-->

 

ኤርትራዊ እምቢታ ጸረ ብድዐታት ገዛእቲ

Merawi Debesay

9 hrs

እመቤት ኢለኒ(ዋዕሮ ኣምበሳ) ሰራዊት መሪሓ ዝፋን ንግስነት ወዳ ዘዉሓሰት፡ሓያልን ተባዕን ጅግና ኣደ ራእሲ ወልደንኪኤል ሶሎሞን(ጎሚዳ) ንጉስ #ምድረ_ሓማሴን_ምድረ_ባሕሪ_መረብ_ምላሽ
********************************^***********************
ኣብ ከባቢ 1837-38 ዓ/ም፡ ከንቲባ ሰሎሞን ብዓል ሃዘጋ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣሪጉን ብሕማም ተጠቒዑን፡ ክልተ-መንእሰያት ኣወዳት ነበርዎ። ወልደሚካኤል ወድ 15 ዓመት፡ መርእድ ድማ ወድ 14 ዓመት ዝኸውን ዕድመኦም። ብድሕሪ ሞቱ፡ መልክዕ ኰነ-ትሕዝቶ ናይ ዝነበሮ ስልጣን ብምሉኡ፡ ናብቲ ተጻራሪኡ እንዳ-ጸዓዘጋ ከም ዝምለስ፡ ኣይዘንግዖን። ስለ’ዚ ዓርኩ-ኣማኒኡ ንዝዀነ “ወልደጋብር” እተባህለ ከንቲባ“ድምበዛን” ጸዊዑ፡ ስድራኡ ኣማሕጸኖ። ብዘይካ’ዚ፡ ደቁ ዓብዮም ክጥቀምሎም ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ከረክቦም ንማለት፡ 40 ጠበንጃ ንሓደራ ከጽናሓሉ ተላበዎ (ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ዓድ-ሓበሻ 40 ጠበንጃ ማለት፡ ምልክት ሃብቲ-ሓይሊ-ስልጣን- እዩ ዝነበረ)። ክልተ-ወርሒ ብድሕር’ዚ፡ ከንቲባ-ሰሎሞን ዓረፈ።

ከንቲባ ሰሎሞን ብዓል ሃዘጋ ኣብ ሞቱ፡ ውክልና ደቁ፡ ነዲኦም ማለት ንብዓልቲ-ቤቱ እመቤት ኢለኒ ጓል ኣይተ–ሓጐስ ብዓል ዛግር (ካርነሽም) እዩ ተላብዩ። እመቤት ኢለኒ ብዝነበራ በሊሕ ኣእምሮ (ተባዕ ጠባይ /ክብ ናይ ምባል ድልየትን) ብድሕሪ ሞት ሰብኣያ፡ እቲ ንቦኽር-ውላዳ ማለት ንኣይተ-ወለደንኪኤል እዩ ዝብጽሖ እትብሎ ስልጣን-መዝነትን፡ ናብ ደጊያት-ሃይሉ (ብዓል ጸዓዘጋ) ብምሕላፉ፡ ዕረፍቲ ኣይረኸበትን።

ስለ’ዚ’ውን፡ ማእሰርቲ ደጊያት-ሃይሉ ብዝሰምዐት፡ ድኻም-ጸገምን ከይጸብጸበት፡ ብቆራጽነት ናብ ደግያት ውቤ ገጻ ንትግራይ ተበገሰት። (ደግያት ውቤ፡ ድሕሪ ዝምታ ከረን/ሓልሓል ኣብ ፋልማይ 1840ታት፡ ንደግያት ሃይሉን ቦኽሪ ውላዱ ተስፋጽዮን ኣሲሩ ንትግራይ ወሰዶም) ኣብ “ሓውዜን” ብዘርከበቶ ድማ፡ ኣብ ቅድመኡ ቀሪባ ብዘእምን ኣገባብ ነገር ደቃ ኣቕረበትሉ። እቲ ኩሩዕ ጐይታ ትግራይ፡ ንወልደንኪኤል መሰል-ውርሻ (ንቐረባ ደቅ-ተባዕትዮ ኣዝማድ ክወሃብ ዝግቦኦ ስልጣን)፡ ንእመቤት ኢለኒ፡ ዕድመ ወዳ ንምምሕዳር ክሳዕ ዝበቅዕ፡ ኣብ ክንዳኡ ባዕላ ስልጣን ከተመሓድር ፈቐደላ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ንደጊያት-ኢማም ወድ ደጊያት ሃይሉ ካብ ዝነበሮ መዝነት ቀንጠጦ።

