ምንቅስቓስ መንእሰያት ኣብ ቃራና መንገዲ

December 25, 2012December 25, 2012

 

 

ኤርትራውያን መንእሰያት ኣንጻር መግዛእትን ጭቈናን ምቅላስ ካብ ዝጅምሩ ድሮ ካብ ክልተ ወለዶ ንላዕሊ ሓሊፉ ኣሎ። ግንከ፡ ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን’ዚ ተደናጊሮም ከም ዘለዉ ዘርእየና ብዙሕ ምልክታት ኣሎ። ስፍሕ ዝበለ መረዳእታ መታን ክህልወና ግን ኣዛሚድና ምርኣዩ ከድሊ እዩ።

መንእሰያት ኣብ ስሳታት

-              ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ ምስቲ ዝነበረ መግዛእታዊ ጭቈና ሃገራዊ ስምዒቶም ኣብ ጥርዚ ዝበጽሐ፡ ማርክሰ-ሌኒናዊ ጽሑፋት ዘንብቡን ብኡ ዝምርሑን፡ ምስ ሰውራ ክደጋገፉ ዝጽዕሩን ነይሮም።

-              ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤትትምህርትታት ዝነበሩ ብማሕበራት ክጥርነፉ ዝከኣል’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝነበሩ መንእሰያት ግን ድልዱል ማሕበር ተመሃሮ ክምስርቱ ክኢሎም ነይሮም። ብመንገድ’ቲ ማሕበር ድማ ዓበይቲ ናይ ውዳበ ስራሓት የካይዱ ነይሮም። ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነጥቢ፡ ሽዑ ኣብ ውሽጦም ኣትዩ ሕንፍሽፍሽ ዘእትወሎም ጸላኢ ኣይነበረን ጥራይ ዘይኮነ፡ ትምህርቲ ወዲእካ ስራሕ ምጅማር ዝብል ተርእዮ’ውን ብዙሕ ኣይነበረን።

ኣብ ከተማ ተወዲቦም ክሰርሑ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ናብ ሰውራ ክጽንበሩ ጸገም ኣይነበሮምን። እኳ ደኣ ብጸላኢ ተፈሊጥና፡ ክኣስሩና ደልዮም ዝብል ምኽንያታት እናፈጠሩ ናብ ሰውራ ይውሕዙ ነይሮም።

-              እቲ ኣብ ሰውራ ናይ ምጽንባር ተግባር፡ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ካብ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሱዳን ኣቢልካ ናብ ባርካን፡ ካብ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሶማል፡ ዓደን ኣቢልካ ናብ ሰሜናዊ ሳሕል፡ ከምኡ’ውን ካብ ሃገራት ዓረብ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ’ውን ነይሩ።

-              ድሕሪ ምስላፎም፡ መንእሰያት ኣብ መሪሕነት ሰውራ ጕድለታት ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ ገለ ብውሽጣዊ ቃልሲ ከዕርዩዎ ክፍትኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ ተነጺሎም ናቶም ውድብ ክምስርቱ ተገዲዶም። በዚ ኢልካ በቲ፡ በቲ ዝነበረ መሪሕነታት ጸኒቶም’ምበር፡ ኣብቲ ምምራሕ ሰውራን ኣብቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስን ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮም ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ኣብ ህሓሓኤ (ህግሓኤ) ድማ ብፍላይ እቶም ምሁራት መንእሰያት ከም ሕሱም ከም ዝጸንቱ ተገይሮም።

