“ኣብ ልዕሊ ደምሓኩኤ ዝተወስደ ስጉምቲ ተጠርኒፈሉ ደኣ እኸይድ እምበር ዝሰማማዓሉ ከምዘይኮነ ክሕብር እደሊ”  ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ

source http://assenna.com

ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ኤሃባደለ ንዝተንጸባረቐ ኣሉታዊ መንፈስ መበገሲ ብምግባር ንዘዳለኹወን ሕቶታት ዝምልሰለይ ሓላፊ ኤሃባደለ ክሓስብ እየ ቀንየ። ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸ ምክትል ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ነበረ። ንዕኡ ዝመረጽኩሉ ምኽንያት’ዉን ነይሩኒ። ፈለማ ንዮሃንስ ደዊለ ፍቓደኛነቱ ምስ ኣረጋገጽኩ ንሕቶታተይ ብኢመይል ሰደድኩሉ። ነተን ሕቶታት ኣንቢቡ ክምልሰን ቅሩብ ምዃኑ መልሲ ምስ ሃበኒ ኣብ መንጎኡ ኣብ ጽዑቕ ኣኼባታት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ባይቶ ተጸሚዱ ደሃዩ ስለዝጠፍኣኒ ክጽበዮ ተገዲደ። ሓደ መዓልቲ ግን ድሕሪ ኣኼባ ወጺኡ ረኸበኒ’ሞ፤ “ብኣኼባታት ተዋጢረ ስለዘለኹ ከይድንጉየካ ብጽሑፍ እንተመለስኩልካ ከመይ ይመስለካ?” ምስ በለኒ ነታ ኣብ ልበይ ዝነበረት ሓሳብ ስለዘምጽኣለይ ብምሉእ ልቢ ንሓሳቡ ተቐበልኩዎ። ምስኣ ኣልግብ ኣቢሉ ግን “ኣብ ገሊኡ ሕቶታት ኣይክዓሙቕን እየ” ምስ በለኒ ዝሓሰብኩዎ መሊኡ ከም ዘይሰልጠኒ ተረዲአ። ከም ድላዩ ንኸይዛረብ ናይ ባይቶ ጥርናፈ ክገትኦ ከም ዝኽእል ስለዝተረደኣኒ ግን ኣይተቓወምኩዎን። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነተን ብኢመይል ዝሰደድኩሉ ሕቶታት ብጽሑፍ መሊሱለይ። ኣመላልሳኡ ካብቲ ኣብ ካልኦት ሓለፍቲ ኤሃባደለ ዝፈልጦ ንኣቕራቢኡ ዘጸግም ነዊሕን ኮለል ዝበዝሖን ኣመላልሳ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ ከይነኣድኩዎ ኣይሓለፍኩን። ካብዚ ቀጺሉ እምበኣር ምሉእ ትሕዝቶኡ እነሆ፦ ሰናይ ንባብ።

ሕቶ፦ ሃገራዊ ባይቶ ንኽምስረት ዝደረኸ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ? እቲ ሓሳብ መዓስን ብኸመይን ብመንን መጺኡ? እዚ ባይቶ’ዚ ቅድሚ ምምስራቱ ዝተሓልፈ መስርሕ ብሕጽር ዝበለ ከመይ ይመስል ነይሩ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሃገራዊ ባይቶ ክምስረት ዝደረኸ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ደንበ ተቓውሞ ንኡስ ምትእኽኻብ ናብ ዝለዓለ ብርኩ ኣደይብካ ብሓደ ኣንፈት ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ምግጣም እዩ ኔሩ። ቅድሚ ምምስራት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዝተፈላለዩ ንኡሳን ናይ ሓባር ጽላላት እኳ እንተነበሩ ኤ.ደ.ኪ. ንምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ዝወሰዶ ተበግሶ ልሉይ ኔሩ። ሃገራዊ ኮሚሽን ድሕሪ ምምስራቱ ድማ ቀንዲ ዕማሙ ንምዕዋት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንሓደ ዓመት ከቢድ ጻዕርታት ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ ኣዋሳ – ኢትዮጵያ ብሕዳር 2011 ዝተዓወተ መስራቲ ጉባኤ ኮነ።

ሕቶ፦ ጉባኤ ኣዋሳ ምስቲ ኹሉ ደንበ ተቓዉሞ ናብ ሓድሽ መድረኽ ኣትዩ ዝተባህለሉ ኩነታት ብደረጃ ዞባ ይኹን ብደረጃ ዓለም እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ሚዛን ረኺቡ ኢዩ ወጺኡ ክበሃል ይከኣል?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኣብ መጀመርታ ህዝቢ ብዝለዓለ ተስፋን ፍናንን እዩ ተቐቢልዎ። ኣብ ተቓለስቲ ውድባት ሓድሽ ናይ ቃልሲ ወኒ ዘለዓዓለ ናይ ሓባር ስራሕ ክስራሕ ኣፍደገ ዝኸፈተ ኩነታት እዩ ኔሩ። ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ እውን እንተኾነ ደንበ ተቓውሞ ቆላሕታ ክረክብ ዘኽኣሎ ኣስተዋጽኦ እውን ኔርዎ ክበሃል ይከኣል።