ንእመቤት ኢለኒ እተዋህበ መዝነት ግን፡ ኣብ ግዝኣት ጥንታዊት-ሓማሴን (ማለት ክሳብ ምኽዓው-ቆሎ) እተወሰነ እዩ ዝነበረ። (ውቤ) ከም ወትሩ ድማ ሰራየ ንዕኡ ኣትሪፉ፡ ኣብ ከባቢታት “እንዳ’ባ-መጣዕ” ብዘቐመጦ ሹም-ነጋሪት ኣቢሉ ይገዝኦ ነበረ። ደጊያት-ውቤ፡ እመቤት ኢለኒ በይና ኰይና ነቲ እተፈቕደላ ግዝኣት ሓማሴን ምምሕዳር፡ ከጸግማ ምዃኑ ብምሕሳብ፡ “ብላታ-ኾኾብ” እተባህለ እሙን መኰንኑ /ዓሰርተ-ሽሕ ኣቢሎም ዝግመቱ ሰራዊትን/ ኣኸቲሉ ኣሰነያ።
እዚ ውሳነ’ዚ ግን ኣሉታዊ ሳዕቤናት እዩ ኣኸቲሉ። ምኽንያቱ፡ ብኣንጻር ናይቲ ዝጸንሐ ልምድን-ባህልን ምድረ ሓማሴን ብሰበይቲ ክመሓደር፡ ዘይከኣል ዘቅቡሉን ነበረ።–ሃዘጋ ብዝነበሮ ውሑድ ህዝባዊ-ተቐባልነት፡ ነቲ ኣዉራጃ ብምሉኡ ኣናወጾ። ንመደባት እመቤት ኢለን ክቃወም’ውን ተላዕለ። ኣሎ እተባህለ ጎበዝ ብረት ሒዙ ኣብቲ ንሳን ሰራዊት ወበ ክሓልፉ እተመደበ ቦታ ኣብ “ጉራዕ” ኣድብዩ ጸንሖም። እቲ ብረታዊ-ግጭት ግን ኣንጻር እቲ ህዝቢ ኰነ ውጽኢቱ።
ብላታ-ኾኾብ ጸራሪግዎም ንእመቤት ኢለኒ ሃዘጋ ኣብጽሓ። ከም ፍቓድ ውቤ ድማ ስልጣና ኣረጋጊጹ፡ ንቚሩብ እዋን ኣብኡ ጸኒሑ፡ ህጹጽ ብእተባህለ ጉዳያት ተጸዊዑ ንትግራይ ናብ ጐይትኡ ተመልሰ። እመቤት ኢለኒ በይና ብዝተረፈት፡ ሽዑ ንሽዑ ብኹሉ ተጠሚታ፡ ብጸላእቲ ተኸበበት። ተራር ሰበይቲ ብምንባራ ግን፡ ጥቕማን ጥቕሚ ደቃን ከተውሕስ፡ ብረት ምልዓል’ውን ኣይነሓፈትን።

ኣብ ኲናት “ዓድ-ዘን” ንኣብነት፡ ባዕላ ሰራዊታ መሪሓ ኣንጻር’ቶም ተቓወምቲ ገጢማን ስዒራን። ከምኡ’ውን ነቲ ብድሕሪ’ዚ ዝሰዓበ ኲናት “ምስጓጒ” ኣንጻር’ቶም ብኣይተ-ኣሉላ ሓዉ ንደጊያት ሃይሉ እተመርሑ ተቓወምቲ፡ ባዕላ እያ ኲናት መሪሓ። ኣብዚ ግን፡ ኣይተዓወተትን። ኣይተ-ኣሉላ ምናልባት ንስለ ጓል-ኣንስተይቲ ኢሉ ግን፡ ነቲ ዝረኸቦ ናይ ዓወት ዕድል ኣይተጠቕመሉን። ስለ’ዚ’ውን ንኢለኒ፡ ምልክትን ግዳማዊ መልክዕን ናይቲ ስልጣን ገደፈላ።
እመቤት ኢለን ኣብዚ ካልኣይ ናይ ብረት ግጥም፡ ልክዕ ከምታ ዋዕሮ–ኣንበሳ ኩርኩር ሽደና መሪሓ ናይ ሃድን–ጥበባት እተመሓላልፍ፡ ነቲ መንእሰይ–ውላዳ ማለት ንወለደንኪኤል ምስኣ እያ ኣውፊራቶ ዝነበረት።
ደጊያት-ሃይሉ ብትእዛዝ ውቤ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረ እዋናት፡ ኣይተ-ኣሉላ ኣብቲ ኣንጻር ውቤ ከቲቱ ዝጸንሐ “በዓል ገዳይ ኣራርያ” እተባህለ ተወላድ ‘ወጀራት’፡ እዩ ተዓቚቡ ነይሩ። “ኣራርያ” ብዘበርከተሉ ሓገዝ እዩ ድማ ኣብ ኲናት “ምስጓግ” ንእመቤት ኢለኒ ክገጥማን ከሰንፋን በቒዑ።