መንእሰያት ድሕሪ ነጻነት

-              ሰውራ ከም ሓንቲ ባቡር ስለ ዝኾነት፡ እቶም ናይ ቀደም መንእሰያት ብዕድመ እናሸምገሉ ምስ ከዱ፡ ምስ ንውሓት ግዜ ዓቃባውያን እናኾኑ ክኸዱ ወይ ነብሶም ክፈትዉ ተራእዮም። ስለ ዝኾነ፡ እቶም ኣብ ህግሓኤ ዝነበሩ ነጻነት ዘምጽኡ መንእሰያት ይኹን፡ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ዝነበሩ ናብ ሽምግልና ገጾም ዝኸዱ መንእሰያት፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ሃገር ምሕሳብ ንውድባዊ ረብሓ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ነቲ ኣንጻር ምልኪ ዝግበር ምንቅስቓስ ከምቲ ዝድለ ከንቀሳቕሱዎ ኣይከኣሉን። ብሰንክዚ ድርብ ታሪኻዊ ጕድለታት’ዚ፡ ምልኪ ከም ድላዩ ክዕንድር ዕሰፊሕ ዕድል ተኸፊቱሉ።  እዚ መስርሕ’ዚ ንዝኾነ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ጥራይ ዘይኮነ ንውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ስለ ዝምልከት ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ብዙሓት ሃገራትውን ተራእዩ እዩ።

-              ድሕሪ ነጻነት ሃገርና  (1991) ሕጻናት ወይ ወርጠበታት ዝነበሩመንእሰያት፡ ነቲ ብምልካዊ ዊ ስርዓት ብዘገምታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክጸዓን ዝጀመረ ጸቕጥን ጭቈናን ከስተውዕሉሉ ኣይከኣሉን።

-              ክጥርንፎም ዝኽእል ዕላማ ይኹን ኵነታት ስለ ዘይነበረ ዝኾነ ጸገም ከጋጥሞም ከሎ እሂን ምሂን ክበሃሃሉ ዕድል ኣይረከቡን። ነቲ ኣብ ልዕለኦም ዝተጻዕነ ከቢድ ጭቈና ድማ ካብ ሰራዊት ብምዅብላል ወይ ናብ ወጻኢ ብምስጋር ክፈትሑዎ ፈቲኖም።

-              እቶም ተሞክሮ ከቕስሙዎም ዝኽእሉ ሓለፍቶም ጨቈንቲ ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ፡ እቲ ስርዓት ድማ ብኣዝዩ ረቂቕ ፖለቲካ ስለ ዝፈላልዮምን ኣብ ናቱ ማሕበር መንእሰያት ይኹን ስለያዊ መርበብ ስለ ዘሳትፎምን፡ ሓድነት ኣጥርዮም ኣንጻርቲ ጨቋኒ ስርዓት ዝቃለስሉ መድረኽ ክፈጥሩ ኣይከኣሉን።

-              እቶም ናብ ወጻኢ ክሳግሙ ዝኸኣሉ መንእሰያት ብረታውን ፖለቲካውን ተሞክሮ ስለ ዝነበሮም፡ ብፍላይ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ካብ ሃገር ዝወጽኡ መንእሰያት ኣንጻር ዲክታተራዊ ስርዓት ክቃለሱ ዝኽእሉ ድሉው ሓይሊ ነይሮም። እተን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ከም ተቓወምቲ ዝፍለጣ ውድባት ጀብሃ ነበር ይኹን፡ ድሕሪ ምንቅስቓስ ጕጅለ 15 ብመራሕቲ ህግሓኤ ነበር ዝተፈጥራ ውድባት ግን ክጥርንፋኦምን ዝቃለሱሉ ባይታ ከጣጥሓሎም ኣይከኣላን። ስለ ዝኾነ ኣብ ፈቐዶ ሃገር ፋሕ ጨንገራሕ ክብሉ ተራእዮም።

-              እቲ ናብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝሳገመ መንእሰይ ቍጽሩ ብተዓጻጻፊ በርኪቱ፡ ኵነታት ሃገርና ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ’ውን፡ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ነንሕድሕደን ክወናጀላ እንተ ዘይኮይኑ ኣድማዒ ዕማም ኣይፈጸማን። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ መንእሰያት ናይ ገዛእ ርእሶም ውዳቤታት ጀሚሮምስ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣንጻርቲ ስርዓት ንጡፍ ቃልስታት ከካይዱን ስምብራት ክፈጥሩሉን ተራእዮም። ውድባት ግን ክኸስባኦም እንተ ዘይኮይኑ ከተባብዓኦም ኣይተራእያን።

