ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይቶም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ (ኣስመራ) ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትርውያን ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ምግባሩ ብህግደፍ ዝተኣስሩ 3 ካብ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ

Thursday, 05 May 2011 11:37

ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

1.      ኣባ ያቆብ

2.     ቀሺ ወልደእየሱስ

3.     ቀሺ ወልድየስ

ስርዓት ህግደፍ ንጃምላዊ ህልቂት ናይዞም ኣማኢት ንጹሃት መንእሰያት፡ ናብ ምቾት ክኸዱ ከለዉ ዝጠፍኡ እዮም እናበለ ከነኣእሶ ከምዝቐነየ ይፍለጥ። ንሳቶም ጸለተ ፍትሓት ብምክያዶም ነቲ መሰረት ዘይብሉ መገጺኡ ዝጻረር ኮይኑ ስለዝረኸቦ ከኣ እዩ ኣሲሩዎም።

Copyright © 2011 Eritrean News - assenna. All Rights Reserved. Powered By Samai.co.uk