ካብ ሱዳን ተጨውዩ ዝተወስደ ዜጋ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐ ከም ዘሎ ተሓቢሩ

Sunday, 18 October 2009 11:29

ካብ ሱዳን ተጨውዩ ዝተወስደ ዜጋ

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐ ከም ዘሎ ተሓቢሩ 

 ኮር ባሪያ ዝዓዱ ዳዊት ገ/ሂወት ገ/ገርግስ  ዝተባህለ ዜጋ፡ ቅድሚ 2 ዓመት ካብ ሱዳን ብትካል ጸጥታ ህግደፍ ተጨውዩ ከም ዝተወስደን፡ ኣበይ ከም ዝወደቐ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከም ዝጸንሐ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ስድራ ቤቱ ድሕሪ ናይ 2 ዓመት ሓያል ድኻም፡ ወዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከረን ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ይሳቐ ከም ዘሎ ከም ዘረጋገጹን ተፈሊጡ። 

   ብዘይይ ሕጋዊ መስርሕን ሓታትን ኣብ ዕጹው ሸላ ዝማስን ዘሎ ዳዊት ገ/ሂወት፡ ካብ 1990 ጀሚሩ ኣብ መሳርዕ ሰራዊት ህግደፍ ኮይኑ ዘገልገለ ከም ዝነበረ፡ እቲ ብዕለት 11 ጥቕምቲ 2009  ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። 

ዕለት 16,10.2009

 

  Source http://www.democrasia.org