ሕቶ፦ ሃገራዊ ባይቶ ከም ጽላል ዋላ እንተተመስረተ ኣብ መብዛሕትአን ዉድባት ዝረአ ዘሎ ኣካይዳ ግን ኣይተቐየረን። ኣብ ነናትካ ሳንዱቕ ተዓጺኻ ንነገራት ኣብ ክንዲ ብዓይኒ ሃገራዊ ረብሓ ብመንጽር ጸቢብ ዉድባዊ ረብሓ ናይ ምርኣይ ዝንባለታት ገና ሕጂ’ዉን ኣሎ’ሞ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ሃገራዊ ባይቶ ብኸመይ ኢዩ ክዕወት?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሓቂ’ዩ ንነገራት ብዓይኒ ጸቢብ ውድባዊ ረብሓ ምርኣይ ኣይጠፍአን። ንዓመታት ዝሰረጸ ኣሉታዊ ዝንባሌታት ብሓጺር ግዜ ክሰዓር ወይ ክዕረ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ግን ከኣ ኣብቲ ጸቢብ ኣረኣእያ ተሸኺልካ ምንባር ምልሕሓጽ እምበር ፋይዳ ከምዘይብሉ እናበርሃሉ ዝኸደ ኣካል ውዒሉ ሓዲሩ ነቲ ናይ ሓባር ስትራተጂ ተገዛኢ ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን። እዚ ብርግጽ ቃልሲ የድልዮ፡ ቅኑዕ ኣመራርሓ ክህብ ዝኽእል ውፉይን ብሉጽን መሪሕነት የድልዮ እምበር ክዕረ ዝኽእል ሽግር’ዩ። ካልእ መማረጺ ከኣ የለን – ወይ መስመርካን ኣካይዳኻን ኣስተኻኺልካ ምኻድ’ዩ ወይ ነቲ ህግደፍ ዝሃንደሶ መንገዲ ጥፍኣት ምቅልጣፉ እዩ። ጥዑይ ሰብ ነቲ ቀዳማይ እምበር ነቲ ካልኣይ ኣይመርጽን።

ሕቶ፦ ሃገራዊ ባይቶ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግባረ መደባቱ ከምቲ ዝድለ ዕማማቱ ንኸየሳልጥ ዕንቅፋታት ነይሮም ተባሂሎም ዝግለጹ መሓንቘታት እንታይ እዮም? ዝተፈላለየ ተመኩሮን ድሕረ ባይታን ናይቶም 127 ኣባላት ባይቶ’ኸ ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዞ እዚ ባይቶ’ዚ ማዕረ ክንደይ ሓጋዚ ወይ ዓንቃፊ ነይሩ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕንቅፋት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንሰፊሕ ሓባራዊ ዕማም ብጸቢብ ውድባዊ ሕሳባት ክዝወር ናይ ምግባሩ ዝምባሌታት እዩ። እዚ ባይቶ ኣብ ዝተሓተ ንኹለን ውድባት ክጠራንፍ ዝኽእል ፕሮግራም እዩ ተመስሪቱ። እንተኾነ ኩሉ ውድብ ነቲ ናቱ ዝመስል ዕማም ክህቦ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ግድን ሰቡ እውን ንቕድሚት ክመጸሉ ክገብር እንተደልዩ ጸገም እዩ። ነዚ ንምፍታሕ ብዙሕ ዝተሰርሐ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ባይቶ ዘሎ ናይ ምትሕስሳብ ባህልን ግሉጽነት ዝመልኦ ኣገባብ ኣሰራርሓን ገና ዝማዕበለ ኣይኮነን። ካብ ኣብ ደሞክራሲያዊ መድረኽ ምትሕስሳብ ንነገራት ማዕለሽ እናበልካ ምሕላፍ ይበዝሕ። ኣብቲ ማዕለሽ ክበሃል ዝግበኦ ድማ ስንኻ ነኺስካ ምኻድ ኣሎ። ኣብ ኣዋሳ ዝተኻየደ ጉባኤን ውጽኢቱን ንተመኩሮን ድሕረባይታን ናይቶም 127 ኣባላት ባይቶ ኣብ ግምት ዘእተወ ምርጫ ኣይነበረን። እዞም ኣባላት ባይቶ ብውክልና እምበር ብመን ይበቅዕ ዝመጹ ኣይኮኑን። ብኸምዚ ዝመጸ መሪሕነት ድማ ተኣምራት ክሰርሕ ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ፋሕ ዝበለ ኣተሃላልዋና፡ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ናይቶም ኣባላት ባይቶ ክቀራረበሉን ክምዕብለሉን ዘኽእል ናይ ህንጸት ስራሓት (capacity building) ከተካይድ ዝከኣል ኣይኮነን። ካብ ማእከል ብዝለኣኽ መነቓቕሕን ናይ ህንጸት ንዋትን እናገበርካ ናብ ኩሉ ከይንዝርግሕ ድማ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተዋቐረ ትካልን ሓይሊ ሰብን የለን። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ ኣብ ባይቶ ዘሎ ትካል ኣብ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ብቕዓትን ውደባን ይሓይሽ ክበሃል ይከኣል።