-              ጥጡሕ ናይ ቃልሲ ስለ ዘየሎ ብዙሕ ብድሆታት ኣጋጢሙዎም። ህግደፍ ኣብ ውሽጦም ብዝፈጥሮ ሕንፍሽፍሽ ይኹን ካብ ጕድለት ተሞክሮን ግቡእ ኣወዳድባን፡ ቃልሲ  ከምቲ ዝድለ ክስጕም ኣይተራእየን። በንጻሩ፡ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ተዓዘብቲ ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነ ጕልበቶምን ገንዘቦምን ንጕጅለ ህግደፍ ብምውፋይ መሳርሒ ጭቈና ኮይኖም ኣለዉ።

-              ኣብ ከምዚ ኵነታት ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮ ፓልቶክ ንባዕሉ እወታዊ ተራ’ኳ እንተ’ለዎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግቡእ ኣጠቓቕማኡ ካብ ዘይምፍላጥ ዝተላዕለ ነቲ ቃልሲ ኣንፈቱ ዘስሕቶ ነገራት ኣሎ። ተቓለስቲ ብዝኾነ መምዘኒ ብፓልቶክ ክወዳደቡ ኣይክእሉን’ዮም። መንእሰይ ስምዒታዊ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ፓልቶክ ከንፈሩ ክመጥጥን፡ ክነብዕን ጸኒሑ ንጽባሒቱ ኵሉ ረሲዑ ኣብ ጓይላ ህግድፍ ክርአ ንቡር’ዩ። ምኽንያቱ ፓልቶክ እንዳ እቶ በሎ ስለ ዝኾነ፡ መራከብን መምሃርን መዘናግዕን’ምበር ብዝኾነ መምዘኒ መወዳደቢ ክኸውን ኣይክእልን ።

-              ብሰንክቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይንቡር ኵነታት ብዙሓት መንእሰያት ክቃለሱ እናበሃጉ ከለዉ፡ ናይ ስድራ ጾር ስለ ዘለዎም ካብ ቃልሲ ክርሕቁ ይረኣዩ። ገለ’ውን፡ ዕረ እናጠዓሞም ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲታት ህግደፍ ውጥም ቅልቅል ክብሉን ምስ ወይጦታት ህግደፍ ክቀባጠሩን ይረኣዩ።

እቲ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ኣረኣእያታት

-              ገለ ሰባት፡ “ንውድባት ኣይትተንክፉልና፡ ብዘይካአን ዝኸውን ነገር የሎን፡ ግቡአን ይፍጽማ ኣለዋ፡ ንስኻትኩምከ እንታይ ጌርኩም?” ክብሉ ከለዉ፡ ገለ ድማ፡ “ዕስራ ዓመት ኣቝጺረን ገለ እንታይ ቍምነገር ገይረን? ነቶም ክቃለሱ ዝፈተኑ ምጕንዳብ ከይኣኽለን ኣብ ነንሕድሕደን ክወናጀላ ጥራይ መሬት ዓሪቡወን ኣሎ። ስለዚ፡ መራሕተን ንሓድሽ ወለዶ ስልጣን ክሓድጉ ኣለዎም፡ ንሕና ድማ ናይ በይንና ውዳበ ንግበር፡” ይብሉ። ገለ’ውን፡ “ንባዕላተን ደሞክራስያውያን ዘይኮናን ሕብረት ዘይብለንን ውድባት ህዝቢ ከሕብራ ኣይክእላን” ይብሉ።

-              ስርዓት ህግደፍ ብውሽጡ መሽሚሹ ናትና ሕመቕ ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ ንሕና ግቡእና ክንፍጸም እንተ ኽኢልና ግዜ ክወስድ ኣይክእልን እዩ ዝብል ርእይቶ ዘለዎም ከም ዘለዉ ምፍላጥውን ኣገዳሲ እዩ። ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኢሳያስ ንተቓወምቲ ውድባት ሃጋዚአን ይኸውን ኣሎ።

