} --> ? include("header2.php") ?>

እቲ ኣብ ልዕሊ ምሁራት ዝነበረ ኣጠማምታ ናይ ህዝባዊ ግንባር

ብዛዕባ ትሕቲ ዕድመ ውትህድርና ተማሃራይ ቤ/ት/ሰውራ

ብተወልደ ካሕሳይ 01/09/2020

እዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተጀሚሩ ዘሎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥን፡ “ነቲ ታሪኽናን ኣመጻጽኣናን ከም ዘለዎ (ሕማቁን ጽቡቁን) ብሓቂ ገሊጽና: ካብኡ ተማሂርና: ነቲ ዘለና ፍልልይ ኣጽቢብና፡ ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ገጢሙና ዘሎ ዘይተጸበናዮ ካልኣይ ገድሊ እንታይ ኣበርክቶ ክንገብር ንኽእል” ዝብል ብሓፍትና ኤደን ኢያሱ፡ ዮሴፍ ፍሰሃየን ጊዴዎን መሓሪን ዝተጀመረ ናይ ክትዕ መድረኽ ከየምስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ቀጺለ፡ ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ዝተባህለ ኩሉ ሰብ ስለዝሰማማዕ፡ ኣብተን ሎምቅነ ኣእዛን ገለ ገለ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ኮርኪሐን ድቃስ ከሊአን ዝቀነያ ሓቅታት ኣድሂበ ርእይቶይ ክህብ ክፍትን ኢየ። እዚ መድረኽ እዚ ቀጺሉ፡ ንወለዶታት ዝሓልፍ ሓቀኛ ታሪኽ ክንገድፍ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ይላቦ።

እታ ቀዳመይቲ ብዛዕባ ትሕቲ ዕድመ ውትህድርና ትብል ኢያ ነይራ:-
ኣብዚ እርእስቲ 'ዚ ብሓቂ ክንዝቲ እንተደኣ ኮይና: ኣይኮነን 'ዶ 'ቲ ተማሃራይ ቤ/ት/ሰ ዝነበረ፡ እቲ ዝበዝሐ ተጋዳላይ እውን ትሕቲ 25 ዓመት ዕድመ ኢዩ ነይርዎ። ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ወጺኡ ዝኸተተ ወይ ዝተወዘዐ መንእሰይ 17 ዕድመ ዝበጽሐ ኣይነበረን። ካብ'ቲ መጀመርያ

1978 ኣብ ዜሮ፡ ኣብ 1979 ድማ ኣብ ሓውወልዕ ዝኸተቱ ጀሚርካ፡ ልዕሊ ዕድመ ኢዮም ኔሮም ክበሃል ዝከኣል ኣይነበረን። ድሕሪኡ ኣብ ሻድሻይ ወራር 1982 ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዘምርሑ: ኣብ 1983 ካብ 03 ዝተወዝዑ ተማሃሮ፡ ምናልባት ሓደ ክልተ 16 ዓመት ዝገበሩ እንተነበርዎም እምበር ኩሎም ደቂ 14 ወይ 15 ዓመት ምንባሮም ርግጸኛ ኢየ። ካብኡ ቀጺሉ ኣብ 1985 ዝተወዝዑ ህጻናት ከኣ`ሞ ዝገደደ ኢዩ ኔሩ። ካብዚኣቶም እቲ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሕዎ 5ይ ክፍሊ ኮይኑ ንፈውሲ ማሕላ``ኳ15 ዓመት ዕድመ ዝበጽሐ ከምዘይነበረ ኣጸቢቐ ይዝክር። እዚኦም ትሕቲ ዕድመ ኣይነበሩን ኢልካ ትሓስብ እንተደኣ ኮይንካ: ንርእስኻ ኣብ'ቲ ግዜ 'ቲ ወዲ ክንደይ ዓመት ከም ዝነበረካ ምዝካር ከድሊ ኢዩ። “ህዝባዊ ግንባር ኣብ መዋጥር ስለዝነበረ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረን፡ ስለዚ ዋላ ትሕቲ ዕድመ እውን እንተኾነ ክኸትት ጥራይ ኢዩ ኔርዎ” እንተዝብሃል ምናልባት ምኽንያታዊ ምኾነ። እንተዘይኮነ ግን ቁልቁል ዝኣፉ ትሕቲ ዕድመ ኣይነበረን ምባል ካብ ታሪኽ ምህዳም ጥራይ ኢዩ።

