መብራህቱ ወልዱ

ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት መራሕ ሓይሊ ዝነበረ፣ መብራህቱ ወልዱ ብሳጓ “ገስጋሲ ሓረስታይ” ዝፍለጥ፣ ኣብ ምንቅስቓስ 1973 “መንካዕ” ዝተኣስረ ተባዕ ተጋዳላይ ኢዩ። ብድሕሪ ምእሳሩ እታ ሓይሊ ብምልእታ፣ ‘ብመንካዕ ተጸልያ ኢያ’ ብዝብል ጥርጣሬ ፋሕ-ብትን ከም እትብል ተገብረ። ‘ካብ ብሱል ጥረ’ ከም ዝበሃል፤ ወዝቢ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኢሳይያስ ዝተፈትሐ ገዲም ተጋዳላይ መብራህቱ ወልዱ ኢዩ። ወዲ ወልዱ ኣብ ሶርያ ዝተዓለመ፣ ኣብ ግዜ ታዕሊም ፍሉይ ቅልጣፈን ወተሃደራዊ ክእለትን ዘመስከረ ተጋዳላይ ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ወተሃደራዊ ክፍሊ ታዕሊም ሶርያ ፍልይቲ ሽጉጥ ዝተሸለመ ‘ገስጋሲ ሓረስታይ’፣ ውዒሉ ሓዲሩ ብኢድ ኢሳይያስ ዝለኣኾም ውሻላት ክጠፍእ ምዃኑ ዝግምት’ኳ እንተነበረ፤ ክሳብ መስዋእቲ ምጽባይ’ምበር ንህድማ እንኮ ሰዓት’ውን ኣይሓሰባን።

 

መብራህቱ ብትውልዲ ዓዱ እከኣሎ ዝተባህለት ንእሽቶ ኣብ ጥቓ ዓዲ-ተከለዛን እትርከብ ቁሸት ኢዩ ተወሊዱ። ኣብ 1973 ቅድሚ ምእሳሩ ፍቱው ዝነበረ ወዲ ወልዱ፣ ብድሕሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጽኡ’ውን ህቡብነቱ መመሊሱ እናለዓለ ከደ። ቅድሚ ምእሳሩ ሓደ መዓልቲ ንኢሳይያስ ሓርጭ እናሰፈረ ክዕድል ረኸቦ። ነገሩ ኣስደሚምዎ ድማ “ኣንታ ስሱዕ፣ እዚኣ ተሪፋትካ ነይራ’ዶ ሕጂ ተተሓሒዝካያ? ዘገርም ኢዩ መራሒ ተባሂልካስ ኣብ ምቁጽጻር ሓርጭ ተረኺብካ!” ኢሉዎ ከም ዝነበረ ናይ ሽዑ ሰማዕቲ ኣለዉ።

ኣብ መጀመርያ 1979 ወዲ ወልዱን ሓዉ ንሙሴ ተስፋሚካኤልን፣ ኣልኣዛር ተስፋሚካኤል /ወዲ ተለንተ/ ምስ ተፈትሑ ናብ ኢደ-ስራሓት ዝተባህለ ክፍሊ ክምደቡ እንከለዉ፣ ወርቁ ተስፋሚካኤል ድማ ናብ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ተመደበት።  ኣብ ግዜ ሓሙሻይ ወራር ደርግ ከኣ መብራህቱ ወልዱ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመደበ። ግቡእ ሃገራዊ ኣበርክቶ ድሕሪ ምግባሩ፣ ከም ብዙሓት ዝምርዓዉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ድማ ተመርዕዩ።

ኣብ መርዓ ወዲ ወልዱ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ቀንዲ ኣቦ ዳስ ከም ዝነበረ ርግጸኛ እየ። እንተኾነ እቲ ጅግና፣ ብዙሕ ምስጢራት ዝፈልጥን ንኢሳይያስ ድማ ከም ኢብራሂም ዓፋ “ስሱዕ” ኢሉ ጸሪፉዎ ዝነበረን ‘ገስጋሲ ሓረስታይ’ መብራህቱ ወልዱ፤ ናይ ግድን ክጠፍእ ስለዝነበሮ፤ ብድሕሪ መርዕኡ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ምስ ሰበይቱ ተሰወረ። ኣብ ግዜ ሕጽኖቱ ምስ መርዓቱ ተረሺኑ ኣብ ሓደ ጋህሲ ተቐቢሮም ዝብል ትሒም-ትሒም ሰሚዕና ኔርና። ምኽንያት ንመስዋእቱ ዝተባህለ ከኣ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝግበር ጥበብ ተማህዘ።