ሕቶ፦ ሃገራዊ ባይቶ ኮን ደኾን ስርዓት “ህግደፍ” ብዉሽጣዊ ጸገማቱ ተዓልዩ ናይ ስልጣን ሃጓፍ እንተተፈጥረ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ከም መሰጋገሪ መንግስቲ ኮይኑ ንኸገልግል ዝቘመ ጽላል እዩ ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓቂ እንተኾይኑ ብመንጽር ህጹጽነት ጉዳይ ሃገርና ናይ ብሓቂ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ክሳብ ዝፍጠር ዲዩ ትጽቢት ክግበር ዘለዎ ወይስ ስርዓት ናይ ምልጋስ ቃልሲ ኢዩ ብህጹጽ ክካየድ ዘለዎ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ከምኡ ዝበለ ኣተሓሳስባ ዘለዎ የለን ኣይበሃልን እዩ። ግን ድማ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ምፍራስ ናይ ህግደፍ ሓንቲ ተራ ከይተጻወተ ስልጣን ክሕዝ እዩ ተመስሪቱ ዝበሃል ግን ሓቂ ኣይኮነን። እዚ ኣብቲ መድረኻዊ ዕማሙ ብንጹር ተቐሚጡ ስለ ዘሎ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ መድረኻዊ ዕማሙ ብቕልጡፍ ክሰርሓሉ እንተዘይክኢሉ ካብቲ ብመንገዲ ኤሃባደለ ኣቢሉ ዝመጽእ ሰውራዊ ለውጢ ብባህርያዊ ኣገባብ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ክቕልጥፍ ይኽእል እዩ እንተተባህለ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ብርግጽ እውን ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክንዛነ እንተኼንና ኣጸቢቑ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ግምት እዩ ዝኸውን።

ሕቶ፦ ሃገራዊ ባይቶ ከም ኣብ ስደት ዘሎ መንግስቲ (A Government In Exile) እዩ ኢሎም ዝገልጽዎ ወገናት ኣለዉ። ናይ ብሓቂ ከምኡ እንተ ደኣ ኾይኑ ማዕረ ክንደይ ነብሱ ምስ ዓለም እናላለየ ይኸይድ ኣሎ? ብፍላይ ኢትዮጵያ መደበር ናይቲ ቃልሲ ብምዃና፡ ኣብያተ ጽሕፈት ናይ ብዙሓት ዞባዊን ዓለማዊን ዉድባት’ዉን ስለዝርከቡዋ ነዚ ዕድላት’ዚ ንምምዝማዝ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓንኬላት እንታይ ዝተሰርሐ ስራሕ ኣሎ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኤሃባደለ ንነብሱ ከም ናይ ስደት መንግስቲ ክፈልጥን ከፋልጥን ብዙሕ ዝጽበዮ ነገር ኣሎ። መጀመርታ ነብሱ ከመዓራሪ ኣለዎ። ህላወኡ ኣብ መሬት ዳህሲስካ ክርከብ ኣለዎ። ኣብ ወረቐት ስለ ዝኣወጅካ ጥራሕ ዝመጽእ ኣፍልጦ የለን። እቲ ትብሎን እቲ ትገብሮን እንተኾነ ሓደ ክኽውን ካብኡ ተረፈ ድማ ብዙሕ ክቀራረብ ኣለዎ። ኣብ ውሽጥኻ ዘዕግበካ ስራሕ እንተሰሪሕካ ናይ ደገ ቆላሕታ ምስሓብ ዝቐለለ እዩ ዝኸውን። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ዞባውን ዓለምለኻውን ናይ ዲፕሎማሲ ባይታን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝልግሰልና ናይ ምትሕብባር ተበግሶታትን ንጥቀመሉ እኳ እንተኾንና ክንድቲ ዝድለ መዝሚዝናዮን ኣብ ረብሓና ኣውዒልናዮን ኢልና ክንዛረብ ግን ኣይንኽእልን።