ብድሕር’ቲ ኣብ ኲናት ምስጓጒ ዘጋጠማ ውድቀት፡ ስዒቡ ኣንጻራ እተላዕለ ተቓውሞታት እናበኣሰ ምኻዱ፡ ከምኡ’ውን ጾር ናይቲ ምምሕዳር ከተፋዂስ ብምሕሳብ፡ ምስ ኣይተ-ገብራይ ወድ-ኣይተ ሃብተጽዮን ሓው መዋቲ ብዓል-ቤታ መኸረት። ብኣኡ ተደጊፋ’ውን ንዳርጋ ክልተ-ዓመት ስልጣን ኣመሓደረት። ግብራዊ-ምምሕዳር ግን ኣዝዩ ስለ እተዳኸመ፡ ኩሉ’ቲ ዝጸንሐ ናይ ጽፍሕታት ምትእስሳር ኰነ- ናይ ስልጣን መዝነት፡ ፈጺሙ ኣብቀዐ።
ኣብ ከባቢ 1843 ዓ/ም፡ ምድረ ሓማሴን ብሓፈሻኡ ኣብ ፍጹም-ፋሉልነት ኣተወ።
*****

ኣብ እዋናት ምምሕዳር ከንቲባ-ሰሎሞን ብዓል ሃዘጋ፡ ልጅ–ሃይሉ እተባህለ ቦኽር-ውላድ ኣይተ–ተወልደመድህን (እንዳ ጸዓዘጋ)፡ ካብቲ ናይ ኣቦኡ እተፈልየ ባህሪ ብምንባሩን/ እቲ እንዳ-ሃዘጋ ኣብ ልዕሊ እንዳኡ ዝነበሮ ጸብለልትነት ክጻወሮ ብዘይምኽኣሉን፡ ካልእ ዕድላት ከናዲ ን”ትግራይ” ሓለፈ። ኣብ ትግራይ ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ዝዀነ ናይ ጸብለልትነት ዝምባለ ክቈጻጸር ዝኽእል ማእከላይ-ስልጣን ኣይነበረን። ካብዚ ሓሊፉ’ውን “ስሑል” እተባህለ ራእሲ ሚካኤል -ዝተኸተሎ ጌጋ ምምሕዳር፡ ኣብ ሞንጎ’ቶም ዓበይቲ መራሕቲ-ዞባ፡ ሕሱም ኩናት እዩ ዝካየድ ነይሩ። እዚ “ሽማግለ” እውን ዝበሃል ራእሲ ሚካኤል ስሑል፡ ሓድ-ሓደ ነጋውስ ናይቲ ጥንታዊ-ስርወ ቀቲሉን /ካብ መዝነቶም ቀንጢጡን/ ካልኦት ነጋውስ ክብ ኣቢሉን፡ ራእሲ-ቢትወደድ ተባሂሉ፡ ናይ ሓቂ ጐይታ ኣክሱም ንግስነት ንሱ እዩ ዝነበረ።

ሃይሉ ኣብቲ እዋን’ቲ 25-26 ዓመት ዝዕድመኡ ጎበዝ ኰይኑ፡ ምስ ደጊያት-ካሕሳይ ወድ ራእሲ-እስባጋዲስ ጐይታ ዓጋመ እዩ ወፊሩ ዝነበረ። ኣብቲ ደጊያት-ካሕሳይ ኣንጻር ድጊያት-ውቤ ዘካየዶ ግጥማት ድማ ተኸታሊኡ ብምዃን፡ ሃይሉ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ወታሃደራዊ-ክእለቱ ኣመስኪሩ፡ ብካሕሳይ “ደጊያት” ዝብል ሽመት ተዋህቦ።

