ጥምቀተ-ደንበተ ቓውሞ ኤርትራ

source http://www.jeberti.com/index.php/tigrina/5097-2013-01-19-13-58-31

ብ ጥምቀተ ዮሃንስ
ርሑስ ብዓል ጥምቀት እምነ፡፡ እወ ርሑስ ብዓል ጥምቀት፡፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክጥመቅ ኣለዎ፡፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክህደስ ኣለዎ፡፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣይ ካብ ብዓል ጣፍ ኣይ ካብ ብዓል ኣፍ፤ ኣይ ካብ ብቅዓት ኣይ ካብ ቅንዕና ብኹሉ ሸነኹ ብድኽመት ተሸሚሙ መዋጽኦ የድልዮ ኣሎ፡፡

ወይ ብቅዓት ሃሊዩዎ ብብዓሉ ኣይሰጎመ፤ ንህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰትን ምብትታን ሓራ ዘወጽእ መደብ ሓንጺጹ  ኣይተንቃሳቐሰ፤ ወይ ቅንዕና ሃሊዩዎ ካብ ብጾቱን መቃሊስትኡን ካብ ጎረባብትኡን ካብ ከባቢኡን ካብ ዓለማዊ ኩነታት ኣይተማህረን፡፡ ተንኮልን ምሕንኳልን ጥራይ፡፡ ጥራይ ተንኮል፤ ጥራይ ንኺድ፡፡
ናበይ ግን ዘይፍለጥ ጉዕዞ፡፡ ኣብ ሓዲሽ ኣተሓሳሰባን መሪሕ ሓሳብን ውጽኢታዊ መደብ ዘይኮነስ ኣብ ብዝሒን፤  ቁጽሪን፤  ትግባረ-ኣልቦ ጭርሖታትን ሓሳብ ናይ ብጻይካን መቃልስቲካን ኣብ እዋኑ ተቀቢልካ ኣብ ክንዲ ናብ ግብሪ ምውፋር ነቲ ዘይሓሳብካ ናትካ ንክትገብሮ ጊዜካ ምብኻን፡፡ ኣብ ዓይነት ሓሳብን ጽፉፍ ኣሰራርሓን እንካን ሃባን ካብ ምድሃብ ኣብ ውዲትን ብዝሒ ድምጺ፡፡ ብዝሒ ሕጊ (ላይሃ)፤ ብዝሒ ዘይመሰረታዊ ዓወት፤ ብዝሒ ኢ-ቅኑዕ፤ ብዝሒ ኢ-ርትዒን ብስምዒት ምንጓድ፡፡

22 ውድባት ኣብ ሓደ ኮይነን ሰሚርናን ወላ ብናይ ሱሳታት ኣተሓሳሰባ እንተኸዳ’ውን ኣይንስገርን፤ ንህዝቢ ኤርትራ ክንመርሕ ንክእል ኢና ዝበሃል ኣምር ኣብዚ እዋን እንዳተቐንጠጠን እንዳተጸንቀቀ ይኸይድ ምህላውን ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ካብዚ ሸንኮለል ክወጽእ እንተኮይኑ ብቅንዕና ድኽመታቱ ፈቲሹ ተቐቢሉ ክብገስ ኣለዎ፡፡ እዚ ክብል እንከሎኹ ብኣልማማ ኹሉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ማለተይ ከም ዘይኾነ ይሰመረለይ! ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኮነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ውዲትን ተንኮልን’ምበር ብቅንዕና ወይ ከኣ ብብቅዓት ዝምርሑ ኣይኮኑን፡፡ ኤ.ዲ.ኪ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ነዚ ግንባር እንተ ብቻርተር ኮነ ኣባልነት ኣብ ዓይነት ዝሰረተ ግንባር ንግበሮ፤ ነስፍሓዮ፤  ነማዕብሎ ተባሂሉ ዕጭ ሓንፈፍኩም ብምባል ነቲ ናይ ውዲት ኮር ኣጠናኪሩ ምስ ፈሸለን ነቲ ተሓሲሙዎን ክሕሰም ዝጸንሔ ሓሳብ ከም ናቱ ገይሩ ብሓዲሽ ኣልዒሉ ካብ ዜሮ ንብገስ፤ ንዛተ፤  ሓድነትዶ ግንባር ንግበር ይብለና’ሎ፡፡ ሓድነት ዝጽላእ ኣይኮነን፡፡ ግንባር፤ ጽላል፤ ዝጽላእ ኣይኮነን፡፡

