<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ - 8ይ ክፋል - ብ ኣለና

Thursday, 04 November 2010 19:54

ኣብዘን ውሑዳት መዓልታት፣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ከምኡ’ውን ካብ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋት ብዙሕ መልእኽቲ ተቐቢለ።

 

ንኩሉኹም ብሓባር አመስግን። ብዙሓት ድማ “እዚ ኣገዳሲ ታሪኻት እዚ ከም መጽሓፍ ተሓቲሙ ናብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ህዝብና እንተዚዝርጋሕ ጽቡቕ ምኾነ” ዝብል ሰናይ ርእይቶ ኣቕሪቦም።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ብመንገዲ ሱዳን /ከሰላ/ ናብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ዝኣተወላ ለይቲ፤ ካብ ሚያዝያ 1970 ዓ.ም. ኣብ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት /ግንባር/ ብገዛእ ኢዱን ብኮራኹሩን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ጽምዋ ንዝተፈጸሙ ምስጢራት፤ ኤርትራን ኤርትራዊ መንነትን ንምዕናው ብድሕሪ ናጽነት ክስርሑ ዝጸንሑ ጥጅኣት፣ ኣጠማምትኡን ኣከያይዳኡን እትድህስስ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ኣብ ቀረባ እዋን ክትዝርጋሕ ኢያ። ነቶም ኢንተርነት ዘይከፍቱ ዝበዝሑ ዜጋታትና፣ ከምኡ’ውን ነቶም ብሰንኪ ጨካን ምሕደራ ስርዓር ህግደፍ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ንጹር ስእሊ ኢሳይያስን ስርዓት ህግደፍን ንክትህቦም ተስፋ እገብር።

መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ 606 ገጻት፣ 4 ድሕረ-ገጽ ጽሑፋት፣ 22 ብስእሊ ዝተሰነዩ ዓበይቲ ምዕራፋት፣ ‘ናበይ ገጽና ኢና’ ዝብል መደምደምታን ዝሓዘት ቀዳመይቲ ታሪኻዊት መጽሓፍ ተዳልያ ኣላ። እዛ ካብ ስሳታትን መጀመርታ ሰብዓታትን ንኢሳይያስ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ሰባት እናተወከስኩ፤ ካብ ዝተሰለፍኩሉ 1974 ዓ.ም. ከኣ ብቐረባን ብኣካልን ዝዕዘቦ ዝነበርኩ፣ ንብዙሕ ዓመታት ዝኣከብኩዎ ሰነዳት፤ ጆባእ ንህዝቢ ኤርትራ!

ኩላትና ከም እንፈልጦ ካብቲ ተቐቢሩ ዘሎ ምስጢራት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ክሳብ ሎሚ ሓንቲ እምኒ ጥራይ ኢያ ተላዒላ ዘላ፣ ካብ ዕለት ምስላፉ ብፍላይ ድማ ካብ 1970 ክሳብ ሎሚ፤ ገና ዓበይቲ መስተንክራት ብብዙሓት ዜጋታት ኣብ ቀረባ ግዜ ክፍንቀሉ ኢዮም። ኢሳይያስ ዕላምኡ ስልጣንን ምግባት ገንዘብን ጥራይ ከም ዘይነበረን ዘሎን ሎሚ ይጋሃድ ኣሎ። ምኽንያቱ ኢሳይያስ ኣብ እንብለሉ ግዜ፣ ስለምንታይ ዝብሉ ኩምራ ሕቶታት ኣብ ሕልናና ይኹሕኩሑ ስለዘለዉ።

ትልሚ ክርዳድ ስለዝተለመ፣ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኮራርምቲ ህዝቢ ኤርትራ ክርዳድ ብኣስገዳድ ንክቑርጠም ሸበድበድ ኣብ ምባል ይረአ። ኢሳይያስ ንኤርትራ፣ መሬታን ህዝባን ከባድም ዝተላእከ ምዃኑ ካብቲ ብዙሓት ሰባት በብዓመቱ ዝብልዎ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብ ተግባራቱ መመሊሱ ይበርህ ኣሎ። ሓቂ ኣብ ዘይመዓልታ ሓሶት ኢያ፣ ስለዝኾነ ድማ ነቲ “…ኢሳይያስ ናብ ቃኘው ኣትዩ ነይሩ፣ ምስ ኣባላት ሲ.ኣይ.አ. ተራኺቡ፣” ዝበሃል ዝነበረ ወረታት ጽውጽዋይ ‘ዕንኩራይ ጻጸ’ ይመስለና ነይሩ። እነሆ ሎሚ መዓልቱ ኣኺሉ እቲ ድራማ ኣብ ቅድሚ መድረኽ ውጥም-ቅልቅል ክብል ንርእዮ ኣለና። ንሕና ናጽነትና ንምርካብ 65 ሽሕ ሰማእታት ከፊልና ክንብል እንከለና፤ ብቋንቋ ኢሳይያስ ግን “ናብ ድጉል ሕልመይ ንምብጻሕ ንኤርትራውያን 65 ሽሕ መንእሰያት ኣኽፊለዮም።” ኢዩ ዝብል ዘሎ።

እቲ ድጉል፣ ወትሩ ድጉል ኮኑ ኣይተርፍን ኢዩ። ነዲዱ ይትግበር፣ ወይ ከኣ ከይተራእየ ይቕህም። ስለዚ ድጉል ሕልሚ ዲክታተር ኢሳይያስ “ግዝኣት ትግራይ ትግርኚ” “ዓባይ ኢትዮጵያ” ብድጉሉ ዝቐሃመ ሕልሚ ምዃኑ ዓው ኢልና ክንነግረካ ጽን በል። ንሕና ኤርትራውያን ኢና፣ መሬትና ድማ ኤርትራ፤ ትግራይ ከኣ ናይ ተጋሩ ኢያ። ናይ ጽላለ ሓኪም ኣብ ዘይርከበሉ ዘመን ዲና ዘለና? ስለምንታይ እዚ ሰብኣይ ርእሱ ዘይምርመር ኣንቱም /ኣንትን/ ኤርትራውያን! ጽሑፍቶና ግዲ ኮይኑ ብዝተጸለለ ሓንጎል ንምራሕ ኣሎና።