ብ1839 ዓ/ም ካሕሳይ ብውቤ ተሳዒሩ ምስ ተማረኸ፡ ሃይሉ ከምልጥ ክኢሉ፡ 500 ሰዓብቲ ኣኸቲሉ፡ ናብ ህዝቡ ንሓማሴን ተመልሰ። መላእ ዓዲ ብዓቢ ሓጐስ ተቐበሎ። ህዝቢ ጸዓዘጋ ድማ ነቲ ሽማግለ-ሰላማውን ዝነበረ ኣቦኡ “ተወልደመድህን” ካብ ናይ ምምሕዳር መዝነት ኣውሪዱ፡ ኣብ ክንዳኡ ንሃይሉ መራሒ ናይቲ እንዳ ክኸውን መረጾ። በዚ ኣቢሉ’ውን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ሓያል-እንዳ ንምዃን፡ ብዙሕ ተተስፈወ።
ደጊያት-ሃይሉ ኣብ መጀመርያ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ምልኩ ኣሚኑ ንደጊያት-ውቤ ናይ ሰላም ተበግሶታቱ ምግላጽ መረጸ። ውቤ ነዚ ተቐቢሉ ንሃይሉ ናብኡ ክቐርብ ዕድመ ገበረሉ። ሰለስተ-ወርሒ ብድሕር’ዚ፡ ሃይሉ ንትግራይ ተበገሰ። ውዕውዕ እንግዶት ተገይርሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ስልጣኑ ኣብ ጥንታዊት-ሓማሴን ማለት ክሳብ ሰንሰለት ኣኽራናት “ምኽዓው-ቆሎ” ተፈልጠሉ። ንሰራየ ግን፡ ውቤ ባዕሉ ብዝልእኮም (ብግብሪ እውን ዝለኣኾም) “ሹም-ነጋሪት” እተባህሉ መኰንናቱ ኣቢሉ ክገዝኦ ወሰነ።

ደጊያት ሃይሉ ኢድ ክነስእ ንትግራይ ምስ ተበገሰ፡ እመቤት ኢለኒ፡ ተዓሪቑ ምምላሱ ጥራይ ዘይኰነ፡ ምምሕዳር ናይ ዝበዝሐ ክፍሊ መረብ-ምላሽ ከም ዝፍቀዶን፡ ስለ’ዚ እውን ከምቲ ኣኸቲሉ እተጋህደ፡ ወጽዓ “እንዳ-ሃዘጋ” ኣይዘንግዓቶን። ካብዚ ኣብ ልዕሊ እንዳኣ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ሓደጋ ንምልቓቕ ድማ፡ ኣለው ናይ ዝበሃሉ መራሕቲ ኣተሓሳስባ መዚና፡ ብረት ናይ ምልዓል ተኽእሎ ኣድላይ ኰይኑ ረኸበቶ። ስለዚ’ውን ነቶም ኣብቲ እዋን’ቲ 15-16 ዝዕድመኦም ደቃ ለኣኸቶም። ወለጋብር ብዓል “ድምበዛን”፡ ንሕቶ ናይቶም ክልተ-መንእሰያት ብኣሉታ መሊሱ፡ ካብ ኣቦኦም ንሓደራ እተቐበሎ ብረት ከም ዘይተረከበ ገለጸሎም። እንደገና ተዓዲሙ ብዝቐረበ እውን፡ ብወግዓዊ ማሕላ ኣብ ኣሉታኡ ነቐጸ። ብድሕር’ዚ፡ ወለጋብር መራሒ ድምበዛን ኣንጻር “እንዳ-ሃዘጋ” ምዃን ወገኑ ኣመስከረ። እመቤት ኢለኒ ከኣ ንጊዜኡ፡ ዓወት ደጊያት-ሃይሉ ክትቅበሎ ተገደደት።
******
ስዒቡ ከም እተጋህደ፡ ወለጋብር ንደጊያት-ሃይሉ እዩ እተን 40 ናይ ሓደራ ብረት ኣረኪብዎ ዝነበረ።