ሕቶ፦ ሃገራዊ ባይቶ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየዶ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ግዜ ኣብ ዝመጠጠን ዘሰሓሓበን ጉዳይ ቀርነልዮስን ደምሓኩኤን ድሕሪ ምዝታይ ዉሳነኡ ኣሕሊፉ ኣሎ።  እዚ ጉዳይ’ዚ ክሳብ ክንዲ’ዚ ሰማይ ዝዓረገ ጉዳይ ኮይኑ ምቕናዩ ናይ ዘተን ምርድዳእን መንፈስ ገና ክሳብ ሕጂ ሓይልታት ለዉጢ ዘየጥረይኦ ባህሊ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ቀዳማይ ነገር ግዜ ዝወሰደ ኣዘራራቢ ኣጀንዳ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ? እቲ ናይ ምድስካል ዉሳነ’ኸ ናይ ብሓቂ ቅኑዕን ሕጋዊ መሰረት ዘለዎን ኢዩ ኢልካ’ኻ ትኣምን’ዶ? ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ሃገራዊ ባይቶ ነቶም ኣብ ዉሳነኡ ነቐፈታ ዘለዎም ወገናት እንታይ ኢሉ እዩ ዝምልሰሎም?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ብቐዳምነት እቲ ኣብ ልዕሊ ደምሓኩኤ ዝተወስደ ስጉምቲ ተጠርኒፈሉ ደኣ እኸይድ እምበር ዝሰማማዓሉ ከምዘይኮነ ክሕብር እደሊ። እቲ ጸገም ናይ ታሪኽ ግዙኣት ክንከውን ምምራጽና እዩ። እምበር ካብ ናይ ሎምን ጽባሕን ጉዳይና ንላዕሊ ናይ ትማሊ ዝያዳ ከዛርበና ኣይምተገበኤን። ግን ከኣ ኣብ ህጹጽነት ናይ ሎምን ጽባሕን ዕማም እንተዘይተሰማሚዕካ መድረኻዊ ዕማማት ከይዘተኻ ታሪኽ ዝወለዶ ፍልልይ ኣምጺእካ ክትናቖት እዩ ዝገብረካ። ኤሃባደለ ኣብ ናይ ርእይቶ ፍልልይ ዘለዎ ምሕደራ ዘሰክፍ እዩ። እዚ ጉዳይ ሕደግዶ ብኽትዕ ኣቢሉ ኣብ ድምጺ ክሓልፍሲ ብመሰረቱ እውን ከም ኣጀንዳ ክለዓል ኣይነበሮን። እቲ ዝገርም ግን ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ነዋሕቲ መዓልታት ዝወሰደ ክትዕ፡ ናይ ሕጊ ምሁራን ሕገ ህንጻ ተመልኪቶም ዘቕጽዕ ወይስ ዘየቕጽዕ ምዃኑ ክሕብሩ ድሕሪ ምምዛዞም፡ንደምሓኩኤ ዘቕጽዕ ዓንቀጽ ከምዘይረኸቡ እዮም ገሊጾም። እንተኾነ ግን ኣቦ መንበር ኤሃባደለ “ኣነ ብሓፍነተይ ንደምሓኩኤ ንሓደ ዓመት ክድስክል ወሲነ ኣለኹ ነዚ ትድግፉ ኢድኩም ኣልዕሉ” ክብል  እዩ ደምዲምዎ። ኣብ ሕገ ህንጻ ዘይሰፈረ መቕጻዕቲ ምሃብ ጸረ ሕገ-ህንጻ ምዃኑ ኣይተርፎን። እቶም ዝበዝሑ ዝኣመኑሉ እቶም ዝወሓዱ ተጠርኒፎሙሉ ይኸዱ ደኣ ይበሃል እምበር፡ እቲ ብዙሓት ዝኣመኑሉ ብግዲ እቶም ውሑዳት እውን ክኣምኑሉ ይግባእ ዝብል ኣካይዳ እውን ጸረ ደሞክራሲያዊ ኣካይዳ እዩ። ደምሓኩኤ ርእይቶና ከምዚ’ዩ፤ ብናይ ብዙሓት ተጠርኒፍና ክንከይድ ግን ጸገም የብልናን እንተ ብሰንኪ እቲ መግለጺና ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝተፈጥረ ቅልውላው ግን ይቕሬታ እናሓተትና ነቐፌታና ንቕበል እዮም ኢሎም። እቶም በዚ ዘይዓገቡ ኣካላትና ግን ትሕቲ ምድስካል ዝኾነ ፍታሕ ክቕበሉ ኣይደለዩን። ትድስክሉ ደኣ ተባሂሎም። ብድሕር’ዚ ኣብዚ ጸሊም ታሪኽ ተጠርኒፍና ኣይንኸይድን ኢሎም ካብ ሃገራዊ ባይቶ ዝሰሓቡ ኣለዉ። ገና ኣብ ምምኽኻር ዘለዉ ኣካላት ከምዘለዉ እውን ንሰምዕ ኢና። ሃገራዊ ባይቶ ነቶም ንውሳኔኡ ዝጻረሩ እንታዩ መልሱ ንዝብል ግን ከከምቲ ትሓቶ ዘለካ ሰብ’ዩ እቲ ፍልልይ ናይቲ መልሲ። እንተወሓደ ግን ኣብ ታሪኽ ዘይተጸበናዮ ዱብ ዝበለ ዕዳ ምዃኑን ሃገራዊ ባይቶ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ንምፍታሕ ከይተዳለወ ዝጸንሐ ትካል ምኻኑ ግን ኩሉ ክሰማማዓሉ ዝኽእል እመስለኒ።