እቲ ዘሕዝን ንሱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣሽካዕላል ክጻወት እንከሎ፤ ንሕና ድማ ኣብ ዕንኪላሎ ምንባርናን ምህላውናን ኢዩ። ሎሚ ንኢሳይያስ ደው ኣቢሎሞ ዝነበሩ ሰራውር ተበንቊሶም ኢዮም። ሓደ ግዜ በታ ንሱ ዘይፈትዋ ቀጭ-ሕርሙ “ሳቮያ” ምባል የድልየና ኣሎ። ስርዓት ኢሳይያስ ዝቕየረሉ ሰዓት ኣኺሉ’ዩ። መድረኽ በሲሉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክሒኑ’ውን። ሎሚ ንሕና እዚ ዓቢ ዕድል ብሻላ እንተድኣ ርኢናዮ፣ መጻኢና ኣጸቢቑ ክጥቅር ኢዩ።

ውሽጣዊ ኩነታት ህዝቢን ሰራዊትን በቃ ኣቢሉ ኣሎ። ዝኾነ ዓይነት ቃልሲ ንከነካይድ ካብ ጎረባብትና ሰናይ ፍቓድ ኣብ ዝረኸብናሉ፣ ተነጽሎ ህግደፍ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኢድና ኣጣሚርና ትም እንተድኣ ኮይኑ ምርጫና፤ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ነይራ ዝበሃል ዛንታ ከይንሰምዕ ንፈርሕ። ስለዚ ምስ ኩላተን ጎረባብትና ሃገራት ብሰላም ክንነብር፣ ኣብ መቓብር ህግደፍ ሰላምን ዲሞክራሲን ዝሰፈና ሃገር ክንምስርት፣ ሎሚ ሓደ ንኹን። ንሕና ሎሚ ነቲ ንሱ ንዕስራ ዓመታት ብሃይማኖት፣ ኣውራጃ፣ ዓሌት፣ ወገን ወ.ዘ.ተ… ኪዘርኦ ዝጸንሐ ዘርኢ ክርዳድ ንሓዋሩ ዘርእና ከይበትኽ፤ ምምንቋሱ የድልየና ኣሎ። ኣንጻር’ዚ ስርዓት እዚ ዝግበር ምልዕዓል ካብ ካፋ፣ ናብ ሞሾምቦባ፣ ካብ ነጎዳ ከኣ ናብ በርቂ ምቕያር፣ የድሊ ኣሎ። በርቂን ነጎዳን፣ ውግእ ሓድ ሕድ ከስዕብ ኢዩ ዝብሉ የዋሃት ብዙሓት ኢዮም።

ኣብ ኤርትራ ብኢሳይያስ ሓደገኛ ውግእ ሓድ-ሕድ ካብ ዝእወጅ ግን ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ኣውራጃዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ቀቢላዊ፣ ብሄራዊ ወ.ዘ.ተ… ኣብ ውሽጢ ህዝብና ኣትዩ ፋሕ ብትን ካብ ዘብለና ክንደይ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ? ካብዚ ኣብ ውሽጥና ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምትእምማን ዝዓቢ ውግእ ሓድሕድ የለን። ስለምንታይ ንርስዕ! ህግደፍ’ዶ ኣይኮነን ናይ ጥፍኣትና ካሪክሉም ዝህንድስ ዝነበረን ዘሎን! ንጳጳስ ዝኣስር…ሞባእ ቤተ-ክርስትያናት ዝምንዝዕ ህግደፍ’ዶ ኣይኮነን! ኣብ ውሽጢ መሳጊድናን ኣብያተ-ክርስትያናትናን ሰለይቲ እናኣዋፈረ ንዜጋታት ብዘይ ገበን ዝቕፍድ ዘሎ መን ድዩ? /ኣብ 2006 ዓ.ም. ቤተ-ክርስትያን ኣቡነ-ተክለ ሃይማኖት ሓዝሓዝ ኣኪባቶ ዝነበረት 600 ሽሕ ናቕፋ ናብ ህግደፍ ተረኪቡ/ ንሞባእ ዝወስድ መንግስቲ ተሰሚዑ’ዶ ይፈልጥ ኢዩ? እንታይ ኢዩ ወሪዱና ዘሎ?

ኣብ ሕጊ እንዳባን ዘመናዊ ሕግታትን፣ ቅትለት ሰብ እቲ ዝዓበየ ገበን ኢዩ። ሰብ ዝቐተለ’ሞ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ንዝተፈልጠ ገበነኛ፣ ‘ኦሮማይ ዓመታት ነዊሑ ኢዩ’ ዝብል መመለሲ ሕጊ የለን። ገበን ከም ዝብላዕን ዝስተን ኣቕሓ መሸጣ መዓልቱ ኣሕሊፉ’ዩ /Expire/ ኮይኑ ተባሂሉ ኣይፈልጥን። ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ስርዓት ሂትለር ገበነኛታት ንዝነበሩ ኣብ ዝርከቡሉ ዝነበሩ ዓመታት፣ ‘ዋእ ሎሚስ ኣሪጎምን ቆሪቦምን ኢዮም’ ኢሉ ሕብተረ-ሰብ ዓለም ኣይነሓፎምን።