እንታይ ድኣ እቲ ዘይሰርሕ፤ ናይ ለውጢ ምስ ዘይኸውን እዩ እቲ ሽግር፡፡ እቲ ንለውጢን ንስራሕ ዘይኮነ ንናብራን ንመነባብሮ ምስ ዝኸውንን ምስ ህዝቢ ከቀራርብ ዘይክእልን ምስ ዘርሓሕቅ እዩ እቲ ዘይንቅበሎ ዘለና፡፡ ኤ.ዲ.ኪ. ንለውጢ እንተ ዝኸውን ድሮ እተን ዝተባህላ ጸጋታት ፈቲሹ ምተቀበለ ወይ ምነጸገ ሞ ህዝቢ’ውን ምተመሃረ፡፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኪደን ምስ ፈሸለን ምስ ተቓልዔን እነሆ ከም ብሓዲሽ ንስመር፤ ንብዛሕ፤ ንስጎግ፤ ይብለና ኣሎ፡፡ ዓይነትን ዓይነታዊ ኣተሓሳሰባ’ምበር ብዝሒ ንበይኑ ትርጉም ከም ዘይብሉ ካልአይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ግርም ኣብነት ኮይኑና’ሎ፡፡ እቶም ንክሶጉም’በር ንምስምማዕ ዘይመጹ፤ እቶም ብውዲታዊ መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ ተወዲቦም ንምቅጻዕ እምበር ንስምረት ዘይመጹ፤ እቶም ሙሉእ ዕድሜኦም ንናብራ’ምበር ንለውጢን ዓወትን ሰሪሖምን ተቃሊሶም ዘይፈልጡ መሪሕነት ኪዳን፤ እቶም ሙሉእ ዕድሞኦም ንፍሽለትምበር ንዝሓሸ ስእሊን መስመርን ሓራም ዝበሉ ክፈሽሉን፤ ክሰጉን፤ ክወድቁ ርእናዮም’በር ክዕወቱስ ኣይተጸበናዮምን፡፡ ከምኡ ከአ ኮይኖም፡፡ ነቲ ዝፈጸሙዎ ጌጋ ኣብ ክንዲ ተጋጊና ኢሎም ሓዲሽ ናይ ቃልሲ ህይወትን መስመር ዝህንድሱ ነቲ ገግኦም መጎልበቢ ዝኸውን መንገዲ መሪጾም፡፡ ህዝቢ ፎ ኢሉዎም ከም ዘሎ ንክፈልጡ ድልዋት ኣይኮኑን፡፡ ነቶም ንሳቶም ንመርሖ ኢና ዝብሉዎ ክፋል ሕብረተሰብ’ውን በዚኦም ፍሹላት መሪሕነታት ንክንርእዮም ቅኑዕ ኣይኮነን፡፡ እዚኦም ሒዞሞ ዘሎው ናይ ጥፍኣት ሻርዕ ንሃገር ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ኣይኮነን፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዚ ስለ ዝገበረ ንሕና ከአ ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከም ድልየትና ክንዕንድር ኢና እንተኮይኑ ንረብሓ ቃልሲና ኣይኮነን፡፡ ደጊሞም ክርእዩ ይላቦ፡፡