(1850-51 ዓ/ም)፤ ካብ ዕለታት ሓደ-መዓልቲ፡ እመቤት ኢለኒ ነቲ ብውሽጣ ትሕልኖ ዝነበረት ሕነ፡ ብክእለት ከዊላ፡ ወለጋብር ከማኽራ ንማለት፡ ብዕርክነት ናብኣ ክመጽእ ዕድመ ለኣኸትሉ። ብዝመጸ ድማ፡ ዝኣክል መስተን-መግብን ኣዳልያ ኣብ ቤታ ነዊሕ ኣዘናጋዓቶ። እዚ እናተገብረ፡ ደቃ ኣብቲ ወለጋብር ንዓዱ ዝምለሰሉ መንገዲ፡ ኣድብዮም ይጽበይዎ ነበሩ።

እመቤት ኢለኒ ምስ’ዚ ኣወሃሂዳ፡ ኣለው ንእተባህሉ ሹማምንቲ “እንዳ-ጸዓዘጋ” እውን፡ ንኩሉ ዝጥዕም ዕርቂ ናይ ምፍጻም ዝነበራ ተበግሶ ንምግላጽ፡ ዕድመ ልኢኻትሎም ጸኒሓ እያ። ሓደ ዘርእን-ሓደ ደምን ምዃኖም ኣዘኻኺራ ድማ፡ ብእምነትን-ብዘይ-ፍርሕን ክመጹ ኣተባብዓቶም።
በዚ ዕድመ’ዚ ሓበን ተሰሚዕዎም፡ “እንዳ-ጸዓዘጋ” ንሃዘጋ ገጾም ተጓዕዙ። ወ/ሮ ኢለን ኣቐዲማ ዘዳለወቶ ስለያ፡ ዕዱማት ጥቓ ሃዘጋ ምቕራቦም ብዘመልከቱላ፡ ንወለጋብር ተሰናበተቶ። እዚ’ውን ንዓድ-ተከለዛን ናይ ምምላስ መንገዱ ሓዘ።
መራሕቲ እንዳ-ጸዓዘጋ ኣብ ቤታ ብዝኣተው፡ ንኹሎም ኣሰረቶም። ልክዕ ኣብቲ እዋን’ቲ ድማ፡ ወለንኪአል-መርእድን ንወለጋብር ጐቢጦም ቀተልዎ። እዚ ግብር’ዚ ፈጺሞም፡ ደቆም ሓሓዲኦም 4-5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት፡ ፈታዊኦም ንዝነበረ ከንቲባይ-በኺት መራሒ “ካርነሽም” ንሓደራ ኣረከብዎ። ንሽማግለ ወላዲቶም (ወ/ሮ ኢለን) ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስትያን-ሃዘጋ ንዕቚባ ገዲፎም ድማ፡ መራሕቲ ጸዓዘጋ መደባቶም ከም ዘይኰልፉ ኣረጋጊጾም፡ ከፋፊሎም ለቐቕዎም።


ብድሕር’ዚ ካብ ሓማሴን ነቒሎም፡ በቲ ፈታውን-ኣማኒ እንዳኦም ዝነበረ መሬት ኣከለ-ጉዛይ ሓሊፎም፡ ንትግራይ ገጾም ተጓዕዙ። ብዝበጽሑ እውን፡ ኣብ ቅድሚ ውቤ ቀሪቦም ዝፈጸምዎ ገበን ተናስሕሉ። ውቤ ምሕረት ገቢሩ ምሳኡ ኣጽንሖም።
ወለደንኪኤልን-መርእድን ከምዚ’ሎም ምስ ወጹ፡ “ከንቲባይ-ጉልወት” እተባህለ ሓው መዋቲ ወለጋብር እዩ ኣብ ምምሕዳር ድምበዛን ተተኪእዎ ዝነበረ። ከንቲባይ-ጊለት ናይ ደም-ሕነ ንምፍዳይ፡ ዓርኩ ንዝነበረ ከንቲባይ-በኺት በዓል-ካርነሽም፡ እቶም ህጻናት ደቂ ወለንኪአል-መርእድን ከረክቦ ተወከሶ። ከንቲባይ-በኺት፡ ምኽንያት ብዘይርከቦ ሕማቕ-መንፈስ፡ ዓይኒ ከይሓሰየ ነቶም ቈልዑ ኣረከቦ። ጉልወት፡ ኣብ ልዕሊ በኺት ተጽዕኖ ይኹን ምፍርራሕ ዘብቅዕ ዓቕሚ’ውን ኣይነበሮን።