ንገድሊ ክመሃር ኢሉ ዝወጸ ከም ዘየልቦ ዝስሕት ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን፡ መብዛሕትኡ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ስለዝነበረ ዕኹኽ ክሳብ ዝብል እቲ ቤት ትምህርቲ መጻንሒን መዕበይ ህጻናትን 'ዩ ዝነበረ። ነቲ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጸ ንጹህ ሓንጎል፡ ካብ ምሁር፡ ነጸላን በትርን ዝዓተረ ሓረስታይ ወይ ድማ ሃገረሰብ ናይ ምምሳል ባህሊ ዘቐድም፡ ናብ ውግእ እናዓለለ ዝኣቱ ደው ኢሉ ዝዋጋእ ከም ተባዕን ቆራጽን፡ ጽርይርይ ዝበለ ከም ሙሽሙሽ ንኡስ ቡርጁዋዊ ስምዒት ዘለዎ ድኹም፡ ኣብ ትምህርቲ ተገዳስነት ዘርኣየ፡ ከም ፈታው ነብሱን ረብሑኡ ዘቀድም ተብላጺ ወይ ዘይተባዕ ገይሩ ሓንጎል ተመሃሮ ዝሓጸበ ቤት ትምህርቲ ምምባሩ ይዝከረኒ። እዚ ከምዚ ዓይነት(indoctrination) ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ብሙሉኡ 'ቲ ውድብ ወግዓዊ ኣሰራራሓ ኢዩ ነይሩ። ካብ ሚእቲ ምሁራት ዓሰርተ ናይ ሸቃላይን ገባራይን መበቆል ዘለዎም፡ ብዘይ ዝኾነ ሕቶ ዝተኣዘዝዎ ጥራይ ዝፍጽሙ (ጨጓራት ዳንጋ) ዝመርጽ ባህሊ: ተወዳዳሪ ሰነ ሓሳብ ዘይቅበል መሪሕነት ምምባሩ ዝርስዕ ተጋዳላይ ዘሎ ኣይመስለንን።

እዘን ዕድሜና ምሉእ ዝሰማዕናየን፡ ትምኒትን ተስፋን፡ ሕልምን ሞራልን ብዙሓት ምሁራት ተጋደልቲ ዘጓናደባ ቃላትን ሓረጋትን ክዝክር እንከለኹ ደመይ ይፈልሓኒ። ኣቱም ሰባት እተን መዓልታዊ ንሰምዐን ወይ እንብለን ዝነበርና ሓረጋት እሞ ንዘክር፥ “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል ኩነታት ኣየፍቅዶን ኢዩ። መድረኽ ዘይጠልቦ: ክውንነትን ውድዓውነትን ዘየፍቅዶ: ሕሉፍ ጸጋማዊ: ዝንቡል: ኣብ ሕሉፍ ኣይትንበር: ሕቶታት ኣይተብዝሕ: ህርፋን ሓላፍነት ኣሎካ: ሕማም ምሁር ተርኢ ኣለኻ: ነብስኻ ኣይተታዓባቢ: እዚ ናይ ንኡስ ብርጁዋ ጠባይ ኣየዋጻኣካን 'ዩ: ደርብኻ ቅተል: እዚ ከተማዊ ጠባያት እንተገደፍካዮ ይሕሸካ: ፍሉይ ምትእኽኻብ ጉጅላውነት ተዘውትር ኣሎኻ፡ መርገጺኻ ኣፍልጥ፡ ግቡእካ ፈጽም መሰልካ ክትሓትት፡ ባዕላውነት: ኣንነት...ወዘተ” ዝብሉ ንኽንደይ ምሁራት ወይ ደሓን መንቋሕቋሕታ ዝነበሮም ተጋደልቲ ዘሳቐዩ ቋንቋታት ምንባሮም ከመይ ጌሩ ይጠፍኣና። ንሕና ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብዚ ሃፋ እዚ ነጻ ኣይነበርናን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምሕሳብ ዓቕምና እውን ነክይዎ ኢዩ። ከም ወዮ ደራፋይ ዝበሎ "ሰውራውያን ዝመስሉ ሰብ መሰል ተዃሉ" ማለት እንታይ ማለት ድዩ? ኩልና ከም እንዝክሮ እቶም ብኣባላት ሰልፊ ዝፍለጡ፡ መሃይምነት ጥራይ ዘጥፍኡ ንክንደይ ሓርበኛ ላል ዘበሉ: ርእሱ ሓፍ ንዘበለ ኣእጋሩን ሞራሉን እናከርተሙ፡ ተጨፍሊቁ ከምዝነብር ዝገብሩ ዝነበሩ ከመይ ጌርና ኢና ሕጂ ንርሰዖም ዘለና።

