Prisoners death records  

 

 

 

 

 

 

W.Haile
Mysterious death of Ibrahim Afa
Mysterious death of Abraham Tewelde

Liquidation in the ELF
index sitemap advanced
2024-03-19

 

p align="center">

 

 

compiled by Resoum Kidane

እዚ ስእሊ'ዚ ስእሊ ናይ ጅግና ወልደሚካኤል ሃይለ /ወዲ ሃይለ/ ኢዩ። ወዲ ሃይለ ገዲም ተጋዳላይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ መስረትቲ ሰልፊ ናጽነት ዝነበሩ ውፉያት ተጋደልቲ ነበረ። ወዲ ሃይለ ኣብ ኲናትን ኣብ ምምሕዳርን ኣዝዩ ወሓለ ተቓላሳይ ከም ዝነበረ ምስኡ ኣብቲ ስራሕ ዝነበሩ ይምስክሩሉ ኢዮም። ኣብቲ ህዝባዊ ሓይልታት /ደሓር ህዝባዊ ግንባር/ ኣብ ደቡባዊ ወገን ኤርትራ ሓያል ኲናት ዘካይደሉ ዝነበረ ግዜ፣ ወዲ ሃይለ ከም ኣዛዚ ሰራዊት ሓያል ተዋጋኣይን ኣዋጋኣይን ነይሩ። ወዲ ሃይለ ታሪኹ ብቑንጫል ክንገር ግቡእ ኣይኮነን! ግን ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ዘለዎ መንግስቲ ምስ መስረተ፤ ናይ ጅግና ወዲ ሃይለን ካልኦት ብህግደፍ ዝተረስዑ ጀጋኑን ታሪኽ ንወለዶታት ክንገር ኢዩ። ኣብቲ ብ1973 ኣብ ሳሕል ዝነበረ ኣራሚ ምንቅስቓስ፣ ወዲ ሃይለ "እዞም ሰባት ወተሃደራዊ ዲስፕሊን ኢዮም ተጋግዮም'ምበር ኣዕነውቲ ኣይኮኑን" ኢሉ ዝመከተ ጅግና ኢዩ ዝነበረ። ካብዚ ሃገራዊ ኣረኣእያኡ ተበጊሱ ኢዩ ከኣ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣንጻሩ ዝነኸሰ። ብቢኒኮሎ ኢሳይያስ ወዲ ሃይለ ብዝኾነ ምኽንያት ክጠፍእ ዝነበሮ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኤርትራ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርሒታት ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ክኸውን እንከሎ፤ ኣብ ትሕቲኡ ከኣ ወዲ ሃይለን ጅግና ኢብራሂም ዓፋን ኢዮም ነይሮም። ኣብ መንጎ መስፍንን ወዲ ሃይለን ብዙሕ ህልኽ ኢዩ ነይሩ። ኣማስይኡ ከኣ ጅግና ወዲ ሃይለ ኣብቲ ንከተማ ሰገነይቲ ንምሕራር ዝተገብረ ውግእ፣ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ተሰዊኡ። ጉዳይ ኣሰዋውኣ ጅግና ወልደሚካኤል ሃይለ ብጭቡጥ ንምጽራይ፤ እቲ ስራሕ source Alena]

