> A Tribute to a Gentle Giant- Tesfaldet Alem Meharena

 

ኤርትራ፡ ምስ ክቱር ሓዘና ዝሓለፈት ወላዲት 'ተጋዳላይ ሰኣላይ' ስዩም ጸሃየ



ምንጪ ስእሊ,ቫነሳ ጸሃየ
መግለጺ ስእሊ,
ሮማ ሰሎሞን፡ ኣደኡ ንስዩም ጸሃየ
22 ጥሪ 2024
ቅደሚ ሐደ ዓመት ሮማ ሰሎሞን፡ ኣደኡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሩ ዝተሰወረ ስዩም ጸሃየ ብሞት ካብዚ ዓለም ሓሊፋ። ንሳ፡ ክሳብ ዕለተ ሞታ ደሃይ ወዳ ከይረኸበት ብጓህን ሓዘንን ተዋሒጣ እንከላያ እያ ካብዚ ዓለም ተሰናቢታ።
ተጋዳላይ ሰኣላይ ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ ውሩይ ጋዜጠኛን ሰኣልን ስዩም ጸሃየ፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ብኣዋጅ ኣብ ዝተኣገዳሉን ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም 11 ላዕለዎት መራሕቲ ሃገር ኣብ ዝተኣስሩሉን እዋን፡ 18 መስከረም 2001፡ ምስ 11 ኣሰናዳእቲ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ 23 ዓመቱ ኰይኑ ኣሎ።
ቨነሳ ጸሃየ ብዛዕባ ጓህን ሓዘንን ዓባያ ሮማ ሰሎሞን ንቢቢሲ ትግርኛ ኣዘትያ ኣላ።

ዓባየይ ዘሕለፈቶ ከቢድ ጓሂ

ምንጪ ስእሊ,VANESSA TSEHAYE
መግለጺ ስእሊ,
ቨነሳ ጸሃየ
እቲ ዓባየይ ዘሕለፈቶ ከቢድ ጓህን ሓዘንን ምሳይ እውን ኣሎ። እቲ ቃንዛን ስቓይን ሓርበኛዊ ግዴታይ ስለዘዘኻኽረኒ ካብ ውሽጠይ ክርሕቕ ኣይደልን እየ።
ዓባየይ ሮማ ሰሎሞን፡ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ፍርሕን ዕቃበን ብዅሉ ዓቕማ ንናጽነት ሃገራ ተቓሊሳ። ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ግን ብስዩም ወዳን ሃገራ ኤርትራን ክትሓዝን ኣሕሊፋቶ።
ዓባየይ ምስ ጉሁይ ከብዳ እያ ሞይታ። ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሩ ብዝተሰወረ ስዩም ወዳ እናስተንተነት ብጓሂ ዓሪፋ። ብናይ ቃልሲ ብጾታ፡ ምስላ ዝተደወነን ዝዓነወትን ኤርትራ እናሓዘነት ሞይታ። ኣብ ዝኽሪ ሓደ ዓመት ሕልፈታ እቲ ሕዙን ልባ የጕህየኒ ኣሎ።
ዓባየይ ከም ኵለን ኣደታት ሓርበኛታት ተቓለስቲ እዚ ኣይኰነን ዝግበኣ ነይሩ። ምሉእ ህይወታ ሞዴል ሓርበኛ ተቓላሲት ኰይና እያ ኣሕሊፋቶ ። ኣብቲ፡ ንናጽነት ሃገር ዝተኻየደ ካብ 1961 ክሳዕ 1991 ንሰላሳ ዓመት ዝተናውሐ ቃልሲ ምስ ሸሞንተ ደቂ ማህጸና ውሉዳት ብምሉእ ተሳትፎ ተቓሊሳ። ዕድመ ምስ ደፍአት እውን ደኺመ፡ ከዕርፍ ኣይበለትን። ንውልቀ ሰባትን ውድባትን ዘይኰነ፡ ነቲ ሃገራዊ ዕላማን መትከልን ወትሩ እምነትን ውፍይትን እያ ነይራ።
ኣብ 1994፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ፡ ናጽነት ብምርካቡ ጥራይ ኣብ ሓጐስን ደስታን እንከሎ፡ ዓባየይ ብኢ-ዲሞክራሲያዊ ዝምባለታት ናይቲ ዓወት ተጐናጺፉ ግዝያዊ መንግስቲ ዝመስረተ መሪሕነት ዕግብቲ ኣይነበረትን። ካብ ሽዑ ኣትሒዛ፡ እቲ ኣካይዳ ክእረም ከምዘለዎ ብጋህዲ ተጠንቅቕ ነይራ፤ ካብቲ ዝፈርሓቶ ኣይወጽአትን። እቲ ኣብ ኣእምሮኣ ዝተሳእለ ፍርሒ ነዊሕ ኣብ ዘይኰነ ግዜ ጋህዲ ኮነ።
'ክትጻወሮ ዘይትኽእል ዓመጽ'