ኣብ ገበናት ሩዋንዳን ዩጎዝላቭያ ነበርን በብዓመቱ ዝርከቡ ዘለዉ ገበነኛታት’ውን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ናብ ሕጊ ይቐርቡ ኣለዉ። ኢሳይያስ’ውን ኢዱ ናብ ገበን ካብ  ዘእተወላ መዓልቲ ክሳብ ሎሚ ንዝፈጸሞም በደላት ደጊም ዝግበረሉ ይቕሬታ የለን። ከምቲ ስሎቮዳን ሚሎሶቪች ኣብ ዘ ሄግ ተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንጀራ ዓለም ዝበልዕ ዝነበረ ዘይኮነስ፣ ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ደሙ ዘይከም ደም ወዲ ዓፋ ኣብ ኣኻውሕ ጅግንነት፤ ኣብ ቅድሚ ሆጭ  ዝበለ መጋባእያ ህዝቢ ክፈስስ ኣለዎ። ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣነጻጺሩሉ ካብ ዘሎ ‘ቀጭ-ሕርሙ’ ከምልጥ ኣይክእልን ኢዩ። ጸጥታ…ሓለዋ…ስለያ…ክታብ /ሕጃብ/…ኣውልያን ጥንቆላን ወ.ዘ.ተ…ንዘለኣለም ዘንብር ሓጹር እንተዝኸውንሲ እቶም ዝነበሩ ነገስታትን ጻራትን ምሃለዉ።

‘ቁርዲድ ኣለኹ እናበለ ምስ ቆርበት ይሽየጥ’ ከም ዝበሃል ድማ፣ እዞም ሎሚ ከም ቃዕቃዕታ ምስ ኢሳይያስ ተሰሚሮም ዘለዉ ሰባት ሽዑ ኢዮም ክቐብጹ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲን መስዋእትን ግዜ ተሸጒጦም ዝነበሩ፣ ሎሚ ኣብ ግዜ ህግደፍ <<ሓድሽ ካምሻ ኤርትራዊ መንነት>> ዝለበሱ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተኸወሉን። ምናልባት ኣብ ከምዚ ሎሚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ሕልኽላኻት፤ ኢሳይያስ ከም በዓል ቃዛፊን ካስትሮን ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ ዝመስሎም፤ ወይ ከም በዓል ሸኽ ዛይድ እብን ሱልጣን ኣልናህያን ንኢማራት ኣልዓረብ ኣልሙታሒዳ ምድረ-ገነት ዝገበሩወን፤ ኢሳይያስ ከኣ ብወርቂ፣ ኣልማዝን ነዳዲን ንኤርትራ ምድራዊት ገነት ዝገብራ ዝመስሎም ሰባት እንተልዮም፤ ቀትሪ ጸልሚትዎም ከም ዘሎ ጥራይ  ከዘኻኽሮም እደሊ።

እቲ ወርቂ…ኣልማዝን ነዳዲን ከኣ ናትና ናይዞም ብመቕዘፍቲ ኢሳይያስ ደበሳ ኢዮብ ክንድበስ እንጽበ ዘለና ደቂ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ወርቂ ንዝተደርመመ ኣራእስ ኣዴታት ዝስልመሉ፣ ዝተሰደ ዝምለሰሉ፣ ዝዓነወት ኤርትራ ትህነጸሉ፣ ዩኒቨርሲቲን ኮለጃትን ዝዕምብባሉ፣ ዘይከም ላግጺ ሓወልቲ ሩስያዊ ፑሽኪን፤ ነባሪ ሓወልቲ ሰማእታት፣ ከም ወዲ ዓፋን ዓሰርተታት ኣሽሓት መቓብርቱን ዝስረሓሉ… ክኸውን’ምበር ኣብ ካዝና ኢሳይያስን ሓጎስ ክሻን ዝቕመጥ ኣይክኸውንን ኢዩ።

ኢብራሂም ዓፋ ኣብ ዝባን ዓጋመት ብኢሳይያስ ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ ኣብ ዝተወስደሉ ግዜ ገለ ተጋደልቲ ሽዑ-ንሽዑ ዝፈለጡ ነይሮም። ገለ ድማ ድሕሪ ሓደ ዓመት…ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት፤ ገለ’ውን ብድሕሪ ናጽነት። ናይ ምቅዋም መንገዲ ኣይነበረን። ዝኸኣለ ክሳብ ራህዋ ዝመጽእ ትም! ዘይከኣለ ካብ ምጭናቕ ርእሰ-ቅትለት ወይ  ምህዳም መሪጹ።

በቲ ጨካን ስጉምቲ ኢሳይያስ ርእሰ-ቅትለት ዝፈጸሙ ተጋደልቲ ነይሮም። ዝሰንበዱ ገዳይምን ሓለፍቲን ዝነበሩ፣ሽዑ ካብ ሜዳ ዝሃደሙ ከኣ፤ ኣዛዚ ብርጌድ 23 ዝነበረ እድሪስ ብርይራይን ሓላፊ ክፍሊ ዕቃበ ብረት /ኤምዳድ/ ዝነበረ ተጋዳላይ ዑመር ስፋፍን ነይሮም። ዑመር ስፋፍ ቀልጢፉ ንሜዳ ተመሊሱ “ጌጋይ ኣሪመ ንመስዋእቲ ህዝበይን ሃገረይን ተመሊሰ ኣለኹ” ኢሉ ድሕሪ ንነብሱ ምንቃፍ፤ ከም ዕላምኡ ተሰዊኡ። ኣዛዚ ብርጌድ 23 ዝነበረ እድሪስ ብርይራይ ኣብ ግዜ ናጽነት ናብ ኤርትራ ኣትዩ’ኳ እንተነበረ፣ እንደገና ናብ ስደት ተመሊሱ ብሂወቱ ኣብ ኤውሮጳ ከም ዘሎ እሰምዕ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ እዋን ሓምሳታት ተረፍ-መረፍ ጻሕሊ እንዳማቶም ዘላምጹ ብዙሓት ዓቀይቶት ርእዩ ስለዝኾነ፤ በዞም ናይ ሎሚ ልቕብቃብ ሪኪያሞ ህግደፍ ዝተኸድኑ፤ ግሩሃት ሰባት ንከዘምብሉ ኣንጻር ማዕበል ዝጎዩ ዘለዉ ናይ ጥፍኣት ልኡኻት ኣይደናገርን ኢዩ። እቲ ካብ ግዜ ሰውራ ክሳብ ምቕፋድ ጉጅለ 15፣ ክሳብ ሎሚን በብግዚኡ ዝፈሰሰ ደም ጅግና፣ ንዕኦም ደም ከልቢ ስለዝኾነ ኢዮም ሎሚ ‘ሞትናን ልምዓትናን ምስ ኢሳይያስ’ ዝብሉና ዘለዉ። ጉዳይ ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ኣብ ትዝክረሉ ግዜ፣ ካብቲ ዝሓዝካዮ ቀንዲ መንገዲ ናብ ሓያሎይ ጓል መንገዲ የእትወካ ኢዩ። ስለዚ ክቡራት ኣንበብቲ! ኣብ ገለ ክፋል ጽሑፈይ ንኣሽቱ ተመሳሰልቲ ፍጻሜታት እንተኣእተኹ፤ ናብቲ ቀንዲ ጉዳይ ጥራይ ንክትጥምቱ ደጊመ እላቦ።