እዚ ስለ ዘይኣኸሎ፡ ጊለት ነቶም ኣለው ካብ ዝበሃሉ እንዳ-ሃዘጋ ረኺቡ፡ ንወ/ሮ ኢለን እውን ክረክብዎ ሓተተ (ብቐዳምነት እውን ነቲ ክሳዕ ሽዑ ኣማኻሪ እመቤት ኢለኒ ኰይኑ ዝጸንሐ ኣይተ-ገብራይ /ንወዱን/ከንቲባ-ሃይሉ ንእተባህለን እዩ ተወኪስዎም (ከንቲባይ ሃይሉ፡ ኣብ እዋናት ቀውዒ 1891 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ንፋሺሽቲ-ኢጣልያ ብዝፈጸሞ ተደጋጋሚ ምቅዋም፡ ተረሺኑ እዩ)። እዚኦም’ውን፡ ተቓውሞ ከየቕረቡ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ኣብ መላእ ንግስነት ኣክሱም ብሓፈሻኡ ከቢሩ ዝጸንሐን-ዘሎን <መሰል ዑቕባ ኣብ ቤት-መቕደሳት> ዝብል ሰብኣውን-ክቡርን ሕጊ ጥሒሶም፡ ንሽማግለ ወ/ሮ ኢለን ኣረከብዎ።
ጊለት፡ ነቶም ህጻናትን /ዓባዮምን ብዝተረከበ፡ ኣብ ዕሩቕ ኣጒዶ ኣሲሩ፡ ንወርሒ መመላእታ ብዘሰክሕ ሳቐዮም። ክሳብ’ውን ብጥሜትን-ጽምእን ተጠቒዖም ማይ-መግቢ ኣብ ዝሓተትሉ፡ ዒባን-ሽንትን እናለኣኸ፡ ትሑት ንዕቀት ኣግሃደሎም።
ብድሕር’ዚ ኩሉ ግፍዕታት ድማ፡ ኣብ ቅድመኡ ኣቕሪቡ ብኣረሜናዊ ኣገባብ ኣቕተሎም።

ውቤ፡ ብዛዕባ’ዚ እከይ-ግብሪ ብሰምዐ፡ ኣቤቱታ ወለደንኪኤል-መርእድን ተቐቢሉ፡ ሰባት ልኢኹ ንከንቲባይ ጉልወት ኰነ ከንቲባይ ሃይሉ፡ ናብኡ ኣቕረቦም። ቤት-ፍርዲ ኣሰናዲኡ ድማ፡ ብናይ ሓባር ርእይቶ ኩሎም ሽማግለታት፡ ንሞት ፈረዶም። ብመሰረት ልምዳዊ-ሕጊ እንዳባ ከም ዝፍቀድ ከኣ፡ እተዋህበ ፍርዲ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም፡ ኣብ ኢድ እቶም ክልተ-ኣሕዋት ኣስተለምዎም።
መርእድ፡ ከምቲ መሰሉ ዝጠልቦ፡ ምቕታሎም ወሰነ። ወለደንኪኤል ግን እቲ ብቤት-ፍርዲ እተፈቕደሉ ሕነ ኣኻሊ ኰይኑ ስለ ዘይረኸቦ፡ ኣድላይ ኣብ ዝበሎ እዋን ብዝግባእ ሕነኡ ክፈዲ ንማለት፡ ብልቦና ቀሪቡ ነጻ ክልቀቑ ዝብል ናይ ምሕረት-ኣቤቱታ ናብ ውቤ ኣቕረበ። ድልየቱ ተፈጺሙሉ ድማ፡ ገበነኛታት ተለቐቑ።

1854 ዓ/ም
ወለደንኪኤልን-መርእድን ሰለስተ-ዓመት ምስ ውቤ ጸኒሖም፡ ንዓዶም ምምላስ ወሰኑ’ሞ፡ ኣፍቂዶም ድማ ንሓማሴን ተመልሱ። ኰይኑ ግን፡ ብዘይካ’ቲ ጉልቲ ኣቦታቶም ዝዀነ ደቅ-ዘርኣይ፡ ካልእ ምምሕዳር ኣይተፈቕዶምን። 30 ጠበንጃ ተዋሂብዎም ድኣ ተሰናበቱ።