ሕቶ፦ ገለ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶን ኪዳንን ኣብ ግብጺ ዑደት ኣካይዶም ነይሮም፡፡ መንቀሊ ናይቲ ዑደት እንታይ እዩ ነይሩ? ዉጽኢት ናይቲ ርክብ’ከ እንታይ ነበረ? ነዚ ጉዳይ’ዚ ከም ሕቶ ዘልዕሎ ዘለኹ ንዕኡ ዝምልከት መብርሂ ዝደሊ ሓደ ሕቶ ካብ ዝተፈላለዩ ኣባላት ዉድባት ስለዝሰማዕኩ እየ። ገለ ወገናትና ነዚ መገሻ’ዚ ዘይቅዱስን ንኢትዮጵያ ኣማራጺ ኣለና ኢልካ ንምፍርራሕን ዝተገብረ እዩ ኢሎም ክገልጽዎ ሰሚዐ ኣለኹ። እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ግብጺ ክካየድ ነይርዎ ዝብል ርእይቶ ዝነበሮም ኣባላት ባይቶ ከም ዝነበሩ’ዉን ሓበሬታ ኣለኒ። ስለዚ ኣጠቓልል ኣቢልካ ዕላማን መበገሲን ናይ’ዚ መገሻ’ዚ እንታይ ከም ዝነበረ እንተትገልጸለይ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ዕላማን መበገስን ናይቲ ዑደት መቐጸልታ ናይቲ ዝጸንሔ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት እዩ። ዝያዳ ክጎልሕ ዝገበሮ ከኣ እቲ ኣብ ምስሪ ተፈጢሩ ዘሎ ሰውራዊ ሃውሁን ለውጥን ከምኡ ድማ ኣብ ምስሪ ዝመደበሮም ዞባውን ኣህጉራውን ናይ ዜና ማዕከናት ተጠቒምካ ን ኤሃባደለ ዕላማታቱን ንምፍላጥ ዝዓለመ እዩ ኔሩ። ንምስሪ መተካእታ ኢትዮጵያ ክገብሩ ዝደልዩ ከምዘለዉ ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከምቲ ዝተባህለ እውን እቲ ዝሓለፈ ኣኼባ ኤሃባደለ ኣብ ምስሪ ክኽውን ኣለዎ ኢሎም ዝዛረቡ ኔሮም እዮም። እዚ ግን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጸቢብ ውልቃውን ውድባውን ስምዒታት ዝተፍኦ ኣዘራርባ እምበር ናይ ባይቶ ወይ ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣረኣእያ ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ነዚኦም ከምኡ ስለ ዝበልኩም ኢልና እንተዘየደስከልናዮም ጽቡቕ እዩ። ደሚርካ ኣጉዲልካ ካብ ኢትዮጵያ እናተበገስካ ዝግበር ቃልሲ ካብቲ ካብ ምስሪ እናተበገስካ ዝግበር ቃልሲ ዝያዳ ከድምዕ ይኽእል ምባል ኣብ ቦትኡ ኮይኑ ብተወሳኺ ግን ክንድቲ ዓቕምና ኣብ ኩለን ኣገደስቲ ዝበሃላ ሃገራት ህላወና ከነረጋግጽ ክንድቲ ዝኸኣልናዮ ክንሰርሕ ይግባእ እንተበልና ቅኑዕ እመስለኒ።

ሕቶ፦ ሃገራዊ ባይቶ ንስርዓት ኢሳያስ ብኸመይ እዩ ዝገልጾ? እዚ ስርዓት’ዚ ንዝግልገለሉ ሰራዊት፡ ፖሊስ ኮነ ናይ ጸጥታ ኣካል ከም ጸላኢ ድዩ ወይስ ከም ግዳይ (Victim) ዝርእዮ? ኣብ ዉሽጢ እዚ ስርዓት’ዚ ስምዒቶም ደጒሎም ዝጓዓዙ ደሞክራስያዉያን ባእታታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ኢሉ’ኸ ይሓስብ’ዶ? ከለልዮም’ከ ይፍትን’ዶ? ብሓፈሻ ብዛዕባ እዚ ስርዓት’ዚ ዘሎ ገምጋምኩም እንታይ እዩ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሃገራዊ ባይቶ ንስርዓት ኢሰያስ ከም ቶታሊታርያዊ ስርዓት እዩ ዝፈልጦ። እዚ ማለት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩለንትና ህይወት ኤርትራዊ እውን ብናቱ መሃንድስነት ክሰርሖን ክፍንጥሖን ዝደሊ ፍጹም ትንፋስ ዘይህብ፡ ንህዝብና ከም ተራ ናይ ኣገልግሎት ኣቕሓ ከምድላዩ ዘልዕሎን ዘንብሮን  ስርዓት እዩ። ስለዚ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ እዩ ኢሉ ይርኢ። እቶም ብኣስገዳድ ተዓስኪሮም ዘለዉ ፖሊስን ሓይሊ ምክልኻልን ድማ ግዳያት ናይቲ ስርዓት እምበር ብድሌቶም ኣብ ናይ ጸረ ህዝቢ ወፍሪ ክኣትዉ ረብሓ ከምዘይብሎም፡ የግዳስ ደንበ ተቓውሞ ሓዪሉ ሕቖ ክኾኖም እንተኺኢሉ ሽዑ ሽዑ ናብ ደንበ ተቓውሞ ክጽንበሩ ከምዝኽእሉ ኢና ንኣምን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተደጎሉ ደሞክራሲያውያን ባእታታት ይህልዉዶ ንዝብል ሕቶ፡  ብዘይጥርጥር እወ  እዩ መልሱ። ከመይሲ ወጽዓ እንተድኣ ኣልዩ መልክዑ ብዘየገድስ ጸረ ወጽዓ ቃልሲ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ወጻዒ እንተሎ ተውጻዒ ስለ ዝህሉ እሞ  ተወጺዑ ክነብር ዝደሊ ፍጡር ስለ ዘየለ ድማ ጸረ ወጽዓ ደው ዝብል ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣካላት ሃሰስ ናይ ምባል ወፍሪ ኩሉ ግዜ ኣሎ። ጥርኑፍ ግን ኣይኮነን።