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ ንምትግባር እቲ ሽዑ ዝነበረ ሸብድ-በዳት ተዓዚብና። ኢሳይያስ ከምቲ ኣብርሃም ተወልደ ንምቕታል ስሚ ዘስቲ ሰብ ኣዋዲዱ ናብ ኣፈልባ /ኣባ ተክለሃይማኖት/ ዝገሸ፣ ኲናት ባድመ ንምውላዕ ናብ ሱዕድያ ዝኸደ፤ ኣብ ስርሒት ቅንጸላ ወዲ ዓፋ ድማ ነቲ ኩሉ ስራሓት ኣዋዲዱ ንካርቱም ኢዩ ዝተበገሰ። ፊሊጶስን ሓሊባይን ምስ ኦፐረተራቶም ምሸት ቶዮታ መኪና ናብ ጥቓ ሩባ ዓራግ፣ ከባቢ እግሪ ታባ ደብረ እበን /ሰሜናዊ ምብራቕ ካብ ገረግር/ ኣብጺሓቶም ከም ዝነበረት፣ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ከኣ ናብ ሓሊበት ተመሊሳ። ሎሚ እቲ ምላቑ ምስጢራት ምሉእ ፍጻሜን ንጹር ስእሊን ዝህብ’ኳ እንተዘይኮነ፣ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ቅትለት ወዲ ዓፋ ንምፍላዮም ግን ዘጸግም ኣይኮነን።

እዞም ክልተ ሓለፍቲ ብወገን ሰሜናዊ ምብራቕ ዝኸዱ ኣምሲሎም  ጸልማት ጉልባብ ገይሮም ደድሕሪ ኢብራሂም ናብ ዓጋመት ደይቦም ኢዮም። ኣብ ጥቓ ወዲ ዓፋ ዝነበሮ ኣድብዮም ከም ዝሓደሩ፣ ሳይለንሰር ምስ ዝዓጠቑ ረሸንቲ ጉጅለ ብኮድ ድሕሪ ምርኻቦም ከኣ፣ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ንኢብራሂም ዓፋ፣ ሻምበል መብራህቱን ዮሴፍ ዝተባህለ ኣውቲስትኡን ምስኡ ደይቦም ዝነበሩ ኣባላቱን ቀተሉዎም።

ንእለት በዓል ፊሊጶስ ኣብ ጥቓ እቶም ረሸንቲ ኮይኖም ኣድራጋ ቶኽሲ እናተኮሱ ናብቲ ኩምራ ሬሳታት ተሓወሱ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ዝገለጽኩዎ ከኣ፣ ዓላማይ ወዲ በላይ /ኢዱ ቆራጽ ተጋዳላይ/ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዘበገሶም ተጋደልቲን ካብ ምኽታት ግንባር ሓልሓል ዝተረፉ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ዊናን ናብ ዝባን ዓጋመት ንረዳት ኣብ ዝጎይሉ ዝነበሩ ወጋሕታ፤ ኣብ መንገዲ ዝጸንሖም መስፍን ሓጎስ፦

“ተመለሱ ወላ ሓንቲ ነገር የለን። ገለ ውሑዳት ስለያ ኢየን ቶግ-ቶግ ኣቢለን ጸኒሐን። ግን ኩላተን ኣብኣ ተዛሕዚሐን ኢየን። ኪዱ ተመለሱ ኣመት ኣሃዱታትኩም ግበሩ” ኢሉ ከም ዝመለሶም ብሂወት ዘለዉ መሰኻኽር ኣለዉና፣ ጽባሕ ንግሆ ድማ ባዕሎም ክምስክሩ ኢዮም። ቅድሚ ሰሙን ኣብ ኢ-መይለይ ዝረኸብኩዎ ተወሳኺ ናይ ዓይኒ ምስክር ድማ፣ ሓደ ሽዑ ከብዱ ተወጊኡ ንመዓናጥኡ ብጨርቂ ጀኒኑ ብስንባድ ናብ ክፍሊ ባህሊ ዓራግ ዝወረደ ተስፋኣለም ዝተባህለ ኣባል ክፍሊ ታዕሊም ተጋዳላይ ተራእዩ ነይሩ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናበይ ከም ዘእተዉዎ ግን ዝፈለጠ ሰብ ኣይነበረን።

ነቲ ተዋስኦ ሓቀኛ ጉዳይ ከም ዝኾነ ንምምሳል ከኣ ቶኽሲ ክሳብ ፋዱስ ጸጸኒሑ ተሰምዐ። እቲ ዝወፈረ ኣሃዱ ስለያ ጸላኢ እንተድኣ ነይሩ፣ ቶኽሲ ከኣ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ተኸፊቱ። ‘’ኩላተን እተን ንስለያ ዝወፈራ ተቐቲለን ኢየን’’ ተባሂሉ ተዘሪቡስ፣ ስለምንታይ ደኣ “ተቐቲለን” እንተኾይነን ቶኽሲ ክሳብ ፋዱስ? ናይ ዓወት ቶኽሲ ኢዩ ክትኮስ ዘርፈደ ከይንብሎ፣ ህዝባዊ ግንባር ኣይሽንኳይዶ ንሓደ ጉጅለ ስለያ ደምሲሱ፣ ንዝኾነ ወተሃደራዊ ዓወት’ውን ቃሕ ከም ዝበሎ ጠያይት ንሰማይ ተኲሱ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ኣብ ስልቲ ወተሃደራዊ ስለያ፣ ዝኾነ ብለይቲ ዝወፍር ኣጥቃዒ ብጸልማት ኣጥቂዑ መሬት ቅድሚ ምብርሁ ናይ ግድን ናብ ደጀኑ ክበጽሕ ነይሩዎ። ስለያ ጸላኢ ክሳብ መሬት ዝበርህ ኣብ ዝባን ዓጋመት ኳሕ-ገም ከብል እንተውዒሉ ግን ባዕሉ ንሞት ተፈሪዱ ምባል ይሓይሽ።