“ምስ ሰበይቱ ምዕባለ ክርእዩ ካብ ዓራግ ናብ ሓው-ወልዕ ብቶዮታ እናኸዱ እንከለዉ፣ እታ መኪና ናብ ቁልቁሎት ጽርግያ “ኣይንምብርከኽን” ናብ ጉድጓድ ኣትያስ ሓፍ-ዞቕ ምስ ኣበለቶም፣ ንሱ ምስ ሰበይቱ ነጢሮም ናብ መሬት ድሕሪ ምውዳቖም ተሰዊኦም” ዝብል መርድእ ተነግረ። ከመይ ገይራ እታ ቶዮታ ንክልቲኦም ጥራይ ኣውዲቓቶም? ካብቲ ብጸልማት ዝኽየድ ጽርግያ ሰውራ፣ እሞ ከኣ ጎዳጉዲ ዝነበሮ ቁልቁለት ጽርግያ ኣይንምብርከኽን፤ ወላ’ውን እንተወደቑ ብኸመይ ኢዮም መድፍዕ ኣብ ዝባኖም ከም ዝወደቐ ንእለት ሞይቶም? እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ! ኢዩ ነገሩ። ነዚ’ውን መስፍን ሓጎስ ክምልሶ ይግባእ። ምናልባት ሕጂ ኣይተረኽበን ይኸውን እቲ ምስጢር፣ ደም ሰባት ስለዝኾነ ግን ክፍለጥ ኢዩ። ወዲ ወልዱ ምስ መርዓቱ ተጋዳሊት ተሰዊኡ እንተኾይኑ፣ ሓደ መዓልቲ መራሕ መኪና መን ነበረ? ቀባሮ’ኸ እንመን ነበሩ? ክበሃል ኢዩ።

Source http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3259:---11----&catid=46:discussion&Itemid=100584

