታ ንነዊሕ ዝውንጨፍ ራእይ ሓቚፋ ክትብገስ ትብል ዝነበረት ቤት ጽሕፈት ኣሕተምቲ ኣድማስ ራእይ ብዘጸልምቱ ኣባላት ጸጥታ ተኸበበት። ነቲ በዓል ነዊሕ ራእይ፡ ስዒድ ዓብደልቃድር ከኣ፡ በዛ ዕለት እዚኣ፡ ኣብታ ኣብ ናቕፋ ሃውስ እትርከብ ቤት-ጽሕፈቱ ዳጐኑዎ፣ ክሳዕ ለይተ-ሎሚ ድማ ንዅነታት ህላወኡ ብዝምልከት ብወግዒ ዝተገልጸ ሓበሬታ የልቦን።


*ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ኣብ ርእሲ’ቲ መንፈሳዊ መዓርጎም፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ በበይኑ ግዜ ከም ጋዜጠኛ ኰይኖም’ውን ሰሪሖም’ዮም። ኣባል ቦርድ ፐን ኤርትራ ዝዀኑን ሕጂ ኣብ ሃገረ-ሽወደን ዝርከቡን ቀሺ ዮናስ fr.yonas@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቦም ይከኣል።

«