መስፍን ሓጎስ ብዱሮ ካብ ዓንበርቦብ ናብ ዓራግ ምስ ወዲ ዓፋ ብዝነበሮ ቆጸራ ንምሕዳር ከም ዝኸደ፣ ደሓር “ፊሊጶስ ናይ ግድን ምሳይ ሕደር ስለዝበለኒ…” ኢሉ ምስ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ  ምሕዳሩ፤ ቶኽሲ ኣብ ዝባን ጎቦ ዓጋመት ተሰሚዑ ተጋደልቲ ንረዳት ኣብ ዝጎዩሉ ዝነበሩ ግዜ ድማ ኣብ መንገዲ ዓጋመት ጸኒሑ “ተመለሱ ወላ ሓንቲ ነገር የለን” ኢሉ ምምላሱን ዝተሓላለኸ ኣጋጣሚታት ኢዩ። ብኸመይ ኢዩ ኪገጣጠም ከኣ ንኣንባቢ እገድፎ።

ተጋዳላይ መስፍን ኣብ 2001 ካብ ኣስመራ ምስ ወጸ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ብዛዕባ መስዋእቲ ኢብራሂም ዓፋ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፦ ‘’ምስ ኢብራሂም ንክንራኸብ ቆጸራ ነይሩና ኢዩ፣ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ተሰዊኡ’’ ኢሉ ነይሩ። ስለዚ ገለ ንእሽቶ ካብቲ ዓቢ ምስጢር ወዲ ዓፋ ከምዚ ኣብ ክልተ ክፋላት ቀሪቡ ዘሎ ይመስል። ‘ሰብ ይሕመ ዕባራ ይግመ’ ከም ዝበሃል ከኣ፤ ካብቲ ናይዞም ሓለፍቲ ዝነበረ ወዛሕዛሕ /ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ፣ መስፍን ሓጎስ፣ ኢዮብ ሓሊባይ/ መን እንታይ ዓይነት ተራ ነይሩዎ ንምፍላጥ ዘጸግም ኣይኮነን።

“እሕሕሕ! ዘይተሰርነቐ ይኽእላ” ከም ዝበሃል፣ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ብሰናፍጭ ህዝቢ ኤርትራ ከይተሰርነቕካ እንከለኻ፣ ን5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ትኽሕሰሉ ሰዓት ሎሚ ይኹን። ናብ ሜዳ ኤርትራ ግዜ ደርሆ-ነቆ ስለዝወጻእካ፤ ኣብ ዝሓለፈ ናይ በረኻ ቅንጸላ ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራውያን ምስ ኢሳይያስ ቀንጻሊ ኔርካ ወይ ድማ ሎሚ ቀንጸልቲ ንዝነበሩ ንገር። ሳልሳይ መንገዲ የለን!

“ኣንቱም ተባሂልካ፣ ኣንታ ምባል እታ ካብ ኩላ ዝጸልኣ ኢያ” በለ ኣንበሳ ከም ዝበሃል፤ ኣብቲ እምባ መግዛእቲ ብኳዕናኑ ዝነበረሉ ግዜ፣ ንግንባር ናቕፋ መሪሕካ ክሳድ ዓዲ-ሽሩም ከም ስርኤል ቀትሪ ዝተራኣኻ ኣቶ መስፍን፣ ሎሚ እነሆ ዓቢ ታሪኻዊ ብድሆ ኣብ ቅድሜኻ ተዃዕኒኑ ኣሎ። ተመለስ’ሞ ንድሕሪት! ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ኣብ ዝተገብረ 3ይ ውድባዊ ጉባአ ህዝባዊ ግንባር ብዝረኸብካዮ ድምጺ’ዶ ኣይኮነን ‘ኢሳይያስ ተዓዊቱ’ ዝብል መናፍሕ ዝተሰምዐ።

ዘይንፈልጦ ከይመስለካ ንኢሳይያስ በዓል ዓቢ ውዕለቱ ኢኻ’ኮ! ካብ 1971 ክሳብ ምርጫ ጉባአ ናቕፋ ዝነበረ ድጉል ሕኸኸኒ-ክሓከካ’ውን መቓብሩ ዓሚቑ ኣይኮነን። ንኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ባዕሉ ኢሳይያስ ከም ዋዛ ኣብ ዋዕላ ባሊኔኪ “ስልጣን ንሓድሽ ወለዶ ከነረክብ ኣሎና፣ ንሕና እዞም ኣረግቶት ይኣኽለና ንተኣለየሎም… ሕጂ ፈጻሚት ሽማግለ ዝኾኑ እገላ…እገላ” ክብል ከሎ፣ ኔርካ’ዶ ኣቶ መስፍን? ደሓር ደኣ ናብ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ህግደፍ ስለምንታይ ካብ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ነበር ንዓኻ ጥራይ መሪጹ ባዕሉ ድማ ፕረዚደንት ኮይኑ ኢሳይያስ? ስለዚ እሕሕሕ! በል። ኣይፋል እንተበልካ ከኣ እታ ኩላትና እንጽበያ ዘለና ጉዕዞኻ ናብ ኣስመራ ኣይትደንጒ።