ንኣብነት፡ ይዝከረኒ ኣብ 1987 ህዝባዊ ግንባር ንካልኣይ ጉባኤ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣባላት ክፍሊ ህዝባዊ ምንቅቃሕ ንጉባኤ ዝካፈሉ ወከልትና ንምምራጽ ተኣኪብና ኔርና። ሓንቲ ካብተን ጨንፈራት ድማ እታ ብእንዳ ምርምር እትፍለጥ ጨንፈር ኢያ ኔራ። እዛ ጨንፈር እዚኣ በቶም ኣዳለውትን ኣሰናዳእትን ናይቲ ኩሉ ኣብቲ ውድብ ዝሕተም ዝነበረ መጽሄታትን ጽሑፋትን ዝቖመት ኢያ። ገለ ካብዞም ምሁራት ከኣ፡ ጠዓመ (ናይ ፍትሒ ሚኒስተር ነበር) ኣለምሰገድ ተስፋይ (ጸሓፍን ናይ ታርኽ ተመራመርን) እስቲፋኖስ ዳኘው፡ ፎርኦን: ኢትባርኽ ሃብተገርግስ ውዘተ ዝኣመሰሉ ኢዮም ኔሮም። ኣብ ጉባኤ ክውኩልና ብኣባላት ኣስማቶም ኣብ ዝተረቋሓሉ ግዜ ኢዩ እምበኣር ብኣባላት ሰልፊ ዝተደርበየ ናይ ቃላት ቦምባታት ኣብ ዝባኖም ክወድቕ ዝጀመረ። በዝን በትን ብነቀፌታን ጠቐነን ኣይብልዑ ኣይስልዑ ገይሮሞም ደኒኖም ብሕፍረት ካብቲ አኼባ ከምዝወጹ ተጌሩ። ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ህግ ክልተ ግዜ ጥራይ ዝተገብረ ዓበይቲ ጉባኤታት: ካብዚ ክፍሊ ምንቅቃሕ ዝኾነ ዓቢ ጨንፈር ናይ'ቲ ውድብ ወከልቲ ኮይኖም ተመሪጾም ዝኸዱ ሰባት ኣይነበሩን። እዚኣቶም ካብዘይተመርጹ ደኣ መን ተመሪጾም ዝብል ሕቶ ከምዝህሉ ርግጸኛ ኢየ። እምበኣር ኣብዚ ኣኼባ እዚ ወከልቲ ክኾኑ ዝተመርጹ: ሊያ ጎይቶኦም (ድምጻዊት) ከዲጃ ኣድም (ድምጻዊት) ዓብዱ መዓለ (ድምጻዊ) ሓጃይት ምንዳል (ሳዕሳዒት) ሰናይት ደበሳይ (ሙዚቀኛ) ዝኣመሰሉ ነበሩ። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ነቲ ክፍሊ ወይ ጨንፈር ንምንእኣስ ዘይኮነ: እቲ ኣሰራርሓ ከመይ ይመስል ነይሩ ንምግላጽ ዝኣክል ኢለ ኢየ። ካብ 'ዞም ክልተ ጉጅለ ኣስማት ዝጠቀስክዎም ኣብቲ ጉባኤ ከይዱ ብዛዕባ ፖሊሲታት፡ ሕጋጋት፡ ቅዋምን ፕሮግራምን ቅጥዒ ከትሕዝ ክመራመርን ክምጉትንን ዓቅሚ ዝነበሮ ኣየናይ ጉጅለ ምንባሩ ንኹላትና ንጹር ኢዩ:: ንምንታይ ደኣ እቶም ሓደ ዝተሓተ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ዝነበሮም ተመሪጾም?
እቲ ኣብ ልዕሊ ምሁራት ዝነበረ ኣጠማምታ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ምንባሩ እንተ ተሰማሚዕና: ነቶም ኣብ ኢዶም ዝነበሩ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተሰለፉ ብሉጻት ምሁራት ብጉቡእ ክጥቀሙሎም ዘይከኣሉን: ዘይደለዩን 'ሲ፡ ንተማሃሮ ቤ/ት/ሰውራ ኣምሂሮም፡ ኣብዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሖም፡ ኣብ ሃገር ምምራሕ ወይ ነቲ ውድብ ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ክሰርሑ ትምኒትን መደብን ነይሩ ኢልካ ምሕሳብ ጽላለ ይመስለኒ። ኣነ ከምዚ ዓቅሚ ኣሎኒ፡ ብኸምዚ ዓይነት ሞያ ሰልጢነ፡ ኣብዚ ሜዳ 'ዚ ተመኩሮ ኣሎኒ፡ እዝን እዝን ክገብር ይኽእል ኢየ፡ ኢልካ ምስ ልዕሌኻ ዘለው ክትወዳደር ዝኾነ ዓይነት ambition ከምዘይህልወና፡ ነተን ዝደለዩና ሃጓፋት ንኽንዓብስ ኢሎም ጥራይ ኢዮም መልሚሎምና (ኩረት)