-              ንሕና ሓደ ዓቢ ውድብ ንመስርት፡ ብደረጃ ሃገር ንወደብ፡ መንእሰይ ብከተማታት ተጠርኒፉ ክወዳደብ ኣለዎ። ሓንጐልና ብህግደፍ ተሓጺቡ እዩ። ኣይፋሉን መንእሰይ እንታይ ዘይገበረ ዓቕሙ የበርክት ኣሎ፡ ማዕረ ብብረት ይዛበጥ ኣሎ፡ ካብኡ ንላዕሊ እንታይ ክገብር?? . . . ወዘተ።

-              ገለ ውድባት ፈትየን ጸሊአን ብተግባር መሳርሒ ህግደፍ ኮይነን ኣለዋ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ መራሕተን ካብ ናይ ህግደፍ መራሒ ብዘይፍለ ንዕድመኦም ምሉእ ምሉእ ኣብ ስልጣን ኣራጢጦም ስለ ዘለዉ፡ እንታይ ዓይነት ደሞክራስን ለውጥን ከምጽኡልና ንጽበ?? ንሓደ ስርዓት ክትቃወሞ እንት ዄንካ ኣንጻሩ ክትቃለስ’ዩ ዘለካ።

እሞኸ ሕጂ እንታይ ይገበር?

-              መንእሰያት ብኸምዚ ዝኸዱዎ ዘለዉ፡ ኣብ ፓልቶክ ትሓድር ንግሆ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ፡ ድሕሪኡ ናብ ፓልቶክ፡ ኣብ ኣዋርሕ ናብ ሓደ ሰላማዊ ሰልፊ ወይ ድማ ናብ ጓይላ እናኸድካ ቃልሲ ክተካየድ ኣይትኽእልን። መጀመርያ ተወፋይነት ዝብሃል ነገር ክህሉ ኣለዎ። ተወፋይነት ክህሉ እንተ ኾይኑ ድማ መደብ ክስራዕ ኣለዎ።

-              መደብ ምስራዕ ማለት ካብ ፓልቶክ ምርሓቕ ማለት ዘይኮነ፡ ንፓልቶክ ከመይ ትጥቀመሉ ምፍላጥ ንባዕሉ ሓደ መደብ’ዩ። ፓልቶክ መንነትካ ሓቢእካ ንተቓለስቲ ካብ ቃልሶም ተጓናድበሉ፡ ኣድሚን ኮንካ ህቡብነትካ ተዕብየሉ፡ ተሳታፊ ብምዃን ክትፍለጥ ትጽዕረሉ መድረኽ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ነፍስወከፍ ተሳታፊ ስሙን ኣድራሻኡን ገሊጹ፡ ብስነስርዓት ዝቐርበሉን፡ ዲሲፕሊን ተዓጢቑ  ኣብ ቃልሲ እጃሙ ዝበርክተሉን መንገዲ ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ።

-              ውዳበ መንእሰያት ኣብ ክንዲ ዓርሞሸሻዊ ውድብ ዝኸውን ብከተማታት ብደረጃ ዋህዮ ጀሚሩ ናብ ሃገራዊ ውዳበ ዝሰግረሉ ኣገባብ ምፍጣር። በዚ መንገድዚ ሓድነትካ እናደለደለ ቃልስኻ ኣድማዒ እናኾነ ክስጕም ይኽእል። ድሕርዚ ድማ ብደረጃ ኤውሮጳን ዓለምን ውዳበ ክስዕብ ዝሓሸ ይመስል። ስለምንታይ እንተ ተባህለ፡ ነገራት ኵሉ ግዜ ካብ ታሕቲ ክምዕብሉ ከለዉ ከለዉ ዝያዳ ኣድማዒ  ክኸውን ዝብል መልሲ ንረክብ። ብላዕሊ ክትውድብ ምፍታን ኵሉ ግዜ ኦዉት ኣይኮነን።

-              ንውድባት ብዝምልከት፡ ነተን ብረታዊ ቃልሲ ዘካይዳ ዘለዋ ብዝከኣል መጠን ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ሰብኣውን ሓገዝ ምልጋስ። ነተን ምሕባር ዝኣብያን ኣንጻር’ቲ ብዙሓት ዝድግፉዎ ኣረኣእያ ደው ዝብላ ድማ ብዝከኣል መጠን ካብ ጕድለተን ክእረማሉ ዝኽእላ መንገዲ ምፍጣርን ሰብ ከም ዘይስዕበን ምግባርን።