‘ኣለና’ ብዛዕባ ኣወጻጽኣኻ ዝፈልጦ ምስጢር’ውን ኣሎ። ቅድሚ ምውጻእካ ዝነበራ ሰለስተ ለይትታት፤ ካብ ሰዓት 02:00 ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 04:00 ኣበይ ኔርካ? ዝግ ኢልካ ናብ ድሕሪት፣ ኣስመራ ተመለስ! ሎሚ ነዚ ድከቱ ዝሰተየ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽሕሶ’ምበር ዝጻወተሉ ኣየድልን ኢዩ። ይኣክል ላግጺ! ‘ዓሻ በጊዕ ምስ ተኹላ ዕርክነት’ ንዘለኣለም ዝነብር ምሕዝነት ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ጉዕዞ ኢሳይያስ፣ ወላ ሓንቲ ኣጻብዕቱ’ውን ናብ ደም ዝኣለኸ ሰብ ብደቂቕ ሕሳብ ክጸባጸቦ ምድላዋቱ ከጻፍፍ ኣለዎ። ግዜ ምጽብጻብ ይቀራረብ ኣሎ።

ክቡራት ኤርትራውያን! ብዛዕባ ሜ/ጀ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ክጸሓፍ ኢዩ። ጉዳይ ኢዮብ ሓሊባይ ንምንጽጻር ግን ኣብቲ ብጉዳይ ብልሽውና ተኣሲሩሉ ዝነበረ ግዜ፣ ኢሳይያስ ኣብ ሲነማ ካፒቶል ተኣኪቡ ንዝነበረ ህዝቢ ከምዚ ክብል ከይተፈለጦ ንእሽቶ ምስጢር ኣምሊቑ ነይሩ፦ “…በዓል ሓሊባይ! እቶም ቀንዲ የማናይ ኢድና ዝነበሩ ናብ ብልሽውና ክኣትዉ…ዘገርም ኢዩ”

ምስጢር ንክልተ-ሰለስተ ዕቑድ’ምበር /ዕስራ-ሰላሳ ዓመታት/ ንዘለኣለም ተቐቢሩ ኣይተርፍን ኢዩ። ስለዚ ነዚ ጀሚረዮ ዘለኹ መኽፈቲ ቅቡር ምስጢራት፣ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ገዳይም ተጋደልቲ… ካድራትን ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሮምን ብዙሓት ሰባት ኣብ ስደት ኣለዉ። ነቲ ብሰንኪ ኢሳይያስ ዚዘርኦ ክርዳድ ከም ሰኽራም ኣንፈቱ ስሒቱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘዝፈልጥዎ ክጽሕፉ ጀሚሮም ኣለዉ። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ታሪኽ ንምስናድ ርሳሱ ዘብልሕ ሰብ ኣየድልን ኢዩ። እቲ ምንታይ፣ ሽዑ እቲ ተካል መጋብር ዝሓዘ ሰነዳት ኣብ ገዛ ኢሳይያስ ክንረኽቦ ስለዝኾንና።

ኢሳይያስ ዝኾነ ምስጢር ዝፈልጥ ሰብ ብሂወት ክነብር ኣይደሊን ኢዩ። ግን ዝተረፈኒ ሰብ የለን እናበለ <<ኣለና>> ኢልናዮ። ከምቲ ኣብ መጥቃዕቲ ተስፋምህረት፣ ነቲ ባዕሉ ድርብ ስለያ ገይሩ ዝለኣኾ ተኪአ /ሽፍታ/ ብድሕሪ ምቕታል ናይቲ ዝደልዮ ሰብ፤ ‘’ነቲ ከዳዕ ተኪአ ናብ ሓደ ስንጭሮ ወሲድካ ኣካርጆ” ዝበሎ፣ እቶም ኣብ ምቕንጻል ወዲ ዓፋ ዝተሳተፉ ተጋደልቲ’ውን ሽዑ ንሽዑ ኢዮም ተረሺኖም። ክንደይ ኢዮም…በዓል መን ኢዮም ነይሮም… መን’ከ ረሸኖም… ኣበየናይ ቦታ፣ ስለምንታይ? ዝብሉ ሕቶታት ብመዓልቶም ክምለሱ ምዃኖም እኣምን።

ኣብዚ ክለዓል ዝግበኦ ሕቶ ግን፣ ስለምንታይ ኢዩ ኢሳይያስ ታሪኹ ብቅንጸላ ዝተመልአ ኮይኑ? ካብ 1970 በብዓመቱ ሰባት እናኣሕነነ ብዙሓት ዘይተዘርበሎም ንጹሃት ተጋደልቲ ተረሺኖም ኢዮም። ከም በዓል ገብረጻድቕ ጓንጉል፣ ኪዳነ ጅኑቢ /ኣብ ውግእ ሓድሕድ/ ወ.ዘ.ተ. መን ዘኪሩዎም ይፈልጥ? ሎሚ ምስ ጉዳያት ‘መንካዕ’፣ ‘የሚን’፣ ጉጅለ 15፣ ኣነጻጺርና ኣብ እንግምግመሉ ግዜ፤ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኢብራሂም ዓፋን  ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ዝነበረ ዝምድና ኣብ እንምርምረሉ፤ እዚ ሰብ’ዚ ሓደ ክበጽሖ ዝደለዮ ገና ኣጸቢቑ ዘይተጋህደ ድጉል ኣጀንዳ ስለዘለዎ ጥራይ ምዃኑ ብንጹር በሪሁ ኣሎ።

ሜ/ጀ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብቲ ብ1993 ብዛዕባ ጉዳይ ‘ምሕቃቕ ሰልፊ’ ኣብ ባሊኔኪ /ከባቢ ዓዲ ኣበይቶ/ ዝተገብረ ኢሳይያስ ዘማእከሎ ዓቢ ኣኼባ፤ ኣብ ዝተገብረ ክትዕ ንሜ/ጀ ተኽላይ ሃብተስላሰን ሜ/ጀ ሃይለ ሳሙኤልን /ቻይና/ “…ንስኹም ሓሰውቲ ኮራኹር ኢኹም” ክብል ዓው ኢሉ ጸሪፉዎም ኢዩ። ፊሊጶስ ቅድሚ 1985 ኣብ ብዙሓት ኣኼባታት ምስ ኢሳይያስ ይተሃላለኽ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት  ኣብ ዜሮ /ከባቢ እግሪ ጎቦ ዛግረ/ ብኢሳይያስ ዝተገብረ ናይ ሓለፍቲ ኣኼባ “…ኣነን ንስኻን ኣጸቢቕና ንፋለጥ ኢና። ስለዚ ኣብዚ ግንባር መጺእካ ኣብ ክንዲ ትወራዘ ኪድ ኣብ ቤት ጽሕፈትካ ዘሎ ግዕዘይ ኣጸራሪ…ይኣኽለካ! ኣብ ኲናት እፈልጠካ’የ ኣብ ሰላም ከኣ እፈልጠካ’የ” ኢሉ ብድፍረት ተዛሪቡዎ ነይሩ ኢዩ። ብድሕሪ’ቲ ኣኼባ’ውን “…ኣቦታቱ ናይ ኣቦታትና ኣባቕል ይሕልዉ ነይሮምሲ ግዜ ሂቡዎ ይእዝዘና ኣሎ” እናበለ ይዝልፎ ነበረ።

