--[if !mso]> ??? ??? ???? ???? ???

 

ወርቁ ዘርኣይ

1949-2024

ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት፡ ካብተን ንፈለማ እዋን ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ብረት ዓጢቐን ዝተቓለሳ ቀዳሞት ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ወርቁ ዘርኣይ፡ ኣብ መበል 75 ዓመታ ብሕማም ዓሪፋ።
ገዲም ተጋዳሊት ወርቁ ከም ኵሎም ሓርበኛታት ተቓለስቲ ንናጽነት፡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ህዝብን ብጾታን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።
እቲ ኣብ ስነስርዓት ቀብራ ዝተነበበ ታሪኻ ግን እኹል ድዩ? ወይስ ካልእ ክንገርን ክምላእን ዝግባኦ ዘይተነግረ ክፋል ኣሎ? ንምዃኑ ወርቁ ዘርኣይ መን እያ?
ኣብ ጕዕዞ ብረታዊ ቃልሳ እንታይ ብድሆን ፈተናን ኣሕሊፋ? ነቲ ጸገማት ብኸመይ ሰጊራቶ? ባሕሪ ከብዳ ዝዓቘሮ ምስጢርን ስቓይን እንታይ ይመስል? ንዝብል ቢቢሲ ትግርኛ ንቀረባ ፈለጥታን መቓልስታን ኣዘራሪቡ ዘዋደዶ ጽሑፍ እነሆ፤
ወርቁ ዘርኣይ ኣብ መጋቢት 1973 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ምስ ዝዛዘማ ቀንዲ መሓዙታ ደሃብ ተስፋጽየንን ኣበራሽ መልከን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝወረደ ጐበጣን ዓመጽን ስርዓት ሃይለስላሰ ብረት ዓጢቐን ክገጥማኦ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ንሜዳ ተጸምቢረን።

እዘን ካብ 1971 ኣትሒዘን ጥሒሻ ኣብ ዝተባህለ ምስጢራዊ ምንቅስቓስ ዝሳተፋ ዝነበራ ሰለስተ መንእሰያት፡ እተን ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ብረት ዓጢቐን ዝተጋደላ ቀዳሞት ተቓለስቲ እየን። ካብ ኣስመራ ዝተሰለፈት መዓሾ እውን ራብዐይተን ነይራ።
ወርቁን ደሃብን ካብ መባእታ፡ ምስ ኣበራሽ ከኣ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃን ዩኒቨርሲትን ብሓንሳብ ዝተጓዕዛ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ህይወተን ይዅን ብምስጢር ተወዲበን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበራ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብሓባር ተዋሲአን። ክንዮ እቲ ዘራኽበን ፖለቲካዊ ዛዕባ ከም ደቀንስትዮን መዛኑን ናይ ልበን ዘዕልላን ኣዝየን ዝፋተዋን መሓዙት እየን ነይረን።

እቲ ጽኑዕ ምሕዝነተን ከኣ’ዩ ክሳብ ነታ ዘይትትካእ ህይወተን ንህዝበን ክኸፍላ፡ ኣብ ሜዳ ብረት ዓጢቐን ክቃለሳ ዝወሰና።
ነዘን ሰለስተ መሓዙት ካብ 1964 ኣትሒዙ ዝፈልጠን ዳሕራይ ክሳብ ናብ ሜዳ ዝጽንበራ ናይ ቀረባ መሓዝአንን መተዓልልተንን ዝነበረ፡ ምስ ወርቁ ከኣ ዳርጋ ክሳብ ዕለተ መስዋእታ ምሕዝነቱ ዝቐጸለ ኤልያስ ሃብተስላሰ፡ ብሕልፈት ወርቁ ዘርኣይ ዝተሰመዖ ዓሚቚ ጓሂ ብምግላጽ፡ “ወርቁ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዘጋጠማ ባሕሪ ከብዳ ዝዓቘሮ ስቓይን ቃንዛን ከይተዛረበትሉ፡ ምስ ዓሚቚ ስቓያን እህህታኣን ምሕላፋ ኣዝዩ የሕዝነኒ” ይብል።
ምስ እዘን ሰለስተ ብጾት ኣብ ክረምቲ 1964 ንክረምታዊ ዕረፍቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ብኣውቶቡስ ሰታዮ ክጓዓዙ እንከለው እዮም ተላልዮም። ነቲ ሰለስተ መዓልታት ዝወስድ ጕዕዞ ከኣ እናደረፉን እናሰሓቑን ከምዝኸዱዎ ኤልያስ ይዝክር።
ወርቁን መሓዙታን ኣብ 1973 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ተጸንበራ፡ እቲ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመትን ሒደት ኣዋርሕን ቅድሚ ምስላፈን ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተፈልዩ ዝወዳደብ ዝነበረ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ንብቕዓቱን ናይ ምምራሕ ክእለቱን ዝብድህ ሕቶታት ተላዕለ።

ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ወተሃደራዊ ስልጠና
ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ፡ እቲ ዳሕራይ ብስም ኣዕናዊ ምንቅስቓስ ዝተገልጸ፡ መብዛሕትኦም ምሁራት ተጋደልቲ ዝተሳተፍዎ፡ እቲ መሪሕነት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክምረጽን ጕድለታቱ ክእርምን ዝጠልብ ሕቶታት ስለዝተላዕለ እዘን ሰለስተ ምሁራት ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ከኣ ምስቶም ሕቶታት ዘልዓሉ ነበራ።

እንተኾነ እቲ ሕቶ ኣብ ክንዲ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝፍታሕ እቲ ሓይሊ ዝነበሮ መሪሕነት ነቶም ሕቶ ዘልዓሉ ምሁራት፡ ንወርቁ፡ ደሃብን ኣበራሽን'ውን ምስ'ቶም ደቂ ተባዕትዮ ብጾተን ኣሲሮም ነቲ ሕቶታት ደቚሶምዎ።
ነቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ኣዕናዊ ጸጋማዊ ምንቅስቓስ ወይ መንካዕ ክብሉ ብምስያም ከምዝኣሰሩወን ነዘን ተጋደልቲ ካብ ዩኒቨርሰቲ ኣትሒዙ ዝፈልጠን ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ዶክተር ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ።
ወርቁን ብጾታን እምበኣር ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ምስላፈን እየን ኣብ ኣእምሮአን ሓሲበናኦን ገሚተናኦን ብዘይፈልጣ ኣጋጣሚ፡ ኣራሚ’ዩ ዝበልኦ ሕቶ ስለዘልዓላ ጥራይ ንነብሰን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝረኸበኣ።
እቲ ኣብ 1973 ብጀብሃን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝህደን ዝነበረ ብስንቅን ዕጥቅን ውሑድ ዓቕሚ ዝነበሮ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ኣብያተ ማእሰርቱ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ንምግማቱ ኣየጸግምን’ዩ ይብል ዶር. ጋይም።
ኣብቲ እዋን እቲ ምስቶም ሕቶ ምእራም ዘልዓሉ ተጋደልቲ ዝተኣስረ ሕጂ ኣብ ኒውዮርክ ኣሜሪካ ዝነብር ዘሎ ተጋዳላይ ህዝባዊ ሓይልታት ነበር ብርሃነ ኣብርሃ፡ እቲ ማእሰርቲ ኣዝዩ ሕሱም ምንባሩ ንምግላጽ፡ “እቲ ማእሰርቲ ይትረፍ ንደቀንስትዮ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ህይወተን ሕሰም መነባብሮ ርእየን ዘይፈልጣ ደቂ ርኹባት፡ ንጸላኢኻ እውን ኣይትምነየሉን ኢኻ” ክብል ይዝክሮ።
እተን መንእሰያት ህይወተን በጃ ክውፍያ ስለዝወፈራ ናብራ በረኻን ብድሆታት ባህርን ኣይከበደንን፤ ነቲ ማእሰርትን ኣብኡ ዝተመኰራኦ ነገራትን ግን ኣይተጸበየኦን።
ኣብ መወዳእታ ወርቁ ዘርኣይ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ኣዋርሕ ማእሰርቲ፡ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ኣሰላሲላ ካልእ ኣማራጺ ስለዘይተራእያ ምስቶም ተጋጊና ኢና ዝበሉ ካብ ማእሰርቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ደሃብን ኣበራሽን ግን ኣብ 1979 ምስ ሓያሎ ብጾተን ተረሺነን ይብል ተመራማሪ ታሪኽ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ።

