ካብ 1-31 ጥሪ 2012 ዓ.ም 1545 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ፡ ሱዳን ኣትዮም። ዝርዝር ናይ’ዞም ናብ ሸገራብ ዝኣተው 1545 ስደተኛታት ድማ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

 

ትሕቲ 5 ዓመት

ካብ 5-18 ዓመት

ልዕሊ 18 ዓመት

ድምር

ደቂ ኣንስትዮ

136

175

211

522

ደቂ ተባዕትዮ

112

308

603

1023

ድምር

248

483

814

1545

 ካብ 1 ጥሪ 2010 ክሳብ 31 ጥሪ 2012 ኣብ ሱዳን፡ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ፡ ዑቝባ ዝሓተቱ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት 48,492 (46,947 + 1545) በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ 42 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።

Posted on February 11, 2012 by

ኣብ ጉዕዞ ንስደት እናሃለዉ፡ ብወተሃደራት ግብጺ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ተታሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩ’ሞ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከንጸላልዎም ዝጸንሐ፡ 42 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብምትሕብባር ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም።

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ስደት ብግዴታ ንምዝለሱ ኤርትራውያን ናይ ምእሳርን ምስቓይን ኣመል ስለዘለዎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ካብ ዝምለሱ ናብ ካልኦት ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ክዕቆቡ እዮም ዝመርጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግብጺ ይኹን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደልሃመት ንዝኣተዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ተቐቢሉ የዕቁቦም ምህላዉ ኸኣ ይፍለጥ።