ሕቶ፦ ብሸነክ ብዙሓት ደለይቲ ለዉጢ “ተቓወምቲ ዉድባት ኣብ ሑቕፊ ህዝቢ ዘይኣተወ፡ ካብ ህዝቢ ዝተነጸለን ህዝቢ ዘይፈልጦን ቃልሲ እየን ዘካይዳ” ዝብል ነቐፌታታት ኣሎ። ብወገን ተቓወምቲ ዉድባት’ዉን “እቲ መድረኽ ብሱል ኮይኑ ስለዘይጸንሐ፡ ህዝቢ ናይ ናጽነት ሕጽኖቱ ኣብ ምዉዳእ ስለዝደንጎየ እምበር ንሕና ስለዝሓመቕና ኣይኮነን” ዝብል ርእቶታት ይቐርብ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ግን ካብቲ ናይ ነቐፌታን ምክልኻል ነቐፌታን ሓሸዉየ ወጺእካ ግብራዊ ስራሕ ንምስራሕ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዉሽጢ እዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት እንታይ ገይሩ ኢልካ ክዝረብ ይከኣል?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘሎ ህዝብና ክንድቲ ዝግባእ ኣይወደባን ኣየነቓቐሓን እንተተባሂሉ ሓቂ እዩ። እዚ ከኣ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዉዎ። ቀዳማይ ነገር ህግደፍ ካብ ናይ ህግደፍ ወጻኢ ዝኾነ ዓይነት ርእይቶ ስለ ዘይጸውር ንህግደፍ ዝጻወር ርእይቶ ሒዝካ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምንቅስቓስ ኣይከኣልን እኳ እንተዘይተበሃለ ኣጸጋሚ እዩ። ብርግጽ እቲ ድሕሪ ነጻነት ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ዘበነ ህግደፍ ጸረ ሰውራዊ ሃዋሁ እዩ ኔሩ። ነጻነት ሓድሽ ከም ምዃኑ ብናይ ህግደፍ ኣመራርሓ ርዒምካ ናይ ምኻድ ዝምባሌ እምበር ንመንግስትኻ ምንቃፍ ወይ ከም ነውሪ ወይ’ውን ጸረ ነጻነት ኮንካ ንከይትረኤ ስክፍታ ዝሰፈኖ እዋን እዩ ተሓሊፉ። በትሪ ህግደፍ ኣብ ኩሉ ውሻጠ ክትኣቱ ምስ ጀመረት ግን መብዛሕትኡ ክፍሊ ሕብረተሰብና ዓው ኢሉ ተቓውሞኡ ክገልጽ ጀሚሩ ኣሎ። ሕጂ እቲ ሰውራዊ ሃዋሁ ሰፊኑ ኣሎ። ነዚ ብግቡእ ክንጥቀመሉ መታን ክንክእል ኣብ ናይ ሎምን ጽባሕን ኣተኲርና ክንሰርሕ ነቲ ናይ ትማል ንጸሓፍቲ  ታሪኽ ምግዳፍ ከድልየና እዩ። ኤሃባደለ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ዘጃህር  ስራሕ ኣይሰርሔን። ከም ትካል ምቛሙን ንውድባት ብሓባር ዝውክል ጽላል ኮይኑ ሰለይ ምባሉን ብኣዎንታ ዝግለጽ ኮይኑ በብእዋኑ ብቑዓት ሰባት እናኣእተኻ ዝሓሸ ኣመራርሓ ክረክብ እሞ ድሌት ህዝብና ከርዊ ዝኽእል ስራሕ ምስራሕ ከድሊ እዩ።