ኢሳይያስ ንኢብራሂም ዓፋ ክቕንጽለሉ ዝኽእል፣ ከምኡ’ውን ንድሕረ-ባይታኡ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ሓደ ተባዕ ሰብ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ጥራይ ምንባሩ ኣይሰሓቶን። ክሳብ ንፊሊጶስን ካልኦትን በብመዓልቶም ዘረኻኽበሎም፣ እቲ ኣፈርኩቡ ዝነበረ ጉዳይ ምቕንጻል ወዲ ዓፋ ስለዝነበረ ግን፣ ብረብሓ ገንዘብን ሽሕጣን ንስልጣንን ናይ ግድን ንፊሊጶስ ክሕዝ ነይሩዎ። ስለዚ እታ ንክልቲኦም ዘተኣሳሰረት ጉዳይ ድራማ ቅንጸላ ወዲ ዓፋ ኢያ ዝነበረት። ቀንዲ ተሓባባራይ ፊሊጶስ የድልዮ ስለዝነበረ ከኣ፣ መን’ዩ ዓርኩን ኣማኒኡን ሰብ ክደሊ ግድነት ኮነ። ሎሚ ካብ ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢሳይያስ፣ ካብ ግዜ ሰብዓታት ክሳብ 2001 ቀንዲ ዓርኪ ፊሊጶስ ዝነበረ ድማ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ሓላፊ ዝነበረ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ኢዩ።

ካብ ኣርእስትና መታን ከይንእለ፣ ብዛዕባ ፍሉይ ዕርክነት ኢሳይያስን ፊሊጶስን፤ ካብ 1985 ክሳብ ‘ወፍሪ ኣሶሳ’ ጥሪ 1990፤ ክሳብ ግዜ ናጽነትን ምብራዕ ኲናት ባድመ ግንቦት 1998፤ ክሳብ ጉዳይ ፍቕረን ሳምሶን ወዲ ቀሺን መስከረም 2007፤ ሎሚ ከም ምክትል ኢሳይያስ ኮይኑ ናብ ዝኾነ ሚኒስትሪ ወይ ኣሃዱ ኢዱ እናኣእተወ ቃሕ ከም ዝበሎ ዝገብረሉ ዘሎ ግዜን፤ ኣብ ዝመጽእ ክፋላት ከቕርቦ እየ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኢሳይያስ ካብ ፍልሙ ዝተለሞ ዘርኢ ክርዳድ፣ ዝበሃጎ ስርናይ ክምገብ ኣይከኣለን። ሎሚ ህዝብና ስርናይ ኢዩ ዝበልዕ ዘሎ ዝብሉ ሰባት ሰሚዐ። እምበር’ዶ ኤርትራዊ ደም ኣለዎም? ህዝቢ ኤርትራ ስርናይን ክርዳድን እንተተቐሪቡሉ ነየናይ ኢዩ ክመርጽ ኣብ ክንዲ ምባል፤ ነታ ሳዕሪን ዓንዴልን ፈላልያ ትፈልጥ ጤል ምውካስ ይሓይሽ።

ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ኢብራሂምን ዝነበረ ዘይምርድዳእ፣ ካብ ግዜ ቀዳማይን ካልኣይን ወገናት ህዝባዊ ሓይልታት /1971/ ዝጀመረ ምንባሩ ኩሉ ገዲም ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ሓደ ካብቶም ኢሳይያስ መዓልቲ ዝጽበየሎም ዝነበሩ መሪሕነት ኢብራሂም ዓፋ ኢዩ ዝነበረ። ኢብራሂም ብወተሃደራዊ ክእለት ልዕሊ ኢሳይያስ’ምበር ትሕቲኡ ኣይነበረን። እዚኣ ከኣ እታ ሕማም መርዘኑ ንኢሳይያስ ዝነበረት ኢያ። ኣብቲ ክልተ ክፋላት ህዝባዊ ሓይልታት ነንበይነን ዝነበራሉ እዋን፣ ኢብራሂም ዓፋ፦ “እዚ መስፍን ሓጎስ ተኣሲሩ ክምርመር ኣለዎ” ኢሉ ነይሩ ይበሃል።

ምኽንያቱ መስፍን፣ ኣብ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ምስ 1) ሮሞዳን መሓመድ ኑር 2) መሓመድ ዓሊ ዑማሮ 3) መሓመድ ዑመር ዓብደላ 4) ዓሊ መሓመድ ዑስማን 5) መሓሪ ደበሳይ ወ.ዘ.ተ… መሪሕነት ተመሪጹ እንከሎ፤ ብቐትሪ ምስ ቀዳማይ ወገን፣ ብለይቲ ከኣ ናብ ካልኣይ ወገን እናኸደ ምስ ኢሳይያስ ምስጢራዊ ርክባት ይገብር ስለዝነበረ ኢዩ ወዲ ዓፋ ‘ምስጢራት ውድብ የበጻጽሕ ስለዘሎ ይመርመር’ ዝበለ።