Weldekel Haile was educated in Syria and was the first Jebha to flee, According the account of Tesfamariam Assefaw Woldenkel, Haile did not like Issayas [ Kidana Aida 2004 ]. During the Menka movement in 1973 Woldenkel Haile who was head of the security department said that the Menka ringleaders prisoners did not commit any crime except breaking military discipline rules. He made clear his stand which was completely different from Issayas . Because of this Issayas was not happy and Woldenkel Haile was sent to the Hailitat (front line sometime in 1974 [Afewerki, Tewdros, 2003)[[Interview with Tesfay Temnewo [Part 23]] .. He was the most distinguished military leader and had led the Eritrea People’s Liberation Army to victory at the strategic town of Segeneti in 1977 but was not a member of the central comittee in 1977. He was killed shortly after the victory by an unidentified gunman at Segeneti, his birth place. When this occurred there was a radio message in this code " Itia Abai Lham Ab Mereta Wediqa", meaning that the great leader rest on his land".This is also confirmed from other source መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!! - 4ይ ክፋ 2008 "መልእኽቲ ሚስጢር (ኮድ) ኦፕረይትተር ንኩነታት መቕተልቲ ወልደንኪኤል ሃይለ ኣብ ኩናት ምሕራር ሰገነይቲ ንኣብነት፡ “እታ ላም ኣብ ዓደ ኣቦኣ ተሓሪዳ” ኢዩ ዝብል ነይሩ። [Refering to this code Tewelde Kidane wrote Zekeberka Resoum tegebro zeleka gosguas naybehaki zenad iyu iti bgudai jegna w/micael Haile zehabkayo habereta darga kulu haki kebhal yekal bzyada gn neti nay radio zenebere Berhane ajwa zebhal intezehtet tsebuk neru mekniatu nesu kab zebelo weskeblelka neta habereta wey code nay meswati mstekebela n' Ibrahim Afa iyu hibwo kabu Ibrahim afa yekid imber ms zenbaliu eu keydu ms bele Berhane hazinu nseled msweredu Berhane nab E.l .f kebabi maiedaga edu hibu slezi Berhane entezerkeb mehashe.
ካብ ብጊሓቱ ርእሰ ምትእምማን ዘይተዓደለ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ካብ ዝተሰለፈሉ መዓልቲ ቀሲኑ ሓዲሩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ግርጭት ምስ ወዲ ዓፋ ካብ ግዜ ሰብዓታት ኢዩ ጀሚሩዎ። ቅድሚ ውድባዊ ጉባአ ነቲ ኣብ መንጎ ኢብራሂም ዓፋን ወልደንኪኤል ሃይለን ዝነበረ ብጻያዊ ሓድነት ንኽበትኽ ብዙሕ ጻዕሪታት ገበረ። ወዲ ሃይለ ወላ’ኳ ኣዛዚ ቦጦሎኒ 4 እንተነበረ፣ ኣባል ሰልፊ ኣይነበረን። ንኹሉ መዓልታዊ ንጥፈታቱን ዝምድንኡን እናተኸታተለ ጸብጻብ ናብ ኢሳይያስ ዘመሓላልፍ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓለፊ ደቡባዊ ግንባር ዝነበረ ድማ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ነበረ። ነቲ ገዲምን መስራቲን ህዝባዊ ሓይልታት ወልደንኪኤል ሃይለ ብስም “ደጋፊ መንካዕ ኢዩ” ብዝብል ጠቐነ ካብ ብዙሓት ተጋደልቲ ፈልዩዎ ኢዩ። ወልደንኪኤል ብዛዕባ ጉዳይ መንካዕ ዝነበሮ መርገጺ ንጹር ኢዩ፦
“…መንካዕ ዘቕረብዎ ሕቶ ቅኑዕ ኢዩ፣ እቲ ናቶም ጌጋ ብወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ዘይምእዛዞም ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ቀይዲን ምርሻንን፣ መረዳእታን ነቐፌታን ጥራይ ምኣኸለ” ዝብል ነበረ። ረ።source Alena pt 7

 

Written by Abede Tesfay 12/11/ 2014 source https://www.facebook.com/abede.tesfay?fref=nf