-              ጕጅለ ህግደፍ ብቃልስና ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲኡን ግፍዐኛ ኣመራርሓሑን ካብ ህዝቢ እናተነጸለ ከም ዝኸደ ብምእማን፡ ውዳቤናን ቃልስናን ብምጥንኻር ኣንጻር ጨቋኒ ግጅለ ህግደፍ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ኣለና። ልዕሊ ዅሉ ግን ኣብ ክንዲ ኣብ ፓልቶክ ተሓቢእና ኣናብስ ምዃን፡ ኣብ ቃልዕ ወጺእና ጭቡጥ መብጽዓን ምግባር።

-              ነቶም ንተቓለስቲ ብወገን ይኹን ብኣውራጃ እናፈላለዩ፡ ብተወፋይነት ንዝተሰውኡን ቃለሱን ዘለዉን ደቂ ኣውራጃኦም ተጋደልትን መንእሰያትን ኢደ ሰባራ ዝገብሩ ሰንኮፋትን ካብ ጓሶት ዘይሕሹን ሰባት ብዘይንሕስያ ክንቃለሶም ግቡእና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቶም ብህግደፍ ተላኢኾም ይኹኑ ብሰንኪ ዕውንናኦም ንቓልሲ ጭቍናት ክዕንቅፉ ዝፍትኑ መንእሰያት ክንጥንቀቐሎምን ቀልጢፍና ኣብ ምልላዮም ክነጥፍን ይግብኣና።

-              ኣእምሮና ንሓድሽ ነገር ክፉት ብምግባር ግጉይን ቅኑዕን ክንመሚ ምኽኣል፡ ተጻወርቲ ምዃን። ንመቃልስትና ምኽባርን ዘይምዝንጣልን። ኣብ ክንዲ ተሃዊኽና ፍርዲ ምሃብ ህዱኣትን ጽን በሃልትን ሰብ ክፉታት ኣእምሮን ብምዃን፡ ኣገባብ ቃልስና ክነመዓራሪ ኣገዳሲ እዩ።

-              ኣብ ክንዲ ንሓደ ተጋዳላይ ነበር ወይ ሕጂ’ውን ገና ክቃለስ ዝደሊ ዝኾነ ሰብ ኣበይ ኔርካ? ስለምንታይ ከምዚ ዘይገበርካ? ኢልና ኣብ ክንዲ ምውጣር? መጀመርያ፡ “ኣነ እንታይ ገይረ? እንታይ ክገብርከ ይግብኣኒ? ስለምንታይ ደኣ ኣነ ኣብ ኤርትራ ከለኹ ከምዝን ከምዝን ዘይገበርኩ?” ኢልና ንነብስና ምሕታት።

ኣብ መጨረሽታ፡ ኣብ 2012 ብቓልሲ መንእሰያት ዝተሓፍሰ  ዓበይቲ ዓወታት ክሕፈስ ከሎ፡ ኣብ ደምበ ምልካዊ ስርዓት ድማ ነቲ ቃልሲ ንቕድሚት ዝደፍእ ብዙሕ ምፍርኻሻት ተራእዩ። በንጻሩ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ይኹን ኣብ ምንቅስቓስ መንእሰያት ዘሰክፍ ኣሉታዊ ምዕባለታት ነይሩ። ስለዚ ኣብ 2013፡ ነቲ ኣወታዊ መዳያትና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ክነብሎ፡ ጕድለታትናን ሃጓፋትናን ኣማሊእና ድማ ንቕድሚት ንስጕመሉ፡ ኣብ ቃልሲ ንበልሓሉን ነድምዓሉን ኵነታት ንምፍጣር ልዑል ጻዕሪ ክነካይድ ከም ዝግብኣና ብምሕባር ጽሑፈይ እድምድም።

ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በል ልደትን ይግበረልና!

ዓወት ንምንቅስቓስ መንእሰያት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

source

http://assenna.com/