source http://www.asmarino.delina.org/tig/zenadelina/88-zenadelina/333-sed-augue-orci-et-libero

ዮውሃንስ ሕሳቡ ዝተባህለ ኤዲተር ኤሪ-ቲቪ ኣበይ ከምዝኣትወ ኣይተፈልጠን

Tuesday, 14 August 2007 05:58
 ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት እዚ  ዮውሃንስ ሕሳቡ ዝተባህለ ኤዲተር ኤሪ-ቲቪ ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ክሰግር ሃለዋቱ ጠፊኡ ክብል መርበብ ሓበሬታ “ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ”ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ይሕብር። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቲ ጋዜጠኛ ተታሒዙ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተኣሲሩ  ከምዝነበረ ገለ ገለ ምንጭታት ከምዝሓበሩ የተንብህ።
ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ኣተሓሕዛ  በብግዚኡ ዝተፈላለዩ ምሁራትን ሰብ ሞያን ካብታ ሃገር ይወጹ ብምህላዎም፡ እታ ሃገር ኣብ ሓደገኛ ናይ ሰብኣዊ ዓቕሚ ጸገም ተንቆልቅል ከምዘላ ዝተፈላለዩ ምሁራት ይገልጹ።