ብዛዕባ ወልደሚካኤል ብዙሕ ዝኽርታት ኣለኒ፣ንሱ ከም መራሒ ቦጦሎኒ4፡ ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ከም ኮሚስያር ሓይልን መራሕ ሓይልን41ኮይነ ሰራሕኩ፡ህዱእን ኣስተውዒሉ ዝዛረብ ቁመቱ ነዊሕ ጉልቡት'ውን ነበረ፡ኣብ ኲናት ብሓባር ማዕረ-ማዕረ ክንሃጅም ጽቡቕ ገይረ ይዝክሮ፡ዋልውን ቅድሚ ቦጦሎኒ4።ካብ ኲናት ምስተመለስና ዓሕ ክብል ይሰምዖ ስለዝነበርኩ፡እዚ ኩሉ ተዓዊትና እናመጻእና ስለምንታይ ዓሕ ትብል ይብሎ ፡ጸገም እንተለካውን ንገረና እቲ ዝግበር ክንገብር ይብሎ ነይረ።ሱቕ ኢልካዩ እንታይ ክትሰምዓሉ ንግዜ ጥራይ ንግደፎ ይብለኒ ነበረ።ምስ ኢብራሂም ዓፋ ጽቡቕ ዝምድና ነበሮም፣ዝወፈርዎ ወተሃደራዊ ስራሕ እውን ዕዉት'ዩ ዝነበረ።ኣነ ንባዕለይ ኣብ ጭንቀት ኣትየ።ምኽንያቱ ንወልደንኪኤል ዝኾነ ከውጻኣሉ ዝኽእል ኣበር ስለዘይነበረኒ እዩ እቲ ምኽንያት። ተጻረርቱ ግን እቶም ሽዑ ኣባላት ሚስጢራዊ ሰልፊ ዝነበሩ፡ከም ሓላፊ ናይቲ ደቡባዊ ግምባርን ኣባል ማእከላይ ሽማገለ ዝነበረ መስፍን ሓጎስን፡እቲካላይ ድማ፡ኮምሽነርቦጦሎኒ4 በራኺ ገብረስላሴ ምዃኖም ኣይስሓትኩዎን።ነታ ናቱን ናይ ኢብራሂምን ዝነበረቶም ዝናን ዕዉት ወትሃደራዊ ስርሒታቶምን በቲ ሓደ፡በቲ ካልእ ድማ ወዲ ሃይለ ውዲ እቲ ከባቢ ምንባሩ ዝያዳ
ብልጫታት ስለዝነብሮ።ናይዞም ክልተ ህቡባት መራሕቲ ቦጦሎኒታት4&5 ብህዝቢ ስሞም ሰማይ እናዓረገ ስለዝመጸ፡ሓሳድ ኢሰያስን ብልኡኻቱ ውዲታት ካኣልምሉ ኣይደቀሱን።ኣነ ኣብ ወርሒ3-1976 ብኸቢድ ቆሲለ ንሳሕል ወረድኩ።
ድሕሪ ምሕዋየይ ኣብ ክፍሊ-ቑጠባ ተመዲበ ስራሕ ጀመርኩ፡ኣይደንጎየትን ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ሓይልታት
መጸት፡ኣነ ድማ እታ ኣሃዶይ መሪጻትኒ ን2ይ ጉባኤ ከድኩ።ኣብቲ ጉባኤ ክልተ ስንኩላን ኣነን ተኽለሃይማኖት ወዲ ሃይለን ነበርና፡ኣነ አብ ብክልተ ምርኩስ ተኽለሃይማኖት ድማ ኣብ ስትረቸር ።ንካብ ኣከለጉዛይን ስሓርትን ዝመጹ ወከልቲ ቦ4ን 5ን ወልደሚካኤል ሃይለ'ኸ ኢለ ሓተትኩዎም፡ኣይመጸን ምስበሉኒ።ሓደ ዝኣምኖ ሰብ ድሕሪ'ቲ መእተዊ ናይቲ ጉባኤ ሓተትኩዎ።በዓል በራኺ መርገጺኻ ብዛዕባ መንካዕ ኣየንጸርካን ኢሎም ስለዝወቖዎ ካብ ምርጫ ተሪፉ ምስ በለኒ፡ዝተሰምዓኒ ጓሂ ንበይኑ'ዩ።ብሕርቃን እታ ካላይቲ መዓልቲ ናይቲ ጉባኤ ኣይሰማዕኩዎን።ኣነ ወዲ ሃይለ ይመጽእ እሞ ኣባል ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ክኸውን ወይ ክምረጽ ትጽቢት ነይሩኒ።ልዕሊ ወዲ ሃይለ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ሰሪሐ ተወፍየ ዝብል ሽሕ ግዜ ሓሳዊ እዩ፡ካብቶም ውሑዳት ንህዝባዊ ግምባር፡ ህዝባዊ ግምባር ዝገበሩዋ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እዩ ዝስራዕ ።ግን ብስርሑን ተወፋይነቱን ተቐባልነቱን ዝቐንኡ ሓሳዳት፡ከምዚ ገይሮም ነጺሎም ኣብ ዘይ ምውዳቑ ኣውደቑዎ።እቲ ኩሉ ምህዞ ድማ ናይ ኢሰያስን መስፉን ሓጎስን እዩ። ወዲ ሃይለ ወትሩ ኣይርስዖን እየ፡እቶም ዝተዋደይሉ ሰባት ክሳብ ሕጂ ይጸልኦም።ኢብራሂም ድማ ድሒሩ ብዘይትፈልጠ ውዲት ንወዲ ሃይለ ስዒቡዎ እዩ።ጽባሕ መዓልቲ ፍርድን ሓቅን ከኣ ገበነኛታት ዝሕተትሉ ይመጽእ እኸውን ኢለ ይሓስብ።
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና።
ኣበድ ተስፋይ

Written by Abede Tesfay 12/11/ 2014 source https://www.facebook.com/abede.tesfay?fref=nf