ሕቶ፦ ስርዓት “ህግደፍ” ንተቓወምቲ ዉድባት ካብ ህዝቢ ንምንጻል ብናይ ቃላት ጸወታ ዝጥቀመሉ ጎስጓስ “ኤርትራ ተቓወምቲ የብላን” ዝብል እዩ። ብርግጽ ኤርትራ ተቃወምቲ የብላን። ምኽንያቱ እተን ዉድባት ተቓወምቲ ስርዓት “ህግደፍ” እምበር ተቓወምቲ ኤርትራ ኣይኮናን። ኤርትራ ናይ ኩላትና እያ። ስለዚ ሃገራዊ ባይቶ ከም ጽላል ኩለን ሓይልታት ለዉጢ መጠን ኪኖ እዚ ፕሮፖጋንዳ’ዚ ከይዱ ህላወኡ ኣብ ህዝቢ ዘረጋግጸሉ ኣገባብ እንታይ እዩ ክኸዉን ዘለዎ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሕጂ እቲ ጸረ ተቓወምቲ ውድባት ኽኸይድ ዝጸንሔ ህግደፋዊ ፕሮፓጋንዳ ዳርጋ ኣሪጉ’ዩ። ህግደፍ ብደገ ጥራሕ ዘይኮነስ ብውሽጡ’ውን ተቓውሞ እናበርተዖ ስለ ዝመጾ ሎሚ እቲ ዘይቃወም እዩ ዝስከፍ። ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰውራዊ ሃዋሁ ንምጥንኻርን ኣብ ህዝባዊ ዓመጽ ንምስግጋሩን ናይ ወብሳይት፡ ናይ መጽሔት ከምኡ’ውን ናይ ተለቪዝዮን ኣገልግሎት ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ንኽምዕብል ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ሓገዝን ተሳትፎን የድልዮ። እቲ ነዚ ኣገልግሎት ክረክብ ዘይክእል ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ድማ እቲ ዝቐለለ ናይ ሬድዮ መራኸቢ ስለ ዝኾነ ኣብ መደብ ዘሎ እዩ።

ሕቶ፦ “መራሕቲ ተቓወምቲ ዉድባት ነቲ ቃልሲ መናበሪ ገይሮሞ፡ ተጋደልቲ ምዃኖም ተሪፉ ናብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተቐይሮም” ዝብል ተሪር ነቐፌታ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዉድባት ዝስንዝሩ ወገናትና ኣለዉ። “ካብ ንእሽቶ ድኳን ንእሽቶ ዉድብ” ዝብል ኣበሃህላ’ዉን መቐጸልታ ናይ’ዚ ነቐፌታ’ዚ እዩ። ገለ ወገናት ግን፡ “ብኣልማማ ነቐፌታ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ዝቃለሱ ኣለዉ፡ በሊዖም ዝድቅሱ ከኣ ኣለዉ፡ ስለዚ ንኹሎም ኣብ ሓደ መጉእ ኣእቲኻ ምዉቃጥ ርትዓዊ ኣይኮነን” ዝብሉ ኣለዉ። ኣብዚ ዘለካ ርእይቶ እንታይ እዩ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ምናልባት ንኹሉ ዝምልከት ኣይከውንን እምበር ዝድርበ ዘረባ ግን ኣይኮነን። ካብ ውልቃዊ ገንዘቦም ንውድቦም እናድጎሙ ዝመርሑ እውን ስለ ዘለዉ ንኹሎም ኣብ ሓደ ዘንቢል እንተዘየእተናዮም ጽቡቕ እዩ። ትኹረት ክግበረሉ ዝግባእ ነገር ግን ኣሎ። ኣብ ከባቢኻ ምስቶም ንዓመታት ዝለመድካዮም ሰባት ጥራሕ ትውዕል ትሓድር እንተኼንካ ሓድሽ ሓሳብ ናይ ምምንጫው ዓቕምኻ ድኹም እዩ ዝኸውን። ብዙሓት ውድባትና በዚ ይሳቐያ እየን። መዋእሉ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ ሰብ ካብ ፖለቲካ ወጺኡ ነዛ ነብሱን ስድርኡን ክመርሓላ ዝኽእል ካልእ ሞያ እውን ከየጥረየ ስለ ዝጸንሕ ኣብታ ክዕንገለላ ዝኽእል ውድብን ናይ መሪሕነት ቦታን ነኺሱ ክቕጽል እንተደለየ ዘይጽቡቕ እኳ እንተኾነ ምኽንያቱ ግን ርዱእ እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ጠቒሰዮ ከም ዝነበርኩ እቶም መዋእሎም ህይወቶም ንቓልሲ ሂቦም ዝጸንሑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዕሪፎም ከይተጸገሙ ክነብሩሉ ዝኽእሉ መንገዲ ክንፈጥር ኣለና። እቲ ሒዞሞ ዝጸንሑ ቦታ ድማ ብሓድሽን ውዑይን ደም ክትካእ ኣለዎ። ንመነባብሮ ኢልካ ካብ ንእሽቶ ድኳን ንእሽቶ ውድብ ምባል ግን ክሳራ እምበር ረብሓ ስለ ዘይብሉ ኣይትሕሰብዎ ጥራሕ እየ ክብል ዝኽእል።

