Skip to content
Home arrow ትግርኛ arrow ዜና arrow ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ተሰዊኡ።
ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ተሰዊኡ። PDF Print E-mail
Monday, 05 January 2009

ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ብሪኢቶኡ ምስ ጉጅለ 15 ዝተዛመደ ኢዩ ተባሂሉ ምስ ሓዉ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም ኣብ መስከረም 18 2001 ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ብዝወረዶ ኣስካሕካሒ ኣተሓሕዛ ኣብ ትሕቲ ሕክምና ሓይሊ ኣየር ግዝያዊ ሕክምና እናተገብረሉ ብ 26 ታሕሳስ 2008 ሰዓት 9፡47 ብመስዋእቲ ከም ዝሓለፈ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ምስጢር ክሓብእ ክብል፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መሰነይታ ብሰላሕመላሕ ሓመድ ከምዘልበሶ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣፍሊጦም።

ኮሎኔል ተስፋልደት ስዩም ኣብ ሕክምና ሓይሊ ኣየር ኣትዩ ከምዝቐነየ ኣሰና ኣብ እዋኑ ጠቒሳ ነይራ እያ።

 
< Prev   Next >

ኪዳን ምስ መን?

 ኪዳን ምስ መን? - ኣብ ሓቀኛ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝተመርኮሰት ንፊልም ተባሂላ ዝተነድፈት ዛንታ እያ። ግዜ ተሓባቢሩዋ ፊልም ምዃን ክሳብ ዝሰምረላ ግን እንሀትልኩም። በብትርኢት ተኸፋፊላ ክትቀርብ እያ። ንመዘከርታ ተባሂሉ፡ ኣስማት ጠባያታ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ዝተሰውኡ ብጾት ኣስማት እዩ። ሰናይ ንባብ።