ቅዳማይ ጉባኤ ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ተላዕለ ፡በርሀ ጻዕዳ ድማ ከልዕሎ ደስ'ዩ ዝብለኒ። በርሀ እቲ ፍሉጥ ተባዕ ድሕር ዘይብል የዒንቲ መራሕቲ ርእዩ ደይዛረብ፡ሕማቕ ርእዩ ቅንጣብ ዓቕሊ ዘይብሉ፡ንስብሓት ጎልፎ ኮምሽነሩ ናይ ቦጦሎኒ 3 ስለዝነበረ እንጭዋ ዝብል ሳጓ ኣውጺኡሉ ነበረ።1ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር በርሀ ኣብ ቦጦሎኒ 3 ብዝልዓለ ቁጽሪ እዩ ተዓዊቱ።ተበገስ ንጉባኤ ምስኮንነ ካብ ደቡብ ዝመጹ ወኪላት ኣብ ካርነሽም ወከ-ዛግር ተኣኪቦም ራኣዮም።እዋይ'ዛ ውድብ ክሳብ ክንድዚ'ያ በጺሓ።በርሀ ኣብታ ጉባኤ ምእንቲ ከይሳተፍ ካብታ ቦጦሎኒኡ 3 ኩማንድስ ሒዙ ካብ ካርነሽም ንዒላበርዕድ ገጹ ተሃንፈፈ።ቅድሚ ሕጂ ዝጽንዓ ስርሒት ሓንቲ ላንድሮቨር ካብ ውሽጢ መዓስከር ኩማንድስ ንኸውጻኣ ኣብቲ ከባቢ ቀነየ።ጉባኤ ድማ ጽርግፍ ኣይትብልን።በርሀ ሆየ ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ኮማንድስ ወዲቡ ስለዝነበረ፡ኣብ ውሽጢ መዓስከር ምስ ብጾቱ ኣትዩ፡ባዕሉ መሪሑዋ ብሰላም ወጸ።
ድሕሪኡ ፡ስለምንታይ ጉባኤ ዘይመጻእካ ተባሂሉ ብመሪሕነት በዓል ኣስመሮም ተሓቲቱ እዩ።ምስ ኮምንድስ ተቛጺረ ከይትፈሽለኒ እታ ስራሕ፡ድሓር ከኣ ንስኻትኩም ተኣኽልዎ ኣነ ዳኣ ደይ ሓደ ተኳሳይ እየ ።እዚኣ ኻኣ መንቀሳቐሲት ውጓኣት ትኾነና።ንስኻትኩም ድማ ትንቀሳቐሱላ ክብል መውጽእ ነብሱ ገበረ።ቅድሚኡ እቲ ናይቲ ሕቡእ ሰልፊ ምድላው ንኣኼባ
ክገብሩ፡ኣብ ሩባ ፍልፍል ኣጣል ሓሪዶም ሩዝ ከብስሉ ጸኒሖሞ ብዓል ኢሰያስ፡ሽዑ በቲ ማእከላይ ሕክምና ፍልፍል እዩ መጺኡ።ኣብ ሕክምና ዓደስ መግቢ ጸንሑዎ ምስ ውጓኣት'ዩ ተመሲሑ።ኣብቲ ኣጣል ዝተሓርዳሉ ሩዝ ዝበስለሉ ስንጭሮ ምስ ከደ እዋይ! እዋይ! ክልተ ገድሊ።ጥዑያት ስጋ ይምገቡ ደሞም ዝፈሰሰን ሕሙማትን ድማ ዓደስ።እዝስ ምጾታት'ዩ ነተን ተሰኽቲተን ዝነበራ ስጋን ሩዝን ምስ ሓመድ ሕውስ -ሕውስ ኣቢሉወን።ሽዑ ነቲ ካላሽን ካብ ዝባኑ ዘይፈሊ በርሀ መን'ዩ ሕድግ ዝብሎ።እዛ ክላሽን እዚኣ ንጸላኤ ጥራይ ከምዘይሓዝኩዋ ፍለጡ ኢሉዎም ንብዓል ኢሰያስ ዕዝር ንኸበሳኡ።በርሀ መስዋእቲ ገላጊላቶ እምበር ኣብ መጻወድያ ኤሰያስ ምወደቐ ነይሩ፡ወይ ድማ ኒኢሰያስ መውደቖ፡ኡኖ-ዳድወ'ያ ነይራ።ስሪኡ ንሓዲኣያ ነይራ ንብለኩም እሞ እንታይ ከምዘራየኒ ሎሚ ምሸት ምስቶም ብልቢ ዛኣምኖም ዝነበርኩ ጀጋኑ ዘይክምሁ ተጋደልቲ ኣምስየ ክንደይ እኳ ደስ ኢሉኒ ኣምስዩ።ኣብ ካልእ ዕላል የራኽበና።
ኣበድ ተስፋይ