ሕቶ፦ ተቓወምቲ ዉድባት ከምቲ ካብ ህዝቢ ዝተነጸለ ቃልሲ እየን ዘካይዳ ዝበሃላ ንመንእሰይ ወለዶ’ዉን ዘይሓቑፋ ከም ዝኾና እየን ዝሕመያ። ኣብ ኣኼባ ደብረዘት ንዝተንጸባረቐ መንፈስ መሰረት ጌርና ክንዛረብ እንተኼንና’ዉን ኣብ መንጎ መንእሰያትን መራሕቲ ዉድባትን ርኡይ ናይ ፍልልይ ዶብ ኣሎ። ብወገን  ገለ መንእሰያት፡ “መራሕቲ ዉድባት ንዓና ኣብ ሑቕፊ ሻዕብያ ዝዓበዩ፡ ብፕሮፖጋንዳ ሻዕብያ ሓንጎሎም ዝተሓጽበ እናበሉ ኢዮም ዝንጽሉና። ስለዚ ምስዚ’ኣቶም ክንቃለስ ኣይንኽእልን ኢና” ዝብል ስምዕታታት ይቐርብ እዩ። ብወገን ገለ መራሕቲ ዉድባት’ዉን ንተበግሶ መንእሰያት ከም ስግኣት ናይ ምርኣይ ዝንባለታት ኣሎ። ስለዚ እዚ ፍልልይ’ዚ ብኸመይ ክመሓደር ይኽእል? ሃገራዊ ባይቶ’ኸ ነዚ ሕጂ ብናይ መንእሰያት ተበግሶ ጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቓስ መንእሰያት ብኸመይ እዩ ዝርእዮ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኣብዚ ዝበሃል ዘሎ ርእይቶ እውን ኩሎም መራሕቲ ውድባትን ኩለን ውድባትን ሓደ ዓይነት ርእይቶ ከምዘለዎም ጌርካ እንተዘይተገልጸ ጽቡቕ እዩ። ናይ መንእሰያት ውደባን ናህርን ዘፍርሖም ወገናት ከምዘለዉና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ቀስ ዝለመደ ጉያ ኣይፈቱን። ስለዚ ተሰጊርና ተቐዲምና ዝብል ስምዒታት ክፍጠር ዝኽእል ምዃኑ ሓደን ክልተን ዝበሃሎ ኣይኮነን። እንተ’ቲ ነዚ ሕጂ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ሑቕፊ ሻዕቢያ ዝዓበዩ ብፕሮፓጋንዳ ሻዕብያ ሓንጎሎም ዝተሓጽበ ወዘተ ወዘተ ምባል ግን – ካብኡ ወጻኢ ደኣሞ እንታይ ክኾኑ ክጽበይዎም? ኣብ ሻዕብያ/ህግደፍ ጥራሕ ዝበሓቶ ሃገር ካብዚ ወጻኢ ካልእ ሓቂ ክህሉ ኣይክእልን እዩ።  መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ግን መንእሰያት ከምኡ እዮም ኢልካ ካብ መንእሰያት ምርሓቕ  ዘይኮነስ ካብ ናይ ህግደፍ ዝሓይሽ ኣረኣእያ እንተልይዎም ነቶም ናይ ህግደፍ ኣረኣእያ ተሰኪሞም ዝመጹ መንእሰያትና ብደሞክራሲያውን ጸረ ምልካውን ኣረኣእያ ክምልምልዎምን ክሃንጽዎምን እንተኺኢሎም ጥራሕ እዩ።  እዚ ከኣ ናብ መንእሰያት ቀሪብካ ዝግበር እምበር ብማዕዶ እናተፈራራሕካን እናተነጻጸግካን ዝግበር ስራሕ ኣይኮነን።

ሕቶ፦ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ክደግሞ የብሉን ዝበሃል ኣሉታዊ ተመኩሮ ተቓወምቲ ዉድባት እንታይ እዩ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሕድሕድ ምቁንጻብ፡ ምርጣጥ፡ ንነብስኻ ንሓድሽ ኣተሓሳስባን ነብሰህንጸትን ድሉው ዘይምግባር፡ ትሕዘ-ጸኒሓዊ ኣካይዳ ከም ባህሊ ነኺስካ ምኻድ፡ ኣብ ሕድሕድካ ምጥርጣር፡ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ብሉጽ ኬንካ ክትረኤ መታን ኣብ ክንዲ ብሉጽ ስራሕ ምስራሕ ስለዘይከኣልካ ነቶም ካልኦት ኣነኣኢስካ ብሉጽ ኬንካ ክትረኤ ምድላይ- ኣብ መንእሰያት ክረኣዩ ዘግበኦም ቀተልቲ ዝምባሌታት እዮም።

ሕቶ፦ ሃገራዊ ባይቶ ከም ጽላል መላእ ሓይልታት ለዉጢ መጠን ስቅያት መንእሰያትና ኣብ እስራኤል፡ ግብጺን ሱዳንን ንምቅላል ዝወሰዶ ብጭቡጥ ዝግለጽ ስጉምቲ ወይ ፈተነታት ኣሎ’ዶ?

ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ካብ ምስ ገለ ግዱሳት ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ጎረባብቲ ሃገራትን ምዝርራብ ወጻኢ ዛጊት ዝተገብረ ልዕሊኡ ጭቡጥ ስራሓት ኣሎ ክብል ኣይክእልን።

 ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)