ኣብ 1967 ዓ.ም. ካብ ሓይሊ ባሕሪ ባጽዕ ዝተሰለፈ  ኢብራሂም፤ ኢሳይያስ ንስልጠና ብ1967 ናብ ቻይና ምስ ከደ፤ ንሱ’ውን ብ1968 ዓ.ም. ናብ ኩባ ተላኢኹ ነበረ። ኣብቲ ካብ 70ታት ክሳብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባአ /1977/ ዓ.ም. ዝነበረ እዋን ሓሓሊፉ ኣብ መንጎኦም ዘይምርድዳእ ከም ዝነበረ ኩሉ ገዲም ተጋዳላይ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ኢብራሂም ኣብ ኲናት መራሒ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ተባዕ ተዋጋኣይ ምንባሩ ከኣ ንዝና ኢሳይያስ ዝቆራቖስ ኮይኑ ይረኣዮ ስለዝነበረ፤ ፈጺሙ ኣየደቀሶን።

ኢብራሂም ዓፋ ኣብ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ኢዩ ዝነበረ። እንተኾነ ምስ ኢሳይያስ ካብ ዝተራኸበሉ ግዜ ንደሓር፣ ስሱዕን ተበላጺን ምንባሩ ኣይሰሓቶን። በቲ ናብ ኣኼባታት እምባህራን ተኽሊን ዘቕርቦ ዝነበረ ተበላጺ ተሳትፎ ድማ ይቕበሎ ኣይነበረን። ጉዳይ መስዋእቲ ኣብርሃም ተወልደን ርክብ ኢሳይያስ ምስ ሲ.ኣይ.አ. ኣብ ቃኘውን’ውን ይሕመ ስለዝነበረ፤ ኢሳይያስ ብኢብራሂም ዓፋ ቅቡል ኣይነበረን። ስለዚ ካብ ግዜ ምጅማር ሰብዓታት ክልቲኦም በብውሽጦም ተፋሊጦም ኢዮም። ሰባት ምንጻል ቀንዲ ስርሑ ገይሩ ዝዓዪ ኢሳይያስ ኣብቲ ግዜ’ቲ ገና ክልቲኡ ሓይልታት ከይተወሃሃደ እንከሎ’ውን ኣንጻር ወዲ ዓፋ፦ “…ቀዳማይ ወገን ብረት ንክህቡና ወሲኖም ነይሮን ኢቶም። ኢብራሂም ዓፋ ግን ተቓዊሙና፣ ስለዚ ኣብ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ሓደ ጸላኢ ከም ዘለና ተረዲእና ኣለና” እናበለ ጸለመታት የካይድ ነበረ።

ቅድሚ 1ይ ውድባዊ ጉባአ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ኣቀዋውማ ሓይልታት ህ.ግንባር፤ ኣዛዚ ቦጦሎኒ 5 ኢብራሂም ዓፋ፣ ኮሚሽነሩ ከኣ ዶ/ር ኢዮብ ገብረልኡል፤ ኣዛዚ ቦጦሎኒ 4 ድማ ወልደንኪኤል ሃይለ ናይ ፖለቲካ ኮሚሳር ከኣ በራኺ ገብረስላሴ ነበሩ። ኣንጻር ጸላኢ  ይካየዱ ኣብ ዝነበሩ ውግኣት፣ ዓበይቲ ዓወታት ይሕፈሰሉ ኣብ ዝነበረ ግዜን ዝና ወዲ ዓፋ መመሊሱ ይድይብ ነበረ።  ኣብቲ ብወርሒ ጥሪ 1977 ዝተገብረ 1ይ ውድባዊ ጉባአ ከኣ ኢብራሂም ዓፋ፣ ኣባል ፖለቲካዊ ቤ/ጽ ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፣ መራሒ ቦጦሎኒ 4 ዝነበረ ተጋዳላይ ወልደንኪኤል ሃይለ ግን ‘ደጋፊ መንካዕ’ዩ’ ብዝብል ክሲ ኢሳይያስ፣ ናብ ጉባአ ኣይተሳተፈን።

እቲ ጠንቂ ዘይምስታፍ ወዲ ሃይለ ድማ፣ ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝነበሮ ሓርፋፍ ዝምድና ዝተበገሰ ኮይኑ፣ ቀንዲ ጸብጻባት ወዲ ሃይለ ናብ ኢሳይያስ ዘመሓላልፍ  ዝነበረን ከኣ ሓላፊ ናይተን ክልተ ቦጦሎኒታት ደቡብ ዝነበረ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ነበረ። መስፍንን ኢሳይያስን፣ እቶም ክልተ ቀዳሞት ሰልፊ /ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ/ (Eritrean Peoples’ Revolutionary Party) ዝመስረቱ ሰባት ኢዮም። ንኢሳይያስን ምስጢራቱን ከም ሕንጻጻት ኣጻብዕቲ ኢዱ ዝፈልጦ ብህይወት ዘሎ ሰብ፣ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ኢዩ። ኣቶ መስፍን ነቲ ካብ 1970 ክሳብ 2001 ዓ.ም. ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝፈጸሞ ገበናት እንተዝነግረና፤ ነድሪ ህዝቢ ኤርትራ ከም ማዕበል ሱናሚ ንዓለም መናወጸ። እነሆ ሕጂ’ውን እቲ ካሕሳ ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ኣፉ ከፊቱ ድምጺ ንክሰምዕ የንባሁቕ ኣሎ።

ክቡራንን ክቡራትን! ተዋስኦ ቅንጸላ ወዲ ዓፋ ኣብዚ ይድምደም። ተወሳኺ ሓበሬታ ዘለኩም ዜጋታት በብመንገድኹም ናብ ህዝቢ ክትዝርግሑ እላቦ። ኣብ ዝቕጽል ክፋል፣ ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ፣ ንሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ዝፈጠረሉ ሓለፋን ድርብ ስልጣንን ክንርኢ ኢና። ናባይ እትጽሕፍዎ መአረምታ፣ ተወሳኺ ወይ ምኽሪ ከኣ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻይ ንክትሕብሩኒ ብትሕትና አዘኻኽር።

\n alenakoena@gmail.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

ክሳብ ዳሕራይ ርክብና ሰላም

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ይቕጽል…