ሃዘጋ ብዝኣተው፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ዓሚቚ-ጽልኢ ብኽእለት ሸፊኖም፡ ንከንቲባ-ጉልወት ልኡኽ ልኢኾም፡ ብዝግባእ ክብረት-ክርስትናዊ ኣገባብን ኣብ ዓዶም ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት መታን ክፍጸም፡ ሬሳታት ኣዲኦምን ክልተ ደቆምን ክፈቕደሎም ለመና ኣቕረብሉ። ጊለት መልእኽቲ ሰሚዑ-ተቐቢሉን ነቲ ሬሳታት ብዝግባእ ክብሪ፡ ንሃዘጋ መለሶ። ዓዲ ምሉእ ብኽብሪ ዓጂቡ፡ ብዓቢ ስነ-ስርዓት ቀበሮም።

እዚ ብዝፈጸሙ፡ ወለደንኪኤልን-መርእድን በቲ ኣብ ልዕሊ-ህዝቢ ዘሕደርዎ ጽልዋ ተጠቒሞም፡ ን“ደቂ-ዘርኣይ” ኣንጻር “ድምበዛን” ክኸትት ጸውዕዎ። ነዚ ዕድመ’ዚ ድማ፡ ኩሎም ብታሕጓስ ተቐበልዎ። ካብ ደቅ-ዘርኣይ ጥራይ ፍላይ ዘይኰነ፡ ካበየ ክፍሊ-ሓማሴን ዝመጹ ብዙሓት ሰባት’ውን ሓበርዎም። ጉልወት ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዝነበረ ምጥርናፍ ሰሚዑ ብእዋኑ ህዝቡ ኣኪቡ “በረኻ’ንድያ” ኣብ እተባህለ ቦታ ዓሪዱ ጸንሐ። ኣብዚ ድማ ብድሕሪ ሓያል ኩናት ጊለት ተሳዒሩ 60 ምስ ዝዀኑ ሰዓብቱን 4 ደቁን ህይወቱ ኣጥፍአ። ዓድ-ተከለዛን በቶም ዝሰዓሩ ወገን ተወሪሩ። ቤተ-ክህነት ኣብ ሞንጎኦም ኣትዩ ብምህለላ-ኣቤትን ስለ ዝሸምገሎም ግና ካብ ዝበኣሰ ሳዕቤን ተገላገሉ። ብዘይካ’ዚ ድማ፡ ቅርሕንቲ ሰብ-ነገር ንምህዳእ፡ ኣገባብ-ዕርቂ ፈጸሙሎም። ብመሰረት’ዚ ከኣ ወ/ሮ ጥሩ ጓል-ወለንኪአል በዓል ሃዘጋ ምስ ወልደሚካአል እተባህለ ቦኽር-ውላድ ኣይተ-ሃይላይ ሓው መዋቲ ጊለት ተዋሰበት።

1855 ዓ/ም
ብድሕር’ዚ ፍጻሜታት’ዚ፡ ወለደንኪኤል ክሳብ’ቲ ደጊያት-ውቤ ተሳዒሩ ዝወደቐሉን (ጽድያ 1855 ዓ/ም) ሃጸይ-ተድሮስ ኣብ ዝፋን ዝመጻሉን እዋናት፡ ሃዲኡ ኣብ ሃዘጋ እዩ ጸኒሑ።
ሃጸይ-ተድሮስ ንጉሳዊ-ስልጣን ብዘውሓሰ፡ ንደጊያት ሃይሉን ንወዱ ተስፋጽዮን ካብ ማእሰርቲ ለቒቑ፡ ምምሕዳር ናይቲ ክሳብ ሽዑ ብግብጺ ዘይተገዝአ ተረፍ ጥንታዊ ምድረ-ባሕሪ ፈለጠሉ። ብመሰረት’ዚ ድማ፡ ንሃይሉ እተዋህበ ስልጣን፡ ካብ መረብ ጉንደትን-መረብ በለሳን ክሳብ መሬት-ማርያ ኣብ ዘሎ ስፍሓት፡ ግብሪ ናይ ምእካብ መሰል ተዋህቦ።

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com