ቃለ-መሕተት ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ተስፋምካኤል (ቅሱን)

11 ክፋል

በርሀ ጻዕዳ ነብሰይ ኣይገብረለይን እዩ፤፥ ንዑ ናብ ኩናት እተዉ ክብሎም ኣነ ውን ምስኦም ክኣቱ ኣለኒ፥ እዚ ትብልዎ ዘለኹም መምርሒ ግን ኣብ ካልእ ክትግበር ኣለዎ። ኢልዎም። ስለዚ፥ እቲ፡መስዋእቲ ኣይተርፎምን እዩ ነይሩ። መኽንያቱ ናብቲ ኩናት መሪሖም እዮም ዝኣትዉ። ሕጂ እንታይ እየ ክብለካ ደልየ? እቲ ዝብሃል"

ናይ ወልደምካኤል ሃይለ ግን፥ ካብ ናይ በርሀ ጻዕዳ ተፈልዩ ዝርአ እንታይ ይመስለካ? ወልደምካኤል ሃይለ! ኣብቲ ውድብ፥ ብዓይኒ ሓቂ እንተመጺኻ? ልዕሊ ወልደምካኤል ሃይለ፥ ክውድብ ዝኽእል ዓቕሚ ዝነበሮ ኣይነበረን። ከይደቀሰ ዝሓድር ንስራሕ፥ ውግእ ይመርሕ፥ ህዝቢ ይውድብ፥ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት የካይድ፥ መደባት ይሕንጽጽ፥ ወላ ነቲ ናይ ፈዳይን ስርሓት ከማን፥ ብምልኡ ብወልደምካኤል ሃይለ እዩ ዝፍጸም፥ ነይሩ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ። ንድሩዕ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ንኸወጽእ፥ ወዲ ሃይለ ወዲብዎ ዝነበረ፥ ኣወዳደባ፥ ትኣይምር እዩ፥ ነይሩ፣፣ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ንምውጽኡ ብዝሕ ጽዒሩ ወላ እቲ ኣወዳድብኡ፥ ትኣምር እዩ ነይሩ፥ ግን ኣይሰለጠትን መኽንያቱ እታ መልእኽቲ፥ ናብ ድሩዕ ከይበጽሐት ፌል ስለዝገበረት እንበር፥ እታ መልእኽቲ ተምሓላሊፋ እንተትኸውን ናብ ድሩዕ፥ ንምሉእ ኤርትራዊ መዛረበት ነይራ። ኣብ 1977 ውን ነቲ፥ ነቲ ሰምበል ቤት ማእሰርቲ፥ ምሩኻት ተጋደልቲ' ወጺኦም፥ ብኩናት እዮም ኣውጺኦሞም። ወልደምካኤል ሃይለ እዩ ዝመርሖ ነይሩ፣ ነቲ ስርሒት። ብዘይ ኩናት ንኸውጽዎም እዪ መደብ ነይሩ። ግን ንሳቶም ዘይተጸበይዎ፥ እቲ ከረን ዝተታሕዘትሉ ግዜ፥ ንሓሰ ስለዝነበረ፥ ሰምበል ካኣ ዋላኻ ስለዝኾነ ማይ ሃሪሙ! ውሑጅ ካኣ ስለዝሓለፎ፥ ሰብ ተሸጊራ ኣብ መንገዲ። ናብቲ ቦታ ፍርቂ ለይቲ በጺሖም። ዋርድያታት ካኣ ተቐያይሮም። ገሊኦም ንሕና ክንቅጽል ኢና፥ ኢሎም ነቲ መደብ ጠዋውዮም፥ ዝጸንሑ እንተዘይኮይኖም፥ ዋርድያታት ገሊኦም ተቐያይሮም ጸኒሖሞም። ስለዚ ናይ ግድን እዮም ብቶኽሲ ከውጽእዎም ማለት'ዪ።ብቶኽሲ ጌሮም ኩሎም ኡሱራት ኣውጺኦሞም። ስለዚ ወልደምካኤል ሃይለ ብጣዕሚ ዓቅምን ኣወዳድባን፥ ዝነበሮ ሰብ'ዩ፤፥ ነይሩ። ንምውዳብ ናይ ከተማታት ክሰርሕ፥ ዝኽእል ምውዳብ፥ ናይ ህዝብታት ክሰርሕ ዝኽእል፥ መደባት ሰሪዑ ዓድታት ከዋሃህድ ዝኽእል፥ ረቂቅ ክእለት ዝነበሮ ሰብ'ዩ።

