ካብ ሱዳን ተጨውዩ ዝተወስደ ዜጋ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐ ከም ዘሎ ተሓቢሩ

 ኮር ባሪያ ዝዓዱ ዳዊት ገ/ሂወት ገ/ገርግስ  ዝተባህለ ዜጋ፡ ቅድሚ 2 ዓመት ካብ ሱዳን ብትካል ጸጥታ ህግደፍ ተጨውዩ ከም ዝተወስደን፡

ኣበይ ከም ዝወደቐ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከም ዝጸንሐ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ስድራ ቤቱ ድሕሪ ናይ 2 ዓመት ሓያል ድኻም፡ ወዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከረን ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ይሳቐ ከም ዘሎ ከም ዘረጋገጹን ተፈሊጡ።

 

 ብዘይይ ሕጋዊ መስርሕን ሓታትን ኣብ ዕጹው ሸላ ዝማስን ዘሎ ዳዊት ገ/ሂወት፡ ካብ 1990 ጀሚሩ ኣብ መሳርዕ ሰራዊት ህግደፍ ኮይኑ ዘገልገለ ከም ዝነበረ፡ እቲ ብዕለት 11 ጥቕምቲ 2009  ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

 

ድ.ሰ.ደ.ኤ. ዕለት 16,10.2009