“ናይ ደሃብን ኣበራሽን ምርሻን ልዕሊ ማንም ሰብ ንወርቁ ከምዘሕምማን ከምዘሳቕያን ርዱእ’ዩ። ኣብ ንእስነተን ተፈላልየን ዘይፈልጣ ትኽ ትንፋስ መሓዙት፡ ሕቶ ስለዘልዓላ ጥራይ ግዳይ ማእሰርትን ምርሻንን ብምዃነን፡ እሞ ከኣ ስድራ ቤት እቶም ዝተረሸኑ ተጋደልቲ ድሕሪ ነጻነት ግቡእ መግለጺ ስለዘይተዋህቡ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ በሰላ" ገዲፉ ምህላው ፕሮፌሰር ጋይም የረድእ።

 

ወርቁ ነቲ ዝቐጸለ ዓመታት ከመይ ኮን ሓሊፋቶ ትኸውን?

ወርቁ ኣብ ህይወታ ተደራራቢ ሽግራት ከምዘጋጠማ ዝገልጽ ቀረባ ቤተሰባ ተጋዳላይ ሰሎሞን ዮውሃንስ፡ እቲ ዝዓበየ ጸገም ንዘጋጠማ ሽግር ክትነግረሉ ዘይምኽኣላ ምንባሩ ይዛረብ።
“ኵሉ ነገር ኣብ ከብዳ እዩ ነይሩ፤ በቲ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዘጋጠማ ኣይትዛረብን እያ። ሓደ መዓልቲ ግን ነታ ብዕድመ ካብአን እትንእስ ብግፍዒ ዝተረሸነት ኣበራሽ፡ “ምስኪነይቲ ለኪምናያ’ባ” እናበለት ክትነብዕ እዝክር!” ይብል።
ንሳ ኣብ ሜዳ ናይ ምእራም ሕቶ ብምልዓላ ብኣሕዋታ ክትግፋዕ እንከላ ወላዲኣ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደጋፊ ወንበዴታት ኢኻ ተባሂሎም ብስርዓት ደርግ ኣብ ኣለምበቃኝ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ስቓይ ኣሕሊፎም።
ቅድመኣን ድሕረኣን ናብ ሜዳ ዝተሰለፉ ሰለስተ ኣሕዋታ እውን፡ እያሱ ሓዋ ኣብ ሓምለ 1972 ኣብ ግራት ስገም፡ ጊደዎን ኣብ ጥቅምቲ 1982 ኣብ ዓራርብ፡ ኣማኑኤል ከኣ ኣብ ሚያዝያ 1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ተሰዊኦም። ንሳ ከኣ ነዚ ኵሉ ስቓይ ተጻዊራ በቲ ከተገልግሎ ዝተጸንበረቶ ውድብ “መንካዕ” እናተባህለት ብፍላጥ እናተጓነየት፡ በቲ ተግባር ተበሳጭያ ተስፋ ከይቆረጸት፡ ኣብቲ ፈጺሙ መሰል ዘየፍቅድ ኣግላሊ ውድብ ስና ነኺሳ ክሳብ መወዳእታ ምቅላሳ ሰሎሞን ይገልጽ።
እቲ ብሩህ ወርቃዊ መጻኢኣ ኣወንዚፋ ምእንቲ ህዝባ ክትቃለስ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንሰውራ ተጸንቢራ ብዙሕ ዕድላት ዝኸሰረት ተጋዳሊት ወርቁ ዘርኣይ፡ ዝፈለመቶ ሃገራዊ ቃልሲ ናጽነት ብዓወት ምስተዛዘመ፡ ብሓገዝ ብጾታን ፈተውታን ኣብ ሃገረ ሆላንድ ብዝረኸበቶ ማህደረ ትምህርቲ፡ ብምዕባለ ሕብረተሰብን ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብዛዕባ ዘሎ ዝምድና (ጀንደር ኢንኢኳሊቲ) ናይ ማስተርስ ትምህርታ ዛዚማ ናይ ገዛእ ርእሳ ኮንሳልታንሲ ከፊታ ክሳብ ብሕማም እትስነፍ ሰሪሓ።