ብዓይኒ ሓቂ እንተዳኣ መጺኻ፥ ወልደምካኤል ሃይለን ቢትወደድ ኣብርሃን ከተነጻጽሮም እንከለኻ፥ 1977 ብዙሕ ፍልልይ ነይርዎም እዩ። መኽንያቱ ቢትወደድ ብዙሕ ናይ ኩናት ተመክሮ ኣይነበሮን፥ ምስ ወዲ ሃይለ ከተነጻጽሮ ማለት'ዩ። ናብ ማእከላይ ሽማግለ፥ ብኸመይ ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል፥ ክትሪኦ ከለኻ? ብተመክሮን ግድምናን ቀዳምነት ወዲ ሃይለ ክውሃብ ነይርዎ። ግን ወዲ ሃይለ ሓደ ካብቶም ብኢሰያስ፥ ተጠማቲ ስለዝኾነ'ዩ ተሪፉ። እቲ ብዓል ኢሰያስ ዝገብርዎ፥ ውድብ፥ በቲ ሓደ ወገን ኢሰያስ ንውድብን ሃገርን እንዳሃሰየ'ዩ መጺኡ። ክሰርሑ ዝኽእሉ ብዝላዓለ ደረጃ፥ እንድሕር ዘይተሳትፎም ኬንካ! ግን ንዓኣቶም ካኣ ካብዝኾነ ቃልሲ ክዕንቅፎም ስለዘይእል፥ ንኹሉ ናይ ኢሰያስ ተንኮላትን ማሕለኻታትን ፈናጢሶም ይሰርሑ ነይሮም። ሎሚ ተመሊስካ ክትሪኦ ከለኻ? እቲ ኣሰዋውእዎም፥ ነዚ ኩሉ ዝነበረ ምስጢራዊ! ኣካይዳ፥ ተመሊስካ ክትሪኦ ከለኻ? ብዙሕ ነገር ኢኻ ትርኢ። ኣብዚ ደገ ምስ ወጻኻ ካኣ ብዙሕ ኢኻ ትሰምዕ፥ ወላ ሕጂ፣ ናይ ፍሳሃየ ወልደገብርኤል መስዋእትስ፥ ኣብ ደገ ምስወጻኹ ፍሳሃየ፥ ወ/ገብርኤል ተቐቲሉ'ዩ እንበር ብነፋሪት ኣይኮነን ተሰዊኡ ኢሎምኒ። ብዙሕ ኢኻ ትሰምዕ! ግን ነዚ ሕጂ ንሰምዖ ዘለና ካብ ዝተፈላለዩ ኣብቲ ውድብ ዝነበሩ ተጋደልቲ፥ ተታሒዙ፥ ጽባሕ ንግሆ ከነረጋግጾ ይግባእ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሓለዋ ሰውራ ተቐንጺሉ' ዝብሃል ግን፥ ከቀንጽል ዝኽእል ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ኣይኮኑን ነይሮም። ወላ እቶም የሚን ተባሂሎም ዝተቐትሉ! ብኣውራጃ ተንቀሳቂሶም ኢሎም ዘጥፍእዎም ብቐሊል ኣብ መስመር ክምለሱ ይኽእሉ ነይሮም። ናታቶም መሳርሒ ባዕልኻ ስለዝተጠቀምካሎም፥ እንተዘይኮይኑ! እቶም ነዚ ጉዳይ ሓላፍነት ክስከሙ ዝግብኦም እቶም ንዓኣቶም፥ ብናቶም ግርህናን፥ ድሑር ባህላዊ ደረጃታት፥ ተጠቂሞም፥ ዝቐተልዎም ንሳቶም ክኽሰሱ ይግባእ።

ቃለ-መሕተት ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ተ/ምካኤል (ቅሱን)
ብዛዕባ ታሪኻዊ ሰውራ ኤርትራ፥

9ይ ክፋል

ehrea
p align="center">
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com