መግለጺ ስእሊ,
ኣቤ ስዩም፡ ወላዲኣ ከእስር እንከሎ ጓል ክልተ ዓመት ነይራ
ዓባየይ፡ ኣብቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ውግእ፡ እስቲፋኖስ ወዳ ከምዝተሰውአ ምስተነግረት፡ “ውላደይ ኣብ ዕላማኡን መትከሉን ንናጽነት ዝተሰውአ ጅግና እዩ” ብምባል፡ ብውሕዱ ብውሽጣን ንበይናን እምበር ኣብ ቅድሚ እኩብ ሰብ ኣይበኸየትን። መስዋእቲ ውላዳን ብጾቱን ክቡር ዋጋ ሃገራዊ ክብርን ናጽነትን ምዃኑ ስለእትኣምን ንዅሉ ኣብ ከብዳ ጸይራቶ ነይራ።
ጋዜጠኛን ሰኣላይን ስዩም ወዳ ብ2001 ካብ መንበሪ ገዛኡ ምስ ተወስደ ግን ነቲ ዓመጽ ኣይተጻወረቶን። ኤርትራ ነጻ ክትከውን’ዩ ነይሩ ትጽቢታ። እቲ ናይ መስዋእትን መከራን ዘበን ከብቅዕ’ያ ትጽበ ነይራ።
ኣብ 2001፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትግባረ ቅዋማዊ ደሞክራዊያ ሰላማዊ ምስግጋር ስርዓትን ምርጫን ረጊጹ፡ ኣካይዳኡ ንኸዐርን ብሕጊ ንኽግዛእን ንዝሓተትዎ ኣርካናት ተቓለስቲ መራሕቲ ሰውራን መንግስትን ብጾቱ ኣሲሩን ሰዊሩን፤ ንብሕታዊ ትካላት ፕረስ ብወግዒ ብምዕጻው ፍጹም ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት መስሪቱ።
ሓደ ካብቶም ስሙያት ጋዜጠኛታት እታ ሃገር፡ ስዩም ጸሃየ፡ ምስ ካልኦት ኣሰናዳእትን ኣካየድትን ብጾቱ ተኣሲሩ።
ዓባየይ ሮማ ብኢፍትሓዊ ማእሰርቲ እቲ እተፍቅሮ ወዳን ገዛእ ነብሳን ኣዝያ ትሻቐልን ትሓዝንን ነይራ። በቶም ንወዳ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሃገራ ዝሰረቝን ዘዳቐቝን ናይ ቃልሲ ብጾታ ኣዝያ ሕዝንቲ ነይራ። እታ ዝተቓለሰትላ ኤርትራ እዚ ሕጂ ዘሎ ምልካዊ ስርዓትን መንግስትን ኣይግባኣን’ዩ።
ዓባየይ ሮማ፡ ንመግዛእቲ ኢጣልያ፡ ብሪጣንያ፡ ኢትዮጵያን ኣርኪባቱሉን ነቢራትሉን እያ። ካብ ኩሎም ስርዓታት ግን እታ እሱራት ክብጽሑ ዘይተፍቅድ ኤርትራዊ መግዛእታዊ ስርዓት’ዩ ትብል ነይራ። ዓባየይ፡ ነታ ካብ እዝና ዘይትፈልያ ሬድዮኣ፡ ስዩም ወዳ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምፍትሑ ንከተበስራ ኣጥፊኣታ ኣይትፈልጥን እያ። ኩለ ሳዕ ነቲ ዜና ሰሚዑ ዝነግራ ሰብ ትጽበ ነይራ።
ዓባየይ ብሰንኪ መሪር ሓዘን ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ስዩም ወዳ ኣብ መርዓ ይኹን ኣብ በዓላት ተሳቲፋ ኣይትፈልጥን እያ። ግዜ እናነውሐ ምስ ከደ፡ ነቲ ንስዩም ኣብ ዘለዎ ከይዳ ክትበጽሖን ክትርእዮን እተቕርቦ ዝነበረት ሓሳብ ገዲፋ ኣበይ ከምዘሎን ብህይወቱ ምህላውን ጥራይ ክትፈልጥ ትደሊ ነይራ። ግን ንሱ እውን ኣይተረኽበን። ኣብ መወዳእታ ብሞት እቲ ብ1997 ቀዲሙዋ ዝሓለፈ በዓል ቤታ ትቐንእ ነይራ። ብድሕሪኡ ተሪፋ ነቲ ኵሉ ቃንዛን ስቓይን ምርኣያ ምሒር የጉህያ ነይሩ።
ዓባየይ፡ ኣብታ ብምሒር ቍጽጽር ዓው ኢልካ ዘይትዛረበላ ሃገር ስምዒታ ካብ ምግላጽ በዂራ ኣይትፈልጥን፤ ካብቶም ድምብርጽ ዘይብሎም ደፋራት ሰባት ምዃና ክንገረላ እየ ዝሰምዕ። ንዝዀነ ሰብ ኣይትፈርሕን እያ። ንዝረኸበቶም ሰበ ስልጣን ኣብ ገጾም ንወዳ ክፈትሑዎን ብዛዕባ እታ ሃገር ወሪዱዋ ዘሎ ኣደራዕ ዓው ኢላ ኣማሪራ እያ ትነግሮም ነይራ።
'ንፍቅሪ ዓባየይ ከይጸገብኩ'