ወርቁ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዘሳቐያን ከቢድ ስምብራት ዝገደፈላን ምልካዊ ስርዓት፡ በቲ ምልካዊ ተግባራቱን ናይ ውግእ ባህርያቱን ትጽይኖ ምንባራ ካብ እዋን ቃልሲ ኣትሒዙ ዝፈልጣ መቓልስታ ብጻያ ተጋዳላይ ሰመረ ሰሎሞን ይገልጽ።
ሰመረ፡ “እቲ ዘተን ልዝብን፡ ሕድገትን ምብህሃልን ዘየፍቅድ ምልካዊ ስርዓት፡ ዝዀነ ይዅን ናይ ባህሪያት ለውጢ ክገብር ከምዘይክእል ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ። ኣብ ኤርትራ ሓደ መዓልቲ ነገራት ናብ ንቡር ክምለሱን ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕ ክገላገል እናተመነየት ህይወታ ምሕጻሩ ከኣ ኣዝዩ የሕዝን” ይብል፡ ነዛ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተዘርገሐት፡ ብእንግሊዝ ዝተጻሕፈት፡ ንኣበርክቶ እቶም ኣብ ከቢድ ብደሆ ዝተቓለሱ ወርቁን መሰልታን ዝነግር ዛንታ ዝሓቘፈት ብትግርኛ “ክቡር ዋጋ ኣብ ዝሓተተት ኤርትራ ዘይተመልአ መብጽዓ” እትትርጎም “Eritrea’s Hard – won Independence and Unmet Expectaions” ዘርእስታ መጽሓፉ ከየንበበታ ምሕላፋ እውን ኣዝዩ ከምዘጕሃዮ ይዛረብ።
ወርቁ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ሕማም ስለዝበርተዓ ኣብ ኣጋከሃን ሆስፒታል ናይሮቢ ኬንያ ብሓገዝ ኤርትራውያን ኣሕዋት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኺባ ነይራ።
እንዀነ፡ እቲ ሕማም ልዕሊ ዓቕማ ስለዝኾነ ቅድሚ ምድኻማ ንኣስመራ ተመሊሳ፤ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣስመራ ዓሪፋ።
ተጋዳሊት ወርቁ፡ ፈለማ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ዳሕራይ ኣብ ክፍሊ ሕክምና፡ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ከምኡ'ውን ኣብ ኮሚሸን ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመዲባ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ከምዝሰርሐት ኣደ ሓንቲ ውላድ ምዃናን ኣብ ዕለተ ቀብራ ዝተነበ ታሪኻ የረድእ።

edoprotSsntac:7110hJ74f1 t1fac5122ym7n gicrcl2au90136 aghf45  · 

ጅግና ወርቁ ዘርኣይ ብሰላም ዕረፊ ። ታሪኽኪ ምስ ብጾትኪ ደሃብ ተስፋጽዮንን ኣበራሽ መልከን ብወርቂ ቀለም ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ክዝከር ኢዩ።
ናይ መጀመርያ 4 ደቂ ኣንስትዮ ምሁራት ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝተቓለሳን ዝተበጀዋን ዋዕሮታት።
ጅግና ኣይነብርን ኢዩ ታሪኹ ግን ሂያው ኢዩ