እቲ ኣበርክቶና ኣብ ሬድዮ ኦፐረይተር: ኣጋር ሓኪም ገለ ገለ ኣብ ስለያ:እቲ ዝበዝሐ ግን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ኢዩ ነይሩ። ከም ዝተረዳኣኒ ዮሴፍ ብዛዕባዚ ክዛረብ እንከሎ ነቲ ናይቲ ውድብ ናይ ምግባር ድሌት (intentions) ኢዩ ዝነቅፍ ነይሩ 'ምበር፡ ነቲ ዓቕሚ፡ ተራን ተውፋይነትን ተማሃሮ ቤ/ት/ሰ ንምንእኣስ ኣይነበረን። እቲ ዕላማ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ከምኡ ስለዝነበረ ከኣ ኢዩ እምበኣር 5ይ 6ይ ክፍሊ ጥራሕ ኣብጺሖም ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ንምምላእ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ተመሃራይ ዘፋንውዎ ዝነበሩ። እዚ ካብቲ ገዛ ክትነድቕ ከለኻ እትጥቀመሉ ኮረት ብምንታይ ይፍለ።
እዚ ኮይኑ እቲ ነዚ ታሪኽ 'ዚ ብግቡእ ክንገልጾ እንተዘይ ኪኢልና: ነዚ ሕጂ ገጢሙና ዘሎ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብግርህነትናን ቅንዕናንን ዝተላገጸ ስርዓት፡ ዳግማይ ዕድል ንህቦ ከምዘለና ምርዳእ የድሊ ይመስለኒ።

ስለዚ እቲ ጅግነትን ተውፋይነትን ንመስዋእቲ: ናይ ተማሃሮ ቤ/ት/ሰውራ ይኹን ይኹን ና'ቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ እቲ ሕሉፍ ብልሹው ታሪኽ ናይ'ቲ መሪሕነት ግን ብንጹር ምስፋር ከድልዮ ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር ሕልሙ እምበር ራኢይኡ ነጊሩና ኣይፈልጥን ኢዩ። ራኢይ እንተዝነብሮ ራኢይኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምሰረሐ``ሞ ውጺኢቱ ሕጂ ምረኣና ኔርና። ዓስቢ ገድልና መቕዘፍትን ማእሰርትን፡ ስደትን መከራን ኮይኑ፡ ሕጂ ፋሕ ፋሕ ኢልና ኣንፈትና ኣጥፊእና ነቲ ዝዘራእናዮ ነስትማቕሮ አሎና።

ተወልደ ካሕሳይ
 

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com