ምንጪ ስእሊ,ቫነሳ ጸሃየ
ንስርዓት ኤርትራ ብብዙሕ ነገራት ፈጺመ ይቕረ ኣይብለሉን እየ። ልዕሊ ኵሉ ግን፡ ንዓባየይ፡ ብግቡእ ከይፈለጥኩዋ ብመሪር ጓሂ ከምእትመውት ስለዝገበራ ምሕረት ኣይገብረሉን እየ።
ንዓባየይ ብ2008 ጓል 12 ዓመት እንከለኹ እየ ርእየያ። ብድሕሪኡ እቲ ስርዓት ንዝፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብቓልዕ ስለዝዛረበሉ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ኣይክእልን እየ። ምስ ዓባየይ ዝያዳ ክላለ ምደለኹ፣ ካብ ዕላላት ሰባት ተዘክሮታት ቍልዕነትን ጥራይ ዘይኰነ ባዕለይ ክፈልጣ ምፈተኹ።
ዓባየይ፡ ዘይትፈርሕ፡ ደፋር፡ ሓቀኛ፡ በላሕ፡ መስተንክር ሰበይቲ እያ ነይራ። ምስኣ ግዜ ዘይምሕላፈይ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝነኒ። ብዙሓት ኣዝማደይ ብሰንኪ’ዚ ስርዓትን ንዓዶም ክኸዱ ዘይምኽኣሎምን ዝነበሮም ብምስኣኖምን ኣዝየ እጕሂ። ኣደይ ክሳዕ ሕጂ ናብ መቓብር ኣደኣ ኣይበጽሐትን፤ መዓስ ክትበጽሕ ከም እትኽእል እውን እውን ኣይትፈልጥን እያ። እዚ ከኣ ኣዝዩ የሕዝነኒ።
ኩሉ ሰብ ንዓባየይ ጅግና እናበለ እዩ ዝጽውዓ። እዛ ቃል እዚኣ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ቋንቋታት ናይ ኤርትራ ኰይና ብቛንቋ ትግርኛ ንሓደ ዘይጸዓድ ደፋር፡ ተባዕ ተዋጋኢ፡ ንምግላጽ ዝጥቀሙላ ቃል እያ። ሓቂ እዩ ዓባየይ ኩሉ ሳዕ ጅግና እያ። ፈለማ ንቓልሲ ናጽነት ብምውፋይ ዳሕራይ ከኣ ኣንጻር ዓመጽን ግፍዕን ስርዓት ኤርትራ ዓው ኢላ ብምዝራባ ጅግና እያ።
ናይ ሓቂ ተባዕ ሓርበኛ እያ ነይራ። ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ናይ ዓባየይ ትብዓት እንተዝህልወና ምናልባት እዚ ናይ ኤርትራ ሽግር ቀልጢፉ ምተዓግተ ነይሩ። እወ፡ ክሳብ ናጽነት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ዘደንቕ ሓርበኛነት ኣርእዮም እዮም። ብድሕሪኡ ደኣ’ሞ እንታይ ኮነ? እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ናይ ዓባየይ ታሪኽ ፍሉይ ኣይኰነን። ብዙሓት ሓርበኛታትና፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት መስዋእትን መከራን ፍትሓዊት ኤርትራ ከይረኣዩ ይሓልፉ ኣለው። ነዚ መዋእሉ ዝተቓለሰ ህዝቢ ኤርትራ ብግዝኣተ ሕግን ልዕልና ሕግን ዝመሓደር ስርዓት’ዩ ዝግበኦ ነይሩ።
ዓባየይ ካብ እትመውት ድሕሪ ሓደ ዓመት ጓሂ ልባ ንዓይ እውን ኣረኻኺቡለይ ኣሎ። እቲ ስምዒት ነቲ ሃገራዊ ግዴታይ ክትግብር ሓይልን ድፍኢትን ስለዝዀነኒ ምሳይ ክነብር ተስፋ እገብር። ምእንቲ ፍትሒ እቲ ናይ ቃልሲ ውርሻ ክቕጽሎ እየ። ስቓይን ቃንዛን ወላዲተይን ውጹዕ ህዝበይን ከኣ ንዓይ ዓቢ መዘኻኸሪ ሃገራዊ ግዴታይ እዩ። SOURCE BBC TIGRIYNA