ስደት ሕሱም እዩ፡፡ ስደት መሪር እዩ፡፡ ስደት ሓሳድ የምህር፡፡ ኣብ ስደት ነፍሰ ምትእምማን ትስእን ተጉድል፡፡ ኣብ ሰደት ንለውጢ ኣይትበገስን ምኽንያቱ ኣብ ዘይሃገርካ ስለዝኾንካ መሊእካ ኣይትሓስቦን፡፡ እንተሓሲብካውን መሊእካ ኣብ ግብሪ ስለዘይተውዕሎ ተስፋ ናብ ምቁራጽ ይወስዳካ፡፡ ይኹን’ምበር ካብ ስደት ትመሃሮ ሓቂ አሎ፡፡ ካብ ስደት ትረኽቦን ትቀስሞ ተሞክሮ ኣሎ፡፡ እንተዊሒዱ ካብቲ ዝተሰደድካሉ ሃገር ገለ ትመሃር፡፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ከኣ ንሰደት ከም ጸጋ ኣይቅበሎ’ምበር ካብ ስደት ገለ ሸሚተ ክምለስ ይብል፡፡ ድሮ እንታይነት ዲሞክራሲን ዲሞክራሲያዊ ትካላት መሚዩ ምቅላስ ጀሚሩ’ሎ፡፡ ድሮ ብዛዕባ መሰል፤ ልዕሊና ሕጊን መትከልን ምዝራብን ምጥባቅ ጀሚሩ’ሎ፡፡ ሎሚ ኣብ ስደት እንከለና ካብ ዝተሰደድናሉ ሃገራት ገለ ተማሂርናን ሸሚትናን ብዛዕባ ዲሞክራሲያዊ መሰላት ማለት ናይ ምዝራብ፤ መጽሓፍን ምውዳብ ዘይንጣበቅ እንተኮይናን ንመልክዓት ውዳቤታትን መሰል ምዝራብን መጽሓፍን ልጓምን ሓጹር ንክትገብረሉን ንምኩናን ምፍታን ጽባሕ መንግስቲ ምስ ዝኸውን እምበር ሕጂ ኣይሓስቦን ካብ ምባል ዝሓልፍ ኣይኮነን፡፡ እዚ ከኣ ካብቲ ንቃለሶ ዘለና ዕቡይ መንግስቲ ዝፍልየና ረቋሒ ኣይኮነን፡፡ መተካእታ ስርዓት ህግደፍ ንምዃን ደሞክራሲያዉነት፤ ልዕሊና ሕጊ ኣኽባሪን ተጣባቂ መሰላት ምዃን ካብ ሕጂ ከም ቅድሚ ኩነት ክውሰድ ይግባእ፡፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን በዚ ዝምርሑ ትካላት ከኣ በዚ ይልለዩን በዚ መስርሕ ዝሓለፉን ዘይቅየሩ’ሞ ካብ ስደት ገለ ቁልዒ ዘይተማሃሩ ፍጥረታት እዮም፡፡ በዚኦም ዝህንደስ ዘሎ ሓዲሽ ጽላልዶ ግንባር ኣብ ሓዲሽ ኣተሓሳሰባን ሓዲሽ ናይ ቃልሲ ኣንፈትን መንፈስን ዝስረተ ኣይኮነን፡፡ እቲ ዝተባህለ ሓዲሽ ኣተሓሳሰባ ብቀሊሉ ዝርድኡ ኣይኮኑን፡፡ ኪዳን ንምምዕባል ማለት ንዘልዓለም ምስ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ብምትእስሳር ውድባዊ ቅርጺ ብምምሕያሽ ክንዲ’ዚ ኣባላት ፈጻሚት፤ ክንዲ’ዚ ኣባላት ማዕከላዊ መሪሕነት፤ ክንዲ’ዚ ካድረታት ካብ እከለ ውድብ፤ ካዝና ብእከለ ውድብ፤ እንተኮይኑን ኣብ ንጹር መደብ ዕዮ ዘይኮነ ኣብ ቀወምቲ ንብረታት ዘድህቡ እንታይ ለውጢ ንጽበ? ብመሰረቱን ግደ ሓቂ ንምዝራብ እዚኦም ንሓዲሽን ንለውጣዊ ኣተሓሳሰባን ዝጻብኡን ዝቀትሉን’ምበር ዘተባብዑ ኣይኮኑን፡፡ ዝኾነ ሓዲሽ ሓሳብ እንተወሪዱ ነቲ ቃልሲ ይሕግዝዶ ኣይፋለ ዘይኮነ ካብየናይ ኩርናዕ ተበጊሱ ሓሲቡ? እንታይ ስለዝደልየ? ናይ መን ሓሳብ እዩ ኢልካ? ነቲ መሰረታት ዘይስእሊ ብምትሓዝ ናብ ጸረ-ለውጢ ዝኾነ መንገዲ ዝመርሑ እዮም፡፡ ብከምዚዳእ ለውጢ ዶ ይሕሰብ ኮይኑ? ብቅዓት ሃሊዩ እቲ ዝበሃል ዘሎ ዘይምርዳእ፤ ቅንዕና ሃሊዩዎም ዘይሕገዙ እንተኮይኖም ናይ ናብራ ግንባር’ምበር ናይ ለውጢ ከምዘይኸውን ህዝቢ ኤርትራ ልቢ ክገብር ይግብኦ፡፡ እቲ ኣብ ዓይነት ኮይኑ፤ ኣብ ዓይነታዊ ናይ ለውጢ ኣተሓሳሰባ ብዙሕነትኡ ዘረጋገጸ ሕብረ ብሔራዊ ግንባር እንተኮኑ እሰየ!! እቲ ኣብ ቁጽሪን ብዝሒን ግን ከም ቀደሙን ከም ኪዳንን ባይቶን እንተኮይኑ ከይተበገሰ እንከሎ ዝሞተ ጽላል ስለዝኾነ ፎ ንበሎ!! ስለዚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክጥመቅ ኣለዎ፡፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክህደስ ኣለዎ፡፡ ደንበ ተቓዎሞ ኤርትራ ንሓዲሽ ለውጢ ብሓዲሽ ስነ ሓሳብን መደብ ክብገስ ኣለዎ፡፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ዓይነታዊ ብዙሕነት’ምበር ኣብ ብዙሕነትን ውዲት ከድህብ የይብሉን፡፡ ካብ ሕሉፍን ፍሹል ተሞክሮታት ኪዳንን ባይቶን  ገለ ክንሽምትን ክንመሃርን ኣለና፡፡ ስለዚ ብኣልማማ ንተኣከብ፤ ሓድነትዶ ግንባር ንግበር ማለት ዘይኮነ ንከመይ ዝበለ ግንባር፤ ሓድነት፤ ጽላል ንዛረብ ኣለና ዎ ከመይ ነረጋግጽ ከማን ክንሓስበሉ ኣለና፡፡ እወ! ነዚ ሓሳብ’ዚ ዘይቅበሉ ብሉያት ከም ልማዶም ኣብ ጸለመን ቀንዲ ናይ ቃልሲ መሳርሒታቶም ናብ ዝኾነ ጠቀነ ኣድሂቦም ጸረ ሓድነት ዝብል ቀጽሪ ከም ዘልገቡኒ ጥርጥር የልቦን፡፡ ሎሚ ከም ቀደም ኣይኮነን፤ ኣይግድን!! ህዝቢ ኤርትራ ነቂሑ እዩ፡፡ ናይ 14 ዓመታት ሸንኮለል ንረብሓ ስርዓት ህግደፍ ከም ዝኾነ ደምዲሙ እዩ፡፡ ስለዚ ካብ ሕጂ ደጊም እቲ ዝክፈል ኩሉ መዳያዊ መስዋእቲ ንለውጢን ለውጢን ጥራይ ክከውን ኣለዎ፤ ይግባእ’ውን፡፡ ኣንጻር እዚ ለውጣዊ ማዕበል ጠጠው ዝብሉን ናብቲ ልሙስ ሓድነትዶ ግንባር ንክመልሱና ዝደልዩ ከአ ንረብሓ ስርዓት ህግደፍ ደው ዝበሉ ምዃኖም ክቃልዑ ይግባእ፡፡ እዚ ከአ ከምዘይዋጽኦም ክፈልጡ ኣለዎም፡፡

መንእሰይ ተበገስ!!

ደጊመ ርሑስ ብዓል ጥምቀት!!