ካብ ናይ ቃልሲ ዝኽርታተይ

ኣበድ ተስፋይ


መብራህቱ ወልዱ ኣብ ከባቢ 1950 ኣብ ቁሸት ዓዲተከሌዛን እካኣሎ ተወሊዱ፡ኣብ 4ይ ክፍሊ ትምህርቲ ኣቓሪጹ ኣብ ተኽረረት እንዳ ፍራንኮ ቱቲ እናሰርሐ ብ 1967 ዓ/ፈ ኣብ ጅብሃ ተሰሊፉ።ጀብሃ ንወታሃደራዊ ስልጠና ንሱርያ ሰዲዳቶ።ኣብ ሱርያ ብወተሃደራዊ ንጥፈቱ ካብታ ኮርስ ቀዳማይ ብምውጽእ ሽጉጥ ተሸሊሙ።ወዲ ወልዲ ኣብ 1970
ኣብ ጀብሃ ብዝተፈጥረ ቅልውላው ምስ መስረቲ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸምቢሩ።ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ካብቶም ህቡባት ወታህደራት ስለዝነበረ፡ድሕሪ ተኽሊጥ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታትን ካላኣይ ወገን ካብቶም ውሑዳት
መራሕቲ ሓይልታት ነበረ።ምንቅስቓስ መንካዕ ምስ ተጀመረ ቀንዲ ተዋሳኢ ብምንባሩ ንምልእቲ ሓይሉ ጸለዋ እሞ፡ድሕሪ ገለ እዋን ኢሰያስ ነታ ሓይሊ ብትንትን ኣቢሉ፡ብዙሓት ካብ ኣባላት እታ ሓይሊ ከምዝቕጽዑ ገበረ።ወዲ ወልዱ፡ድማ ዕጫኡ ምስ በጽሐት ምስቶም ተቓለስቲ ንዲሞክራሲ ተኣስረ።ኣባላት መንካዕ ገስጋሲ ሓረስታይ ዝብል
መጸውዒ ሂቦሞ ነበሩ።መብራህቱ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስቓይ ማእሰርቲ ኣብ ግዜ ምዝላቕ 1978 ካብ ማእሰርቲ ምስ፡ኣልኣዛር ተስፋሚካአል፡(ሓው ስዉእ ሙሴ ተስፋሚካኤል) ከምኡ ድማ እታ ምህርቲ ስነ-ማዕድን Geologist ወርቁ ተስፋሚካኤል ካብ ሕለዋ-ሰውራ ተፈቲሖም።መብራህቱን ኣልኣዛርን ናብ ክፍሊ ቁጠባ ጨንፈር ኢደ-ስራት ክምደቡ ከለዉ፡ወርቑ ድማ ናብ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ተመደበት። ወዲ ወልዱ ናብ ጽርበት ዕንጸይቲ ኣልኣዛር ድማ ናብ ጽገና ሬድዮን-ሰዓትን መደብኩዎም። ወዲ-ወልዱ ኢደ-ወርቂ'ዩ፡ክራር ብጣዕሚ ወሓለ ወቓዒ'ዩ ነይሩ
ኣብ ባዓላትናን መርዓታትናን የጻውተና ነበረ።ንሱ ዝሰፍዮዕጥቂ ዝጸርቦ ሚዶ ንበይኑ እዩ።ህቡብነቱ እውን እናዓበየ መጸ፡ኣብ ሓወልዕ ዶብ ሱዳን ቁሩብ እቱው ኢልና ነበርና።ወዲ-ወልዱ ናብ ሰራዊት ክኸይድ ዝነበሮ ድልየት ስለዝሰመረሉ፡ካባናን ካላኦት ክፍልታትን ዝተዋጻአት ቦጦሎኒ 75 መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ወጸ፡መራሕ ቦጦሎኒ ዑቕባይ 
ሸያቦ ነበረ።ብሙሉኦም መራሕቲ ሓይላታት ካብ ኢደ-ስራሓት ዝኸተቱ እዮም ዝነበሩ፡፡እቲ እዋን ድሕሪ ሓሙሻይ ወራር፡ኣጋ መወዳኣታ 1980 ምዃኑ ኣዩ።ወዲ-ወልዱ ምስ ሓንቲ ብጸይቲ ዝምድና ገይሩ፡እቶምብቐረባ ዝፈልጥዎ
ገዳይም መዛናኡ መጀመርያ መስፍን ሓጎስ፡ካላኦት ኣስመሮም ገ/ሄር፡ወልደንኬል ገ/ማርያም ካብ ድፋዕ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ወሪዱ ኣብ ዓራግ መርዓ ገይሮምሉ፡፡ድሕሪ 10 መዓልቲ ናይ መርዓኡ ምስ መርዓቱ ብሓንቲ ዓባይ ወተሃደራዊት መኪና እናኸዱ፡ደግዳግ ረኺባ ስለ ዘንጠረቶም ምስ መርዓቱ ንድሕሪት ወዲቖም ተሰዊኦም ተባሂሉ ተነገረ።ገሊኦም ናባኹም ክበጽሓኩም'ዩ ተበጊሱ ይብሉና ነይሮም።መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ወዲ ወልዱ ኣብ ሰራዊት
እንተቐጺሉ ኣይድቅሰልናን'ዩ ዝብል ጥርጣረ ዶኾን ይኸውን፡ኣብ ድብያ ኣእትዮም ምስ መርዓቱ ኣጥፊኦሞ ፡ወይሲ ካልእ ብልሓት ኣለዎ ክሳብ ሕጂ መረጋገጺ ኣይረኸብኩን።ኣነ ናይ40 ደቒቕ ካብ ዓራግ ከለኹ ኣብ መርዓ ኣይዓደመንን።ዓደምቲ በዓል መስፍን ስለዝነበሩ ንሱ ዝፈልጦ የብሉን፣ብዝተረፈ ምስኡ እውን ናይ ስጋ ዝምድና ነይሩና ፡ኣዝማድ ኢና።ካልኦት ስለዝገበርዎ እቲ መርዓ ኣይዓደመንን።ድሕሪ መስዋእቲ ወዲ ወልዱ ከጻሪ ፈቲነ፡ብዛዕባ ኣታ ተሰቒሎማ ዝነበሩ ወታሃደራዊ መኪና ብፍጹም ሓበሬታ ሲኢነ፡ቀቢርና ዝብሉ እውን ኣይተረኽቡን።ኣሃድኡ ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ ኣይነበራን።ዑቕባይ ሸያቦ መራሕ ቦጦሎኒ፡ሓቲተዮ ኣብቲ መርዓ ከምዝነበረ ብድሕሪኡ ዝፈልጦ የብለይን ኢሉኒ።ንወዲ ወልዱ ኢሰያስ ከምዘይድቅሰሉ ፍልጥ'ዩ።ሓደ መዓልቲ ኣብ
ገረገር ኣስመራ ኢሰያስ፡ሓርጭ እናሰፈረ መቑነን ክህብ ጸኒሑዎ፡ኣታ ሱሱዕ እዚኣ ተሪፋትካ ዘይገበትካያ ሓርጭ ትዕድለ ኣልኻ ፡ኢሉ ጸሪፉዎ ምንባሩ፡ኢሰያስ ኣብ ርእስቲ ናይ መንካዕ ኣባልነቱ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ከም ዘይድቅሰሉ ፍሉጥ እዩ፡ እቲ ጅግና ስነ-ጥበባዊ ብልሓተኛ ምኩር ወዲ ወልዱ ገና ከምታ ናይ ኢብራሂም ዓፋ መስዋእቲ፡ምስጢረ ስላሴ ኮይና ቀጺላ ኣላ።
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማኣታት ኤርትራ
ኣበድ ተስፋይ