ስርዓት ህግደፍ ወለዲ ብምእሳር የሳቒ ኣሎ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ካብ ሰራዊት ደቅኹም ሃዲሞም ብዝብል ጉልባብ ብዕድሜ ዝደፍኡ ወለዲ ብምእሳር የሳቂዮም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡

 በዚ መሰረት ካብ ቁሸት ካርካሻ ኢዊ ተባሂለን ንዝፍለጣ 55 ዕድሜ ንዘለወን ወላዲ፡ ወዲኺ ነጋሽ ኣልማጁክ ካብ ሰራዊት ሃዲሙ ብዝብል ጉልባብ ብዕለት 06/07/2009 ሒዞም ከም ዝኣሰሩዋ ተፈሊጡ፡፡ ነዘን ኣዴ ካብ ካርካሻ ሒዞም ንቁሸት ኣሾሺ ወሲዶም ሓንቲ ለይቲ ምስ ኣሕደሩዋ ብዕለት 07/07/2009 ንቶኮንቢያ ከም ዝወሰዱዋን ክሳብ ሕጂ ሃለዋታ ከም ዘይተፈልጠ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡

 ብተመሳሳሊ ዜና፡ ካብ ቁሸት ኮሉኩ ማዲ ኡስማን ንዝተባህላን 50 ዕድሜ ንዘለወን ኣዴ ወዲኺ ካብ ሰራዊት ሃዲሙ ብዝብል ጉልባብ ኣብ ወርሒ 6/2009 ሒዞም ንባረንቱ ወሲዶም ኣሲሮም ድሕሪ ምስቃይ ከይድኺ ወድኺ ኣምጽኢ ኢሎም መንነት ወረቀታ መንጢሎም ከም ዝሰደዱዋን፡ ኮይኑ ግን ወዳ ክትረኽቦ ብዘይምክኣላ ንባረንቱ ተመሊሳ ከም ዝኸደትን ዛጊት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ትርከብ ከም ዘይተፈልጠ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡

 

Copyright © 2005 - 2009 Mesel-Biherat.com. Designed by Arhonet Web and Computer Services